ምንቅስቃስ ፍንጫል ጉጅለ ህወሓት ንውልቃዊ ረብሓ ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፡ኣብዚ ሐዚ እዋን ብወገን ፍንጫል ጉጅለ ህወሓት እናርኣየ ዘሎ ምንቅስቃስ ውልቃዊ ረብሓ ንምሕላው ጥራሕ ‘ዩ ክብላ ሓላፊት ሊግ ደቂ ኣንስትዮ ብልፅግና ጨንፈር ትግራይ ወይዘሮ ኣበባ በርሀ ገሊፀን፡፡

ወይዘሮ ኣበባ ንጋዜጣ ወጋሕታ ከምዝገለፀኦ፤ መጀመሪኡ ‘ውን ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ዝጠመረ ኣይነበረን፤ ኢትዮጵያዊ ዝኾነ መልክዕን ምርድዳእን ዝተሰነየ ኣካይዳ ፖለቲካ ኣይነበሮምን፤ ከምዝፈለጥ ናይ ቤተሰብ ፖለቲካ ‘ዩ ነይሩ በዚ ምኽንያት እቲ ህዝቢ ናብ ዘይተደለየ ቅልውላው እታ ሃገር ድማ ንድሕሪት ንክትጉተት ምኽንያት ኾይኖም ‘ዮም፡፡

ኣብዚ ሐዚ እዋን ብወገን ፍንጫል ጉጅለ ህወሓት እናተርአየ ዘሎ መንቅስቃስ ውልቃዊ ረብሓ ንምሕላው ጥራሕ ‘ዩ፤ ኣብ ክንዲ ዝተማዛበለ ህዝቢ ናብ መረበቱ ምምላስ ፣ኣብ ክንዲ ብምኽንያት ዘይምርግጋዕ ዝወፅእ ዘሎ መንእሰይ ምምላስ ፣ ኣብ መሰረተ ልምዓት ትኹረት ካብ ምግባር ስለ ናይ ባዕሎም ስልጣን ምሕሳብ ህዝቢ ኣብ ፀገም እናእተውዎ ይርከቡ ዝበላ ወይዘሮ ኣበባ፤ እዚ እናኸድዎ ዘለዉ ኣካይዳ ንባዕሎም ውልቃዊ ረብሓ ‘ምበር ንህዝቢ ጠብ ዝብል ነገር ስለዘይብሉ ብቕልጡፍ ጠጠው ከብሉ ይግባእ ኢለን፡፡

ህዝቢ ትግራይ ከም ሃገር ለውጢ ክመፅእ እንከሎ ብምኽንያት ህወሓት ዓይኑ ተሸፊኑ ብዙሕ ፀገማት በፂሕዎ ‘ዩ፤ ኸዚ ግና ህዝቢ ትግራይ ንክድሕን እንተኾይኑ ኣካል ኢትዮጵያውያንን ፌደራል መንግስቲን ኾይኑ ሰላማዊ ቃልሲ ብምቅላስን ስፍሕ ዝበለ ኣተሓሳስባ ብምኽታል ሃገሩ ከማሓድር ይግባእ ክብላ ኣብሪሀን፡፡

ብወገን ፌደራል መንግስቲ ድማ መራሒ ሃገር ከም ምዃኑ መጠን ትግራዋይ ድማ ኣካል ኢትዮጵያ ብምዃኑ ካልኦት ክልላት ዝረኸብዎ ሃዋህው ሰላምን ልምዓትን ንክረክብ ናይ ምግባር ግቡእ ኣለዎ ዝበላ ወይዘሮ ኣበባ፤ ማሕበራዊ ፖለቲካውን ኢኮኖሚያውን መሰሉ ተረጋጊፅሉ ንክነበር ኣብ ሓፂር እዋን ውሳነ ተወሲኑ ናብ ተግባር ክእቶ ይግባእ ክብላ ገሊፀን፡፡

ቅድሚ ኸዚ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሐ ንከይድገም ናብ ልቦናና ተመሊስና ንባዕልና ረብሓ ተቃሊስና ካልኦት ክልላት ዝበፅሐኦ ክንበፅሕ ኣካይዳና ምስትውዓል ዝበዝሖ ክኾን ይግባእ ኢለን፡፡

ፍንጫል ጉጅለ ህወሓት ብመረፃ ቦርድ ንሰለስተ ወርሒ ካብ ፖለቲካ ምንቅስቓስ ዝተኣገደ፣ዘካየዶ ጉባኤ ብቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ተቀባልነት ዘይብሉ ምዃኑ ዝተገለፀ፤ኣብ ሐዚ ድማ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብምጥሓስ መሓወር ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ እናፍረሰ ዝርከብ ጉጅለ ምዃኑ ይፍለጥ፡፡

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ 11 መጋቢት 2017 ዓ.ም

Recommended For You