ውዕሊፕሪቶሪያ ብምዕቃብ ሰላም ምፅናዕ

ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ፌዴሪኢ 62 (9) ፣ ብኣዋጅ 359/1995 ኣንቀፅ 15(3) ን ደንቢ ቁጥር 533/2015 ከምኡ ድማ ስምምዕነት እማመ ሰላም ፕሪቶርያን፣ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ንዝሓለፉ ኽልተ ዓመታት ፕረዚደንት ጊዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኮይኖም ሰርሖም’ዮም፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ወርሒ ከባቢ ድማ ንሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ውዕሊ ፕሪቶሪያን ምኽሪ ዲፕሎማቲክ ማሕበረሰብን ብምሕዋስ ሰፋሕቲ ምይይጣት እናተኻየዱ ፀኒሖም ‘ዮም። ዘመን ስልጣን ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ እንትውዳእ ዝተረፉ ቑልፊ ጉዳያት ዝሰርሕ ኣካል፣ እቲ ግዝያዊ መንግስቲ ክቕፅል ኣለዎ ዝብል ድምዳመ ድሕሪ ምትሓዙ፣ ነዚ ስግግር መን መሪሑ ኣብ ሽቶ ከብፅሕ ይኽእል? ዝብሉ ምይይጣት ተኻይዶም’ዮም፡፡

ሌ/ጀነራል ታደሰ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ምኽትል ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኾይኖም ዘገልገሉ ፣ ኣብ ዝሓለፉ ኽልተ ዓመታት ዝነበሩ ድኽመታትን ጥንካረታትን ብግልፂ ዝግንዘቡ ሰብ ‘ዮም ብምዃኖም ሕዚ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ንዘሎ ኽፍተት መሊኦም ንቕድሚት ክወስዱ ዝኽእሉ ‘ዮም ዝብል እምነት ብብዙሓት ኣካላት ስለተኣመነ ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኮይኖም ተሸይሞም ኣለው፤ስልጣን’ውን ብዕሊ ተረኪቦም፤ቃልኪዳን’ውን ኣትዮም’ዮም፡፡

ኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝተረኽበ ሰላም ክዕቀብ ንዝነበሮም ልዑል ጥንቃቐን ኣመራርሓን መንግስቲ ፌደራል ኣፍልጦ ሂቡ ኣመስጊንዎም፤ ኣብ ቀፃሊ ስራሕቲ ‘ውን ብሓባር ተቐራሪቡ ከምዝሰርሕ ኣረጋጊፁሎም ኣሎ፡፡ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ቑርፂ፣ ከቢድን ሕልኽላኽ ዝመልኦን ጉዕዞ ፣ ወሰንቲ ዝበሃሉ ዛዕባታት ስምምዕነት እማመ ሰላም ፕሪቶርያ ብዘተን ሰላማዊ መንገድን ጥራሕ ክፍፀሙ ዘርአዮ ፃዕርን ዝተረኽበ ውፅኢትን ቀሊል ዘይበሃል ‘ዩ ፡፡

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ካብ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ውስናት ንምግላፅ ፣ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ህንፀት ሰላም ፣ ቀፃልነት ዘለዎ ግልጋሎት መንግስትን ዓመታዊ ባጀትን ክስላዕ ፣ ተቛሪፆም ዝነበሩ ግልጋሎታት ፌደራል ዳግም ክጅምሩን፣ ሕቶ ህዝቢ ዝነበረ ውዝፍ ክፍሊት “ጡረታ” ዝተመልሰሉ፣ ተኣጊዶም ዝነበሩ ንብረት ውልቀን ትካልን ክምለስ ተገይሩ ‘ዩ ፡፡

ብተወሳኺ ድማ፣ ዝተፈላለዩ ዓለም-ለኸን ሃገር-ለኸን ውልቀሰባትን ትካላትን (ፌደራል ትካላት፣ ኣሓት ክልላትን ዓለምለኸ መዳርግቲ ኣካላትን) ትግራይ ክሕግዙን ሓገዝ ክርከብን ‘ውን ዘይሕለል ፃዕሪ ኣካይዶም፤ ውፅኢታዊ ዝበሃል ስራሕ ‘ውን ተሰሪሑ ኣሎ፡፡ ተመዛበልቲ ደቡብ ትግራይን ፀለምትን ናብ መረበቶም ክምለሱ ምግባር፤ ብመዳይ እሱራት ‘ውን እንተኾነ፣ ብዝተፈላለየ መንገዲ ተኣሲሮም ኾነ ኣብ ካምፕታት ክፀንሑ ተገይሮም ዝነበሩ ተጋሩ ክፍትሑን ናብ ስርሖም ክምለሱን ክኢሎም ‘ዮም ፡፡ብርክት ዝበሉ ዕውታት ስራሕቲ ሰሪሖም’ዮም፡፡ዘይተዛዘመ ስራሕቲ’ውን ኣለው፡፡

ሓድሽ ፕረዝደንት እቲ ክልል ኮይኖም ዝተሸየሙ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ቀፃሊ ሓደ ዓመት ‘ውን ዘይዛዘሙ ስራሕቲ ክዛዝሙ ትፅቢት ይግባር፡፡ ፕረዝደንት ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ፣ዘብዒ ሰላም ኮይኖም፣ ሓድነትን ሓልዮትን ኣጠንኪሮም፣ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ክዛዘሙ፣ ክዕቀቡን ክሰፍሑን፤ ከምኡ ‘ውን ሓደሽቲ ስራሕቲ ልምዓት ክጅመሩ ትፅቢት ይግባር፡፡ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያ ብምዕቃብ ሰላም ብምፅናዕ’ውን ዝኣተውዎ ቃልኪዳን ክፍፅሙ ይግባእ።

ንቀፃሊ ሓደ ዓመት እቶም ፣ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብሙለእ ክፍፀም ብምግባር ክይዲ ዝተመዛበሉ ዜጋታት ናብ መረበቶም ምምላስ ኣብ ጅማሮ ዘሎ ንኽዛዘምን ኣብ ዝተረፉ ከባቢታት ‘ውን ብቕልጡፍ ንኽትግበሩ፣ ብመሰረት ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ዕጥቂ ምፍታሕን ነበር ዕጡቓት መሊስካ ናይ ምጥያሽን ተግባር ብቕልጡፍ ብምዝዛም ኣብ ትግራይ ዘላቂ ሰላም ዝህልወሉ ሃዋህው ክፈጥሩ ኣለዎም፡፡

ኣብ ክልል ትግራይ ልዕልነት ሕጊ ከዓስል ምግባር፤ ንድሕንነት ህዝቢ፣ ንሰላም ፀጥታን ጠንቂ ዝኾኑ ርኡያት ዘይሕጋዊ ምንቅስቓሳት ጠጠው ክብሉ ምግባር፤ ነዚ ድማ ግቡእ ስራሕቲ ቁፅፅርን ምኽባር ሕጊን ብምስራሕ ሰላም ክፀንዕ፤ህዝቢ ዝተረጋገዐ ናብራ ክነብር ዘኽእሉ ስራሕቲ ምውጋን ግድን ይኸውን፡፡

ካብ ሕገ መንግስታዊን ሕጋዊ ስርዓትን፣ ካብ ሉኣላዊነት ሃገርን ስምምዕነት ፕሪቶርያን ወፃእ ዝኾኑ ርክባትን ምንቅስቓሳትን ጠጠው ክብሉ ምግባር፤ ክልል ትግራይ ንዴሞክራሲያዊ መረፃ ድሉው ክኸውን ምግባር፤ ኣብቲ ክልል ሲቪክን ፖለቲካዊን መሰላት ተግባራዊ ዝኾኑሉ፣ ብዝሃ ፖለቲካ ዘተኣናግድ ዴሞክራሲያዊ ባይታ ክፍጠር ምስራሕ’ውን ውዕሊ ስምምዕነት ምትግባርን ሰላም ምፅናዕን ስለዝኾነ እዚ’ውን ብዝግባእ ምፍፃም ግድን ‘ዩ፡፡ ድሌት ህዝቢ ትግራይ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ተፈፂሙ ሰላም ንክፀንዕ’ዩ፡፡

ወጋሕታ 2 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም

Recommended For You