
ሰፈር ጥበብ፤ ኣቦ ጭራ ዋጣ፣ ሰረት ዘበናዊ ሙዚቃ ትግርኛ ‘ዩ።ንጥበብ ተወሊዱ ንጥበብ ባፂሑ ንጥበብ ኣባፂሑ ንጥበብ ዝሓለፈ ‘ዩ ክብል ንበዓል ብዙሕ ሞያ ሙዚቃን ንጉስ ጥበብን ገብረፃዲቅ ወልደዮሃንስ ጋዜጠኛ ዳርእስከዳር መብራሕቱ ይገልፆ። ገብረፃዲቅ ተራ ሙዚቀኛ፣ ተፃዋታይ ጭራ ዋጣ ወይ ተራ ስነጥበባዊ ኣይኮነን ብምባል ምስጢር ጥበብ ቀዲሙ ዝተረድኦ፣ ብርሃን ጥበብ ዝተረኣዮ፣ ጥበብ ዘጠዓዓመ፣ ንጥበብ ዝተፈጠረ ንዕብየት ሙዚቃ ትግርኛ ዝተቃለሰን ‘ዩ ክብል ‘ውን ኣብ ዝኾነ እዋን ፅሑፉ ገሊፅዎ ‘ዩ።
ብሽም ተኽልሽ ፊያሜታ ኣብ መራኸቢ ሓፋሽ ብፍላይ ኣብ ባህልን ቱሪዝምን ዓወዲ ዝነጥፍ ከምዝፀሓፎ ድማ፤ ገብረፃዲቅ ተወሊዱ ዝዓበየሉ ዓድዋ ‘ዩ። ናይ ዓብዪ ሓው ዝነበረት ጭራ ብምትንኻፍ ምስመለኻ፣ ዓብዪ ሓው ተስፋይ ኣስመራ ምስከደ ደድሕሪ ሓው 1961 ዓ/ም ኣስመራ ዝወረደ ገ/ፃዲቕ ኣብ ኣስመራ ኣብ ጉጅለ ሙዚቃን ተዋሶኦን ተቆፂሩ ይሰርሕ ኔሩ።
ኣብዚ ግዜ ቀልቢ ብዙሓት ካብ ዝሰሓባ ጣዕመ ዜማታቱ ድማ “ሓዳር ጌርኪ ሰሚዐ ብወረ፤ ኣቲ ሓዳር ጌርኪ ሰሚዐ ብወረ” ዝብሉን፤ “ይባሳጮን ኣለኹ ብንኡሰይ ከለኹ፤ኣይሓስቡን ድዮም ስድራኺ ኣይወዲ ኣዳምን ድየ ንካልእ ዝህቡኺ” ይረከብዎም። ገረፃዲቕ ብሙዚቃ ኣቢሉ ዘይተንከፎ ማሕበራዊ ሂወት የለን። ብቃና ድምፁ፣ ብብስለት ግጥምታቱ፣ ብመቀረት ዜምኡ ብማራኻይ ኣፀዋውታ መሳርሒ ሙዚቃ ዝለዓለ ክብርን ናእዳን ካብ ዘትረፉ ድምፃውያን ሓደ ‘ዩ።
“ተፈላሊና ዲና ፍቅረየ ጋዶ ኮይኑ፤ ገና ከይተማነና መሬት ብእዋኑ”፤ “ሞኒኽኒ ዲኺ ፍቅረይ ኣነስ ኣይመነኹን፤ ኣነስ ገና እየ ፍቅረይ ኣይወዳእኩን” ዝብሉን ካልኦትን ፍቁራት ሰሚዖም ዘይመንውዎም ዜማታት ገረፃዲቅ ‘ዮም። ብሙዚቃ ኣብ ዝለዓለ ጠርዚ ኣብ ዝበፅሐሉ እዋን፣ ኣብ ኣስመራ ብዝነበሩ ማሓውራት ህወሓት ተመልሚሉ ኣእሚኖሞ ኣባል ህወሓት ብምዃን ናብ ደደቢት ወሪዱ ተዓሊሙ። ወታደራዊ ታዕሊሙ ምስወደአ ኣብ ጉጅለ ባህሊ ተሓዊሱ ምስ ከያኒ እያሱ በርሀን ካልኦትን ብምዃን ብዙሓት ንተጋዳለይ ወነ ዘስንቑ ንዘይተጋደለ ብስሚዒት ዘጋድሉ ዜማታት ናብ ህዝቢ ኣቅሪቡ ‘ዩ።
እንተኾነ ግን ነዊሕ እንተይሰጎመ ኣብቲ ይጋደለሉ ዝነበረ ክፍሊ ህወሓት “ጋዕዚኹም” ብዝብል ስጥም ዝበለ ነቐፌታ በፂሕዎም ተበታቲኖም። ኣብ ካሊእ ዓውዲ ተመዲቡ ክጋደል ተጌሩ ግን እቲ ዝተመደበሉ ዓውዲ ኣይተቀበሎን። ብምክንያት እዚ ሓጎስ ስኢኑ ዝምዕዶን ዝነቅፎን ሰብ ‘ውን ብዘይምርካቡ ናብ ደርጊ ኢዱ ሂቡ። ብሙዚቃታቱ ዝዓገበ ተጋዳለይ መሪር ሓዘን ተሰሚዕዎ ከምዝነበረ ይግለፅ።
ድሕሪ ኣብ ደርጊ ምእታው ‘ውን ሓጎስ ዘይረኸበ ከያኒ ገብረፃዲቕ ወልደዮሃንስ ከም “ሰገን ብርኪ ሰገን እናበሉ’ውነ ዘይብሎም ቆልዑ እናታለሉ” ዝብሉ ኣንፃር ህወሓት ዝደረፈ ኮይኑ፤ “ናይ ውፁዓት ቃልሲ እሳተ ጎመራ ዘየቋርፅ ናዕቢ ስሑል ካራ፤ ናይ ብፆት ሓዳራ” ዝብሉን ካልኦትን ምስ ደርጊ ኮይኑ ንህዝቢ ዝደረፎም ይርከብዎ።
ጋዜጠኛ ምሩፅ ታረቀ ከምዝ ፀሓፎ ‘ውን ገብረፃዲቅ ካብ ናይ ቃልሲ ደርፍታት ብተወሳኺ ካብ ዝደረፎም ከም ኣብነት እንተወሲድና፤‹‹ብዒዋላይዶ ክነብር እየ፣ ኣቲ ሓዳር ገይርኪ፣ ሚኪአለይ በዓል ፅላል ኣውልዕ፣ ተፈላሊናዲና፣ ኣያበየነ፣ ንበይነይ ፣ ገዛ ከራይ፣ ፅብቅቲ እያ ካብ መጠን ብላዕሊ፣ ይበሳጨው ኣለኩ ብንኡሰይ ከለኹ፣ ኣብ ከተማ ምፅዋዕ ዘሕለፍናዮ ፍቅሪ፣ የፍቅረኪ ኢለያ፣ ኣኽሱም መረበታ፣ ሰላም ከመይ ኣለኪ፣ ኣታ ቀይሕ ወዲ መኮነንየ ፣ ኣይዛረብን፣ ሐዳረይ፣ ሓዚነልኪ ኣልቂሰ፣ ንመስቀለይ፣ ገሪማ ክትቁነን እያ ከሪማ፣ ጉማየ ላሎ፣ መን ‘ዩ ሓቀኛ፣ ንሩባ ወሪደ ፣ ንእስነት ከደት፣ ካብ ኩለን ኣዋልድ ንዓኪ ኣፍቂረ፣ ሰላም ከመይ ኣለኺ፣ ወይዘሪት ትግራይ ››ዝብልን ኣብዚ ዘርዚርካ ዘይውዳእ ቁፅሪ ደሪፉ ‘ዩ።
ካብዚ ብተወሳኺ ብኣገወኛን ኣምሓርኛን ተሓዋዊሳ ዝተደረፈት “ሸሞንማናው ለኔ” (Shemonmanaw Lene)፣ ያገሬ ባህል፣ ወይኔ ወይኔ ሳልማር ቀርቼ” ዝብሉን ብዝተፈላላዩ ቋንቋታት ከምዝደረፈ ዝፍለጥ ኮይኑ ንኣብነት ንትግርኛ ሓዊሱ ብትግረ፣ ኣምሓርኛ፣ ዓረብኛ (ሱዳንኛ) ብ ህንዲ(ናይ ማዘር እንድያን ብጭራዋጣ ክላሲካል ገብረፃዲቅ ዝዓጀቦ) ፣ጣልያነኛ ፣ ኣገወኛ ፣ ኦሮሞኛን ብካልኦት ቋንቋታትን ምድራፉ ተመዝጊቡ ይረከብ።
ከምኡ ‘ውን ገብረፃዲቅ በዓል ብዙሕ ሞያ ‘ዩ። ንኣብነት ድምፃዊ፣ ገጣሚ፣ ዘያሚ፣ ኣወሃሃዲ ሙዚቃ፣ቴክንሻን፣ ብ7 ክሪ ክራርን ብ5 ኣፃብዕቱ ጭራ ዝፃወት ዝነበረን ከምኡ ‘ውን ገብረፃዲቅ ዝፃወቶም መሳርሒ ሙዚቓታት፤ ጭራ፣ ክራር፣ ኦርጋን፣ ቫዮሊን፣ ማውዝ ፕያኖ፣ ሃርሞኒካ፣ ኪቦርድ፣ ዑድ፣ ክላርኔት፣ ቤዝ ጊታር፣ ሊድ ጊታር፣ ኣኮርድዮን፣ ከበሮ(ድራም) ፣ ፉሉት(ሻንበቆ)፣ ሶፕራኖ (ሳኽስፎን) ብድምር 15 ዓይነት መሳርሒ ሙዚቃ ይፃወት ዝነበረን ከምኡ ‘ውን ናይ ባዕሉ ፈጠራን ናይ ህዝቢ ዜማን ግጥምን ኣዋሃሂዱ ካብ ምድራፍ ብተወሳኺ ንእያሱ በርሀ ናብ ሙዚቃ ክኣቱ ዝገበረን ግጥምን ዜማን ንካልኦት ደረፍቲ ይህብ ዝሃበ በዓል ብዙሕ ጥበብ ‘ዩ።
ኣብ መበዛሕትኡ ተሰኒዱ ዝርከብ ገብረፃዲቅ ወዲ 23 ዓመት እናሃለወ ከምዝሞተ ‘ዩ። ይኹን ‘ምበር ካብ ሓዉ ተሰፋይ ብዝተረኸበ ሓበሬታ ግና ብ1953 ዓ.ም ተወሊዱ ብ1973 ዓም ወዲ 20 ዓመት እናሃለወ ከምዝሞተን ሓንቲ ኣብ ኣስመራ ወሊዱ ንሳድማ ክልተ ኣወዳት ወሊዳ ከምዝሞተትን ‘ዩ። ኣብ ምስናድ ደርፍታት ገብረፃዲቅ ተዋፊሮም ዝምራመሩ ውልቀሰባት ከምዝሕብርዎ ኣመሓይሹ ዝደረፎም ደርፍታት ሓዊሱ ብተግባር ከባቢ 380 ደርፊ ከምዘኣከቡን ልዕሊ 400 ደርፍታት ከምዝደረፈ ድማ ግምታት ከምዘለዎም ‘ዩ ዝግለፅ። እቶም ደርፈታቱ ብሸኽላ፣ሪልን ካሴትን ከምዘሐተሞም ‘ውን ተገሊፁ ‘ዩ።
ገብረፃዲቅ ብ1965ን 66 ዓም ኣብ ዘበነ ሃይለስላሰ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተካየደ ናይ ባሀሊ ውድድር ንኒ ጥላሁን ገሰሰን ኣሕመድ ኣሕሙድን ካልኦት ዓበይቲ ደረፍትን በሊፁ ክልተ ግዘ ኮኮብ ሙዚቀኛ ተባሂሉ ከምዝተሸለመ ‘ዉን ይግለፅ ‘ዩ። ገብረፃዲቅ ኣብ ከተማ ዓድዋ ተወሊዱ ዝዓበየ እንትኮን ወዲ 5 ዓመት ኣትሒዙ ሙዚቃ ከምዝጀመረ እቲ ሕዚ ዘሎ ቅዲ ኣፃውታ ክራርን ጭራን ገበረፃዲቅ ብዘምሃሮም ድምፃውያን አናተወራረሰ ዝመፀ ምዃኑ ካብ መሳርሐቱን ኣብ ዙርያ ገብረፃዲቅ ካብ ዘፅንዑ ኣካላትን ዝተረኸበ መረዳእታ ይሕበር። ድሕሪኡ ብ1973 ዓ/ም ኣብ ማእኸል ፅርግያ ብዝተተኮሰት ጥይት ሂወቱ ሓሊፉ ኣብ እንዳጋብር መቐለ ከም ዝተቐበረ ይሕበር።
ምስዚ ተተሓሒዙ 29 ለካቲት ኣብ ኣዳራሽ ድምፂ ወያነ ትግራይ መድረክ ዝኽሪ ብሄራዊ ሃርበኛን ንጉስ ጥበብ ሙዚቃ ትግርኛን ገብረፃዲቕ ወልደዮሃንስ ዓበይቲ ሰብሞያ ጥበብ፣ ፈተውቲ ኪነትን ኣድነቅቲ ኣብ ዝተረከብዎ ብድምቀት ተዘኪሩ ።
ኣብርሃ ሓጎስ
ወጋሕታ 4 መጋቢት 2017 ዓ.ም