
ዕዱም ጋሻ ዓምድና ኣብ ዝተፈላላዩ ዛዕባታት መሰረት ብምግባር ዝተፈላላዩ ኣጋይሽ ብምቐራብ ስፍሕ ብዝበለ መልክዕ ሓሳቦምን መልእኽቶም ናብ መንበብትና እነቕርበሉ ዓምዲ ‘ዩ። ከምቲ ልሙድ ናይ ሎሚ ዕዱም ጋሻና ቅድሚ ሐዚ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናዊ ዛዕባታት ዘቕረብናዮም፤ ቅድም ክብል ምኽትል ኣቦ ወንበር ትግራይ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲን (ትዴፓ) ዝነበሩ ኣይተ መስፍን ደሳለኝ ኮይኖም ኣብ ጉዳይ ስምምዕነት ፕሪቶርያን ሰላምን ተመሳሳሊ ዛዕባ ትኹረት ብምግባር ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ዝገበርዎ ፃንሒት ከምዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ:: ሰናይ ንባብ::
ወጋሕታ ፡- ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) በዓል 11 ለካቲት መሰረት ብምግባር ንመላእ ህዝቢ ትግራይን ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ተጋሩን ፈተውቲ ህዝቢ ትግራይን ናይ እንኳዕ ኣብፀሓኩም መልእኽቲ ምሕላፎም ዝዝከር ‘ዩ:: እቲ መልእኽቲ ከመይ ርኢኻዮ? ካብዚ ብምባጋስ እንታይ ሓሳብ ኣለካ?
ኣይተ መስፍን፡– ብዛዕባ 11 ለካቲት ክንልዕል ከለና ኣንፃር ስርዓት ደርጊ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህወሓት ዝተጀመረሉን መዓልቲ ‘ዩ:: እቲ ቃልሲ በቀጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ኣብዝሓ ኣካል ህዝቢ ትግራይ ዝተሳተፈሉን ብዙሕ ሰብኣውን ቁሳውን ዋጋ ዝተኸፈለሉን ‘ዩ።
ኣብ መወዳእታ ‘ውን ኣብ 20 ግንቦት 1983ዓ.ም ደርጊ ምስ ወደቀ ስግግር መንግስቲ ተመስሪቱ ብዝተወሰነ መልክዕ ዝተፈላላዩ ፓርቲታትን መድበለ ፓርቲን ዘለውዎ ምስ ብዙሕ ፀገማታቱ ስርዓት መንግስቲ ክምስረት ክኢሉ ‘ዩ:: ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ‘ውን ሓደ ኣብ ውሽጢ ኢህወዴግ ካብ ዝነበሩ ብምኻኖም ፍረ ናይቲ 11 ለካቲት ‘ዮም ክብሃል ይክኣል ‘ዩ::
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ብዛዕባ 11 ለካቲት መግለፂ ክህቡን መልእኽቲ ከሕለፉን ንመጀመርያ ግዘ እዋን ‘ዩ ዝመስለኒ:: ኣብቲ ናይ 17 ዓመት ዝነበረ ቃልሲ ኣፍለጦ ምሃቦም ‘ውን ብጣዕሚ ዝምስገን ‘ዩ:: ኣብቲ ዝሃብዎ መግለፂ ርኢኻዮ እንተኾይንኻ፤ ብሰላማዊ መንገዲ ፍታሕ ክመፅእ ስለዘይከኣለ ወታደራዊ ‘ውን ስለ ዝነበረ ግና ደሓር ኣማራፂ ሰለ ዘይነበረ መብዛሕትኡ ትግራዋይ ዝተሳተፈሉ ንዲሞክራሲ፣ ንፍትሒን ንልምዓትን ዝተገበረ ቃልሲ ንዕዑ ኣፍልጦ ሂቦም ‘ዮም::
አብኡ ክጠቕስዎ ዘሞኮሩ ድማ ኢትዮጵያ ከም ባህሊ ‘ውን ባዕዳዊ ወራር ክመፅእ ከሎ ብሓደ ክቃለስ ተሪኦ ኢኻ፤ ኣብ ውሽጢ ዝፍጠር ፀገም ግና ብልዝብ ብድርድር ወይ ሕጋዊ ብዝኾነ መንገዲ ናይ ምፍታሕ ባህሊ ስለዘይነበረና ናይ ዜሮ ድምር ፖለቲካ ንክኸውን ክኢሉ ‘ዩ:: ኩሎም ዝነበሩ ስርዓታት ‘ውን ኣብ ስልጣኖም ንምፅናሕ ፤ ካብኦም ወፃኢ ንዝመፅእ ኣፈላላይ ኣተሓሳስባን ፖለቲካዊ ኣመለኻኽታን ብጉልበት ‘ዮም ክከላኸሉ ፀኒሖም ዝብል ጠቂሶም ኣለው (ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ) እዚ ኸዓ ትኽክል ‘ዩ::
ኣብ ውሽጥና ዘሎ ፀገም ኣብ ምፍታሕ ዝሐሸ ባህሊ ንክህልየናን ንሱ ንተጠቃመነት ኩሉ ማሕበረሰብን ሰላም፣ ቅሳነትን ምርግጋዕን እታ ዓድን ስለዝኾነ እዚ ክቅየር ከምዘለዎ ብምጥቃስ፤ ዕላማ 11 ለካቲት ሽቱኡ ወቂዑ ‘ዩ ኢሎም ከምዘይኣምኑን ገሊፆም ዮም:: ማለት ‘ውን ብዙሕ ነገራት ዝተገበሩ እንተሃለው ‘ውን ህዝቢ ትግራይ ከምዝተቃለሶን ዕላምኡ ኣይወቀዐን:: ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ‘ውን ከም ዝተጨወየን፤ ዝደልዮ ለውጢ፣ ዲሞክራሲን ልምዓትን ኣይረኸበን:: ንዕዑ ‘ዩ ‘ውን ክሳብ ሐዚ ኣብ ውሽጢ ፀገማት ኮይኑ ዝኸይድ ዘሎ::
ሐዚ ‘ውን እንተኾነ ሰላምን ናይ ምንባር መሰልን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሕቶ ውሽጢ ኣትዩ ኣብ ከቢድ ስግኣት ኣትዩ ‘ዩ ዘሎ:: ምኽንያቱ መራሕቲ ህወሓት ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ጨውዮም ንረብሓ ውልቆም ጉጅለኦም መናውሒ ስልጣኖምን ስለዝገበርዎ፤ ህዝቢ ትግራይ ንዝተፈላላዩ ፀገማት ንክቃላዕ፣ ኣብ ከቢድ ፀገምን መካራን ጉስቁልናን ንክኣትው ዝገበረ ኣከያይዳ ‘ዩ ዘሎ::
አብ መወዳእታ መልእኽቲ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ካብ ዝጠቀስዎ፤ ሕጂ ‘ውን እንተኾነ ኵናት መፍትሒ ኢሎም ዝሓስቡ ሰባት ከምዘለው ‘ዩ:: እዚ ኣተሓሳስባ ከዓ በቢዓሰርተ ዓመቱ ኵናት እናደገስሉ ቅድሚ ሐዚ ርኢናዮ ኢና:: እተን ኣብ ዝተወሰና እዋን ዝለምዓ ንብረትን ሂወት ደቁን ምስኣንን ‘ምበር ዝኾነ ዝረኸቦ ረብሓ የለን::
ስለዚ ሐዚ ‘ውን ሕጋውን ትካላውን ብዘለዎ መንገዲ ፀገማት ክፍታሕ ኣለዎ:: ካብዚ ወፃኢ ዘሎ መፍትሒ ናብ ዝበኣሰ ፀገም ዘእትወና ‘ምበር ረብሓ ሰለዘየለ:: እቲ ሒዞሞ ዝመፅኡ ካልኦት እናጥፋእኻ ክትነብር ዝብል ኣተሓሳስባ ትኽክል ከምዘይኮነን፤ ካልኦት እናንበርካ ንስኻ ‘ውን ክትነብር ዝትኽእለሉ መንገድታት ስለ ዘሎ ንሱ ኣመራፂታት ክኸውን ከምዘለዎ ዝገለፅ ነገር ኣሎ::
እዚ ባህሊ እዚ ብዘተ፣ ብድርድርን ሕጋዊ መንገዲን ናይ ምፍታሕ ባህልና ክሳብ ሐዚ ኣብ ኢትዮጵያ ኣይተርኣየን:: እቲ መፍትሒ ግና ኵናት ከም ሓደ ኣማራፂ ምውሳድ ናይ ዕሽነትን ናይ ህልኸኛታት መንገዲ ‘ምብር መግለፂ ናይ ሃገሮም ዝፈትውን ለባማት ኣይኮነን:: ስለዚ ብናይ ዝተወሰኑ ሰባት ህልኽን ድልየት ረብሓን ተባሂሉ እቲ ህዝቢ ኣብ መከራ ክነብር የብሉን::
ህዝቢ ትግራይ ‘ውን እንተኾነ ነዚ ኣካል እዚ ወፂኡ ጠጠው ከብሎ ኣለዎ:: ምኽንያቱ ተመሊሱ ዝጎድኦ ነቲ ህዝቢ ስለዝኾነ ሐዚ ‘ውን ካብቲ ዝሓለፈ ጉድኣት ዝተረፈ ዓቂብካ ዘሎ ፀገማትካ ብልዝብ ብሕጊን ብዝተፈላላየ መንገድታትን ተትፍትሕ እሞ ዝሐሸ ስርዓት ተዝህነፅ ዝሐሸ መሲሉ ይስምዓኒ::
ወጋሕታ፡- ኣፈፃፅማ ስምምዕ ፐሪቶርያ ብዝምልከት ኣብ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ መድረኽ ተዳልዩ ነይሩ ‘ዩ። ኣብቲ መድረኽ ዝተለዓሉ ሓሳባት ከመይ ርኢኻዮም? ካብዚ ብምብጋስ ኣብዚ እንታይ ሓሳብ ኣለካ?
ኣይተ መስፍን፡– ውዕል ፕሪቶርያ ማለት ዓለም ለኸ ገዝኣይ ትሕዝቶ ዘለዎ ስምምዕነት ‘ዩ። ኣብቲ ስምምዕነት ድማ ፖለቲካዊን ሕጋውን ውዕላት ኣለው:: ስለዚ ኩሎም ተፃባእቲ ዝነበሩ ነቲ ስምምዕነት ዝፈረሙ ኣካላት መንግስቲ ፌደራል ይኹን ብወገን ውድብ ህወሓትን ነቲ ስምምዕነት ከኽብሩን ንተግባራዊነቱ ብዕቱብ ክስርሑን ኣለዎም ኢለ ‘የ ዝኣምን:: ክሳብ ሐዚ እቲ ስምምዕነት ዘምፅኦም ብዙሓት መኽሰባት ኣለው ‘ዮም።
እንተነኣሰ ኣብ ኵናት ብጥይት ዝመውት ዝነበረ ከይህልው ገይሩ ‘ዩ:: ካብኡ ‘ውን መሰረታዊ ዝብሃሉ ንህዝቢ ተዓፅዮም ዝነበሩ ግልጋሎታትን ሸቀጣትን ‘ውን ብውሱን መልክዑ እፎይታ ንክረክብ ኣኽኢሉ ‘ዩ:: እዘን ተረኺበን ዘለው ፀጋታት መሰረት ገይርካ ገና ዘይተፈትሑ ፀገማት ወይ ዘይተመለሰ እናተረዳእዳእኻ በቲ ውዕል መሰረት እናፈፀምካ፤ እቲ ህዝቢ ‘ውን ሙሉእ ብሙሉእ ካብ ፀገም ወፂኡ ዝተረጋግዓን ውሑስ ሰላምን ከባቢን ንክፍጠር ኩሎም ኣካላት ብልዑል ሓላፍነት ተሓታትነት ብዘለዎ መንገዲ ክሰርሑ ‘የ ዝምዕድ::
ከምዝፍለጥ ብዙሕ ቁፅሪ ዘለዎ ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ኣካላት ኣለውና ‘ዮም:: ንሳቶም ክሳብ ሓዚ መፍትሒ ኣይረኸቡን ዘለዉ:: እቲ ዘሎ ኸይዲ ስቕ ኢሉ ንፖለቲካ መክሰብ ‘ዩ ዝግበር ዘሎ:: እቲ ግዝኣታዊ ሓድነት ዝብሃል ‘ውን መፍትሒ ኣይመፅኦን ዘሎ። ኣመራርሓ ህወሓት ንሓመሳን ገለን መዓልታት ኣኼባ እንተገብሩ ‘ውን ብዛዕባ እዚ ከምዘየልዓሉ ባዕሎም ገሊፆምልና ‘ዮም::
ስለዚ እዚ ጉዳይ ንፖለቲካዊ ረብሕኦም ‘ምበር ፀገም እቲ ማሕበረ ሰብ ካብ ልቦም ተሰሚዕዎም ፀገሙ ንምፍታሕ ዝቃለሱ ኣይኮኑን:: ኩሉ ግዘ ነቲ ህዝቢ ብላዕሊ ከም ሽፋን ይጥቀምሉ ውሽጦም ግና ንስልጣንን ንናይ ውልቆም ድልየት ጥራሕ ‘ዮም ዝንቀሳቀሱ:: ይኹን ‘ምበር ፀገም ህዝቢ ኣብ ምፍታሕን ድለየት ህዝቢ ኣብ ሽትኡ ኣብ ምብፃሕ ትኹረት ገይሮም ተዝሰርሑ ‘ዩ ዝሓይሽ::
ሐዚ ‘ውን ጎና ጎኒ ናብ ዘየድሊ ጎንፂ ናይ ምእታው ኩነታት ይርኣይ ኣሎ:: እዚ ኣድላይ ኣይኮነን:: ነዚ ስምምዕነት ኣፍሪስካ ማለት ድማ ተራ ሽፍታ ኮይንኻ ማለት ‘ዩ:: ምኽንያቱ እቲ ዝተገበረ ስምምዕ ዓለም ለኸ ትሕዝቶ ዘለዎ ‘ዩ:: ስለዚ እቲ ስምምዕ እንተኣፍሪስካ ብዓለም ሙሉእ ኢኻ ትንፀግ:: ሰለዚ ሽፍታ ክትኸውን ከለኻ ድማ ተኸቲሉ ዝመፅእ ፍሉጥ ‘ዩ:: እዚ ከዓ ዘዋፅእ ኣይከውንን:: ናይ ቅድሚ ሐዚ ዝኸድዎ ናይ ጌጋ መንገዲ ሓሲቦም ናብ ቕድሚት ተዝመፅኡ ዝሐይሽ ይመስለኒ:: ዘይሩ ዘይሩ ግና እቲ ውዕል ብዝኾነ መንገዲ ክኽበር ክኽእል ኣለዎ::
እቲ ኣሰሓሓቢ ዝብልዎ ‘ውን ብዘተን ብድርድርን ‘ዩ ክፍታሕ ዘለዎ:: ካብኡ ወፃኢ ብኵናት ዝምለስ መሬት፣ ብኵናት ዝምለስ ተመዛባሊን ሕቶታትን የለን። የግዳስ ኣብቲ ዘሎ ፀገም ዝብኣሰ ፀገም ምውሳኽ ‘ዩ ዝኸውን:: ሐዚ እቲ ማሕበረሰብ ዓለም ‘ውን ዓይኑ ዝኸፈተ ‘ዩ ዝመስለኒ:: ከምቲ ናይ ቅድሚ ሐዚ ብዕስለ ንዕዖም ዝድግፈሉ ኩነታት ኣይህልውን። ናብ ናይ ባዕሉ ረብሓ ዝኣተወ ‘ዩ ዝመስለኒ::
ከምዝፍለጥ ንህዝቢ ትግራይ ዋና ናይ ፀገሙ ፍልፍል መሪሕነት ህወሓት ‘ዩ። እዚ መሪሕነት ድማ ህልኸኛ ‘ዩ:: ናይ ውልቀ መላኽነት ባህርይ ‘ውን ‘ዩ ዘለዎ። ናይ ኩሉ ፀገም ሰሓባይ ዝኾነ ህወሓት ኣብ ጓጓኻ ሓቊፍካ ሰላም፣ ነፃነት፣ ዲሞክራሲን ልምዓትን ምድላይ ማለት ዝሕሰብ ኣይመስለንን:: ኣብ ውሽጦም ቅንዕና ዘለዎም ንሓሳቦም ዘይተገዝአ ወይ ተዓፊኖም ዝኸዱን ዘግልግሉን የለውን ማለት ኣይኮነን::
እቲ ዋና ገዘኢ ግና ብጣዕሚ ህልኸኛን እዚ ኹሉ ፀገም ምንም ዘይስምዖን፤ እዚ ኹሉ ሚልየን ህዝቢ ሃሊቁ ሓንቲ ኣቕሓ ‘ውን ዝጠፍኦ ዘይመስል:: ሓደ መዓልቲ ‘ኳ ተናሲሑ ይቅርታ ዘይብል ‘ዩ:: ስለዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ክሪኦ ዘለዎ ብፖለቲካዊ ረብሓ ‘ዩ። ፖለቲካ ማለት ‹‹ዘይንድቦ ጎቦ…›› እናበልካ ደቅኻ ትስእነሉ ኣይኮነን:: ኣብ ዘራባና ብምህላው ‘ምበር ብሙማት ብመስዋእቲ ዝርከብ ረብሓ የለን:: ሰብ እዚ ኩሉ ዝደክምን ዝሰርሕን ንክነብር ‘ምበር ንክመውት ኣይኮነን::
ኣብ ሓደን ክልተን ዓመት ብሚልዮን ዝቑፀር ህዝብና ኣህሊቕና ዓለም ብዕሽነትና ፈሊጣትና እናሃለወት ብዘየለ ሓሶት ዓለም መሰኪራትልና ዝብሃል ነበራያ ነበረ ክጠፍእ ኣለዎ:: ካብ ሕማቅ መዝሙሮም ጀሚሩ ክጠፍእ ኣለዎ:: እቲ ማሕበረሰብ ናይ ሓዱሽ ኣተሓሳስባ በዓል ዋና ኮይኑ ፀገሙ ንክፈትሕን መፃኢ ዕድሉ ‘ውን ንክውስን ክውደብን ተዘይኺኢሉ ከቢድ ‘ዩ::
እዞም ሰባት እዚኣቶም ብዝኾነ ይኹን ተኣምር ከናስሑ ‘ዮም። ተመሊሶም ንህዝቢ ትግራይ ዝሐሸ ኣማራፂ ከምፅኡ ‘ዮም፤ፀገም ትግራይ ክፍትሑ ‘ዮም ዝብል ግምት የብለይን:: እቲ ህዝቢ ግና ዘለዎ ኣመላኻኽታ ክቅየር ክኽእል ኣለዎ:: ከምቲ ጀሚርዎ ዘሎ ግን ድማ ተወዲቡ ክቃለስን ካብ ኵናትን ኵናት ዓይነትን ክርሕቅን ነቲ ኵናት ንከትርፎ ክቃለስ ኣለዎ::
ወጋሕታ ፡- ምስዚ ተተሓሒዙ ቀፃሊ ዕፃ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን እንታይ ክኸውን ይኽእል? ኣብዚከ እንታይ ክግበር ኣለዎ ትብል?
ኣይተ መስፍን፡- መንግስቲ ፌዴራል ኣብዚ ዓብይ ግደ ኣለዎ:: ኣብቲ ስምምዕነት ኣብ ዓንቀፅ ዓሰርተ ከምዝብሎ ንኩሉ ዘካተተ ኩሎም ሓይልታት ፖለቲካን ሲቪክ ማሕበራትን ዝተዋፅአ ግዝያዊ ምምሕዳር ክምስረት ‘ዩ ዝበል ነይሩ:: ይኹን ‘ምበር ሓምሳ ክድመር ሓደ ዝብል ግና ደሓር ዝተወሰኸ ‘ዩ::
ምናልባት መንግስቲ ፌዴራል ካብቲ ዝነበረ ፀገም ብቕልጡፍ ንምፍታሕ ህወሓት ካብ ዘለዎም ባህርይን ዘለዎ ዝፀንሓ መሓውር ዘለዎ ውድብ ምስ ምዃኑ ብምብጋስ ንሶም ይስርሕዎ ኢሉ ንዕዖም ሂብዎም ክኸውን ይኽእል ‘ዩ። እዚ ፀገም ተዘይሃለዎ ‘ውን ሐዚ ግና ኣብ ውሽጢ ተኸፋፊሎም ፀገም ይፈጥሩ ኣለው::
እዚ ድማ ኣይኮነንዶ ተኻፋፊሎም ቀደሙ’ውን ኣብ ትግራይ ዘሎ ፀገም ዕምቆት ዘለዎ ‘ዩ:: ብስነልቦና፣ ብኢኮኖሚ፣ ብፖለቲካን ስራሕ ስእነትን ተጎዲኡ ዘሎን በቢመዓልቱ ናብ ስደት እናወፅአ ዘሎ ማሕበረሰብን ብፍላይ መንእሰይ ‘ዩ ዘሎ:: ስለዚ ኣይኮነንዶ ተፈላላዮም ተስማዕሚዖም ‘ውን ነዚ ፀገም ክፈትሕዎ ኣይክእሉን። መንግስቲ ፌዴራል ኣትዩ እውን ብቐሊሉ ዝፍታሕ ኣይኮነን ከቢድ ‘ዩ:: ስለዚ ነዚ ንምፍታሕ ተሳትፎ ዓለም ለኸ ዘድልዮ ‘ዩ:: ናይዞም ሰባት መንገዲ ዕብዳን ‘ውን እቲ ማሕበረሰብ ጠጠው ንክብሎም ክውደብ ክኽእል ኣለዎ::
ሐዚ ‘ውን ካብ ሕሉፍ ስሕተቶም ከይተማሃሩ ናብ ስሕተት ዝኣትዩ እንተኾይኖም ምናልባት ናይ መወዳእትኦም ክኸውን:: ነቲ ህዝቢ ግና ብጣዕሚ ከቢድ ዋጋ ከኽፍልዎ ‘ዮም። እቲ ህዝቢ ነዚ ንምሽካም ‘ውን ዓቕሚ የብሉን ‘ዩ። በቲ ኵናት ካብ ዝበፅሖ ከቢድ ፀገምን መከራን ድሕሪ ሐዚ ዝኾነ ኵናትን ፀገምን ዝሽከመሉ ማእገር የብሉን::
ካልኣይ እቲ ግዝኣት ገለ ዝበሃል ‘ውን ብስሕተት ዝተተርጎመ ነገር ‘ዩ:: እቶም ሰባት ‘ውን ናይ ምድንጋር ስራሕ ‘ዮም ዝሰርሑ ዘለዉ:: ሉኣላዊት ዝትብሃል ክልል የላን:: ብዩኤን ዝተመዝገበ ግዝኣት፣ ፓስፖርት የለን:: ናይ ትግራይ፣ ናይ ኣምሓራን ኦሮሞን ዝብሃል መሬት የለን:: መሬት ናይ ዜጋታት ‘ዩ::
እቲ ትግራይ አምሓራ ዝብል ናይ ምሕደራ ወሰን ‘ምበር ብብሄርካ ዝተወሃበካ መሰል የለን:: እተን ዘለዋ ክልላት ንምምሕዳር ምችውነት ኣብ ትሕቲ ሕገ መንግስቲ ፌዴራል ዘለዋ ‘ምበር ዓለም ለኸ ኣፍልጦ ዘለወን ኣይኮናን:: ስለዝኾነ ዝኾነ ይኹን ሰብ ኣብ ዝኾነ ቦታ ከይዱ ማዕረ መሰል ‘ዩ ዘለዎ:: ብቋንቋኻ ይኹን ብኻሊእ ዝበፅሐካ ፀገም እንተሃልዩ ‘ውን ብሕገ መንግስትን ብዘተን ድርድርን ዘይፍታሕ ነገር የለን::
እቲ መብዛሕትኡ ሐዚ ዘልዕልዎ ዘለው ናይ ህዝቢ ፀገማትን ግዝኣትን ‘ውን ክምለስ ኣይደልየዎን ‘ዮም:: ምኽንያቱ መጋጫዊ ንሱ ስለ ዝኾነ:: መሬት ክንምልስ ኢና እናበልና ናብ ኵናት እንኣትወሉ መንገዲ የለን፡፣ሰላማዊን ብሰላማውን ብዝኾነ መንገዲ ጥራሕ ‘ዮም ፀገማት ዝፍትሑ::
መንግስቲ ፌዴራል ‘ውን እንተኾነ ልቢ ከስፍሕ ክኽእል ኣለዎ:: ዝኾኑ ኣካላት ብዝፈጠርዎ ፀገም ደሪብካ ናብ ኵናት ምእታው ግቡእ ኣይኮነን:: ህዝብን መሪሕነት ህወሓት ካም መሪሕነት ህወሓት ‘ውን እቲ መርዘኛ ዝኾነን ደላይ ለውጥ ዝኾነን ፈሊኻ ምርኣይ ኣድላይ ‘ዩ:: እቲ ዘሎ ፀገም ብሰላማዊ መንገዲ ተዛትዮም ክፈትሑ ዘይኽእሉ እንተኾይኖም መንግስቲ ፌዴራል ካሊእ መንገዲ ሜላ ክጥቀም ኣለዎ:: እዚ ድማ ህዝቢ ብዘይጉድኣሉ መንገዲን ቀጠናዊ ብዘይኮነሉን ልዕል ብዝበለ ጥንቃቀ ክገብሮ ኣለዎ::
ካሊእ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ፌዴራል ውክልና የድልዮ ‘ዩ:: ኣብ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ይኹን ኣብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ውክልና የድልዮ ‘ዩ:: እዚ ኣብ ትግራይ ዘሎ ፀገም ተፈቲሑ ምርግጋዕ ተፈጢሩ፤ ዲሞክራሲያዊ መረፃ ተኻይዱ ኣብ ኢትዮጵያ ውክልና የድልዮ ብዘይውክልና ክነብር የብሉን:: መንግስቲ ፌዴራል እዚ ኣብ ምስትኽኻል ስራሕቲ ክሰርሕ ኣለዎ::
ወጋሕታ ፡- ኣብዚ ክልዓል ዘለዎ ከይተልዓለ ዝተረፈ ኣሎ ዝትብሎ ሓሳብ መልእኽቲ እንተሃልዩ ዕድል ክህበካ?
ኣይተ መስፍን፡- ህዝቢ ትግራይ ትኹረት ክገብር ዘለዎ ኣብ ፖለቲካዊ ረብሕኡን ኣብ ናይ መፃኢ ዕድሉ ወሳናይ ንክኸውን ‘ዩ:: ዝደለዮ ባዕሉ ክውስን ‘ምበር ካልኦት ክውስንሉ ክፈቅድ የብሉን:: ህዝቢ ትግራይ ዝተቃለሶ ንዝተወሰነ ጉጅለ ወይ ቤተ ሰብ ከምድሌቱ ቸቸ ክብለሉ ክፃወተሉ ኣይኮነን::
ነዚ ክኸውን ብዙሕ ፐሮፖጋንዳ ሰሪሖም ‘ዮም:: ንረብሓ ውልቆምን ጉጅልኦምን ክብሉ ነዊሕ ሱር ሰዲዶም ‘ዮም:: ስለዚ እቲ ሐዚ ኣብ ትግራይ ዝነቃቃሕ ዘሎ ኩነታት ካብ ዕስለነት ወፂኡ ረብሕኡ ኣብ ምፍላይ ጀሚርዎ ዘሎ ኸይዲ ተጠናኺሩ ክቅፅል ኣለዎ ይብል:: እዚ ድማ ብውዳበ ኣቢሉ ክቅፅል ኣለዎ:: ካልኣይ ብምኽንያት ‘ምብር ብኸባቢነትን ክሓስብ የብሉን:: ካብ ህልኽ ዝብገስ ዘይኮነስ ካብ ፍልጠት፣ ፍትሒ፣ ካብ ቀፃሊ ረብሓ ህዝቢን ኣከያይዳ ክኸውን ኣለዎ::
እቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ኣከያይዳ ዕስለ ንህዝቢ ትግራይ ከቢድ ዋጋ ኣኽፊልዎ ‘ዩ:: ዝተፈላላዩ ዝተኻየዱ ኵናታት ንትግራይ ጎዲእዋ ‘ዩ:: ስለዝኾነ ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት ኵናት ናብ ኣማራፂ ክኣትው የብሉን:: ነዚ ድማ ትርር ዝበለ ቅዋም ክሕዝ ኣለዎ:: ኵናት ክተርፍ ኣይክልን ነይሩ እናተብሃለ ዝውጋዕ ፕሮፐጋንዳ ‘ዩ::
ዝተብሃለ ኩሉ ሓቂ ኣይኮነን:: ፖለቲካ ሳይንስ ‘ዩ ብዝህቦ ረብሓ ህዝቢ ተዓቂኑ ‘ዩ ክድገፍን ክፍንፈንን ዘለዎ:: ህዝቢ ትግራይ ግዚኡ ዝሓለፎ ኣተሓሳስባ ፖለቲካ መሪሕነት ህወሓት ክቃለሶ ኣለዎ:: ኣብ ባይታ ብዘሎ ተግባር ‘ምበር ብዘረባ ክዕቀን የብሉን:: ኣብ ውልቀ ዝተመስረተ ስርዓት ዘይኮነስ ኣብ ትካላውን ትካልን ዝተመሰረተ ክኸውን ኣለዎ:: ትካላዊ ስርዓት ኣብ ምህናፅ ‘ውን ኩሉ ክቃለስ ኣለዎ::
ወጋሕታ ፡– ንዝነበረና ፃንሒት የቐንየለይ::
ኣይተ መስፍን፡- ኣነ ‘ውን የመስግን::
ኣብርሃ ሓጎስ
ወጋሕታ 27 ለካቲት 2017 ዓ.ም