ምልክት ሓድነትን ፅንዓትን

ህንፀት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ንምዝዛም ኣብ ጫፍ በፂሑ ኣሎ። ናብዚ ብርኪ እዚ ንምብፃሕ ብርክት ዝበሉ ፀገማትን ውዲታትን ሰጊሩ ‘ዩ።

ኢትዮጵያ ነቲ ግድብ ንምህናፅ መደብ ሒዛ ከትጅምር እንተላ ዝነበረ ጫውጫውን ፀቕትን ቐሊል ኣይነበረን። ሕልምን ተስፋን ኢትዮጵያውያን ንምፍሻል ሓደ ሓደ ሃገራት ዕንቕፋት ይፈጥራ ነይረን ‘የን። ብደረጃ ዓለም ንምንፃል ኣብ ልዕሌና ሰፊሕ ወፍሪ ተኻይዱና ‘ዩ። ኢትዮጵያ ዘይፈረመትሎም ናይ ባዕዳውያን ገዛእቲ ውዕል ብምግዳድ እቲ ህንፀት ካብ መጀመርትኡ ክመክን ፈቲኖም ‘ዮም። ገሊኦም ክጅምርዎ ይኽእሉ ‘ዮም ኮይኑ ግና ክውድእዎ ኣይኽእሉን እናበሉ ልቓሕ ከይንረክብ እናገበሩ ፀኒሖም ‘ዮም።

ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ባዕላ ሩባ፣ ብናይ ገዛእ ርእሳ ዓቕሚ፣ ኣብ ናይ ባዕላ ሃገር ተሓዳሲ ፀዓት ከይተመንጩ ብዙሓት ተራባሪቦምላ ‘ዮም። ቤት ምኽሪ ባይቶ ፀጥታ ብዛዕባ እዚ ክመክር ተገይሩ ‘ዩ። ኮይኑ ግና ኣብ ሕልማ ከይትበፅሕ ክዓግቱዋ ኣይከኣሉን። ምክንያቱ ህዝቢ ብሓድነትን ፅንዓትን ደው ስለዝበለ።

ኢትዮጵያ ነዚ ግድብ እዚ ብምህናፃ ዝጉዳእ ኣካል የለን፤ ኣይክህሉን’ውን። ኢትዮጵያ ኣብ ናይ በዓላ ሩባ ብናይ ባዕላ ዓቕሚ ከይትለምዕ፣ ላዕልን ታሕትን እናበሉ ዝመፁ ልቓሕ ንምኽልካል ‘ዩ። ልቓሕ ንኸይትረክብ ዝተፈላላዩ ዕንቅፋታት ንምፍጣር ደኺሞም ‘ዮም። ይኹን ‘ምበር ኢትዮጵያውያን መርበባት ተንኮል ብሓባርን ፅንዓትን ብምብታኽ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ካብታ ዘለቶ ንእሽተይ ትኹን ዓባይ መዓልታዊ እቶት ብምቕናስ ነዚ ግድብ ኣብ ናይ ምዝዛም ምዕራፍ ወይ ጫፍ ኣብፂሕዎ ይርከብ።

ኢትዮጵያ ነዚ ግድብ እትግድቦ ዘላ ንማንም ንምጉዳእ ኣይኮነን፤ እቲ ዕላማ ህዝቢ ካብ ፀልማት ህይወት ንምውፃእ ጥራይ ‘ዩ። ቀረብ ፀዓት ዓለምለኻዊ ፀገም ‘ዩ። ብፍላይ ድማ ምፍራይ ተሓዳሲ ፀዓት ዓለምለኻዊ ደገፍ ዘርክብ ንጥፈት ‘ዩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝሓለ ሰሙን ካብ ተወከልቲ ህዝቢ ንዝቐረበሎም ሕቶ ኣብ ዝሃብዎ መልስን መብርህን፤ ‹‹ግድብ ህዳሰ ኣባይ ኣብ ዝቕፅሉ 6 ኣዋርሕ ክምረቕ ‘ዩ። እዚ ንኢትዮጵያውያን ኣብዪ ብስራት ‘ዩ። እዚ ግድብ እዚ ኣብ ግብፂ ይኹን ታሕተዎት መፋስስቲ ሃገራት ዝኾነ ዓይነት ጉድኣት ከብፅሕ ኣይከኣለን። ንቐፃሊ ‘ውን ዘብፅሕ ኣይኮነን።

ግድብ ህዳሰ ንግብፂ ዝተፈለየ ፀገም ከምፅእ ኣይኽእልን። ዕላማ ናይ ኢትዮጵያ ምፍራይ ኢነርጂ ‘ዩ፤ ኢትዮጵያ ንግብፂ ምጉዳእ ኣይትደልን፤ ስለዚ ህዳሰ ሕዚ መሊኡ ኣሎ ኣስዋን ግድብ ኣይጎደለን፤ ከምዝነበሮ ሙሉእ ‘ዩ ዘሎ፤ ዝጎደለ ነገር የለን። ኢትዮጵያን ግብፅን ኣብ ጉዳይ ሕዳሰ ዘጨቓጭቕ ነገር ክህሉ የብሉን። ዘድሊ ሓቢርካ ተሓጋጊዝካ ምዕባይ ‘ዩ፤ ሓንቲ ነታ ሓንቲ ትጎድአሉ ጉዳይ ኣይህሉን።

ብፍላይ ኢትዮጵያ ንዝኾነት ሃገር ጎዲኣ ኣይትፈልጥን። ድሌት ኢትዮጵያ ተሓጋጊዝካ ምዕባይ ‘ዩ። ኢትዮጵያ፣ ኣብ ጉዳይ ህዳሰ ሓቢርና ንጠቐም ፍትሓዊ ተረባሕነት ይንገስ ዝብል ቅዋም ዘለዋ ሃገር ‘ያ›› ክብል ምግላፆም እቲ ግድብ ኣብ ዝኾነ ሃገር ትርጉም ዘለዎ ጉድኣት ዘየብፅሕ ምዃኑ መረጋገፂ’ዩ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዓወት ፕሮጀክት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብናይ ባዕላ ዓቕሚ ጀሚራ ናይ ምውዳእ ዓቕሚ ከምዘለዋ ርኢና ኣለና። ናብ ምዝዛም ገፁ ዘሎ ግድብና እቲ ዝቐረየ ኣብ ሓፂር ግዘ ክዛዘም ‘ዩ። እዚ ፕሮጀክት እዚ ዕዉት ዝኾነሉ ምኽንያት ብናይ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ሓድነትን ፅንዓትን ‘ዩ። ዓብዪ ግድብ ህዳሴና ምልክት ሓድነትን ፅንዓትን መላእ ኢትዮጵያ ‘ዩ።

ብሓፈሻ ህዝቢ ኣብ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ዘበርከቶ ኣበርክቶ ገንዘብ ጥራሕ ኣይኮነን። ጉልበቱ፣ ፍልጠቱን ግዚኡን ኣብዚ ግድብ እዚ ኣውዒልዎ ‘ዩ። ስለዚ እዚ ግድብ እዚ ልክዕ ከም ዓወት ዓድዋ መላእ ኢትዮጵያውያን ዝተሓባበርሉ ህዝባዊ ዓወት ‘ዩ። እዚ ህዝቢ ተሓቢሩ ዓበይቲ ስራሕቲ ጀሚሩ ንምውዳእ ከምዘይኣብዮ ‘ውን ዘርኢ ‘ዩ።

ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኣብ ዝሓለፉ 14ተ ዓመታት ህዝቢ ብሓድነትን ፅንዓትን ብምቅስቓስ መንፈስ ሰዓራይነትን ከኣላይነትን ዘረጋገፀ እንትኾን፤ኢትዮጵያን ህዝባት ብናይ ባዕሎም ውሽጣዊ ዓቕሚ ዓወት ምምዝጋብ ከምዝኽእሉ ዘመስከረ’ዩ። ስለዚ እተን ዝተረፈ ስራሕ ንምዝዛም ሓባራዊ ርብርብ ምግባር ተጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ።

ወጋሕታ  25 መጋቢት 2017 ዓ.ም

Recommended For You