
ኣብ ዙርያ ኣጠቃቅማ ማይ ኣባይን ግድብ ህደሴን ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ ፣ ግብፅን ሱዳንንን ካብ 24 መጋቢት2003 ዓ.ም ጀሚሩ ዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመታት ዝርርብ ሕልፍ ኢሉ ‘ውን ክርክራትን ድርድራትን ተኻይዱ ‘ዩ። በዓል ውዕለታ ኢትዮጵያ ብርቂ ተወለድቲ ደቃ ካብ ኹናት ብዘይነኣሰ መልክዑ ቀትርን ለይትን ካብ ኽልተ ሃገራት እናተሰንዘሮም ዝነበሩ ሓሳባት ተቃሊሶም ፣ናይ ሓሳብ ቃልሲ ፈፂሞም ዓወት ኣመዝጊቦም ‘ዮም።
በዚኦም ህልኽ ዘወድእ ድርድር ቀደምቲ ተሳተፍቲ ዝነበሩ ምሁራን ፣ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ምሁርን ተመራማርን ሃይድሮ ፖለቲክስ ዶክተር ያቆብ ኣርሳኖ(ተ/ፕ/ር) ከምኡ ‘ውን ምምሕዳር ሃፍቲ ማይ ናይ ውልቀ ኣማኻሪ ኣይተ ፈቅኣሕመድ ነጋሽ ተጠቀስቲ ‘ዮም።
እዚኦም ምሁራን ብዘይ ምስልቻውን ተኸታታልቲ ናይ ድርድራት መዓልቲ ዝወደአ ከይዲ ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ፣ ብሕቡራት ዓረብ ኤምሬት ኣተሓባባርነት ብኣሜሪካ ኣደራዳርነት ኢትዮጵያ፣ ግብፅን ሱዳንን ብዝተፈላለዩ ዓመታት ዝወድኡ ዝርርባትን ድርድራን እንትካየዱ ሙሁራዊ ኣበርክቶ ሂቦም ‘ዮም።
ከይዲ እቲ ድርድር ኣመልኪቱ ተደራዳሪ ኣይተ ፈቅኣሕመድ ከምዝበልዎ ፣ግብፃውያን ቀዲሞም ህንፀት ግድብ እንትጅመር ናብ ድርድር ዝኣተዉ ተለሳሊሶም ስለዝነበረ ኣጀማምርኡ ከቢድ ኣይነበረን። ‹‹ሓበሬታ ይወሃበና›› ኢሎም እትሓቱ ‘ውን ብፍርሓት ኢትዮጵያ ሓበሬታ ኣይህብን ክትብል ‘ያ ኢሉ ኣብ ስግኣት ውሽጢ ነይሩ ዩ። ኾይኑ ግና እናፀንሑ ናይ ኢትዮጵያ ሓቂ ንምዝባዕ ፃዕሪ ምግባርን ተለዋጢ ሓሳብን ብምድሓዝ በቢግዚኡ ፀገም ናብ ምእታው ኣትዮም፣ ኣብዚ ከይዲ ውሽጢ ‘ውን ፀኒሖም።
ከም ኣይተ ፈቅኣሕመድ ገለፃ፤ ግብፃውያን ናይ ሰለስተ ሃገራት ባዓል ሞያታት ኣብ ሓደ እቲ ግድብ የፅንዑ ዝብል ሕቶ ኣቕሪቦም ፤ ኣብ ዝነበረ ከይዲ ‘ውን ዓብይ ጭቕጭቕ ዝነበሮ፣ ሓደ ሓድ ግዜ ግብፃውያን መድረኻት ረጊፆም እንትወፁን ተለሚኖም እናኣተዉ ዝካየደሉ ኩነታት ‘ውን ነይሩ ‘ዩ። እዚ ኣይኣክልን ኢሎም ባዓል ሞያታት ወፃኢ ይእተዉዎ ዝብል ሕቶ ኣቕሪቦም።
ግብፃውያን ሕቶ እንተቕርቡ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ፅቡቕ መልሲ እንትወሃቦም ፀኒሑ ‘ዩ ዝበሉ ኣይተ ፈቅኣሕመድ፤ከምዚ ኾይኑ ‘ውን ኣርባዕተ ናይ ወፃኢ ባዓል ሞያታት ተኻቲቶም በቢ ዓመቱ ብዙሕ ምርምርን መፅናዕትን ምስተኻየዱ ውፅኢት ምውፅኡ ፣በዚ ‘ውን ሰለስቲኦም ሃገራትን ባዓል ሞያታት ዝፈረምሉ ከምዝተዳለወ የረድኡ። ኣብዚ እዋን ሱዳን በቲ መፅናዕቲ ኣሚና ዓብይ ምልስላስ ምርኣያ፤ ግብፃውያን ግና ብተቓራኒ ኣብ ተንኮል ትኹረት ምግባሮም ኣይተ ፈቅኣሕመድ የዘክሩ።
ምስ ተቃወምቲ ኢትዮጵያ ብምዃን እቲ ግድብ ከመይ ኢሎም ከምዘዕንዉን ከምዝድብድቡን ከምኡ ‘ውን ኣብ ኢትዮጵያ ረብሻ ከምዘልዕሉ ፤ከመይ ኢሎም ሙስና ሂቦም ናይ ሓሳቦም ተገዘእቲ ምግባር ከምዝግባእ እናመኸሩ ከምዝነበሩ ተበፂሕሎም ‘ዩ ዝበሉ ኣይተ ፈቅኣሕመድ፤ ግብፃውያን ግድቡን ንምዕንቃፍን ዝተሰሓሓተ ሓበሬታ ንክወፅእ ንምግባር ዝተፈላለዩ መንገድታት እንትጥቀሙ ፤ፀገም እንትፍጠሩ ከምዝነበረ እዚ ድማ ብቴሌቪዝን እንትመሓላለፍ ዓለም ከምዝሰምዐ ኣዘኪሮም ‘ዮም።
ድሕሪ እዚ ተንኮሎም እቲ መፅናዕቲ ድሕሪ ምክያድ ብወገን ግብፂ ኩነታት ዝበለፀ ኣፀገምቲ ኾይኖም ከምዝቐፀሉ ዝገለፁ ኣይተ ፈቅኣሕመድ፤ ግብፃውያን ዓብይ ጭቕጭቕ ካብ ምፍጣር ክሳብ ዘተ ረጊፅካ ምውፃእ ዝበፅሐ ስራሕ እናፈፀሙ ከምዝነበሩ ይገልፁ።
ሕልፍ ኢሉ ‘ውን ብድጋሚ ይፀናዕ ዝብል ሕቶ ኣቕሪቦም ከም ሓድሽ ዝተወሰኑ መፅናዕቲ ብምክያድ ገንዘብ ተኸፊሉ ኣማኻሪ ተቖፂሩ ምስራሕ ተጀሚሩ ከምዝነበረ ድሕሪ ምግላፅ ፤እዚ ‘ውን እንተኾነ ከምዘየዋፅኦም እንትሪኡ ውድቅ ከምዝገበርዎ ንጉዕዘኦም ኣፀጋሚ ከምዝነበሩ ንኣብነት ይጠቅሱ።
በዚ ህልኽ ዘወድእ ዝነበረ ከይዲ ተደጋጋሚ ዝግለፅ ተለዋዋጢ ባህሪ ግብፂ ፣ድሕሪ ግዜ ብናይ ባዕሎም ሰለስቲኦም ሃገራት ምሁራን ተደራደርቲ መፅናዕቲ ይካየድ ዝብል ሕቶ ከምዘቕረቡ ፣ናይ ባዕሎም ተመራመርቲ ከይተረፉ ዝተሳተፍሉ መፅናዕቲ እንትዛዘም መሊሶም ውድቂ ምግባሮም ፤እዚ ተቐያያሪ ሓሳቦም እቲ ከይዲ ፈታኒ ገይርዎ ከምዝነበረ ‘ዩ ኣይተ ፈቅኣሕመድ ዝተዛረቡ።
ካብዚ ንላዕሊ ግብፃውያን ካብ ሰለስቲኦም ሃገራት ብተወሳኺ ኣፍሪካን ዓለም ባንኪን ኣብቲ ድርድር ንክሳተፉ ብምድፍፋእ ፤ኢትዮጵያ ኣብ ቀፃሊ ኣብ ማይ አባይ ንከይትጥቀም ዝግብር ስምምዕነት ንምፍራም ብዙሕ ሞኪሮም ‘ዮም፤ እዚኦም ግብፂ እትኸዶም ዝነበረት መንገድታት ክንደይ ዝኣክል ኢትዮጵያ ኣብ ማይ ኣባይ ናይ ምጥቃም ብሄራዊ መሰል ንከይህልዋ ሓሲቦም እናሰርሑ ከምዝነበሩ ኣብሪሆም።
ኾይኑ ግና ናይ ኢትዮጵያ ተደራደርቲ ፣ናይቲ ዘፈር ምሁራንን መንግስቲ ብዝተፈላለየ ኣንፈት ምንቅስቃስ ብምግባረ ግብፃውያን ሓሳቦም ውድቅ ንክኾን ምግባር ከምዝኻኣሉ ተዛሪቦም። ከም ተደራዳሪ ኣይተ ፈቅኣሕምድ ገለፃ፤ በዚ ጠጠው ዘየበሉ ግብፃውያን እቲ ጉዳይ ካብ ፖለቲካ ማይ ኣሕሊፎም ብዘይተለመደ መልክዑ ናብ ሕቡራት መንግስታት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ንክበፅሕ ሰሪሖም ‘ዮም።
ግብፃውያን እቲ ጉዳይ ናብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ይውሰድዎ ‘ምበር ፤ብዓለምኸ ሰላምን ምርግጋዕን ሓደጋ ‘ዩ ዝብል ፤ኣብዚ ምስ በፅሐ ‘ውን ናብ ሕብረት ኣፍሪካ እናተመለሰ ከምዝኾነ ብምብራህ፤ ኣብ ከይዲ ናይ ግብፂ ሙግት ክንደይ ዝኣክል ዝተኻረረ ከምዝነበረ ኣዘኪሮም።
ሊግ ዓረብ ተጠቒሞም ፅዕንቶ ንምፍጣር ብዙሕ ፃዕሪ እንተገበሩ ‘ውን ምንም ከምፅኡ ኣይከኣሉን ዝበሉ ኣይተ ፈቅኣሕመድ፤ ናይ ኢትዮጵያ ምሁራን ዘፈር ማይ ብዝሰርሕዎ ዓብይ ስራሕ ግብፂ ብዙሕ እንተጎየየት ‘ውን ውፅኢታዊ እትኾነሉ ዕድል ምፍጣር ከምዝኻኣለ፤ ብኣንፃሩ ድማ ኢትዮጵያ ሐዚ ንዝበፅሐቶ ብርኪ ንክትበፅሕ ምግባር ከምዝኻኣለ ተዛሪቦም።
እዚ ኹሉ ውፅኢት ዝመፀ ብዉሑዳት ሰባት እንተይኾነስ ፤ካብ መጀመሪኡ ‘ውን ጀሚሩ ልክዕ እቲ ግድብ ምስተጀመረ ብሄራዊ ትምህርቲ ፓናል ብምጥያሹን እቲ ፓናል ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለዉ ምስ ዝተፈላለዩ መንግስቲ ምስ ዝኾኑን ዘይኾኑን ትካላት፤ ካብ ላዕላዎት ትካላት ትምህርቲ ዝተውፃፅኡ 20 ዝበፅሑ ባዓል ሞያ ዘፈር ማይን ብዝተፈላለዩ ዘፈራትን ዓብይ ልምድን ተሞክሮ ዝነበሮም ባዓል ሞያታት ኹሉ ስራሕ ብምስርሖም ከምዝኾነ ኣፍሊጦም።
ተደራዳሪ ኣይተ ፈቅኣሕመድ ከምዝገለፅዎ፤ ኢትዮጵያ ግድብ ዓብይ ህዳሴ ብሄራዊ ባዓል ሞያታት ብፓናል ንትሻዓንተ ዓመታት ምስቲ ግድብ ተጓዒዞም ‘ዮም። ኣብ ጉዕዘኦም እቲ ግድብ ብዝምልከት ሕድሕድ ጉዳይ ይከታተሉ ነይሮም ‘ዮም። ከበድቲ ኩነታት እንትፍጠሩ ስለስተ ኣርባዕተ መዓልቲ ካብ ከተማ ብምውፃእ ሙሉእ መዓልቲ ብምስራሕ ሪፖርት ይገብሩ ነይሮም። በቢሰሙኑ ካብ 11 ሰዓት ክሳብ ምሸት 4 ሰዓት ተሰብሲቦም ኣድላይ ጉዳያት ዘተ የካይዱ ነይሮም።
በዓል ሞያታትብሄራዊ ፓናል ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ በዋናነት ብሞያ ዘፈር ዓብይ ሓገዝ ከምዝተውሃበን ኣዘኪሮም ፤ብመንግስትን ብላዕላዋይ ብርኪ ሓገዝ ብምግባር ከምዝኾነ ቦርድ ሓይሊ ኤሌትሪክ ኢትዮጵያ ብቅርበት እናተኸታተለ ምፅንሑ ፤ካብ ኹሉ ንላዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ ምስ እቲ ግድብ ጠጠው ዝበለ ንተደራደርቲ ዓብይ ግብኣትን ዓቕምን ኾይኑ ነይሩ ይብሉ።
እዚ ማለት ፈፂሙ ስሕተት ኣይነበሮን ፤ፀገም ኣይተፈጠረን ማለት ኣይኮነን ። ስሕተት ይህልዉ ‘ዮም ዝበሉ እቶም ተደራዳሪ ኣይተ ፈቅኣሕመድ ፤ ስሕተት እንተጋጥም ወድያው ናይ ፍታሕ ስጉምቲ እናተወሰዱ ውፅኢት ከምዝመፀ ይዛረቡ። ሓደ ሓደ ፈተናታት ካብ ወፃኢ ጥራሕ እንተይኾነስ ካብ ውሽጥም ከምዝነበሩ ብምዝካር፤ ብውሽጢ ብዝነበረ ፀገም ምኽንያት ናይቲ ህንፀት ብግዜ ዘይምዝዛም ኣብቲ ድርድር ‘ውን ፀገም ፈጢሩ ከምዝነበረ ይዝክሩ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ናይ ሃይድሮ ፖለቲክስ መምህርን ተደራዳሪ ሩባ ኣባይ ዶክተር ያቆብ ኣርሳኖ (ተ/ፕ/ር) ብወገኖም ፤ኢትዮጵያ ቅዋማ ብምንታይ ዓይነት መገዲ ምግላፅ ከምዘለዋ ብምትእምማን ፣ከምኡ ‘ውን ብጥበብ ብፍልጠትን ብምምስራት እቲ ድርድር ዝተሳኸዐ ክኾን ኪኢሉ ‘ዩ ይብሉ።
እቲ ድርድር ዝተጀመረሉ ኩነታት እንትዝከር፤ ካብ መጀመሪኡ እቲ ግድብ ምስ ረብሓን መሰልን ኢትዮጵያ ከምዝኾነ ተረዳኦም ‘ዮም። ስለዚ ገና ምስራሕ እንትጅምር ነቲ ህንፀት ናይ ማንም ናይ ኻሊእ ዓዲ ዉህብቶ ሓገዝ ኾነ ፅዕንቶ ክህሉ ከምዘይግባእ ኣረጋጊፆም ናብ ድርድር ከምዝኣተዉ ተዛሪቦም።
ኣብቲ ድርድር ድማ ብዋናነት እናተኸላኸልናዮ ዝነበርና ኢትዮጵያ ብግብፂ ኾነ ብካልኦት ሃገራት ናይ ምህናፅ መሰላ ኣብ ትሕቲ ካልኦት ከይወድቕ ‘ዩ ነይሩ። ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ማንም ፅዕንቶ ኾይና ምንም ምስራሕ ከምዘይትኽእል ተደራደርቲ ኣብ ምድርዳር ብምብፀሖም ፤ፅዕንቶ ንምክልኻል ኣብ ፍልጠት ተመስሪቶም ኣድለይ ሓበሬታ ንምዉሃድ ከምኡ ‘ውን ኣብቲ ድርድር ዓውዲ ሕድሕዶም ንምምኽኻር ነዊሕ ግዜ ይወስዱ ከምዝነበሩ ኣመልኪቶም ‘ዮም።
ከም እቶም ተደራዳሪ ዶክተር ያቆብ ገለፃ፤ ኣካይደኦም ስትራቴጂ ዝተመስረተ ክኾን ከምዝግባእ ብምትእምማን ፤ግብፂ ኣቐዲማ ኢትዮጵያ ንክትፈርምሎም እትደልዮም ጉዳያት ብምንም ዓይነት ክፍተት ንከይረክብ ምግባር ተኻኢሉ ‘ዩ። ኾይኑ ግና ብዋናነት ግብፂ ብኣተሓባባርነት ‘ውን ሱዳን ፅዕንቶ ንክፍጠር ፃዕሪ እንትገብሩ ከምዝነበረ ድሕሪ ምዝካር ብፍላይ ሓደ ሓደ ሃገራት ዓረብን ግብፂ ብሕውነት ዝሪኡ ሃገራት ፅዕንቶ ኣብ ኢትዮጵያ የዕርፉ ነይሮም።
ግብፃውያን ናይ ባዕዳዊ መግዛእቲ ስምምዕነት ተሞርኪዞም ሱዳናውያንን ባዕሎም ጥራሕ ንክርብሑ ሓሲቦም ነይሮም። ግብፃውያን ደጋጊሞም እናገለፁ ዝነበሩን ሒዞምዎ ዝመፁ ሓሳብ ብስምምዕነት ንክፀንዑ ዝብሉ ‘ዮም ነይሮም። ብወገን ኢትዮጵያ ዝቐረበ ድማ እዚኦም ስምምዕነት ኢትዮጵያ ዘይተሳተፈትሉ ብምዃኖም ኢትዮጵያ ኣይምልከትን።
እቲ ስምምዕነት ዘቕመጦም መሰላት ተፃረርቲ መሰል ኢትዮጵያ ብምዃኖም ተደራደርቲ ኢትዮጵያ እዚ ክቕበሉ ኣይኽእልን ብምባል ግብፃውያን ቅዋሞም ንክቕይሩ እናተቃለሱ ከምዝነበረ ኣዘኪሮም። ግብፃውያን ብዝተኽኣሎም ኹሉ ኣብቲ ድርድር ኣመላልእኡ ንሶም ብዝደልይዎ መንገድ ንክውስኑ ፤እቲ ግድብ ምስኦም ብሓባር ንከማሕድርዎ እዚ ሓሳቦም ኢትዮጵያ ንክትቕበል ብተወሳኺ በቢግዚኡ በቲ ግድብ ዝተድሓሓዘ ሓበሬታ ኢትዮጵያ ብነፃ ንክትህቦምን ብወገኖም ዘሎ ሓበሬታ ንክትቕበል ዝኣመሰሉ ድልየት ከምዝነበሮም እቶም ተደራዳሪ ያቆብ (ተ/ፕ/ር) ተዛሪቦም ‘ዮም።
ኢትዮጵያ ባዕላ ዝጠቕማ ካልኦት ዘይጎድእ መንገዲ እቲ ማይ ክትመልእ ‘ያ እንበር ናይ ግብፂ ፅዕንቶ ተቐቢላ ከምዘይትፍፅም ንምእማን ብዙሕ ተሰሪሑ ‘ዩ ፤እቲ ግድብ ብሓባር ክነማሓድር ኢና ዝብል ፍፁም ክኾን ዘይኽእል ከምዝኾነን ኢትዮጵያ ብላኣላዊ ግዝኣታ ዝሰርሐቶ ግድብ ካልኦት መፂኦም ከማሕድርዎ ከምዘይኽእሉ ኣገንዚብናዮም ኢና ይብሉ።
ብወገን ኢትዮጵያ ብተደራደርቲ ፍልጠት ፣ክእለትን ፍቕሪ ሃገር ናይ መንግስቲ ዘይተቖጠበ ክትትል ከምኡ ‘ውን ህዝቢ ኢትዮጵያ እናገበረ ዝነበረ ሓገዝ እቲ ድርድር ኣብዚ ብርኪ በፂሑ መሰል ኢትዮጵያ ንክኽበርን እቲ ግድም ንክዛዘም ዘኽኣለ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ኣብ መወዳእታ ኢትዮጵያውያን ብልሓት ብዝተመልኦ መልክዑ ብዙሕ ፀገማት ተፃዊሮም ንሃገሮም ብፅንዓት ጠጠው ኢሎም ተራዮም ‘ዮም። ናይ ቃላት ኹናት ብብልሓት ተፃዊሮም ዋና ዓቕሚ ኢትዮጵያ ኣኽቢሮም ‘ዮም። እዚ ስዒቡ እቶም ምሁራን ከምዝገለፅዎ እቲ ኹሉ ፀገም ሓሊፉ እቲ ግድብ ኣብዚ ምብፅሑ ብጣዕሚ ዘሐጎሶም ከምዝኾነ ኣመልኪቶም ‘ዮም። ዝነበሩ ድርድራትን ዋጋ ዝተኸፈለሎም መንገድታት ብሓፈሻ ኩነታት እንትጥዕም ንቅድሚት ንመምሀሪ ክኾኑ ይግባእ ክብሉ ሓሳቦም ገሊፆም ‘ዮም።
መሰረት ገ/ዮሃንስ
ወጋሕታ 25 መጋቢት 2017 ዓ.ም