
ኣዲስ ኣበባ፡- ህዝቢ ትግራይ ብናይ ውሽጢ ይኹኑ ግዳማውያን ሓይልታት ከይተደናገረ ሰላሙ ብምሕላው ካብ ናይ ለውጢ መንግስቲ ተጠቓሚ ክኸውን ከምዝግባእ ሓላፊ ዘፈር ፖለቲካ ጨንፈር ፓርቲ ብልፅግና ትግራይ ኣይተ ጎይተኦም በርሀ ገሊፆም፡፡
ኣይተ ጎይተኦም ንጋዜጣ ወጋሕታ ከምዝገለፅዎ፤ ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ ዘይምዕሩይ ፖለቲካዊ ኩነታት ካብ ናይ ለውጢ መንግስቲ ከይተጠቐመ ፀኒሑ ‘ዩ፡፡ በቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌዴራልን ህወሓትን ዝነበረ ኩናት ስዒቡ ከቢድ ዋጋ ከፊሉ ‘ዩ፡፡ ሕዚ ድሕሪ ፕሪቶርያ ዝተረኸበ ኣንፃራዊ ሰላም ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ኣሎ፡፡ ሰላም ብዘይደልዩ ሓይልታት ከይተደናገረ ዝተረኽበ ሰላም ዓቒቡ ካብ ናይ ለውጢ መንግስቲ ተጠቃሚ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም፡፡
ካልኦት ክልላት ሳላ ሰላም ዘለወን ከም ልምዓት ኮሪደርን ካልኦትን እናሳለጣ ይርከባ ዝበሉ እቶም ሓላፊ፤ ትግራይ ከም ኣካል ኢትዮጵያ ከም ካልኦት ክልላት ኣብ ተፈላላዩ ልምዓታት ከትነጥፍን ከትጥቐምን ኣለዋ፤ ነዚ ድማ ዝተረጋግዐ ሰላም የድልያ ኢሎም፡፡
ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ካብ ናይ ለውጢ መንግስቲ ተጠቓሚ ንምዃን ትማሊ ይኹን ሕዚ ድሌቱ ሰላምን ልምዓትን ‘ዩ ዝበሉ ኣይተ ጎይተኦም፤ ሰላም ህዝቢ ትግራይ ንዘይደልዩ ሓይልታት ፀማም እዝኒ ብምሃብ ሰላሙ ዓቒቡ ካብ ናይ ለውጢ መንግስቲ ተጠቓሚ ክኸውን ኣለዎ፤ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ፌዴራል ኮይኑ ሰላሙ ብምዕቓብ ከም ካልኦት ክልላት ብልምዓት ተጠቓሚ ክኸውን ይግባእ ክብሉ ወሲኾም ምዒዶም፡፡
ህዝቢ ትግራይ ብኢትዮጵያውነቱ ዝደራደር ህዝቢ ኣይኮነን፤ ኣብዚ ኩነታት ፀገም የብሉን፤ ካብ ኩናት ዝመፅእ ዕንወት ‘ምበር ረብሓ ከምዘየለ ብዝግባእ ይፈልጥ ‘ዩ፤ ኩናት መዕነዊ ከምዝኾነ ከም ሃገር ይኹን ከም ክልል ኩልና ርኢናዮ ኢና፡፡ ኣብ ሂወት ይኹን ኣብ ንብረት ብዙሕ ክሳራታት በፂሑ ‘ዩ፡፡ ብፍላይ ድማ ብናይ ውዕል ፕሪቶርያ ዝተረኽበ ሰላም ኣብ ጎኒ መንግስቲ ኮይኑ ብምሕላው ካብ ናይ ለውጢ መንግስቲ ተጠቓሚ ክኸውን ኣለዎ ክብሉ ደጊሞም ኣስሚሮምሉ፡፡
መኣርግ ገ/ሄር
ወጋሕታ 25 መጋቢት 2017 ዓ.ም