‹‹ትማሊ፣ ሎሚን ፅባሕን ንልዕልና ኢትዮጵያ!›› ብዝብል ቴማ ሰልፊ ድጋፍ ተኻይዱ -ፍረታት 24 መጋቢት ኣብ ሕድሕድ መንደራት ኢትዮጵያ ንምብፃሕ ከምዝስራሕ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፡- ኣብ ኢትዮጵያ 24 መጋቢት 2010 ዓ.ም ሃገራዊ ለውጢ ጋህዲ ዝኾነሉ 7ይ ዓመት ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዝተፈላላዩ ከተማታት ኢትዮጵያ ትማሊ ህዝባዊ ሰልፊ ድጋፍ ተኻይዱ።ፍረታት 24 መጋቢት ኣብ ሕድሕድ መንደራት ኢትዮጵያ ንምብፃሕ ተጊህና ክንሰርሕ ኢና ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።

ካብ መንጎ ሰልፊ ዝተኸየደሎም ከባቢታትን ኣብ ዝተፈላላዩ ክልላትን ከተማ ምምሕዳራትን ዝረከቡ ከተማታት ሸገር – ኮዬ ፈጬ፣ ኣዳማ፣ ነቀምቴ፣ ሻሸመኔ፤ ኣሰላ፣ ጅማ፣ ወላይታ_ሶዶ፣ ኣሶሳ፣ ኣርባ ምንጭን ካልኦት ከተማታትን ከምዝተኻደ ተሓቢሩ።

“ትማሊ፣ ሎሚን ፅባሕን ንልዕልና ኢትዮጵያ! ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝተኻየደ ሰልፊ ድጋፍ፤ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ኣባ ገዳታት፣ ሃደ ሲንቄታትን ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብን ዝተሳተፉሉ ከምዝኾነ ተገሊፁ።  ምስዚ ተተሓሒዙ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ሃገራዊ ለውጢ ጋህዲ ዝኾነሉ መበል 7ይ ዓመት (24 መጋቢት 2017ዓ.ም) ብምምልካት መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ፍረታት 24 መጋቢት ኣብ ሕድሕድ መንደራት ኢትዮጵያ ንምብፃሕ ተጊህና ክንሰርሕ ኢና ብምባል፥ ብዝድርበዩልና ኣእማናት ብልፅግና ክንሃንፀሉ ኢና ኢሎም። 24 መጋቢት ትማሊን ሎሚን፣ሎሚን ፅባሕን፣ ወሰንን ማእኸልን፣ ግንባርን ኣጋርን፣ ሓረስቶትን ሰበኽ ሳግምን፣ ውልቀ ሰብን ጉጅለን፣ ከባቢያዊን ሃገራዊን መንነት፣ ብኣምር ምድማር ዘረዳደአት ኣብ ታሪኽ ዘመናዊት ኢትዮጵያ ፍሉይ ቦታ ዘለዋ መዓልቲ ‘ያ” ኢሎም።

ኣብ ጎደና ምድማር ንኢትዮጵያ ናብ ምዕባለ ንምብፃሕ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ፍረኦም ምርኣይ ከመዝተጀመረ ዝገለፁ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፥ “ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ዝግበኣ ቦታ ንምሓዝ ቀሪባ ኣላ” ኢሎም። ኢትዮጵያ ብድኽነትን ድሕረትን ይለዓል ዝነበረ ሽማ፤ ብስርናይ፣ ሓምለዋይ ዓሻራ፣ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፣ ቦታታት መስሕባት ቱሪስት፣ ብቅልጡፍ ኢኮኖሚያዊ ዕቤትን ፅቡቕ ምስሊን ምፅዋዕ ከምዝተጀመሩ ኣልዒሎም።

ብገበታ ንሸገር፣ ገበታ ንሃገር፣ ገበታ ንወለዶ ኣቢሉ ሃገር ዝለወጡ ፕሮጀክታት ተጀሚሮም ንኽዛዘሙን ካብ ዕዳ ናብ ሃፍቲ ንምጉዓዝ 24 መጋቢት መበገሲ ኮይና ኣላ ክብሉ ኣዘኻኺሮም። እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ካብዚ ብተወሳኺ፣ ሓምለዋይ ዓሻራ፤ ትሩፋት ሌማት፣ ሉኣላዊነት ምግቢ፣ ምገባ ቤት ትምህርቲን ልምዓት ኮሪደርን ዝበሉ ተበግሶታት ውፅኢታት 24 መጋቢት ከምዝኾኑ ፀሪሖም።

እዞም ፍረታት 24 መጋቢት ምክንኻንን ምስፋሕን ጥራሕ ዘይኮነ እቶም ፍረታት ካብ ቅንፊዝን ቡኻርያታትን ክንሕልዎም ኣለና፤ ማንም ካብ መባፅሒና ኣየትርፈናን ኢሎም።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ  25 መጋቢት 2017 ዓ.ም

Recommended For You