
ናይ ሎሚ ዓምዲ ጋሻና ምስ ምዝዛም ዓብይ ፆም ምምፃእን በዓል ትንሳኤን ተተሓሒዙ ጋዜጣ ወጋሕታ ምስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሃገረ ስብከት ዋና ኣመሓዳሪ መንበረ መንግስቲ ግቢ ገብርኤል ገዳም ዝኾኑ ሊቀ ልቃውንት ኣባ ጥዑመ ልሳን ኪዳነ ማርያም ፃንሒት ብምግባር፤ ኣብ ዛዕባ ኣስተምህሮታት ቤተክርስትያን ብፍላይ ሓደ ሰብ እንትፀውም ክገብሮን ዝግባእን ዘይግባእ ተግባራት፣ ተኸታላይ እምነት ክርስትና ኦርቶዶክስ እናፆሞ ዘሎ ፆም ሰናይ ተግባራት ኣብ ምስራሕን ሰላማዊ ሂወት ኣብ ምጥንኻርን እንታይ ግደ ይህልዎ፣ ካብዚ ሰሙነ ሕማማትን ብፍላይ ካብ ስነ ስርዓት ፀሎት ሓሙስ እቲ ምእመን እንታይ ይምሃር፣ ከምዚ ዝበሉ ዓበይቲ በዓላት እቲ ሕብረተሰብ ከመይ ከኽብሮም ኣለዎ ኣብ ዝበሉ ዛዕባታት መብርሂ ምዕዳንን መልእኽትን ዝሓዘ ከምዝስዕብ ኣቅሪብናዮ ኣልና ፤ሰናይ ንባብ፡-
ወጋሕታ፡- ኣስተምህሮታት ቤተክርስትያን ኣብ ኣፅዋም እንታይ ይብል ብፍላይ ሓደ ሰብ እንትፀውም ዝገብሮን ዘይገብሮን ተግባር እንታይ ክኸውን ኣለዎ?
ኣባ ጥዑመ ልሳን፡- ትርጉም ፆም ካብቲ ግሱ ጀሚርና ክነሪኦ ከለና፤ ፆመ ማለት ገደፈ፣ ተዓቀበ ዝኣምሰለ ትርጉም ዝህብ ‘ዩ። ብሓፂሩ ፆም ማለት ካብ መንገዲ ሓጢያት ኩሉ ምዕቃብ ማለት ‘ዩ። ናይ ልማደ ስጋ ገዲፍካ ናብ ልማደ መንፈሳዊ ምድላው ‘ዩ። ብሓፈሻ ብፍቃድ ስጋ ንፍቃደ ነፍሲ ሰብነትካ ምግዛእ ማለት ‘ዩ።
እቲ ዝፅወም ፆም ናይ ምግቢ ጥራሕ ዘይኮነስ ብዝሑ ‘ዩ። እቶም እንፀሞም ኣፅዋማት ካብ ተዋፅኦ እንስታት ዝርከቡ ከም ስጋ፣ ፃባ፣ ጠስሚን እንቁላሊሕን ዝኣምሰሉ ምግቢታት ጥራሕ ምፃም ዘይኮነስ ካብ ዘይብልዑን ካብ ኣፍ ዝወፅኡን ‘ውን ከምቲ ቅዱስ ያሬድ ዝበሎ፤ ኣፍ ይፁም፣ መልሓስ ይፁም፣ ዓይኒ ይፁም፣ እዝኒ ‘ውን ካብ ክፉእ ምስማዕ ይፁም።
ዓይንና ክፉእ ንምርኣይ ካብ ምውሳድ ፅቡቅ ነገር ንክትርኢ ምውሳድ፣ ኣፍና ‘ውን ክፉእ ነገር ካብ ምንጋር ተዓቂብና ፀፅቡቅ ምንጋር፣ እዝንና ክፉእ ነገር ካብ ዝዝረበሉ ቦታ ኣርሒቅና ፅቡቅ ቃለ እግዚኣብሄር ናብ እንሰምዐሉ ሰናይ ተግባራት እንሪአሉን ምውሳድ፣ ኢደና ‘ውን ካብ ስርቂ ካብ ሕማቅ ተግባርን ተቆጢብና፤ ምፅዋት ብምምፅዋትን ዝወደቀ ሰብ ብልዓል ብምድጋፍ፣ ኣእጋርና ‘ውን ናብ ዘይረብሕ ቦታ ዝሙት፣ ረብሻ ዝፍጠረሉ ካብ ምኻድ ምዕቃብ ‘ዩ ፆም ማለት። ስለዚ ፆም ካብዚ ኩሉ ተቆጢብካ ምቅማጥ ማለት ‘ዩ።
ወጋሕታ፡- ዓብይ ፆም ካብ ካልኦት ዓይነታት ኣፅዋም ፍልይ ዘብሎ እንታይ ‘ዩ?
ኣባ ጥዑመ ልሳን፡- እዚ ሒዝናዮ ዘለና ፆም ካብ ካሊእ ዓይነታት ፆም ፍልይ ካብ ዘብሎ እቲ ሓደ፤- መድሓኒትና የሱስ ክርስቶስ ነዓና ኣብነት ንሙኻን ባዕሉ ፀይሙ ዝጀመሮ ምዃኑ፣ ንሱ ነዓና ኣርኣያ ንምዃን ትምህርቲ ዘለዎ ምዃኑ ‘ዩ። ከምቲ ብሰለስተ ኣርእስተ ሃጣውእ (ዓበይቲ ሓጥያታት) ስስዕና፣ ትዕቢትን ምፍታው ገንዘብን ተፈቲኑ ዝሓለፈ ኣንሕና ‘ውን ስቡኤ ቀነኖ ክንኣትው ከለና፤ ኩሉ ዝጋጥም ፈተና ከምይ ከም እንሓልፎ ኣብ ማትዎስ ምዕራፍ 4 ብደምቢ ገይሩ ይነግረና ‘ዩ።
ጎይታና የሱስ ክርስቶስ መጀመርያ ቅድሚ ናብ ስብከት ምእታው ዓለም እናዘረ ምምሃሩን ምስ ተጠመቀ ከይወዓለ ከይሓደረ ወድያው ናብ ገዳመ ቆረንጠስ ኣትዩ ርኣብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ደው ዝበላ እግሩ ከይዓፀፈን ኢዱ ከይኣከበን እኽልን ማይን ከይጠዓመ ‘ዩ ፀይሙ።
እዚ ድማ ናይ ባዕሉ ትምህርቲ ኣለዎ ‘ዩ። ቅድሚ ዝኾነ ናብ ስራሕ ምእታውኩም ፆም ፅሙ ማለቱ ‘ዩ። ፆም ናብ እግዚኣብሄር ዝተቅርብን ዝተዓርቅን ስለዝኾነት መጀመርያ ፆይምኹም ንእግዚኣብሄር ጠይቁ ኢሉ ዘምሀረና ስለ ዝኾነ እዚ ፆም ካብ ካልኦት ኣፅዋማት ፍሉይ ይገብሮ። ካልኣይ ፍልይ ዘብሎ ድማ እዚ ፆም ነዊሕ ብምዃኑ ‘ዩ። ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ዝፆሞ ኣርብዓ ቀትርን ለይትን ብዘይ ማይን እኽልን ‘ዩ ኣንሕና ግና ሓምሳን ሓሙሽተን ንፆም ይመስል ‘ምበር ኣይኮነን።
ከም ኣበሃህላ ሊቃውንቲ ኣንሕና ኣርብዓ መዓልትን ለይትን ብዘይ እኽልን ማይን ክንፀንሕ ስለዘይንኽእል፤ እናወዓልና ኣብ ትሸዓተ ሰዓት እኽሊ እናቀመስና ንፁም ኢሎም ስለደንገግዎ ሃዋርያት፤ ይኹን ‘ምበር ክሳብ ትሽዓተ ሰዓት ዘይንፀንሐለን መዓልታት ወይ ብናይ ሃዋርያት ቀኖና መሰረት ድማ 8 ቀዳምን 7 ሰንበትን ኣለዋ ‘የን። እዚአን ድማ ተደሚረን 15 መዓልታት ይኾና።
ነዘን ዘይ ፆምናየን መዓልታት እንተቁፀራ ኣርብዓ መዓልቲ ‘የን ዝኾና። ስለዚ ካብ ካልኦት ኣፅዋማት ንውሕ ዝበለ ስለዝኾነ ብኣምሓርኛ ሁዳዴ ይብሃል። እዚ ማለት ድማ ሰፊሕ ናይ ማሕበር ግራት ማለት ‘ዩ። እዚ ፆም ከምኡ ሰፊሕ ስለ ዝኾነ ካብ ካሊእ ፍልይ የብሎ ማለት ‘ዩ።
ወጋሕታ፡- ፆም ሰናይ ተግባራት ኣብ ምስራሕን ሰላማዊ ሂወት ኣብ ምጥንኻርን እንታይ ግደ ይህልዎ ይኽእል?
ኣባ ጥዑመ ልሳን፡- ከምቲ ቅድም ኢለ ጅምር ኣቢለዮ ዝነበርኩ፤ ፆም ንበይኑ ክንፀውም ኣይንኽእልን። ብተወሳኺ ‘ውን ምፅዋት፣ ፀሎትን ስግደት የድሊ ‘ዩ። ብፍላይ ፆም፣ ፀሎትን ምፅዋትን ዝፈላላዩ ኣይኮኑን። ጎይታና ንሃዋርያት ካብ ዘምሃሮም ሓደ ፀሎትን ምፅዋት ‘ዩ ከመይ ገይረካ ከምዝፅወምን ከምዝምፅወትን ኣብ ማቴዎስ ምዕራፍ 6 ካብ ቁፅሪ 1 ጀሚሩ ተቀሚጡ ኣሎ፡፡
ስለዚ ሰናይ ተግባር ምግባር ማለት ምፅዋት ‘ዩ። ምፅዋት ማለት ምሃብ ‘ዩ ንመን? ንድኻ ማለት ‘ዩ። ምፅዋት ካብተን ዝተፃሕፋ ‘ውን ጠምየ ኣየብላዕኹምንን፣ ፀሚአ ኣየስተኹምንን፣ ዓሪቀ ኣይኸደንኩምንን ከምዝብለን ኩሉ ብዓቅሙ ምሃቡ ቀሊል ነገር ይኮነን። ስለዚ ሓደ ሰብ ኣብ እዋን ፆም ቁርሱን ምስሑን እንተኣቅሚጥዎ ዋጋ የብሉን።
እቲ ቁርሱን ምስሑን፤ ቁርሲን ምሳሕን ንዘይብሉ እንትህብ ‘ዩ እቲ ፆም ብትኽክል ፆይምና ክንብል እንኽእል። ስለዚ ኣብ መዓልቲ ኣርባዕተ ግዘ እንበልዕ ሰባት እቲ ሰለስተ ንፅጉማት ክንህብ ‘ዩ ዝግባእ። እዚ ‘ውን ሰናይ ተግባር ዝብሃል።
ወጋሕታ፡- ኣብዚ ሰሙነ ሕማማት እቲ ምእመን እንታይ ክምሃርን እንታይ ብምግባርከ ከሕልፎ ኣለዎ? ብፍላይ ካብዚ ስነ ስርዓት ፀሎት ሓሙስ እንታይ ኢና ንምሃር?
ኣባ ጥዑመ ልሳን፡- ሕማማት ኢልና ንፅውዖ ካብ ዝሓለፈ ሶኒ ጀሚርና ኢና። ሕማማት ማለት ድማ ናይ ጎይታና መድሓኒትና የሱስ ክርስቶስ መከራን ስቃይን ዝተቀበለለን ሰሙ ን ማለት ‘ዩ። ካብ ሶኒ ጀሚሩ ከም እንፆም ብቀኖና ሃዋርያት ስለዝተወሰነ ንፆም ኣለና።
ኣይሁድ ‘ውን ካብ ዕለት ረቡዕ ጀሚሮም ተማኺሮም ወዲኦም ሓሙስ ‘ውን ዝሕዝሉ ሰዓት ‘ዩ። ዓርቢ ድማ ዝተሰቐለሉ መዓልቲ በዓል ‘ዩ። ናይ ዕዳ ደብዳቤና ዝተደምሰሰሉ ንሓሙሽተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ኣብ ሲኦል ዝነበሩ ዝወፅኡሉ ‘ውን ዓርቢ ‘ዩ።
ኣብዚ ድማ ሓሙስ ዓብይ በዓል ኣለና። እዚ ድማ ቅድሚ ዓርቢ ስቅለት ፆለተ ሓሙስ ይብሃል። ብኻሊእ ድማ በዓል ምስጢር፣ በዓል መስዋእቲ፣ ብዓል ምስረታ ሓዲስ ኪዳን ይብልዎ ‘ዮም። ካብዚ ኹሉ እዚ ንህዝቢ ከምህር ዝኽእል ናይ ደቂ መዛሙርቱ እግሪ ትሕት ኢሉ ዝሓፀበሉ በዓል ‘ዩ። እዚ ድማ ትሕትና ንምርኣይን ንምምሃርን ‘ዩ። ስለዚ ኣንሕና ‘ውን ትሕትና እንምሃረሉ መዓልቲ ‘ዩ።
ክርስትያን ዘበለ ኩሉ ካብ ትሕትና መድሓኒትና የሱስ ክርስቶስ ትሕትና ከምሃር ኣለዎ። ዓርሱ ልዕል ዘብል ተዋራዲ ምኹኑ ክፈልጥ ኣለዎ፡፡ ኣነ ጥራሕ “የ ዝፈልጥ፣ ኣነ ጥራሕ ዝበልክዋ ትኹን ዝብል ከምቲ ኣብዚ ዘመንና ኣብ መራሕቲ ፖለቲካ ዝረኣይ ዘሎ ኩሉ ናይ ዕብዳን ርኹስን ስራሕ ‘ዩ። ምኽንያቱ ሓሲኻ ዘይብልካ ኣለኒ፣ ዘይትገብሮ ክገብር ‘ዩ ኢልካ ዝስራሕ ብፍላይ ከም ኣፍሪካን ዓድናን ዝርኣይ ተግባር ‘ዩ።
ስለዚ ብፍላይ ክርስትያን ዝኾነ ኣመራርሓ ቅድሚ ረብሕኡን ስልጣኑን ንህዝቡ ትሕት ኢሉ ከገልግል ክኽእል ኣለዎ። ካሊእ ኣብዚ ዕለት ስጋኡን ደሙን ንክንቅበል ዘምሀረናን ከምኡ ‘ውን ፆሎት ዘምሀረናን መዓልቲ ‘ዩ። ስለዚ ፆሎተ ሓሙስ ክነኽብር ከለና ፋሲካና የሱስ ክርስቶስ ዝኾነሉ ‘ውን ‘ዩ።
ወጋሕታ፡- ከምዚ ዝበሉ ዓበይቲ በዓላት እቲ ሕብረተሰብ ብከመይ ከኽብሮም ኣለዎ? ብፍላይ ኣብ ትግራይ ብዘሎ ኩነታት ነቲ ህዝቢ ዘሕልፍዎ መልእኽቲ ወይ ምዕዳን እንተሃልይዎም ናይ መወዳእታ ዕድል ክህቦም።
ኣባ ጥዑመ ልሳን፡- ከምቲ ቅድም ኢለ ዝነኻኻእክዎ፤ ናይ ፖለቲካ ሰባት ዓድና ትግራይ ኣጥፊኦማ ‘ዮም። ትግራይ ጥራሕ ዘይኮነ ኩሉ ‘ውን ፅቡቕ ኣይኮነን ዘሎ። እቶም ናይ ፖለቲካ ሰባት እቲ ዘካይድዎ ፖለቲካኦም ብሰላማዊ እንተዝኸውን። እዚኦም ፖለቲካውያን ኣብዝሕኦም ክርስትያን ‘ዮም ዝኾኑ እሞ ስዘሊ እዚ እንዛረቦ ዘለና ክበፅሖም ይግባእ።
ካብ ቅዱስ ወንጀል ካብ ጎይታና እየሱስ ዝወፅአ ቃል ክንነግሮም እሞ ካብቲ ዝኸድዎ ዘለው መንገዲ እንተተመለሱ። ቅድሚ ኩሉ እቶም ገዛእቲ እንተዘይ ዓርዮም ካሊእ ኣይዕርን ‘ዩ። ሓደ ሓፁር እንተፈሪሱ ኩሉ ‘ዩ ዝደፍሮ። ሓፁር ማለት ድማ እቶም መራሕቲ ‘ዮም። እቶም መራሕቲ ናብ ኵናት ዝወስድ ዘይኮነስ ናብ ሰላም ዝወስድ ኣንፍት ሒዞም ክምርሑ ኣለዎም።
ከምቲ ጎየታና እየሱስ ክርስቶስ ርእሱ ኣትሕት ኣቢሉ ትሕትና ዘርአየና ንሳቶም (መራሕቲ ፖለቲካ) ‘ውን ንህዝቦም ትሕት ኢሎም ክምርሑ ከገልግሉ ይግባእ። ናይ ህዝቢ ሓለውቲ ካህናት ጥራሕ ኣይኮኑን። ንሳቶም ‘ውን ሓለውቲ ማለት ‘ዮም።
ናይ ኣባጊዕ ሓላዊ እንተጠፊኡ ድማ እተን ኣባጊዕ ኣደዳ ኣራዊት ‘የን ዝኾና። ስለዚ ቅድሚ ንዓርሶምን ንስልጣኖምን ከምቲ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ንህዝቡ ስግኡ ኣሕሊፉ ዝሃበን ደሙ ዘፍሰሰን እቶም መራሕቲ ‘ውን ቅድሚ ንረብሓ ስግኦምን ስልጣኖምን ነቲ ዝመርሕዎ ህዝቢ ከገልግሉ ኣብቲ ቦታ ከምዝተቀመጡ ክፍልጡ ይግባእ። ነቲ ህዝቢ ብትኽክለኛ መንገዲ ዘገልግልሉ ክሪኡ ኣለዎም።
እቶም ምእመናንን ‘ውን ክርስትያን ይኹኑ ካልኦት ተኸተልቲ እምነት ብስም መንነቶም ክጉድኡ የብሎምን። ብፍላይ ብዝተፈላላየ ምኽንያት ካብ መረበቶም ወፂኦም ኣብ ዝተፈላላየ ከባቢ ተፈናቂሎምን ኣብ ስደትን ዝርከቡ ፀገም ኣብ ልዕሊ ፀገም እናተደራረበ ሰብ ስራሕን ተፈጥሮን ብዘስዓብሎም ፀገማት፤ ንፋስ፣ ፀሓይ ውሕጅን ቃፀሎ ሓዊን ይጉድኡን ንዘለው ኣብ ዘለውዎ እግዚኣብሄር የፅንዕዮም።
ካሊእ ዘሕልፎ መልእኽቲ ዘለና ንበይንና ኣይንብላዕ ዝብል ‘ዩ። ነቶም ካብ ዓዶም ተማዛቢሎም እቲ ዘፅለልሉ ኬንዳ ‘ውን ተቀዲድዎም፣ እኹል ሓገዝ ‘ውን ዘይበፅሖም ዘለው ወገናት ዓብይን ንእሽተይን ከይበልና ብዝተኽኣለና ኩሉ አለናልኩም ክንብሎም፣ ክንበፅሐሎምን ክንረድኦምን ይግባእ ‘የ ዝብል።
ኣንሕና እንተስ በጊዕ እንተስ ደርሖ በሊዕና ንውዕል ኢና ነሳቶም ግና ዝኾነ ዘይብሎም ክኾኑ ስለዝኽእሉ በዝኸኣልናዮ መውዓሊ ብዓል ፋሲካ ክንብሎም ይግባእ። ነቲ በዓል ጥራሕ ዘይኮነስ ብሓፈሻ በሊዖም ዝሓድሩሉ፤ ዕራቆቶም ዝሽፈኑሉ ከዳን ‘ውን ክሕሰበሉ ይግባእ።
ነዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ይኹን ካብ ሃገር ወፃኢ ዘሎ ወገን ነቶም ኣብ ፀገም ዘለዉ ኣሕዋትና ክሕብሮም ኣለዎ። ከምቲ መድሓኒትና እየሱስ ክርስቶስ ሓሙሽተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚትን ኣኺሉ ዝበፀሓሎም ሐዚ ‘ውን ኣብ ቀረባ ግዘ ንክብፅሐሎም ንፅሊ ንልምን። ናብ ዓዶም ተመሊሶም ብነፃነት ንክነብሩ ካኣ እግዚኣብሄር ይሓግዞም።
ወጋሕታ፡-ንዝህቡኒ መብርሂ፣ ምዕዳንን ንዝሐለፍዎ መልእኽትን የቐንየለይ ።
ኣብርሃ ሓጎስ
ወጋሕታ 9 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም