
ቤት ምኸሪ ወከልቲ ህዝብታት መንግስቲ ፌዴሪኢ አብ ክልላት ኢዱ ዘእትወሉ ስርዓት ንምድንጋግ ዝወፀ መማሓየሺ አዋጅ ተዛትዩ ኣፅዲቑ።
ቤት ምኸሪ ወከልቲ ህዝብታት መበል 22 ስሩዑ ኣኼብኡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ እንተኣካይድ፣ኣዋጅ መማሓየሺ ቅድም ክብል ኣብ ዝፀንሐ አዋጅ ኣብ ኣተገባብራ ንዘጋጠሙ ዕንቅፋታት ንምፍታሕ ዝዓለም ምዃኑ ተገሊፁ።በዚ ‘ውን አብ እቲ ባይቶ ዘተ ምስተኻየደሉ ብኸልተ ድምፀ ተኣቅቦ ብዓብላሊ ድምፂ ነቲ አዋጅ ኣፅዲቑዎ ኣሎ።
በዓል ዒድ ኣል ፈጥር ብድምቀት ተኸቢሩ
መበል 1 ሺሕን 446 በዓል ዒድ ኣል ፈጥር ኣብ መላእ ሃገር ብድምቀት ተኸቢሩ። እቲ በዓል ብድምቀትን ከምዝተዛዘመ ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ፖሊስ ፌደራል እቲ በዓል ብሰላም ተኸቢሩ ንኽዛዘም ልዑል ኣስተዋፅኦ ንዘበርከቱ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ተኸተልቲ እምነት እስልምናን ኣቦታት ሃይማኖትን ምስጋና ኣቅሪቡ።
ካብዚ ብተወሳኺ ንኣሰናዳእቲ ኮሚቴታት እቲ ባዓልን መናእሰይን ከምኡ ‘ውን ካብ ድሮ እቲ በዓል ጀሚሮም ዝውሃቦም ግቡእ ብዝግባእ ንዝተዋፅኡ ሓይሊታት ፀጥታ ምስጋና ኣቕሪቡ።
ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ 100 ኣውቶብሳት
ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ 100 ትራንስፖርት ሓፋሽ ዝተገዝኣ ምንግልታዕ ትራንስፖርት ህዝቢ ንምንካይ ‘ዩ ክብላ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።
ፀገም ትራንስፖርት ክፈትሕ ‘ዩ ተባሂሉ ብወገን መንግስቲ እናተሰርሐ ንዝርከብ ስራሕ ማእኸል ብምግባር 100 ናይ ኤሌክትሪክ ኣውቶቢሳት ብሓደ መዓልቲ ስራሕ ናይ ምጅማር መርሃ ግብሪ ኣብ መስቀል ኣደባባይ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ዝተኻየደ እንትኾን፣ኣዲስ ኣበባ ወፃኢ ዝቑጥብ ነዳድን ሓምለዋይ ኸባቢ ንምፍጣርን ዝሰርሓ ተሽከርከርቲ ኣብ ግልጋሎት ብምውዓል ግንባር ቐደም ምዃና ገሊፀን።
ልዕሊ 10 ሽሕ ዕዱማት ዝሳተፉሉ ኤክስፖ ቴክኖሎጂ
ኢትዮጵያ ካብ ንምብራቕ ኣፍሪካ እቲ ዝዓበየ ኤክስፖ ቴክኖሎጂ ካብ 8 ክሳብ 10 ጉንበት ክተካይድ ‘ያ ክብላ ዋና ዳይሬክተር ምምሕዳር ድሕንነት መርበብ ኢንፎርሜሽን ወይዘሮ ትዕግስት ሃሚድ ንመራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ዝሃብኦ መግለፂ ገሊፀን ።
እቲ ኤክስፖ ኣብ ድሕንነት ሳይበር፣ ኣብ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኣብ ዘፈር ፋይናንስ ስማርት ሲቲን ዘፈራት ትምህርቲ ቴክኖሎጅን ከምዝካየድ ተዛሪበን።ኣብቲ ኤክስፖ ልዕሊ 10 ሽሕ ዕዱማት ስለዝህልዉዎ ካብ ምብራቕ ኣፍሪካ እቲ ዝዓበየ ክኸውን ከምዝገብሮ ‘ውን ሓቢረን።
በዓል ፊቼ ጫምባላላ
መለወጢ ዘበን ብሄር ሲዳማ በዓል ፊቼ ጫምባላላ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስን ዓርብን ብድምቀት ተኸቢሩ። እቲ ብዓል ብፍላይ ኣብ ሃዋሳ ሶሬሳ ጉዱማሌ ልዑል ቁፅሪ ዘለዎ ህዝቢ ኣብ ዝተረኸበሉ ተኸቢሩ።
በዓል ፊቼ ጫምባላላ ናይ ሰላም፣ ሓድነትን ሕብረትን በዓል ‘ዩ ክብሉ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሲዳማ ደስታ ሌዳሞ ገሊፆም።ክብሩ ሓሊዮም ዘፅንሑ ኣቦታት ዘለዎም ፍልጠት ዝነኣድ ከምዝኾነ ‘ውን ኣዘኻኺሮም።
ዘተ ጉጅለ ምርመራ ፖሊስ ዱባይን ፌደራል ፖሊስን
ኮሚሽነር ፌደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ጀነራል ደመላሽ ገ/ሚካኤል ብሓላፊ ጉጅለ ምርመራ ፖሊስ ዱባይ ሕቡራት ዓረብ ኤምሬታት ሌተናል ኮሎኔል ኣብደላ መሓመድ ምስ ዝተመርሐ ጉጅለ ምርመራ ኣብ ዙርያ ምርመራ ገበን ዘትዮም።
ኮሚሽነር ጀነራል ደመላሽ ገ/ሚካኤል ምስቲ ጉጅለ ምርመራ ገበን ኣብ ዝገበርዎ ምይይጥ ኣብ ዱባይ ገበን ሰሪሖም ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተሓብኡ ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ብምውዓል ምርመራ እናተገበረ ‘ዩ ኢሎም።
ኣብ ኽልቲአን ሃገራት ተደለይቲ ንዝኾኑ ተጠርጠርቲ ኣሕሊፍካ ብምሃብ ብሕጊ ተጠየቕቲ ክኾኑ ንምግባር ብሓባር ጉጅለ ምርመራ ገበን ብምጥያሽን ልውውጥ ልምዲ ብምግባርን ከምዝስራሕ ተዛሪቦም።
ልዑል ጠመተ ንሓለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮ
ኣብ ክልል ኣምሓራ ብሄረሰብ ዋግ ኽምራ ምምሕዳር ዞባ ዝቋላ፣ ደሃናን ካልኦት ወረዳታትን ንሓለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮ ልዑል ጠመተ ብመሃብ እናተሰርሐ ይርከብ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ገፆም፣ “ኣብ ከባቢ ብሄረሰብ ምምሕዳር ዋግ ኽምራ ሕፅረት ዝናብ ብምህለው ሃፍቲ ተፈጥሮ ኣብ ምዕቃብ ብልዑል ፃዕሪ ተግባራዊ ክኸውን ኣለዎ” ኢሎም።
ተፋሰስ ተከዘ ብመስኖ ናይ ምልማዕ ስራሕቲ በቢብርኩ ምስ ዝርከቡ ኣመራርሓታትን ተሳትፎ ማሕበረሰብ እቲ ከባቢን ርብርብ ዝሓትት ምዃኑ ሓቢሮም። እዞም ተስፋ ዝህቡ ጅማሮታት ምጥንኻር፣ ምስፋሕን ብቐፃልነት ክትግበሩን ከምዘለዎም ኣገንዚቦም።
ሶማሊላንድ ንሓሳብ ሶማሊያ ነፂጋቶ
ሶማሊላንድ ነቲ ኣብ በርበራ ዝርከብ ወደብን ወተሃደራዊ መዓርፎ ነፈርትን ንኣሜሪካ ከተረክቦ መንግስቲ ሶማሊያ ዘቕረቦ ዕድመ ነፂጋቶ።
ፕረዚደንት ሶማሊያ ሓሰን ሸኽ መሓመድ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ናብ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝፀሓፎ ደብዳበ፣ ኣሜሪካ ኣብ በርበራን ባሊዶግልን ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ከምኡ’ውን ወደባት በርበራን ቦሳሶን ብብሕታዊነት ክትቆፃፀሮ ሓቲቱ።
ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሶማሊላንድ ዓብዲራሕማን ዳሂር ዓደን ንውሳነ “ተስፋ ዝቖረፀ ስጉምቲ ሞቃድሾ “ ክብል ነፂግዎ። እቲ ሚኒስተር ኣብ X ገፁ ናብ ሞቃድሾ ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ “ኣፍልጦ ሶማሊላንድ ደው ንምባል ክገብርዎ ዝኽእሉ ነገር የለን” ኢሉ።
ወጋሕታ 25 መጋቢት 2017 ዓ.ም