
ኣዲስ ኣበባ፦ ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርህ ኣብ መላእ እዛ ሃገርን ከምኡ ‘ውን ኢትዮጵያውያን ኣብ ዘለውሉ ሃገራት ዓለም ብመላእ ተሳትፎ ሕብረተሰብ ብዝተገበረ ምልዕዓል ንህንፀት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ 1 ነጥቢ 1 ቢሊዮን ብር ከምዝተኣከበ ጊዜያዊ መተሓባበሪ ቤት ፅሕፈት እቲ ፕሮጀክት ገሊፁ፡፡
ጊዜያዊ መተሓባበሪ ቤት ፅሕፈት ፕሮጀክት ህንፀት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ምክትል ዋና ስራሕ ኣፈፀሚት ወይዘሮ ፍቅርተ ተኣምር ንትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ከምዝበልኦ፤ እቲ ሕብረተሰብ ንህንፀት ግድብ ህዳሰ እናርኣዮ ዘሎ ተሳትፎ ሐዚ ‘ውን ተጠናኺሩ ቀፂሉ ኣሎ፡፡ ኣብዚ ድማ ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ጥራሕ ሓደ ነጥቢ ሓደ ቢሊዮን ብር ክዋፃእ ተኻኢሉ ኢለን።
ብመሰረቱ እቲ ሕብረተሰብ ዘይተሳተፈሉ ስራሕቲ ልምዓት ውፅኢታዊ ክኸውን ኢልካ ምሕሳብ ከቢድ ‘ዩ ዝበላ ወይዘሮ ፍቅርተ፤ ይብዛሕ ይንኣስ እቲ ሕብረተሰብ ነሃተይ ‘ዩ ኢሉ ዝኣመነሉ ስራሕቲ ልምዓት ውፅኢቱ ኣዕጋቢ ይኸውን፡፡ ከም ኣጋጣሚ ወይ ድማ ኣድላይ ኾይኑ እቲ ግድብ ህዳሰ ዝሰራሕናዮ ብናይ ባዕልና ዓቕሚ ካብ ህፃን ክሳብ ዓብዪ፣ ካብ ድኻ ክሳብ ሃፍታም፣ ካብ ምሁር ክሳብ ዘይተምሃረ፣ ካብ ነጋዳይ ክሳብ ሓረስታይ ኩሉ ናይ ዓቕሙ ዘዋፅአሉ ጥራሕ ዘይኮነስ ብትኹረት ትፅቢት ዝግበረሉ ስራሕ ምዃኑ ኣመልኪተን፡፡
እቲ ግድብ ሙሉእ ንሙሉእ ተዛዚሙ ክሳብ ዝምረቕ ናይቲ ህዝቢ ሓድነትን ሕብረብሄራዊነትን ተጠናኺሩ ክቅፅል ኣለዎ ዝበላ ወይዘሮ ፍቅርተ፤ ሓደ እንተኾይንና ዝኾነ ይኹን ዘሽንፈና ነገር ከምዘይህልው እነርእየሉ ምዃኑ ሓቢረን፡፡
ከም ገለፃ ወይዘሮ ፍቅርተ፤ ህንፀት እቲ ግድብ ብዙሕ ውፃእ ውረድ ሓሊፉ ዝነቕሐ ተሳትፎ ሕብረተሰብ ተወሲኹሉ ብልዑል ትኹረት መንግስቲ ተሰሪሑ ናይ ሲቪል (ኮንስትራክሽን) ስራሕቱ ተዛዚሙ ‘ዩ፡፡ ምስዚ ተተሓሒዙ ናይቲ ግድብ ኮረቻን ዋና ህንፀት ግድብን ሙሉእ ብሙሉእ ተዛዚሙ ‘ዩ ምስ በላ ኣብ ዝቕፅል ሓዱሽ ዓመት 2018 ዓ.ም መጀመሪያ ከባቢ መንግስትን ህዝብን ብሓባር ሪቫን ክቆርፁ ‘ዮም ተባሂሉ ትፅቢት ከምዝግበር ሓቢረን፡፡
ኣብርሃ ሓጎስ
ወጋሕታ 23 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም