ግድብ ኣባይ – ዕዉት ናይ መላእ ኢትዮጵያውን ፕሮጀክት

ትንታነ ዜና

ህንፀት ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ቀፃልነት ብዘለዎ ሓገዝ መላእ ህዝብታትን ኣብዚ እዋን ምሉእ ንሙሉእ ንክዛዘም ክልተ ሚእታዊ ዘተረፎ ኮይኑ፤ ኣብ ዝቕፅሉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ድማ ተዛዚሙ ክምረቅ ትፅቢት ዝግበረሉ ገዚፍ ፕሮጀክት ‘ዩ።

እዚ ከም ስፖርቲ ቅብብል በትሪ መንግስታት እናተቀባበሉ ኣብዚ ዘብፅሕዎ ግድብ፤ ካብ ዘመዝግቦ ኢኮኖሚያዊ ልምዓት ዝዛየደ ንኻልኦት ሃገራት ከይተረፈ ኣብነት ዝኸውን ብዙሕ ረብሓን ትርጉምን ዘለዎ ምዃኑ ዝተፈላለዩ ሙሁራት ይገልፁ።

ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣፍሪካዊያን ዓበይቲ ዓወታት ልምዓት ብናይ ባዕሎም ዓቅሚ ጋህዲ ምግባር ከምዝኽእሉ ትምህርቲ ዝሃበ ናይ ሓባር ፕሮጀክት ምዃኑ ዝገልፁ ተጠባባቒ ፕሬዝዳንት ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ሳሙኤል ክፍሌ (ዶ/ር) ‘ዮም። እዚ ወለዶ ኣብ ቃልሲ ልምዓት ፕሮጀክት ህዳሴ ግድብ ዘመዝገቦ ዓወት ዳግማይ ዓወት ዓድዋ ማለት ‘ዩ ይብሉ።

እዚ ገዚፍ ፕሮጀክት ልምዓት መፈልፈሊ ሓይሊ ካብ ምፍልፋል ሓይሊ ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ዘይፍትሕዊ ልምዓት ክትሽከም ዘይትኽእል መርኣያ ብርትዕቲን ሃገር ምዃና ብምገላፅ፤ እዚ ፕሮጀክት ግድብ ኣባይ ኢትዮጵያዊያን በቢእዋኑ ኩሉ ዓይነታት ዓወታት ምስኻዕ ከምዝኽእሉ ትምህርቲ ዝሃበን ታሪኻዊ ዓሻራ ምዃኑ የረድኡ።

ፅዕንቶታት ዲፕሎማሲ ብምሕላፍ ብምትሕብባር ኢትዮጵያዊያን ብዘይ ዝኾነ ናይ ደገ ልቃሕን ሓገዝን ብዕውት ምዝዛሙ፤ ብሓባር ብምስራሕ ዓወት ክምዝገብ ከምዝኽእል ዘመስከረ ዓብይ ናይ ሓባር ብስራት ምዃኑ ብምልዓል፤ ካብ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝፍልፈል ሓይሊ ኤሌክትሪክ፣ ዕብየት ኢትዮጵያ ካብ ምቅፃል ብተወሳኺ ዞባዊን ኣህጉራውን ኢኮኖሚ ውህደት ንምስላጥ ናይ ባዕሉ ግደ ዘብርክት ከምዝኾነ ይገልፁ።

ምሁር ታሪኽን ተንታኒን ተሟጋቲን ኣብ ጉዳይ ህዳሰ ግድብ ዝኾኑ ሓጋዚ ፕሮፌሰር ኣደም ካሚል ብወገኖም፤ ኢትዮጵያ ግድብ ህዳሰ/ኣባይ ብምዝዛማ ዓብይ ዓወት ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ብናይ ባዕላ ዓቅሚ ዓብይ ፕሮጀክት ከተዕውት ዝትኽእል ዓባይ ሃገር ምዃና ንዓለም ኣርእያ ይብሉ::

እቲ ግድብ ንምህናፅ ዘርአናዮ ሕብረትን ሓድነትን እንተሒዝና ካብ ድኽነት ምውፃእ ከምእንኽእል ዝረአናሉ ዓብይ ፕሮጀክት ብምዃኑ እዚ ግድብ ዘለዎ ትርጉምን ረብሓን ብዙሕ ‘ዩ ክብሉ የብርሁ:: ግድብ ኣባይ ናይ ይክኣል መንፈስ ዝተረኣየሉን ናብ ደቂ ደቅና እነመሓላላፎ ዓብይ ቅርሲ ‘ዩ ክብሉ ዝገልፁ ድማ ዋና ዳይሬክተር ቤት ፅሕፈት መተሓባበሪ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣረጋዊ በርሀ (ዶ/ር)’ዮም።

ህንፀት ግድብ ኣባይ ብምትሕብባር መላእ ህዝብታት ኢትዮጵያ ሐዚ ናብ ዝበፀሐሉ ብርኪ በፂሑ ኣሎ ብምባል፤ ስራሕ ግድብ ኣባይ ኣብ ዝቅፅል ብዙሓት ስራሕቲ ልምዓት ንምስራሕ ኣንፍት ዝመርሕ ‘ዩ። ስለዝኾነ ካብዚ ብምብጋስ ቀፃሊ ሓደ ዘይኮነስ 100 ግድብ ህዳሰ ንምስራሕ ክንለዓል ኣለና ክብሉ ይዛረቡ። ብተወሳኺ ብሕብረት ክንቀሳቀስ ከምዘለና ግድብ ኣባይ ሓደ መርኣያ ‘ዩ ዝብሉ እቶም ዋና ዳይሬክተር፤ ኣብ መንጎና ኣፈላላይ እንተሃልዩ ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ ብምፍታሕ ብሓባር ክንሰርሕ ይግባእ ክብሉ ‘ውን ይምዕዱ።

ኣብ ልምዓት ንቅናቀ ህንፀት ግድብ ኣባይ ዝተርኣየ ልክዕ ኢትዮጵያውያን ኣብ ኵናት ዓድዋ ዘርአይዎ ሓድነትን ሕብረትን ከምኡ ‘ውን ሙሉእ ተበግሶ ፍቅሪ ሃገርን ዝተረኣየሉን ከምዝኾነ ዘመልከታ ድማ ስራሕ ፈፃሚት ቤት ፅሕፈት መተሓባበሪ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ወይዘሮ ፍቅርተ ታምር ‘የን። ህንፅት ግድብ ህዳሰ ናይ ሎሚ ወለዶ ዓብይ ናይ ልምዓት ሓርበኝነት ንክንላበስ ዕድል ሂቡና ‘ዩ ብምባል፤ ናይ ይክኣል ‘ዩ መንፈስን ጀሚርካ ናይ ምውዳእ ሕልምታትና ጋህዲ ንክኸውን ዘገበርናሉ ዓብይ ዓወት ከምዝኾነ የረድኣ ።

ሕድ ሕድ መዓልቲ እቲ ፕሮጀክቱ ወፃኢ ከምዝሓትት ዘዘኻኸራ ወይዘሮ ፍቅርተ፤ ብምዃኑ ‘ውን ናይ ቦንድን ውህብቶን ሓገዛት ተጠናኺሮም ንክቅፅሉን ሚዲያታት ‘ውን ነቲ ፕሮጀክት ዝኸውን እታወታት ዝኸውን ሓበሬታ ብምድላው እቲ ሕብረተሰብ ኣብቲ ጎስጓስ ንክሳተፍን ናይ ባዕሉ ግደ ከበርክት ብምገባር ተጠናኺሩ ክቅፅል ከምዝግባእን ኣብቲ ፕሮጀክት ዝተረኸበ ዓብይ ዓወት ኩሉ ተረባሪቡ ሓደ መዓልቲ ክሳብ ዝተርፎ ኣብቲ ጎስጓስ ብምስታፍ ናይቲ ሓጎስ ተኻፋሊ ክኸውን ይግባእ ክብላ መልኽተን የሕልፋ።

“ምንጪ ፋይናንስ ኣንሕና፣ መሃንዲሳት ኣንሕና፣ ሰራሕተኛታት ህንፀት ኣንሕና ኮይንና ዓብይ ግድብ ህዳሰና ብምህናፅ ዕብየት ምጣነ ሃፍቲ ሃገርና ኣብ ቀረባ ጋህዲ ክንገብሮ ኢና” ብዝብል ከም ትማሊ 14 ዓመት ብነበር ቀዳማይ ሚኒስትር መለስ ዜናዊ እምነ ኩርናዕ ብምቅማጥ ዝተጀመረ ምዃኑ ይዝከር።

ህንፀት ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያን እቲ ፕሮጀክት ካብ ዝጀምር ቀፃልነት ብዘለዎ ምትሕብባርን ሓድነትን መላእ ህዝብታት ኣብዚ ብርኪ በፂሑ ዘሎ ካብ ኢኮኖምያዊ ልምዓት ዝዛየደ ንኻልኦት ሃገራት ‘ውን ከይተረፈ ኣብነት ዝኸውን ብዙሕ ረብሓን ትርጉምን ዘለዎ ዓወት ከምዝተመዝገበን እዚ ድማ ክሳብ መወዳእታ ሓደ መዓልቲ ዝተርፎ ‘ውን ኩሉ ናይቲ ሓጎስ ተሳታፊ ንክኸውንን ግድኡ ክፃወት ከምዝግባእ ይገልፁ።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ  25 መጋቢት 2017 ዓ.ም

Recommended For You