
ኣዲስ ኣበባ፡-ብ24 መጋቢት ዝተረኸበ ለውጢ ተረባሕነት ልምዓት ህዝቢ ብዝበለጸ ምዕባይ ዘኽኣለ ከምዝኾነ ወሃብቲ ርኢቶ ገሊፆም።
ኣብ ክልል ኦሮሚያ እዚ ናይ ለውጢ መንግስቲ ናብ ስልጣን ዝመፀሉን ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ እምነ ኩርናዕ ዝተቐመጠሉን 24 መጋቢት ምኽንያት ብምግባር ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ዘሳተፈ ስፖርታዊ ምንቅስቓስ ተገይሩ። እቲ ስፖርታዊ ምንቅስቓስ ካብ ዝተኻየደሎም ከተማታት ማያ፣ጅማ፣ መቱ፣ ጊምቢ፣ ነቀምቴ፣ ኣምቦን ካልኦት ከተማታት እቲ ክልልን ከምዝኾኑ ተገሊፁ።
ኣብቲ ኣብ ከተማ ማያ ዝተሳለጠ መርሃ ግብሪ፤ ምክትል ኣፈ ጉባኤ ጨፌ ኦሮሚያ ኤልያስ ኡመታ፣ዋና ኣመሓዳሪት ዞባ ሃረርጌ ወይዘሮ ሚስኪ መሀመድ፣ከንቲባ ከተማ ማያ ኢፍራህ ወዚር (ዶ/ር)፣ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ዞባን እቲ ምምሕዳር ከተማን ተረኺቦም። ምክትል ኣፈ ጉባኤ ጨፌ ኦሮሚያ ኤልያስ ኡመታ፤ ብ24 መጋቢት ዝተረኸበ ለውጢ ተረባሕነት ልምዓት ህዝቢ ምዕባይ ዘኽኣለ ‘ዩ ኢሎም።
ኣብዞም ናይ ለውጢ ዓመታት ፀገማት ብምፅዋር ጭቡጥ ለውጥታት ከምዝተመዝገቡ ብምሕባር፤ እቲ ዝተረኸበ ውፅኢት ንምቕፃል እቲ ህዝቢ ምስ መንግስቲ ዝጀመሮ ምትሕብባር ከጠናኽሮ ከምዘለዎ ኣረዲኦም። ንዕዉትነት ህንፀት ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ እውን እቲ ሕብረተሰብ ዝጀመሮ ደገፍ ኣጠናኺሩ ንክቕፅለሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ኣብ ከተማ ጅማ ኣብ ዝተሳለጠ ስፖርታዊ ምንቅስቓስ ዝተረኸቡ ሓላፊ ቢሮ ግብርና ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ጌቱ ገመቹ፤ ኢንሼቲቫት ግብርና እቲ ክልል ኣብቲ ከተማ ዝተጀመረ ዝነኣድ ጉዕዞ ልምዓት ንምቕፃል ክሰራሕ ‘ዩ ኢሎም።
ከንቲባ ከተማ ጅማ ኣይተ ጣሃ ቀመር ብግደኦም፤ ብሓድነት ንልምዓትን ዕቤትን ብምስራሕ ካብ ድኽነት ክንወፅእ ኣለና ኢሎም። ኣብ መርሃ ግብሪ ስፖርታዊ ምንቅስቓስ ነገሌ ቦረና ዝተረኸቡ ምክትል ኣመሓዳሪ ዞባ ምብራቕ ቦረና ኣይተ ታጁራ ኦዳ፤ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ መሰረት ህልዉናና፣መግለፂ ሓድነትናን ፀጋታት ባህላዊ ምትሕብባርናን ስለዝኾነ ሓባራዊ ሃፍትና ‘ዩ ክብሉ ገሊፆም።
ተሳታፊ እቲ ስፖርታዊ ምንቅስቐስ ጫላ ገደፋ፤ “ተዓዋቲ ውድድር መዘከርታ መግለፅን ኩርዓትን ሓድነትናን መንነትናን ዝኾነ ታሪኻዊ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ስለዝኾንኩ ኩርዓት ተሰሚዑኒ” ኢሉ። ተሳተፍቲ ስፖርታዊ ምንቅስቓስ ከተማ መቱ ‘ውን፤ 24 መጋቢት ኩሎም ኢትዮጵያውያን ውፅኢት ሓባራዊ ቃልሲ፣ሃገራዊ ዕቤትን ብልፅግናን ምርግጋፅ ዘኽእሎም ምዕራፍ ዝተኸፈተሉ ታሪኻዊ መዓልቲ ‘ዩ ኢሎም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።
ወጋሕታ 25 መጋቢት 2017 ዓ.ም