ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ህላወ መፃኢ ወለዶ ዝውስን ‘ዩ

ጉዳይ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምንባርን ዘይምንባርን መፃኢ ወለዶ ዝውስን ስለዝኾነ ካብ ብሐዚኡ መፍትሒ ክግበረሉ ይግባእ ክብሉ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ደብረ ብርሃን መምህር ፖለቲካ ሳይንስን ዓለምለኸ ርክብን ሃሳቡ ተስፋ ገሊፆም፡፡

ኣይተ ሃሳቡ ንትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ከምዝገለፅዎ፤ ኢትዮጵያ ብዘመሓዳደርዋ ብናይ ባዕላ ድጋፍ መንግስቲ ካብዝነበራ ኣፍደገ ባሕሪ ንክትወፅእ ምግባራ ንኹሉ ዘጣዕስ ታሪኻዊ ስሕተት ‘ዩ፡፡ ኣፍደገ ባሕሪ ካብ ሉኣላዊ ግዝኣትነቱ ብተወሳኺ ኢኮኖሚያዊ፣ ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ረብሕኡ ጉዳይ ህልውና ይገብሮ፡፡

ሓደ ሃገር ኣፍደገ ባሕሪ ኣለዎ ማለት ካልኦት ኣፍደገ ባሕሪ ምስ ዘለዎም ሃገራት ዓለም ይዋሰን ኣሎ ማለት ‘ዩ ዝበሉ እቶም መምህር፤ እዚ ድማ ብዘይዝኾነ ኢድ ኣታውነት ልውውጥ ንግዲን ማሕበራዊ ምትእስሳርን ንምፍጣር ዘኽእል ‘ዩ ክብሉ ገሊፆም፡፡ ከም ገለፃ መምህር ሃሳቡ፤ ቁፅሪ ህዝቢ ኢትዮጵያ እናወሰኸ ይመፅእ ኣሎ፤ ብኡ ልክዕ ድማ ድልየቱን ምንቕስቓስ ንግዱን ዓብዩ ‘ዩ፤ ዓለምለኸ ርክቡን ኢኮኖሚያዊ ምትእስሳሩን ወሲኹ ‘ዩ፡፡

እናዓበየ ዝኸይድ ቁፅሪ ህዝቢ ብመንፅር ድልየቱን፤ ኣፍደገ ባሕሪ ብፍላይ ናይ መፃኢ ዘመን ወለዶ ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ኩነታት ዝውስን ብምዃኑ ካብ ብሕዚኡ መፍትሒ ክግበረሉ ይግባእ፡፡ ኢትዮጵያ ኣብ 1983 ዓ.ም ኣፍደገ ባሕራ ኣሕሊፋ ዝሃበትሉ ኩነታት ኣብ ክሳድካ ገመድ ከም ምእታው ዝቁፀር ‘ዩ ዝበሉ ኣይተ ሃሳቡ፤ እቲ ጥፍኣት ብፍላይ ኣብ መፃኢ ወለዶ ዓብይ ዕዳ ዘኸተለ ‘ዩ ኢሎም፡፡

ኣብቲ እዋን ኢትዮጵያ ብዙሕ ቢሊዮን ብር ኣውፂኣ ስራሕቲ ምስፍሕፋሕ ዝሰረሐትሉ ወደብ ዓሰብ ንኢትዮጵያ ይግብኣ ‘ዩ ኢልካ ምትራፍ ይክኣል ነይሩ፤ እቲ ዝነበረ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምግንፃል ኤርትራ ፍለጡለይ ምባሉን ነቲ ወደብ ‘ውን ኣሕሊፉ ምሃቡ ኢትዮጵያን ዋጋ እናኸፈላ ከምዝርከብ ገሊፆም፡፡

እዚ ታሪኻዊ ስሕተት ምስ መፃኢ ድልየት ወለዶን ምስ ምትእስሳር ዓለም ኢኮኖሚ ሓቢሩ ስለዘይኸይድ ካብ ብሐዚኡ ክስተኻኸል ከምዘለዎ ኣረዲኦም፡፡ ኣብ ዓለም ኾነ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ በዚ ልክዕ ረብሓ ሃገሩ ኣሕሊፉ ዝሃበ ስርዓት መንግስቲ የለን ዝበሉ ኣይተ ሃሳቡ፤ ሐዚ መንግስቲ እናቕረቦ ዘሎ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ግቡእነት ዘለዎነ ብፍላይ ንህልውና መፃኢ ወለዶ ትርጉሙ ልዑል ‘ዩ ኢሎም፡፡

ንምግንፃል ኤርትራ ናይ መጀመሪያ ኣፍልጦ ዝሃበት ባዕላ ኢትዮጵያ ‘ያ ዝበሉ ኣይተ ሃሳቡ፤ ንኤርትራ ምግንፃል ኣፍልጦ ይወሃብ ተዝብሃል ‘ኳ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ንክህልዋ ምግባር ይክኣል ነይሩ ኢሎም፡፡ እዚ ድማ ነባሪ ዞባዊ ሰላም፣ ፀጥታ፣ ቁጠባዊ ዕብየትን ምትሕብባርን ከም ዘሐይል ኣመልኪቶም።

“ኣብ 1940ታት፣ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም፣ ጉዳይ ኤርትራ ሓደ ካብቶም ኣብ ዲፕሎማስያዊ መድረኽ ዓለም ዝዝረበሉ ዝነበረ ጉዳይ ‘ዩ ነይሩ፤ ኣብቲ እዋን እቲ ዋዕላ ዓበይቲ ሓይልታት ጉዳይ ኤርትራ ሰለስተ መሰረታዊ ሕቶታት ብምምላስ ክፍታሕ ከም ዘለዎ ወሲኑ። ቀዳማይ ሕቶ ወደብ ባሕሪ ኢትዮጵያ፤ ካልኣይ ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ፤ ሳልሳይ እቲ ውሳነ ኣብቲ ክልል ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅ ዝዓለመ ‘ዩ። ኮይኑ ግና ተግባራዊ ዝኾነ ነቲ ታሪኻውን ኣህጉራውን ውሳነ ብምጥሓስ ንኢትዮጵያ ብዘይ ኣፍደገ ባሕሪ ዘቕረየ፤ “ነቲ ዞባ ናብ ቀዋሚ ዘይምርግጋዕ ዘእተወ ኮይኑ ‘ዩ ክብሉ ተዛሪቦም፡፡

ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ሕቶ ህዝቢ ብምዃኑ ሕዚ ክለዓለሉ ዘይከኣለሉ ምኽንያት የለን፡፡ ዕፅው ኣይኮነን ኢሎም፡፡ ቀንዲ መፈፀሚ ዓለምኸ ሕጊ ድርድር ‘ዩ ዝበሉ ኣይተ ሃሳቡ፤ ሓደ ሓደ ሃገራት ይግበአኒ ‘ዩ ዝብለኦ ግዝኣታት ሂብካ ብምቕባል ወይ ሒዝካ ብምድርዳር ልሙድ ምዃኑ ጠቒሶም።

ሃገራት ብሄራዊ ረብሓታተን ኣሕሊፈን ንዘይምሃብ ዝተፈላለዩ ኣማራፂታት ከምዝጥቀማ ብምግለፅ፤ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ግሪንላንድን ፓናማን ዝገብርዎ ዘለዉ ናይ ይግበአኒ ሕቶ ናይ ሃገሮም ብሄራዊ ረብሓ ንምኽባር ክብሉ ዝገበርዎ ምዃኑ ምዝካር ኣገዳሲ ‘ዩ ኢሎም፡፡

ኣሜሪካ ኣብ ግሪን ላንድን ፓናማን ካብ ተልዕሎ ናይ ይግበአኒ ሕቶ ንላዕሊ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍደገ ባሕሪ እተልዕሎ ሕቶ ዓለም ካብዝፈልጦ ታሪኻዊ በዓል ዋና ብተወሳኺ ብካልኦት መዐቀኒታት እንተዝረአ ዓብዪ ትርጉም ዘለዎ ‘ዩ ኢሎም፡፡ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ብሰላምን ዲፕሎማሲያውን ኣገባብ ኣብ መትከል ምሃብን ምቕባልን ተመርኲስካ ናብ ዓለም ለኻዊ ቤት ፍርዲ ምቕራብ ኣድላዪ ምዃኑ ኣረዲኦም።

ኢትዮጵያ ዘለዋ ተስፋ ዕብየት፣ በዝሒ ህዝባ፣ ታሪኻዊ በዓል ቤት ኣፍደገ ባሕሪ፣ ብዓቢይኡ ድማ ድሌታት መፃኢ ወለዶታት ኣብ ግምት ብምእታው ሰላማዊ መማረፂ ተጠቒማ ሕቶ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ብህፁፅ ንምምላስ ፃዕሪ ክትገብር ትፅቢት ይግበረላ ኢሎም፡፡

ኣብርሃ ሓጎስን መኣርግ ገ/ሄርን

ወጋሕታ 11 መጋቢት 2017 ዓ.ም

Recommended For You