ኣብ ክልል ትግራይ ምኽክር ንምክያድ ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፡-ኣብ ክልል ትግራይ ምኽክር ንምክያድ ምስ ተፈላላዩ መዳርግቲ ኣካላት ይስራሕ ከምዘሎ ሃገራዊ ምኽክር ኮሚሽን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከቡ ዕጡቓት፣ ፖለቲከኛታትን ካልኦት ውድባትን ኣጀንዳኦም ከቕርቡ ከምዝኽእሉ ገሊፆም፡፡

ወሃቢ ቃል እቲ ኮሚሽን ኣይተ ጥበቡ ታደሰ ንትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ከምዝገለፅዎ፤ ኣብ ክልል ትግራይ ምኽክር ንምክያድ ምስ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ዘተ ይካየድ ኣሎ፤ ምስቲ ሓድሽ ዝተመስረተ ግዝያዊ ምምሕዳር ብቐረባ ንምስራሕ ዘኽእሉ ርክባት ኣለዉ፡፡

እቲ ሓዱሽ ምምሕዳር ምስ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ምርድዳእ ካብ ዝበፅሖም ጉዳያት ሓደ እቲ ምኽክር ኣሳታፍን ንኹሉ ዝሓቁፍን ኣገባብ ምክያድ ምዃኑ ብምጥቋም፤ ኣብ ቀፃሊ እቲ ኮሚሽንን ግዝያዊ ምምሕዳርን ተራኺቦም ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ክዘራረቡ ትፅቢት ከምዝግበር ገሊፆም።

እቲ ኮሚሽን ዝተረፉ ዕማማት ንምፍፃም ብትግሃት ይሰርሕ ከምዘሎ ብምጥቓስ፤ ካብ ቀዳማይ ሰሙን ወርሒ ግንቦት ጀሚሩ ብደረጃ ፌደራል ኣጀንዳ ምትእኽኻብ ንምክያድ ምድላዋት ይዛዘም ከምዘሎ ‘ውን ኣመልኪቱ። ከም ሃገር ንኣጀንዳታት ምቕራፅ ምቹው ሃዋህው ንምፍጣር ክሳብ ሕዚ ዝተኣከቡ ኣጀንዳታት ናይ ምጥንኻር ስራሕ ይስራሕ ከምዘሎ ‘ውን ኣመልኪቶም።

ብተወሳኺ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከቡ ዕጡቓት፣ ፖለቲከኛታትን ካልኦት ውድባትን ኣጀንዳኦም ከቕርቡ ከምዝኽእሉ ዝተቖሙ ኣይተ ጥበቡ፣ኣብቲ ክልል ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ ምኽክር ጉባኤ ዝሳተፉ ኣጀንዳ ናይ ምእካብን ወከልቲ ምምራፅን ዕዉት ምንባሩ እቲ ኮሚሽን ኣፍሊጡ።

ናይቲ ክልል ከይዲ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ብ4 ሚያዝያ ‘ኳ እንተተዛዘመ ሕዚ ‘ውን ዕጡቓት፣ ፖለቲከኛታትን ካልኦት ውድባትን ኣጀንዳታት ከቕርቡ ይኽእሉ ‘ዮም።

ኣብቲ ክልል ስግኣት ፀጥታን ጎንፅታትን ኣብ ዘለወሉ ኩነታት ዝተኻየደ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ኣብ ሃገራዊ ምኽክር ዝሳተፉ ተወከልቲ ናይ ምምራፅ ከይዲ ዕውት ከምዝነበረ ዝገለፁ ኣይተ ጥበቡ፤ ተሳተፍቲ ኣብቲ መድረኽ ክሳተፉ ዘኽእሉ ኩሎም መማረፂታት ከምተሰርሐ ገሊፆም።

ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘለዉ ወገናት ኣብቲ ከይዲ ዝሳተፍሉ ኩነታት ንምምችቻው ይሰርሕ ከምዝነበረ ብምጥቋም፤ እዞም ወገናት ኣለና ዝብልዎ ኣጀንዳታት ናብ ምኽክር ከምፅኡ ግልፂ ሕቶ ከምዝቀረበ ኣመላኺቶም፡፡

በቲ ዝተጠቀሰ ግዜ ውፅኢት እንተዘይተረኸበ እውን እቲ መስርሕ ምጅማሩ ንባዕሉ ፅቡቕ ጅማሮ ‘ዩ ኢሎም፡፡

ምትእኽኻብ ኣጀንዳ እቲ ክልል ብ4 ሚያዝያ ‘ኳ እንተተዛዘመ ኣብቲ ከይዲ ዘይተሳተፉ ዕጡቓት፣ ፖለቲከኛታት፣ ካልኦት ወገናትን ግን ሕዚ ’ውን ኣጀንዳታቶም ከቕርቡ ከምዝኽእሉ፤ እዞም ወገናት ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ሃገራዊ ምኽክር ክሳተፉ ፃዕርታት ይቕፅል ከምዘሎ ገሊፆም።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 23 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም

 

Recommended For You