
ኣብ ምህንድስና ሃፍቲ ማይ ናይ መጀመርታ ዲግሪኦም ካብ ናይ ቀደም ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ማይ ኣርባ ምንጭ፣ ሕዚ ዩኒቨርሲቲ ኣርባ ምንጭ ረኺቦም ‘ዮም። ናብ ግብፂ ተጓዒዞም ብሃይድሮሎጂን ሃይድሮሊክስን ድሕረ ምረቓ ዲፕሎማ ወዲኦም። ኣብ ሆላንድ ኣብ ዝርከብ ትካል ትምህርቲ ማይ (IHE) ዩኔስኮ ብሃይድሮኒክ ምህንድስና ናይ ማስተርስ ዲግሪኦም ወዲኦም።
ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ተጓዒዞም ኣብ ሸቶታት ዘላቒ ልምዓትን ዓውዲ ማይን ዝተፈላለዩ ስልጠናታት ረኺቦም ‘ዮም። ኣብ ስርሖም ድማ ኣባይ ካብ ምንጩ ክሳብ መዕለቢኡ ብምፍላጥ ኣብ ምርምር ስራሖም ኣካቲቲቶሞ ‘ዮም። ምስ ማይ ብዝተኣሳሰር ከም ክኢላ ሃይድሮሎጂ ኮይኖም ሰሪሖም ‘ዮም። ብተወሳኺ ኣብ ግድብ ኣስዋን ዑደት ብምግባር ዝተፈላለዩ ትምህርታዊ ዑደት ኣካይዶም። ምስ ግድብ ኣባይን ካልኦት ምስኡ ዝተኣሳሰሩ ጉዳያትን ብዝምልከት ትፕኢ ዝገበሮ ቓለ መሕትት ጋዜጣ ወጋሕታ ካብ ኣምሓርኛ ናብ ትግርኛ ከምዝስዕብ ተርጕሙ ኣቕሪብዎ ኣሎ።
ሕቶ፡- ብዛዕባ ግድብ ኣባይ እንትሓስቡ መጀመርያ ናብ ኣእምሮኦም ዝመፅእ እንታይ ‘ዩ?
ኢ/ር ኣበራ፡– ብዛዕባ ምህንድስና ማይ ንምዝራብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዕድላት ምርካብ ዓቢዪ ዕድል ‘ዩ። ንሰብ ሞያ ማይ ድማ ናይ ምስትንፋስ ዕድል ይህበና።
በዚ መንፅር ኣባይ ክሓስብ ከለኹ ቀዳማይ ኣብ ኣእምሮይ ዝመፀኒ፣ ነበር በዓል መዚ ምርምር ልምዓት ሸለቖ ዝሰርሖ ዕምቆት ዘለዎ ስራሕ ‘ዩ። ቀደም ከም ሃይድሮሎጂስት ኮይነ ይሰርሕ ስለ ዝነበርኩ፣ ኣብቲ ሕዚ እቲ ግድብ ዝህነፀሉ ቦታ ዕሙቕ ዝበለ መፅናዕቲ ተኻይዱ ‘ዩ።
ብዙሓት ካባና ፃዕርና መዓዝ ፍረ ከም ዘፍሪ ንሓስብ ነይርና ኢና። ሩባታትና ክንጥቀመሎም ብዘይምኽኣልና ‘ውን ሕራነ ይፈጥረልና ነይሩ ‘ዩ።ዘይትንከፍ ዝመስል፤ ብዙሕ ፀቕጢ ዝነበሮን ዘይከኣል ዝመስል ዝነበረን ኮይኑ ግና ሕዚ ክውን ኮይኑ ምስ ረኣኹ ኣዝየ ሕጉስ ‘የ። ኩሉ ኢትዮጵያዊ በቲ ጉዳይ ኣዝዩ ክሕጎስ እንከሎ እቲ ሓጎስ ግን ንሰብ ሞያ ማይ ዝተፈላለየ ‘ዩ። ሓጎስና ድርብ ትርጉም ኣለዎ።
ምኽንያቱ ኣብ ውሽጥና ሒዝናዮ ዘለና ናይ ልምዓት ድሌት ክንግንዘብ ዕድል ሂቡና ‘ዩ። ካልኦት ሩባታት ‘ውን ክለምዑሉ ዝኽእሉ መንገዲ ንምርኣይ ኣፍደገ ይኸፍተልና ‘ዩ። ናይ ምዝራብ ናፅነትና ‘ውን የረጋግፅ። ኣብ ኩሉ ስራሕና ውፅኢታውያንን ሕጉሳትን ክንከውን ‘ውን ይሕግዘና።
ብስምዒት ተዛሪብና ኢና። ሰባት ሰሚዖም ሃገርና ኣብ ኩሉ ዓውድታት ዕውትቲ ክትከውን ክሕግዙና በሪ ዝኸፍት ‘ዩ። ብሓፈሻ ኣባይ ክጠቅስ ከለኹ ብቓላት ክገልፆ ዘይክእል ኮይኑ ይስምዓኒ። ንዓና መሃንድሳት ማይ ብዙሕ ረብሓ ስለ ዘምፅኣልና ቀሊል ስምዒት ኣይኮነን።
ኢትዮጵያውያን ሩባታቶም ንክጥቀሙሉ ንዘመናት ለፊዖም ‘ዮም። ይኹን ‘ምበር ብሰንኪ ግዳማዊ ፀቕጥን መንግስቲ ምቹው ኩነታት ዘይምፍጣሩን ክውን ክገብርዎ ኣይከኣሉን። ሕዚ ግን ህንፀት ተጀሚሩን ብፅቡቕ ይኸይድ ከምዘሎን ኣብ ዝቕፅሉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ክዛዘም ምዃኑን ሰሚዕና ኣለና። ሕዚ እቲ ቅድሚ ሕዚ ዝነበረ ኩነታት ኣብቂዑ ኣሎ።
እቲ ፕሮጀክት ከም ሃገር ዓብዪ ዓቕሚ ዝፈጥር፤ ዕቤት ዘቓላጥፍ፤ ከምዝኾነ ዘጣራጥር ኣይኮነን። ሓይሊ ብምፍልፋል ንብዙሓት እናጠቐመ ‘ዩ። ምዝዛሙ ንኹሉ ስምዒታዊ ዜና ዝፈጥር ‘ዩ። ኣብ ሃገርና ተበፃሕነት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣስታት 44 ሚኢታዊ ጥራሕ ‘ዩ። ህዝቢ ገጠር ክሳብ ሕዚ ካብቲ ፀልማት ኣይወፀን። ከም ላምባን ነዳዲ ዕንጨይትን ይጥቐም ኣሎ።
ነዚ ህዝቢ ካብዚ ፀገም ሓራ ንምውፃእ ድማ እቲ ዘለዎ ሃብቲ ክጥቀመሉ ምትብባዕ የድሊ። ኣብዚ ኣበርክቶ ግድብ ኣባይ ዓብዪ ‘ዩ። ኣብ ፀልማት ዝነበሩ ዜጋታት በቲ ግድብ ብዝፈጠሮ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብርሃን ክረኽቡ ‘ዮም። ህይወቶም የመሓይሹን ምስ ግዜ ይወሃሃዱን።
ዜጋታት ካብ ስራሕ ኣልቦነት ንኽገላገሉ ይሕግዝ። ሃገር ካብ ነብሳ ሓሊፋ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብምሻጥ ፍልፍል እቶት ክትረክብ የኽእላ። ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ፅቡቕ ዝምድናን ምትእስሳርን ምትሕብባርን ንምምስራት ‘ውን ይሕግዝ። ስለዚ እዚ ዅሉ ጥቕምታት እዚ ሓጎስ ብዝብል ክጣቓለል ኣይኽእልን። እቲ ስምዒት ብኹሉ ኩርናዓት ክርአ ከሎ ካብ ሓጎስ ንላዕሊ ‘ዩ።
ሕቶ- ክዛዘም ሒደት ስራሕቲ ጥራሕ ተሪፍዎም ዘሎ ግድብ ኣባይ ንኢትዮጵያን እንታይ ትርጉም ኣለዎ? ምስ ዓወት ዓድዋ ኸ ከመይ ይወዳደር?
ኢ/ር ኣበራ፡- ከም ዝፍለጥ ዓድዋ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ፤ ሃይማኖት፤ ፆታ፤ ዕድመ ብዘየገድስ ዝተሳተፈሉን ብሓይሉ ናፅነቱ ዘረጋገፀሉን፤ ፍሉይ ናይ ዓወት ታሪኽ ‘ዩ፤ ክብሩ ዓቂቡ ካልኦት ከኽብርዎን ክፈትውዎን ዝገበረ ‘ዩ። ዓድዋ ድሕሪ ደጊም ኣብ ሞንጎ ፀዓዱን ፀለምትን ኣፈላላይ ከምዘይትገብር ዝገበረ ዓወት ‘ዩ። ብፍላይ ንሕና ኢትዮጵያውያን ዝኸድናዮ ሃገር ብዘየገድስ ብዘይ ዝኾነ ሕፍረት ብኹርዓት ክንዛረብ ዕድል ሂቡና ‘ዩ።
ኣብ ዓለም ከም ኣባይ ዝኣመሰለ ዓቢይ ፕሮጀክት፣ ብናይ ገዛእ ርእስኻ ወፃኢታት ተሰሪሑ ኣይፈልጥን። ኣይክኣልን ዝብል ሓሳብ ዝሰበረ ‘ዩ። እዚ ድሕሪ እቲ ኣብ ዓድዋ ዝተረኸበ ዓወት ‘ዩ መፂኡ። ሎሚ ንገብሮ ዘለና ንሱ ‘ዩ። ሎሚ በቲ ትማሊ ዝሃነፅናዮ መንነት ንነብር ኣለና። ንኻልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ‘ውን ናፅነት ኣላቢስና ኢና። ብግድብ ኣባይ ንዓለም እናገረምና ኢና፤ ኣብ ግድብ ኣባይ ሓምለዋይ መማረፂ ፀዓት ንሃንፅ ኣለና፤ ደሓር ድማ ንዓለምና ካብቲ ብከላ ኣየር ዘስዕቦ ሓደጋታት ክንከላኸለላ ክሕግዘና ‘ዩ።
ግድብ ኣባይ ኣብ ቴክኒካዊ ስራሕቲ በሊፅና እንረአየሉ፤ ብቑጠባ ክንስስን ዘድልየና ናፅነት ዘምፀኣልና ‘ዩ። ነቲ ኣይከኣልን ዝብል ናብ ክንኽእል ኢና ዝብል ሓሳብ ቀይርናዮ ኣለና። ከም በዓል ግብፂ ዝኣመሰላ ሃገራት ‘ውን ኣተሓሳስበኦም ክንቅይር ክኢልና ኢና። ናይ ኢትዮጵያ ሓሳብ ‘ውን ከም ዝዕወት ጌርናዮ ኣለና።
ሕቶ፡- ኢትዮጵያ ህንፀት እቲ ግድብ ካብ እትጅምር ኣትሒዛ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ፍትሓዊ ምክፍፋልን ሓባራዊ ልምዓትን ዝብል መትከል ተኸቲላ እያ። ሕዚ ብዘሎ ህሉው ኩነታት ነዚ ብተግባር ኣረጋጊፃ ኣላ። ኣብዚ መዳይ ክሳብ ሕዚ ዝተገብረ ጉዕዞ ብኸመይ ምግላፅ ይከኣል? እቲ ውፅኢት ከ ከመይ ይረአ?
ኢ/ር ኣበራ፡- ኣብ ዓለምና 276 ስግረ-ዶባዊ ሩባታትን 592 ስግረ-ዶባዊ ኣካላት ትሕተ-ምድራዊ ማይን ከምዘለዉ መፅናዕትታት ይሕብሩ። 40 ሚኢታዊት ህዝቢ ዓለም ኣብ ከምዚ ስግረ ዶባት ዝካፈላ ሃገራት ‘ዩ ዝነብር። 90 ሚእታዊት ሃገራት ነዞም ሩባታትን ተፋሰሳትን ይካፈላ። ምስዚ ተኣሳሲሩ ሩባ ኣባይ ዝካፈላ ሃገራት ኣለዋ። ፍልፍል እቲ ሩባ ዝኾነት ኢትዮጵያ 86 ሚኢታዊት ተካፍል። ኮይኑ ግና ገለ ሃገራት ክሳብ ሕዚ ነዚ ሃብቲ እዚ ከይትጥቀመሉ ይደልዩዋ። “ንሕና ጥራይ ኢና ተጠቀምቲ” ዝመስሉ ነገራት’ውን ተዛሪቦም ‘ዮም።
ኢትዮጵያውያን ናይ ዘይምክፋል መሰል ‘ኳ እንተሃለዎም ነዚ ክገብሩ ኣይደለዩን። ልምዶም፣ ባህሎም፣ ምክፋልን ሓቢርካ ምዕባይን ብምዃኑ ባህሎም ከካፍሉን ሓቢሮም ክዓብዩን ስለዝደልዩ በይኖም ክጥቀሙ ኣይደልዩን። ኮይኑ ግና ፀላእቲ ኢትዮጵያ ክሳብ ሕዚ ኣይደቀሱን። ኢትዮጵያውያን ግና ውዲት ፀላእቶም ብምፍሻል ሎሚ’ውን ይቕፅሉ ኣለዉ። ናይ ገዛእ ርእሶም ረብሓ ከረጋግፁ ይፅዕሩ ኣለዉ። ሕዚ ኣብ መወዳእታ ይበፅሑ ኣለዉ።
ክሳብ ሎሚ ንታሕቲ ዝወረዳ ሃገራት ንኻልእ ሰብ ከይፈቐዳ ብፍቓደን ዝተፈላለየ ግድባት ሰሪሐን ‘የን። ንሕና ‘ውን እንተዘይተሰማሚዕና ኣይከውንን ብምባል ዝተፈላለየ ፀቕጢ ይገብሩልና ኣለዉ። ብዘይ መርትዖ ዋላ እቲ ዲዛይን ቅኑዕ ኣይኮነን። ይጎድአና ‘ዩ ብምባል ‘ውን ተዛሪቦም ‘ዮም። ዝተፈላለዩ ምድንጋራት እናፈጠሩን እናተኸሰሱን ፀኒሖም ‘ዮም።
እታ ወናኒት እቲ ማይ ዝኾነት ኢትዮጵያ ብዘይፈረመቶ ስምምዕነት ክትግዛእ ከምዘይትኽእል ዝተረድኡ ኣይመስሉን፤ እንተተረድኡ ‘ውን ምቕባል ኣብዮም ኣሎ። ነዚ ምርዳእ ዝከኣል ድማ ሰሪሕኻ ብምርኣይ ‘ዩ፤ ነዚ ድማ ኣብ ግድብ ኣባይ ኣርኢናዮም ኣለና። ዓቕምና ክሳብ ክንደይ ከም ዝኾነ ኣረጋጊፅና ኣለና። በዚ ተግባር እዚ ንብዙሓት ሰባት ኣፎም ክሕዙ ገይርናዮም ኢና። ናብቲ ዝደለናዮ መስመር ከም ዝመፁ ጌርናዮም ኣለና።
ክሳብ ሕዚ ብዘሎ ኣካይዳ ታሕተዎት ተፋሰስቲ ሃገራት ንላዕለዎት ሃገራት ፀቕጢ ክገብራ ተራእዩን ተሰሚዑን ኣይፈልጥን። ኣብ ከምዚ ዓይነት ናይ ማይ እኳዳኣስ ብሰናይ ድሌት እተን ላዕለዎት ሃገራት ‘ዩ ዝከናወን። ኣብ ሃገርና ክመፅእ ከሎ ግን ተፃራሪ ትርጉሙ ተዋሂብዎ ኣሎ። ፅዕንቶ ክግበረልና ፀኒሑ ‘ዩ፤ ነዚ ዝተፈላለዩ ምኽንያታት ኣለዉ። እቲ ሓደ ደረጃ ምዕባለና ‘ዩ።
ንኣብነት፣ ግብፂ ካብ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ እቶት ሰለስተ ዕፅፊ ኣለዋ። ካልእ ምስ ምዕቡላት ሃገራት ዘለና ርክብን ኣድላይነተንን ‘ዩ። ከም በዓል ግብፂ ዝኣመሰላ ሃገራት ካባና ንላዕሊ ምዕቡላትን ደገፍ ካልኦት ሃገራት ኣውሮፓን ዓረብን ዘለወን ብምዃነን ፀቕጢ ክገብሩ ዕድል ሂቡወን ኣሎ። እንተኾነ ግና እቲ ውፅኢት ብዓወት ኢትዮጵያ ‘ዩ ተዛዚሙ ኣሎ።
ኢትዮጵያ ልምዓታ ብምቅልጣፍ ናብ ፍትሓዊ ስራሕ ሰሪሓ ‘ያ። ፍትሓዊ ኣጠቓቕማ ማይ ንምርግጋፅ ትሰርሕ ኣላ። ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ሃገራት ብናይ ገዛእ ርእሰን ሕጊ ንባዕለን ክመሓደራ ‘ውን ብዝተፈላለየ መንገዲ እናሰርሐት ‘ያ። ንኣብነት ሓደ ካብ ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት ኩለን ሃገራት ማዕረ ክኾና ምግባር ‘ዩ፤ ርትዓውን ሚዛናውን ረብሓታት ክህልዎም ምግባር ‘ዩ።
እዚ ክውን ንምግባር ኣብ እትደራደረሉ ኩሉ ግዜ እናሓበረት ‘ያ። ኣብ መንገዳ ዝኾነ ይኹን ብዘየገድስ ምቅዋምን ንማንም ኢዳ ከምዘይትህብን ተርኢ ኣላ። ሕዚ ’ውን እንተኾነ ነቲ ዝበፃሕናዮ ግድብ ክሳብ መወዳእታ ምድጋፍን ዓወቱ ምፅንባልን ንፅቡቕ ዝምድናና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከየእተና ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ኣገዳሲ ‘ዩ።
ሕቶ፡- ዝተፈላለዩ ኣካላት ንህንፀት እቲ ግድብ ንምዕንቓፍ ብፍላይ ድማ ግብፂ ሰፊሕ ናይ ፀለመ ወፍሪ፣ ብተደጋጋሚ ናብ ባይቶ ፀጥታ ናይ ጥርዓን ወፍሪ ከትገብር ፀኒሓ ‘ያ። ነዚ ኩሉ ብዲፕሎማሲ ምብዳህ እንታይ ማለት እዩ?
ኢ/ር ኣበራ፡– ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ልዕሊ 400 ስግረ-ዶባዊ ሩባታትን ቀላያትን ንምጥቃም ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃገራት ስምምዓት ተገይሩ ‘ዩ። ካብዚ ሓሊፉ ንመጓዓዝያ ዘይኮኑ ስግረ-ዶባዊ ሩባታትን ቀላያትን ንምጥቃም ኩለመዳያዊ ማዕቀፍ ዝህብ ውዕላት ዋተርሽድ ሕቡራት ሃገራት ብዕለት 21 ግንቦት 1997 ተፈሪሙ ብዕለት 17 ነሓሰ 2014 ኣብ ግብሪ ወዒሉ ‘ዩ።ዲፕሎማሲ ማለት ነዞም ሕግታት ምኽባርን ብማዕረ ምትግባርን ማለት ‘ዩ።
ዲፕሎማሲ ኩሉ ሰብ ብማዕረ ተዓዋቲ ምግባር ‘ዩ። ምስዚ ተኣሳሲሩ ኣብ ሳይንስ ማይ ዘሎ ኣምር ማዕርነት ብምትንታን ዲፕሎማሲ ማይ እንታይ ከም ዝብል ክርዳእ ይደሊ። ነቲ ትርጉም ናብ ተግባር ምትርጓም ‘ውን የድሊ። ብፍላይ ብምህንድስና ሳይንስ ማይ፣ ብዛዕባ ጂኦፖለቲካ ዓሚቝ ፍልጠት የድሊ። እናረኣኻ ክትትርጉሞ ይግባእ። ምስዚ ተኣሳሲሩ እቶም ተደራደርቲ ኣዝዮም ጠንካራታትን ብጥንቓቀ ዝተመርፁን ምዃኖም ተራእዩ ‘ዩ።
ክሳብ ሕዚ ዝሰርሕዎ ዲፕሎማስያዊ ስራሕ ኣብ ኩሉ ዓውድታት ንፉዓትን በላሕትን ምሁራት ምዃኖም ክንርኢ ክኢልና ኢና። ሳይንስ ብምልባስ ምትእምማን ንምርካብ ተቓሊሶም ‘ዮም። ተዓዊቶም ዘብል ውፅኢት ኣርእዮም ‘ዮም። ንኣብነት ከም በዓል ግብፂ ዝኣመሰላ ሃገራት በብእዋኑ ዝተፈላለየ ሓሳባት ሒዘን ‘ኳ እንተመፃ ኢትዮጵያ ግን ኩሉ ግዜ ተዓዋቲት ኮይና ትወፅእ ኣላ። እቲ ድርድር ኣወንታዊ መዳያት ንምርኣይ ምድምማፅ ፈጢሩ ‘ዩ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝካየድ ዘሎ ክትዓት ኣብ ኣወንታዊ መደምደምታ ይበፅሕ ኣሎ። ይኹን ‘ምበር ሕዚ ’ውን ተኣማንነት ዲፕሎማሲ ዘዳኸሙ ረቛሒታት ኣብ ምልላይ ክንሰርሕ ኣለና። ንኣብነት እቶም ክሳብ ሕዚ ነቲ ጉዕዞ ከዐንቅፉ ዝፀንሑ ብናተይ ኣረኣእያ መሃንድሳት ማይ ‘ዮም ክብል የፀግመለይ።
ኢትዮጵያ ኣብ እትገብሮ ዝኾነ ነገር ጥርጣረ የብሎምን። ካብቲ ዲዛይን፤ ካብቲ መስርሕ ዋላ መሰል ምጥቃም እንተሃልዩካ እቲ ፍልልያት ክንድኡ ዓቢዪ ኣይኮነን። እዚ ክኸውን ዝገብሩ እቶም ፖለቲከኛታት ‘ዮም። ስልጣኖም ንምዕቃብ ብዙሕ ነገራት ብምፍጣር ነቲ ህዝቢ ክቆፃፀርዎ ይፅዕሩ። ስለዚ ደው ንክተብል ምስራሕ የድሊ።
እታ ሃገር ሩባ ኣባይ ጥራሕ ዘይኮነስ ካልኦት ብዙሓት ኣብ ጥቕሚ ክውዕሉ ዝኽእሉ ሃፍቲ ማይ ኣለውዋ። ዋላ ማይ ትሕቲ ምድሪ እንተሃለዎም፤ ንኣብነት ግብፂ 500 ቢልዮን ሜትር ኪዩብ ማይ ኣለዋ። ንዘመናት ክትጥቀመሉ ኢኻ ይበሃል። ይኹን ‘ምበር ንምንታይ ኣብ ልዕሌና ጥራሕ ትኹረት ትገብር ከምዘላ ንማሕበረሰብ ዓለም ምሕባር ‘ውን ኣገዳሲ ‘ዩ።
ሚዛናዊ፤ ፍትሓውን ርትዓውን ኣጠቓቕማ ማይ ንምኽኣል ዝብል ሓሳብ ምቕራብን ኣብ ኣእምሮኻ ምምፃእን ‘ውን ኣገዳሲ ‘ዩ። ሽዑ ደገፍትና ከነሐይል ንኽእል ኢና። ካልእ ተወሳኺ ዕማማት ብዘይ ዝኾነ ሰብ ኢድ ኣእታውነት ክንሰርሕ ይገብረና።
ሕቶ፡- ህንፀት ግድብ ኣባይ ንኻልኦት ሃገራት እንታይ ረብሓ ኣለዎ?
ኢ/ር ኣበራ፡ ብዙሕ ረብሓታት ኣለዎ። እቲ ሓደ ካብ ግድብ ኣስዋን ብውሕጅን ምትናንን ዝጠፍእ ማይ ንኸይባኽን ንምክልኻል ‘ዩ። ግድብ ኣስዋን ክዓቢ ከሎ 160 ቢልዮን ሜትር ኪዩብ ይሕዝ። ካብዚ ልዕሊ 10 ቢልዮን ሜትር ኪዩብ ብሃፋን ውሕጅን ይባኽን። በዚ መንፅር ህንፀት ግድብና በዝሒ ብኽነት ክቕንስ ይገብር።
ካብ ኢትዮጵያ ናብ ታሕተዎት ሃገራት ብምሕጅ ዝውሕዝ መጠን ደለል ብምንካይ ‘ውን ጠቓሚት ‘ዩ። እዚ ማለት ግድባቶም ብደለል ከይመልእ ዝሕግ ‘ዩ። ግድባቶም እኹል ማይ ክሕዝ ምችው ኩነታት ዝፈጥር ‘ዩ። ብመንፅር ምክልኻል ውሕጅ ‘ውን ኣዝዩ ኣገዳሲ ‘ዩ።
ግብፃውያን ግድብ ኣስዋን ክሃንፁ ከለዉ 500 ዓመት ክፀንሕ ሓሲቦም ነይሮም። ነዚ ዕላማ ንምዕዋት ድማ በብእዋኑ ዝእከብ ደለል ምእላይ የድሊ። ስለዚ ኢትዮጵያ ትሰርሖ ዘላ ስራሕ ነዚ ፀገም እዚ ንምእላይ ስለ ዝሕግዝ ዝኾነ ይኹን ዕንቅፋት ክግበረላ የብሉን።
ሱዳናውያን ከይተረፉ ግድቦም ደለል ከይመልእ እኹል ዕቑር ማይ ክህልዎም ዝሕግዝ ‘ዩ። ካብቲ በብእዋኑ ዝመፅእ ውሕጅ ‘ውን ይከላኸለሎም። እዚ ድማ ስራሕቲ ሕርሻኦም ንምስፋሕን ንብረቶም ንምሕላውን ዝሕግዝ ‘ዩ። እቲ ማይ ካብ ዝለቐቕ ጀሚሩ ሃፍቲ ማይ ዘስፍሑሉን ተመሳሳሊ ልምዓታዊ ፕሮጀክትታት ንምክያድን ‘ውን ዕድል ዝፈጥር ‘ዩ።
ስራሕና ንዜጋታት እታ ሃገር ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምሃብ ጥራሕ ዘይኮነስ ፀገም ኤሌክትሪክ ጎረባብቲ ሃገራት ንምፍታሕ ‘ውን ‘ዩ። እቲ ምኽንያት እኹል ሓይሊ ምስ ዝፍጠር ብዛዕባ ካልኦት ምሕሳብ ስለ ዝከኣል ‘ዩ። ካብዚ ሓሊፉ ካባና ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክገዝኡን ፍልፍል ፀዓት ጂኦተርማል ንኻልኦት ንጥፈታቶም ክጥቀሙሉን ዕድል ዝህብ ‘ዩ።
ዝያዳ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምህላው ‘ውን ብመንፅር ቁጠባኦም ኣብ ምዕባይ ብዙሕ ረብሓታት ኣለዎ። ሓይሊ ማይ ሓምለዋይን ተሓዳሲን ፍልፍል ፀ ዓ ት ስለዝኾነ ብመንፅር ምክልኻል ከባቢ ዓቢዪ ዓቕሚ ኣለዎ። ኣብ መላእ ዓለም ሓምለዋይ ከባቢ ኣብ ምፍጣርን ብከላ ኣየር ኣብ ምንካይን መተካእታ ዘይብሉ ተራ ኣለዎ።
ሕቶ፡- ኣብ ቀረባ እዋን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዓብዪ ሃገራዊ ሜጋ ፕሮጀክት ማለት ፋብሪካ መዳበርያ ከምዝጅመር ኣፍሊጦም ነይሮም። ስትራተጂካዊ ኣገዳስነት ናይዚ ፕሮጀክት ብኸመይ ምግላፅ ይከኣል?
ኢ/ር ኣበራ፡- ብደረጃ ሃገር ሕዚ ኩሉ ተጀሚሩ ቐርዩ ዝብል ሓሳብ ይጠፍእ ኣሎ ‘ዩ። እዚ ድማ ኣብ ዓወት ብዙሓት ፕሮጀክትታት ይርአ ኣሎ ‘ዩ።
ብዙሓት ኣብ ሓፂር ግዜ ተሃኒፆምን ተራእዮም ‘ዮም። መዳበርያ ‘ውን በዚ ክረኣይ ዝኽእል ‘ዩ። ብርግፅ ቅድሚ ሕዚ ፋብሪካ መዳበርያ ንምህናፅ ተበግሶታት ነይሩ ‘ዩ። ይኹን ‘ምበር ክቕፅል ኣይከኣለን። እዚ ሕዚ ዘሎ መንግስቲ ነዚ ዕላማ ክወቅዕ ዘይክእለሉ ኩነታት ዘሎ ኣይመስለንን። ብፍላይ ብሕፅረት መዳበርያ ዝሳቐዩ ዘለዉ ሓረስቶት እፎይታ ዘምፅእ ኣብ ሓፂር ግዜ ክውን ክኸውን ‘ዩ ዝብል ሓሳብ ኣለኒ።
ከም ዝፍለጥ መዳበርያ ልዑል ዋጋን ድጎማ ዝግበረሉን ‘ዩ። ነዚ ኣብ ውሽጢ ሃገር ምፍራይ ‘ውን ዝተፈለየ ትርጉም ኣለዎ። እቲ ሓደ ሃገር ልዑል ወፃኢታት ንኸይተወፅእ ዕድል ዝፈጥር ምዃኑ ‘ዩ። መዳበርያ ንምፍራይ ዘድልያ ዝበዝሕ ሃፍቲ ካብ ተፈጥሮኣዊ ሃፍታ ‘ያ ትረኽቦ። ካብዚ ወፃኢ ተፈጥሮ ነቲ ብኣሲድን ካልኦት ጎዳእቲ ነገራትን ዝጉዳእ ዘሎ ሓመድ ንምፍዋስ ‘ውን ክሕግዝ ‘ዩ። ልዕሊ ኩሉ ድማ ሓረስቶት ብዘይ ዝኾነ ስክፍታ ብቐሊሉን ብእዋኑን ድኹዒ ክረኽቡ ክኽእልሉ ኩነታት ዝፈትር ‘ዩ። በዚ ድማ ናሕሪ ዋጋ ክቕንስ ይግብር።
ሕቶ፡- ግድብ ኣባይ ብዝምልከት ከመሓላልፍዎ ዝደልይዎ መልእኽቲ እንተሃልዩ ዕድል ክህቦም፤
ኢ/ር ኣበራ፡– ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን ሃፍቲ ማያ ብዝተፈላለየ መንገዲ እናፋለጠት ዘላ ኮይኑ ይስምዓኒ። ሓደ መዓልቲ ማይ ብዝብል ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ እትገብሮ ዘላ ንጥፈታት ‘ዩ። እዚ ግን ምስፍሕፋሕ የድሊ። ዓለም እንተይተረፈት እትጥቀመሎም ዘላ ምሁራት ናይ ኢትዮጵያ ንሕና ግና ብዛዕባ ባሕርን ቀፃሊ ኣጠቓቕማን ሃፍቲ ማይ ኢትዮጵያ ብዝግባእ ክዛረቡ ዕድል ንፈጥር ዘለና መሲሉ ኣይስምዐንን። ዓበይቲ ናይ ምርምርን ውፅኢታዊ ተግባራት ከም ተመኩሮ ኣይቐርቡን ዘለዉ።
ኣብዚ ሕዚ ቀንዲ ዕማም ሩባ ኣባይ ፀዓት ምፍራይ ጥራይ ኣይኮነን። ካብ 250 ኪሎ ሜትር ሓሊፍና ሰፊሕ ናይ ስራሕ ዕድላት ንፈጥር ኣለና። ስለዝኾነ ሃፍቲ ዓሳ ብምምዕባልን ፍልፍል ቱሪዝም ምግባርን፤ ኣብ ዙርያኡ ሰፊሕ ስርዓተ መስኖ ብምፍጣር ምህርቲ ናብ ወፃኢ ዝለኣኽ ፍርያት ኣብ ምስፍሕፋሕ ክንሰርሕ ይግባእ። በዚ ምኽንያት ኣብ ዙርያ ግድብ ኣባይ ቅድሚ ምዝዛሙን ድሕሪ ምዝዛሙን ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዝኾነ ጎንፂ ከይፍጠር ብሰፊሑ ምስራሕ የድሊ። ምልውዋጥ ሓበሬታ ‘ውን ክግበር ይግባእ።
ቀንዲ ድሌትና ብናይ ገዛእ ርእስና ፀጋታት ምምዕባልን ምብልፃግን ‘ዩ። ስለዚ ካብ ምሁራት ልዕሊ ኩሉ ነዚ ዘረጋግፅ ስርዓት ክተኽሉን ቅኑዕ ሓበሬታ ክህቡን ትፅቢት ይግበር። ኩለን ሃገራት ክሕግዛና ክንገብር ክንክእል ኣለና። መንግስቲ ነዚ ከም ዝገብሮ እምነት ኣለኒ።
ካሊእ ታሕተዎት ተፋሰስ ሃገራት ሓድሽ ኣጀንዳታት ክህባና እንተለዋ ክንቅበሎ የብልናን። የግዳስ ነቲ ዘልዕልዎ ሕቶታት ግቡእ መልሲ ንምሃብ ድሉዋት ክንኸውን ይግባእ። ወሃብቲ ‘ምበር ተቐበልቲ ኣጀንዳ ክንከውን የብልናን። ንሕና ኢና ሓቂ፣ ሳይንስ፣ ዓለም ለኸ ሕጊ መሰረት ገይርና ከንፈጥሮም ዝግበአና።
መኣርግ ገ/ሄር
ወጋሕታ 25 መጋቢት 2017 ዓ.ም