
ኣዲስ ኣበባ፡– ናይ ኣፍሪካ ቀጣና ናፃ ንግዲ ስምምዕነት ንኢኮኖሚ ኣፍሪካ ስግግር ተግባራዊ ዝገብር ዋና መሰርሒ ንክኾን ካብ ስምምዕነት ዝተሳገረ ተግባራዊ ስጉምቲ ከምዘድሊ ፕሬዝደንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ ገሊፆም፡፡
እቶም ፕሬዝደንት መበል 75 ናይ ኣፍሪካ ገንዘብ፣ ፕላንን ኢኮኖሚ ልምዓት ሚኒስትራት ጉባኤ ኣብ ዝተኻየደ እዋን ከምዝገለፅዎ፤ ናፃ ንግዲ እቲ ቀጣና ንኣፍሪካ ንኢኮኖሚ ስግግር ዋና ሞተር ኾይኑ ኣድለይቲ ተግባራት ብቁርፀኝነት ምስራሕ ይግባእ፡፡ ኣብ መንጎ ኣፍሪካውያን ዘሎ ንግዲ ክዓቢ ዕንቅፋት ዝኾኑ ፀገማት ንምስጋር ካብ ትልሚ ዝተሳገረ ጭቡጥ ተግባር የድሊ፡፡
ከይዲ ናፃ ንግዲ ቀጣና ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ንምስትኽኻል ዕድል ዝፈጥር ብምዃኑ ፤ ኣብ መንጎ ኣፍሪካውያን ዘሎ ልውውጥ ንግዲ ንምዕባይ ዓቕሚ ናይታ ኣህጉር ንዘላቒ ዕብየት ኢኮኖሚ ምጥቃም ከምዝግባእ ገሊፆም፡፡ ከም ገለፃ እቶም ፕሬዝደንት፤ ናይ ኣፍሪካ ናፃ ንግዲ ቀጣና ተግባራዊነት ንምፍጣን ኣብ ሓሙሽተ መሰረታዊ ጉዳያት ትኹረት ምግባር የድሊ፡፡
ዝርገሐ መሰረተ ልምዓት ፣ኣብ ኣቅሓ ዘተኾረ ናይ ኣምረቲ ዘፈር ልምዓት ንምስፍሕፋሕ ዘኽእል ስትራቴጂካዊ ኢንቨስትመንት ዘፈራት፣ ተሳትፎ መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ኢንቨስት መንት ንምስሓብን ውሕስና ቢዝነስ ንምርግጋፅ ዘኽእሉ ግልፅን ተገመቲ ማዕቀፍ ፖሊሲ ከምኡ ‘ውን ዲጂታል ኢኮኖሚ ትኹረት ምሃብ ይግባእ፡፡
ጥረ ኣቅሓ ናብ ወፃኢ ብመልኣኽ ጥራሕ ፅግዕተኛ ምዃን ምቅፃል ኣይካኣልን፡፡ ኢንዱስትሪያላይዜሽን፣ ስራሕ ፈጠራን ቀጣናዊ እሴት ሰንሰለት ልምዓት ንኣፍሪካ ኣህጉራን ዓለምለኸ ንግዲ ብፅሒት ወሳኒ ከምዝኾነ ድሕሪ ምግላፅ ፤ ነዚ ድማ ኣናእሽተይን ማኸላይን ኣምረቲ ምስታፍን ምብርትታዕን ከምዘድሊ ተዛሪቦም፡፡
ታሪኽ ብዋናነት ዝምዘን ብዝፈረምናዮ ስምምዕነት እንተይኾነስ እቲ ስምምዕነት ተግባራዊ ንምግባር ብዝወሰድናዮ ስጉምቲ ‘ዩ፡፡ እቲ ስምምዕነት ንኣፍሪካውያን ዕብየት ናብ ዝጠቅም ጭቡጥ ተግባር ናይ ምልዋጥ ዓቕሚ ኣብ ኢድና ‘ዩ ኢሎም፡፡ ኢትዮጵያ ንናፃ ናይ ንግዲ ቀጣና ተግባራዊ ንምዃን ቁርፀኛ ከምዝኾነት ዝተዛረቡ እቶም ፕሬዝደንት፤ ዝተሓባበረት ፣ዝበልፀገትን ንፈተና ዘይትሽነፍ ኣህጉር ኣፍሪካ ንምግባር ምስ መዳርግቲ ኣካላት ኣፍሪካ ብምትሕብባር ከምትሰርሕ ኣመልኪቶም፡፡
ኮምሽን ዋና ፃሓፊ ትካል ሕቡራት መንግስቲ ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ክሌቨር ጋቴቴ (ዶ/ር) ብወገኖም፤ ናፃ ንግዲ ቀጣና ዘርክብ ዕድላት ብተግባር እንድሕር ዘይተገይሮም እቲ ስምምዕነት ምፍራም ጥራሕ ረብሓ ከምዘይብሉ ተዛሪቦም፡፡ ነፃ ንግዲ ቀጣና ሙሉእ ብሙሉእ ናብ ተግባር ንምቕያር ምትሕብባርን ኢንቨስትመንትን ምዕባይ ፣ቀጣናዊ ናይ እሴት ሰንሰለታትን ፍሉይ ኢኮኖሚ ዞባታት ምጥንኻር ውሽጣዊ ዓቕሚ ምትሕብባርን መሰረተ ልምዓት ዝርገሐ ምስፍሕፋሕ ከምዘድሊ ገሊፆም፡፡
ነፃ ንግዲ ቀጣና ስምምዕነት ኣብ ተግባር ብምውዓል ኣብ መንጎ ኣፍሪካውያን ዝግበር ልውውጥ ንግዲን ናይቲ ኣህጉር ጠቕላላ ምህርቲ ብዓብይ ብርኪ ምውሳኽ ይካኣል ‘ዩ፤ ነዚ ድማ ጠንካራ ፖለቲካዊ ቁርፀኝነት ከምዘድሊ ኣፍሊጦም።
መሰረት ገ/ዮሃንስ
ወጋሕታ 11 መጋቢት 2017 ዓ.ም