
ኣዲስ ኣበባ፡- ኣብ ዝተፈላለያ ኸተማታት ክልል ትግራይ ብልዕሊ 1 ነጥቢ 5 ቢልዮን ብር ወፃኢ ህንፀት ፕሮጀክትታት ፅሩይ ዝስተ ማይ እናተሳለጠ ምዃኑ ቢሮ ማይን ኢነርጅን ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣፍሊጡ።
ሓላፊ ቢሮ ማይን ኢነርጅን ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ሞጎስ ገብረእግዚኣብሄር፣ ኣብቲ ክልል ብፍላይ ድማ ኣብ ከተማታት ዝሳለጥ ዘሎ ልምዓት ኣመልኪቶም ንግዜኢ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፤ ብምትሕብባር መንግስቲ ፌዴራልን ትካላት ልምዓትን ኣብ ዝተመረፃ 7 ኸተማታት እቲ ክልል ብልዕሊ 1 ነጥቢ 5 ቢልዮን ብር ወፃኢ ህንፀት ፕሮጀክትታት ፅሩይ ዝስተ ማይ እናተሳለጠ ከምዝርከብ ሓቢሮም።
ህንፀት እቶም ፕሮጀክትታት ሚኒስቴር ማይን ኢነርጅን ክትትል እናገበረሎም ምዃኑ ብምሕባር፤ እቶም ፕሮጀክትታት ኣብዚ ሕዚ እዋን ብማእኸላይ ካብ 80 ክሳብ 90 ሚኢታዊ ከምዝተዛዘሙ ተዛሪቦም።
ህንፀት እቶም ፕሮጀክትታት ክሳብ ወርሒ ሰነ 2017 ዓ.ም ተዛዚሞም ንግልጋሎት ክፍቲ ከምዝኾኑ ‘ውን ብምጥቋም፤ ኣብቲ ክልል ዘሎ ፀገም ዝስተ ማይ ንምፍታሕ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እቲ ክልል ስራሕቲ ህንፀት ፕሮጀክትታት ዝስተ ማይ፣ኳዕቲ ዓሞቕቲ ጎዳጉዲ ማይ፣ ቱቦን ዝርገሐ መስመርን ብሰፊሑ እናተሳለጠ ምዃኑ ተዛሪቦም።
ወጋሕታ 25 መጋቢት 2017 ዓ.ም