
ሓተታ-ዜና
ብናይ ህዝቢ ማዕበል ስዒቡ ለውጢ ካብዝመፅእ 7 ዓመት ዓመት ኣቑፂሩ ኣሎ። ኣብ እዞም 7 ዓመታት ብዙሓት ዓወታት ተመዝጊቦም ‘ዮም። ብፍላይ ኣብ ኢኮኖሚ፣ ልምዓትን ዲሞክራሲን ዝመሳሰሉ ካብ ናይ ቕድሚ ለውጢ ዝነበሩ ብዝሓሸ ደረጃ ዓወታት ከምተመዝገበ ላዕለዎት ኣመራርሓታት ይገልፁ፤
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ምክትል ፕረዚደንት ፓርቲ ብልፅግናን ሓላፊ ህንፀት ዲሞክራሲን ኣይተ ኣደም ፋራህ ብዛዕባ ዓወታት ዝሓለፉ ዓመታት ለውጥን መፃኢ ኣንፈታት ትኹረትን ኣድሂቦም ኣብ ዝሃብካዮ መብርሂ፣ ፓርቲ ብልፅግና ንሃገርና ካብ ተፀባይነት ረድኤት ብምንጋፍ ናብ ዓርሳ ትኽእለሉ መንገዲ ኣሳጋጊርዋ ‘ዩ፤ ብዙሓት ዓወታት ተመዝጊቦም ‘ዮም ይብሉ።
እቲ ህዝቢ ዘልዕሎም ዝነበረ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራውን ቁጠባውን ፀገማት፣ ለውጢ ክመፅእ ካብዝገበሩ ምኽንያታት ምዃኖም ብምግላፅ፤ ብመሪሕነት ፓርቲ ብልፅግና ዝምራሕ ናይ እቲ ለውጢ መንግስቲ ታሪኻውን እዋናውን ፀገማት ኢትዮጵያ ብምልላይ እኹል ትንተና ብምክያድ ነባሪ ፍታሕ ንምሃብ ናብ ስልጣን ከምዝመፅአ የረድኡ።
ብፍላይ ኣሳታፊን ንኹሉ ዝሓቁፍን ፖለቲካዊ ሃዋህው ክፍጠር እቲ ፓርቲ ብዙሓት ስራሕቲ ብምስራሕ መርኣያ ኮይኑ ‘ዩ። እዚ ድማ ኣብ ፖለቲካዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ሓድሽ ምዕራፍ ከም ዝኸፈተ ኣይተ ኣደም የርድኡ።
ኢትዮጵያ ብመሪሕነት ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ዴሞክራሲያዊ ትካላት ብምጥንኻር፣ ማሕበራዊ ልምዓት ብምስፋሕ፣ ንጎረባብቲ ሃገራት ቀዳምነት ብምሃብን ኣብ ምትሕብባር ዝተመስረተን ዲፕሎማሲ ብምትግባር ዝጭበጥ ውፅኢት ከምዘመዝገበት ብምግላፅ፤ ካብ ልመናን ፅግዕተኛነትን ብምንጋፍ ምሉእ ሃገራዊ ልኡላውነት ክረጋገፅ ኣለዎ ብዝብል መትከል ተስፋ ዘለዎም ፕሮጀክትታት ቁጠባዊ ልምዓት ተሰሪሖም ‘ዮም ክብሉ የብርሁ።
ከምኡ ‘ውን ፓርቲ ብልፅግና ማሕበራዊ ማዕርነት፣ ርጉእ ፖለቲካዊ ስርዓት፣ ቅቡልነት ዘለዎ ሃገረ መንግስት ንምህናፅ፣ ፀገማት ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ቀዳምነት ከም ዝህብ፣ እዚ ፓርቲ እዚ ንሰላማዊ ፍታሕ ዘለዎ ተወፋይነት ብተደጋጋሚ ከምዘርኣየ፣ ስምምዕ ፕሪቶርያ ከም ኣብነት ብምጥቃስ የብርሁ።
ኣብ ኣፍሪካ ዝዓበየ ፓርቲ ዝኾነ ፓርቲ ብልፅግና ካብ ኢትዮጵያ ወፃኢ ኣፍሪካን ዓለምለኻዊ ዝምድናታት ብምጥንኻር ንፍትሕን ሓባራዊ ረብሓን ይሰርሕ ከምዘሎ ብምጥቓስ፤ ንቐፃሊ ‘ውን እቲ ፓርቲ ኣህጉራውን ዓለምለኻውን ዝምድናታቱ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣይተ ኣደም ፋራህ የረጋግፁ።
ኣብ ፓርቲ ብልፅግና ዓለምለኻዊ ክፍሊ ርክብ ህዝብን መንግስትን ሓላፊ ቢቂላ ሁሪሳ (ፒኤችዲ) ብግዲኦም፤ ለውጢ ምስመፀ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ናይ ዜጋታት ሂወት ክኸውን ኣለዎ፤ ኣብ ናይ ሓንቲ ሃገር ጉዳይ ዝተወሰኑ ጉጅለታት በይኖም ዝውስንሉ፣ ገበርቲ ሓደግቲ ዝኾንሉ ኩነታት ከብቕዕ ኣለዎ ብዝብል መትከል ተሰሪሑ ‘ዩ ይብሉ።
ዜጋታት ናይ ፖለቲካ ምንቕስቃሶም ናይ በዓልቶም ስራሕን ተግባርን ክኸውን፤ ዜጋታት ብዘይ ዝኾነ ዓይነት ከልካሊ ኣብ ናይ ሃገሮም ጉዳይ ክሳተፉን ተጠቐምቲ ክኾኑን እቲ ናይ ለውጢ መንግስቲ ዕላምኡ ገይሩ ብምስርሑ ዜጋታት ብንቕሓት ንምስታፍ ኣኽኢሉ ‘ዩ። ስለዚ ሓደ ዓብዪ ለውጢ ዝመፀ ናይ ኢትዮጵያ ህይወት ፖለቲካ ናይ ዜጋታታ ህይወት ክኸውን ምግባሩ ‘ዩ ክብሉ ይገልፁ።
ሚኒስትር ሕርሻ ግርማ ኣመንቴ (ፒኤችዲ) ብወገኖም ኣብ ዘፈር ሕርሻ ዝተመዝገቡ ዓወታት ብዝምልከት ከምዝገለፆ፣ድሕሪ ሃገራዊ ለውጢ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ዝተመዝገበ ዓወታት ንኢትዮጵያ ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ከምዘብፅሓ ብምግላፅ፤ ኢትዮጵያ መፍረያይነት ብምዕባይ ብፍላይ ድማ ኣገባብ ሕርሻ ኩታ ገጠም ብምትእትታውን ምስፍሕፋሕ መካናይዝድ ሕርሻን ከምኡ ‘ውን ሕርሻ ካብ ናይ ክረምቲ ጥራሕ ዝናብ ፅግዕተኝነት ናብ ዓመት ሙሉእ ሕርሻ ብምቕያር ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ከምዝኣተወትን እቲ ተመዝጊቡ ዘሎ ዓወት ዘላቒ ንምግባር ብፕሮግራም ሓምለዋይ ዓሻራ ኣቢሉ ንነባሪ ኣየር ዝፃወር ልምዓት ሕርሻ ንምትግባር ፃዕሪ ይግበር ከምዘሎን ይገልፁ።
ሚኒስትር ዴኤታ ሕርሻ መለስ መኮንን (ፒኤችዲ) ብወገኖም፣ ቅድሚ እቲ ለውጢ ኣብ ክረምቲ 12 ነጥቢ 5 ሚልዮን ሄክታር መሬት ይሕረስ ከምዝነበረ ብምዝኽኻር ሐዚ ናብ 20 ነጥቢ 5 ሚልዮን ሄክታር ከምዝዓበየ፤ እዚ ድማ ሃገራዊ ምህርቲ ካብ 293 ሚልዮን ኩንታል ናብ 608 ሚልዮን ኩንታል ክዓቢ ኣኽኢሉዎ ከምዘሎ የብርሁ።
ድሕሪ ለውጢ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ መፍረያይነት ስርናይ ንምዕባይ ዝተጀመረ ተበግሶ ኢትዮጵያ ልዑል ውፅኢት ከምዘምፅአት ብምግላፅ፣ ኣብ እዋን ቀውዒ ጥራይ ዓመታዊ ምህርቲ ስርናይ ካብ 48 ነጥቢ 5 ሚልዮን ኩንታል ናብ 152 ሚልዮን ኩንታል ከምዝዓበየ ንግዜኢ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ሓቢሮም ‘ዮም።
ኣብ 2011 ዓ.ም ኣብ 3500 ሄክታር መሬት ዝጀመረ ልምዓት ሓጋይ መስኖ ስርናይ ኣብዚ ሕዚ እዋን ናብ 3 ነጥቢ 5 ሚልዮን ሄክታር ከምዝዓበየን ካብዚ 172 ሚልዮን ኩንታል ንምፍራይ ፃዕሪ ይካየድ ከምዘሎን ብምሕባር፤ ኣብ ዘፈር ሕርሻ ዝርከብ ዘሎ ዓወት ናይ ሓደጋ ስግኣት ዓርስኻ ንምኽኣል ዝተጀመረ ስራሕ እናሓገዘ ከምዝኾነ ዝገለፁ ድማ ኮሚሽነር ኮሚሽን ምሕደራ ሓደጋን ስግኣትን ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሽፈራው ተኽለማርያም (ፒኤችዲ) ‘ዮም። ብተወሳኺ ኣብ ሰብኣዊ ሓገዛት ዓርሰ ምኽኣል ንምርግጋፅ ዝሕግዝ ፖሊሲ ተሓንፂፁ ኣብ ኩለን ክልላት ናብ ተግባር ከምዝተኣተወ ‘ዮም ዝገልፁ።
መኣርግ ገ/ሄር
ወጋሕታ 25 መጋቢት 2017 ዓ.ም