
ኣዲስ ኣበባ፡– ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ኣዋርሕ 29 ሽሕን 862 ነጥቢ 5 ኩንታል መዓርን 804 ነጥቢ 1 ኩንታል ፍርያት ስምዒን ከምዝተረኸበ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ቢሮ መራሒ ጉጅለ ልምዓት ንህቢ፣ሓሰኻ ሃሪን ዓሳን ኣይተ ጎሹ ወልደኣብዝጊ ከምዝበልዎ፤ እቲ ሎሚ ዝተረኸቡ ዘሎ ፍርያት መዓር ካብ ተመሳሳሊ ዝሓለፉ ዓመታት እንትነፃፀር ተኸታታሊ ዕብየት ዘለዎ ‘ዩ።ኣብዚ ከም ትልሚ ተታሒዙ ዝነበረ 30 ሽሕን 300 ኩንታል መዓርን 1014 ኩንታል ሸምዒን ካብ ዘመናዊን ባህላዊን ቆፎ ክእከብ ትፅቢት ዝተገበረ ኮይኑ ካብቲ ዝተተለመ 98 ነጥቢ 6 ሚእታዊ መዓርን 79 ነጥቢ3 ድማ ሽምዒን ከምዝተፈፀመ ተገሊፁ።
ማእኸላይ መፍረያይነት ካብ ዘመናዊ ቐፎ ድማ 21ነጥቢ64 ኪሎ ግራም ካብ ባህላዊ ቐፎ ድማ 10ነጥቢ14 ኪሎ ግራም ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ብድማር ካብ ዝተበርበረ ዘመናዊ ቀፎ 70 ሽሕን 720 ዝተረኸበ ምህርቲ 15 ሽሕን 6 ነጥቢ24 ኩንታል ካብ ባህላዊ ዝተበርበሩ ድማ 127ሽሕን 370 ጎዶ ዝተረኸበ ምህርቲ ድማ 14ሽሕ 128ነጥቢ52 ኩንታል ከምዝኾነ ተፈሊጡ።
ክልል ትግራይ ንምርባሕ ንህቢ ዘምችው ስነ ምህዳርን ኣናህብ ዝፀግዩዎም እፅዋትን ዝተዓደለት ብምዝኽኻር፤ ካብዚ ዝርከብ ምህርቲ መዓር ድማ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ይኹን ወፃኢ ተጠላብነቱ ዝለዓለ ከምዝኾነ ‘ውን ተገሊፁ፡፡ ክሳብ ሐዚ ብዘሎ መረዳእታ ኣብ ምርባሕ ንህቢ ዝተሰማረያን ኣብ ስራሕ እናነጠፋ ዘለዋ ማሕበራት 149 እንትኾና ዘለወን ኣባል ድማ 2 ሽሕን 354 ኮይኑ ካብዚ ድማ 596 ሓረስታይ 829 ደቂኣንስትዮ 715 መንእሰይ ዝሓዛ እንትኾና ዘለወን ዘመናዊ ቐፎ 1ሽሕን 114 ዕስለ፤ በህላዊ ድማ 521 ዕስለ ከምዘለወን ተሓቢሩ ፡፡
ከም ክልል ኣብ ልምዓት ንህቢ ዝስርሑ ዝነበሩ ስራሕቲ ካብ እዋን ናብ እዋን ምምሕያሻት እናርአዩ ዝመፅኡ ከምዝኾኑን ንሓረስቶት፣ መሬት ዘይብሎም መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ተወሳኺ ፍልፍል እቶት ብምምፃእ ኣብ ምርግጋፅ ውሕስና ምግቢ ቀሊል ዘይብሃል እጃም እናተፃወተ ዘሎ ምዃኑ ይፍለጥ።
ኣብርሃ ሓጎስ
ወጋሕታ 11 መጋቢት 2017 ዓ.ም