
ኣዲስ ኣበባ፡– ኣብ ክልል ትግራይ ን300 ሽሕ መናእሰይ ዕድል ስራሕ ምፍጣር ዘኽእሉ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት ልምዓት ድሉዋት ከምዝኾኑ ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣፍሊጡ።
ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሓላፊት ካቢኔ ሴክሬታሪያት ሳይንስ፣ቴክኖሎጂ፣ፈጠራን ስልጠናን ኣልጋነሽ ተሰማ (ዶ/ር)፤ ግብርና፣ ማኑፋክቹሪንግ፣ ኣናእሽተይ ኢንዱስትሪታትን ኢንዱስትርታት መቀነባበሪ ፍርያት ግብርናን ካብቶም ን300 ሽሕ መናእሰይ ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ዝተመቻቸዉ ፕሮጀክትታት ከምዝኾኑ ተዛሪበን።
ኣብቲ ክልል ምስ ዝርከቡ ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ብውልቀ ምስ ዝሰርሑ ሙሁራንን ብምትሕብባር እቲ ምድላው ፕሮጀክትታት ኢንተርፕራይዝ እናተዛዘመ ከምዝኾነ ኣረዲአን። ኣብቶም ፕሮጀክትታት ልዕሊ 420 ዓውድታት ልምዓት ዝሓቖፉ ኢንተርፕራይዛት ከምዝተኻተቱ ‘ውን ገሊፀን።
ኣብ ዝቕፅሉ ኣዋርሕ ‘ውን ትልሚ ትግበራ ዝርዝር 100 ሽሕ መናእሰይ ተረባሕቲ ዝገብሩ 104 ኢንተርፕራይዛት ቢዝነስ ከምዝተዳለወ ሓቢረን። ፍልጠት መሰረት ዝገበሩ ኢንተርፕራይዛት ልምዓት ምውዳብን ተግባራዊ ምግባርን ካብ ድኽነት ናብ ዝሓሸ ተረባሕነት ኢኮኖሚ ንምስግጋር ወሳኒ ስለዝኾነ ኣብ ዝቕፅሉ ኣዋርሕ ስልጠና ንምሃብ ምድላው ተገይሩ ‘ዩ ምባለን ግዜኢ ፀብፂቡ።
በሪሁ ኣረጋ
ወጋሕታ 11 መጋቢት 2017 ዓ.ም