
ጠዓሞት ዜና
ትልሚ ሰለስተ ኣዋርሕ ቢሮታት
ኣብያተ ዕዮ ጊዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዘዳለወኦ ትልሚ ሰለስተ ኣዋርሕ ናብ ካቢኔ ብምቕራብ ብምግምጋም ኣፅዲቐን።
ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ኣብ ዝሓዞ ትልሚ፥ ኣብዚ ዓመት ሓምሳን ሸውዓተን ሚኢታዊ ተሓራሲ መሬት ናብ ሕርሻን ልምዓት መስኖን ከም ዘውዕል ኣፀዲቑ ኣሎ።እኹል ዘበናዊ ዱኹዒ ከምዘሎ ዝገለፀ እቲ ቢሮ፥ ዘድሊ እታወታት ሕርሻ ብምቕራብ ነቲ ዝሓዞ ትልሚ ንምዕዋት ከም ዝስርሕ ገሊፁ።
ቢሮ ምሕደራን ኣጠቓቕማን መሬት ብግድኡ፣ኣብ ምዝገባ ካዳስተር፣ ምትካል እግርን ምርግጋፅ ልዕልነት ሕጊን ከም ዝሰርሕ ኣብ ዘቕረቦ ትልሚ ሰለስተ ኣዋርሕ ነፂሩ።
ቢሮ ጥዕና ብወገኑ፣ ኣብ መባእታዊ ክንክን ጥዕና 1 ሺሕን 500 ሰብ ሞያ ጥሙር ጥዕና ብምስልጣን ናብ ስራሕ ንምእታው ትልሚ ኣፅዲቑ ኣሎ።ካብ ሓገዝ ዝተረኸባ ኣምቡላንሳት ናብ ተግባር ኣትየን ማሕበረሰብ ከገልግላ ከም ዝገብር እውን ነፂሩ።ማሕበረሰብ መሰረት ዝገበረ መድሕን ጥዕና ምትግባር ድማ ኣካል ትልሚ ሰለስተ ኣዋርሕ እቲ ቢሮ ከም ዝኾነ ገሊፁ።
እተን ካልኦት ኣብያተ ዕዮ ‘ውን ብተመሳሳሊ ትልሚ ሰለስተ ኣዋርሕ ብምግምጋም ኣፅዲቐን።ካቢኔ ጊዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ ናይ ዝቕፅሉ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣንፈታት ትኹረትን ዕማማትን ዝሓዘ ትልሚ ከምዘፅደቐ ይዝከር።
ማእኸል ባህልን ትምህርትን ጣይቱ
ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች አቤቤ ማእኸል ባህልን ትምህርትን ጣይቱ መሪቐን ከፊተን፡፡ህንፀት እቲ ማእኸል ንኣርባዕተ ዓመታት ዝኣኽል ክስራሕ ምፅንሑ ኣብቲ እዋን ተገሊፁ፡፡
እቲ ማእኸል ቅድም ሕዚ መንበሪ ገዛ ቢትወደድ ኃይለጊዮርጊስ ወልደሚካኤል ዝነበረ እንትኾን፣ መዘጋጃ ቤት ኣዲስ ኣበባን ከምኡ ‘ውን ቤት ፍርዲን ብምዃን ኣገልጊሉ’ዩ፡፡
ኣክሲዮን ኢትዮ ቴሌኮም
ኣብ መሸጣ ኣክሲዮን 10 ሚኢታዊ ኢትዮ ቴሌኮም 10 ነጥቢ 7 ሚሊየን ብፅሒታት ኣክሲዮን ከምዝተሸጡ ኢትዮ ቴሌኮም ኣፍሊጡ።ከይዲ መሸጣ እቲ ኣክሲዮን ን121 መዓልቲታት እናተኻደ ዝፀንሐ እንትኸውን፤ 47 ሺሕን 377 ኢትዮጵያዊያን ከምዝተሳተፉ ተገሊፁ።ኣብ ከይዲ ድማ 3 ነጥቢ 2 ቢሊየን ብር ዝተኸፈለ ገንዘብ ተኣኪቡ፡፡6 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) መሸጣ 10 ሚኢታዊ ኣክሲዮን ኢትዮ ቴሌኮም ዕላዊ ምግባሮም ይዝከር።
10 ሺሕን 600 ዕጡቓት ፃውዒት ሰላም ተቐቢሎም
ኣብ ክልል ኣምሓራ 10 ሺሕን 600 ዕጡቓት ፃውዒት ሰላም መንግስቲ ከምዝተቐበሉ ሓላፊ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን እቲ ክልል እሸቴ የሱፍ (ዶ/ር) ኣፍሊጦም።
ከም ገለፃ እቶም ሓላፊ፤ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብምንቅስቓስ ኣብ ተግባር ዘረፋን ምቕታልን ዝተዋፈረ ፅንፈኛ ጉጅለ ብምክትታል ዝተጠናኸረ ስጉምቲ እናተወሰደ ይርከብ።
በዚ ድማ ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ምርግጋእ ተፈጢሩ ስሩዕ ምንቅስቓስ ከምዝቐፀለ ብምሕባር፤ ፃውዒት ሰላም መንግስቲ ዝተቐበሉ ዕጡቓት እውን ኢዶም ንመንግስቲ እናሃቡ ከምዝርከቡ ንግዜኢ ተዛሪቦም። ኣብዚ ዓመት ክሳብ ሕዚ 10 ሺሕን 600 ዕጡቓት ፃውዒት ሰላም መንግስቲ ከምዝተቐበሉ ኣረጋጊፆም።
ኣደባባይ ደቂ አንስትዮ ተመሪቑ
አደባባይ ደቂ አንስትዮ ደቂ አንስትዮ ኣብ ዘፈራት ኢኮኖሚ፣ ማህበራዊ ን ፖለቲካ ውን ዘለወን ወሳኒ ተራ ብዝገልፅ መልክዑ ምህናፁ ልዑል ውፅኢት ‘ዩ ክብላ ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።
ሓደ ኣካል ኮሪደር ካዛንቺስን ዳግማይ ልምዓትን ዝኾነ ኣደባባይ ደቂ ኣንስትዮ ሓፈሻዊ ግደ ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ህንፀት ወለዶ ዘለወን ዓብዪ ተራን ብዘጉልህ መልክዑ ሃኒፅና ኢለን ።
እቲ ኣደባባይ ስያመኡ ካብ ዝረክብ ዝፀንሐ እንተኾነ ‘ውን፤ ግደ ደቂ ኣንስትዮ ከርእይ ዝኽእል ዝኾነ ዓይነት ዝተፈለየ መግለፂ ዘይነበሮን እቲ ከባቢ ንዓይኒ ብዙሕ ዘይምችው ዝነበረ እንትኸውን፤ ብስራሕቲ ዳግማይ ልምዓት ካዛንቺስ ግና ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኢኮኖሚያዊ፣ ማሕበራውን ፖለቲካውን ዓውድታት ወሳኒ ግደ ብዝገልፅ መልክዑ ተሃኒፁ።
ልዕሊ 3 ሽሕን 100 ኪሎግራም ወርቂ ናብ ብሄራዊ ባንኪ ቐሪቡ
ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ካብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ልዕሊ 3 ሽሕን 100 ኪሎግራም ወርቂ ናብ ብሄራዊ ባንኪ ቐሪቡ፡፡
ኣብቲ ክልል መድረኽ ገምጋም ኣፈፃፅማ ትልሚ ትሽዓተ ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2017 ዓ.ም እንተሳልጥ፣ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ልዕሊ 3 ሽሕን 100 ኪሎግራም ወርቂ ናብ ብሄራዊ ባንኪ ብምቕራብ ካብቲ ዘፈር ልዕሊ 38 ሚሊዮንን 900 ሽሕን ብር ኣታዊ ከምተረኸበ ተገሊፁ።
ብቲ ገምጋም ብኣናእሽቲ ኣፍረይቲ ወርቅን ኩባንያታትን 3 ሽሕን 170 ነጥቢ 6 ኪሎግራም ወርቂ ናብ ብሄራዊ ባንኪ ንኽኣትው ተገይሩ። እቲ ኣፈፃፅማ ምስ ዝሓለፈ ተመሳሳሊ ግዜ እንትነፃፀር ልዑል ወሰኽ ምርኣዩ ቢሮ ኮሙዩኒኬሽን እቲ ክልል ፀብፂቡ።
ወጋሕታ 23 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም