ዓወት ዓድዋ ዓወት ፀለምቲ ህዝብታት

መበል 129 በዓል ዓወት ዓድዋ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ብድምቐት ከምዝተኸበረ ይዝከር፡፡ እቲ በዓል “ዓድዋ ዓወት ፀለምቲ ህዝብታት” ብዝብል ቴማ ‘ዩ ኣብ ኣዳራሽ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ተኸቢሩ፡፡ ኣብ ምኽባር እቲ በዓል፣ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀ ስላሴ፣ ኣፈ- ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ፣ ኣፈጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር፣ ሚኒስትር ሰራዊት ምክልኻል ኣይሻ መሓመድ (ኢ/ር)፣ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፣ ፕሬዚዳንት ማሕበር ጀጋኑ ሓርበኛታት ጥንታዊ ኢትዮጵያ ልጅ ዳንኤል ጆቴ ተረኺቦም ‘ዮም።

ሚኒስትራት፣ ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራትን ዓለም ለኸ ትካላት ተወከልቲን፣ ኣባላት ምክልኻል ሃገር፣ ካልኦት ሓይሊታት ፀጥታ ሓዊሱ ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽ ተረኺቦም ‘ዮም። ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ መበል 129 በዓል ዓወት ዓድዋ ምኽኒያት ብምግባር ኣብ ሓወልቲ ዳግማዊ ሃፄ ሚኒሊክ ሕቑፊ ዕንበባ ኣንቢሮም ‘ዮም። በዓል ዓድዋ ምኽንያት ብምግባር ድማ ዝተፈላለዩ ርእሰ ምምሕዳር ክልላትን ሚኒተራትን ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቶም ከምዘመሓላለፉ ይዝከር፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) መበል 129 በዓል ዓወት ዓድዋ ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ ዘሕለፉ እንትኾኑ ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ ድማ እንኳዕ ንመበል 129 በዓል ዓወት ዓድዋ ብሰላም ኣብፀሐኩም ድሕሪ ምባል፣ ዓድዋ ምእንቲ ሰላምን ክብርን ሃገር ዝተፈፀመ ወፍሪ ‘ዩ። ቅድሚ ወፍሪ ዓድዋ ኢትዮጵያውያን ንሰላም ዘለዎም ፅኑዕ ቅዋም ደጋጊሞም ገሊፆም ‘ዮም። ንሰላም ብዘለዎም ቅዋም ፈኸራን ጃህራን ትንኮያን ፀላኢ ብትዕግስቲ ክሳብ ምሕላፍ ዝበፅሐ ነይሩ።

ከምዝፍለጥ ወራሪ ሰራዊት ጣልያን ባንዳ ይምልምል፣ ባንዳ የዕጥቕ ፣ ተለኣኣኽቲ ባንዳ ኣብ ውሽጢ መንግስቲ ንምእታው ይፍትን ፣ ራዕዲ ይነዝሕ ፣ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ይኸስስ ፣ ሓደ ሓደ ቦታታት ንምሓዝ ይፍትን፣ ኣብ መድረኸ ዓለም ለኸ ንኢትዮጵያ ንምንእኣስ ይፅዕር ነይሩ። ኮታስ ዘይፈተኖ ዘይሃቀኖ ነገር ኣይነበረን።

ኢትዮጵያ ነዚ ኩሉ ብጥንቃቐ ትዕግስቲን ብምድላውን ትዕዘቦ ነይራ። ኢትዮጵያውያን ካብ ጥንቲ ጀሚሮም ኣብ ንኲናት ይፈልጥዎ ‘ዮም። ካብዚ ዝተበገሰ ሕማቕ ምስሊ ኵናት ይፈልጡዎ ‘ዮም። ስለዝፈልጡዎ ድማ ብዝኸኣሉዎ ኣማራፂ ኩሉ ይርሕቑዎ። ንሰላማዊ ኣማራፂ ኣድላዪ ዘበለ ኩሉ ይገብሩ። ሓደ ሓደ ግዘ ‘ውን ንሰላም ክብሉ ካብ ዘድሊ ንላዕሊ ይገብሩ። ነዚ ኩሉ ትዕግስቲ ሰጊሩ ደፊኡ ዝመፅአ ፀላኢ እንተጋጥሞም ግን ንሰላም ክብሉ ይወፍሩ፤ ንሰላም ክብሉ ድማ መስዋእት’ውን ከፊሎም ይዕወቱ።

ወፍሪ ዓድዋ ‘ውን ከምዚ ‘ዩ። ወራሪ ሰራዊት ጣልያን ናብ ኲናት ከየኣቱ ተለሚኑ ‘ዩ። ኣማራፂታት ሰላም ቀሪቦምሉ ‘ዮም። “ኩርዓትን ትዕቢትን ዝመልኡዎ ርእሲ፣ ሰይፊን ጎራዴን ዝወቕዑዎ ክሳድ” ከምዝበሃል ኮነ። ናይ ኢትዮጵያ ትዕግስቲ ከም ፍርሒ፣ መገዲ ሰላም ኢትዮጵያ ከም ስዕረት ብምቑፃር።

ፀላእትና ኩሉ ግዘ ናይ ስልሂት ስሕተት ይሰርሑ። ትሕትናና፣ ትዕግስትናን ደላዪ ሰላም ምዃንናን የጋግዮም። ወራሪ ሰራዊት ጣልያን ‘ውን ተጋግዩ። ኢትዮጵያውያን ግን እናተዓገሱ ‘ውን ይዳለው ነይሮም ‘ዮም። ኮይኑ ‘ውን ብኩሉ መዳይ ሰላሞም ንምሕላው ድሉዋት ነይሮም።

ናፅነት ፣ ሉኣላዊነትን ክብሪን ዝርከቡ ሰላም ሃገር ብምሕላው ከምዝኾነ ይፈልጡ ‘ዮም። ስለዚ ድማ ሰላሞም ብቅልፅሞም ንምሕላው ተሰናዲኦም። ኲናት ዓድዋ ንሰላምን ንኲናትን ኣብ ሞንጎ ዝዋግኡ ሓይሊታት ዝተገበረ ኲናት ‘ዩ። ሓደ ምስጢር ዓወትና ‘ውን እዚ ‘ዩ። ድሕሪ እቲ ኲናት ናብ በቀልን ፅልኢን ከይነምርሕ ዝገበረና ‘ውን እዚ ‘ዩ። ንሰላም ክንብል ‘ምበር ንኲናት ስለዘይተዋጋእና።

ዓወት ዓድዋ ንክብሪታት ሉኣላዊነት ደቂ ሰባት ዘለና ዋጋ ኣርኢናሉ ኢና። ኣብ ኣተሓሕዛ ምሩኻት፣ ምስ ዝተዋግኡና መሊስና ንሰላማዊ ዘተ ኮፍ ብምባልና፣ ንዘላቒ ሰላም ብምስራሕና። እኖታትናን ኣቦታትናን ዓወት ብምዕታር ጥራሕ ዘይኮነስ ንኽብሪ ደቂ ሰባት ብዝኸፈሉዎ ዋጋ ‘ውን ነመስግኖም። ዝተዋጉኡ ንሰላም ክብሉ ‘ዮም። ዝተዋግኡ ሰላምን ሰላማዊ መገዲን እምቢ ምስ ዝበለ ሓይሊ ‘ዩ። ደቂ ወፈርቲ ዓድዋ ኢና። ንሰላም ቐዳምነት ንህብ ኢና።

ሎሚ ‘ውን ፀላእትና ካብ ጉጉይ ኣተሓሳስባ ከምዘይወፅኡ ንፈልጥ ኢና። ብሰላማዊ መገዲ ዝመፅኡና ምቕባል ካብ ጀጋኑ ዓድዋ ተማሂርና ኢና። ብሰላም ንዘይመፅኡ ምቕፃዕ ካብ ጀጋኑ ዓድዋ ርኢና ኢና። ንሕና ‘ውን መገዲ ሰላም ቀዳሞት ኣቦታትና ንመርፅ ኢና። ይኹን ‘ምበር ከም ቀዳሞት ኣቦታትና፣ ንክልቲኡ ኩሉ ግዘ ድሉዋት ኢና። ደቂ ዘመቲ ዓድዋ ስለዝኾንና ክብሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም ‘ዮም።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ብወገኖም ኣብ ድሮ ወፍሪ ዓድዋ ንኢትዮጵያ ካብ ውሽጥን ወፃኢን ተዋዲዱ ናይ ምድኻም ወፍሪ ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም። ፀላኢ ኢትዮጵያ ንክይትነብር ዝደሊ ፀላኢ ‘ዩ ነይሩ፤ ናይ ውሽጢ ፀላኢ ድማ ዝለኣኣኽ ባንዳ ‘ዩ። ዓድዋ በዓል ክልተ ብልሒ ‘ዩ፤ ናይ ወፃኢን ውሽጥን ፀላኢ ቆሪፁ ‘ዩ፤ ኢትዮጵያውያን እንትለዓሉ ናይ ወፃኢ ጓና ናይ ውሽጢ ባንዳ ከምዘይእግዶም ኣርኢዮም ኢዮም ክብሉ ገሊፆም ‘ዮም።

በዓል ዓወት ዓድዋ እነኽብሮ ናይቲ ዓወት ከስቢ ብመዳይ ልምዓትን ሰላምን ንምድጋም ‘ዩ ክብሉ ዝገለፁ ድማ ሚኒስትር ግልጋሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) ‘ዮም። ዓድዋ ኢትዮጵያ ንፀለምቲ ህዝቢታት ካብ ዘበርከተቶም ዓወታት ወርቃዊ ታሪኽ ከምዝኾነ ገሊፆም። በዓል ዓወት ዓድዋ እነኽብሮ ጀጋኑ ኢትዮጵያ ካብ ምዝካር ሓሊፉ ኩርዓት ፀለምቲ ህዝቢታት ብምዃኑን ከስቢታት ዓወት ዓድዋ ኣብ ሃገርና ብመዳይ ሰላምን ልምዓትን ንምድጋም ‘ዩ ኢሎም።

ብሕብረትን ሓድነትን ከምኡ ‘ውን ብዝተሓባበረ ቅልፅም ዝተረኸበ ዓወት ዓድዋ ብፍሉይ ድምቀት ምኽባርን ንወለዶ ምምሕልላፍን ከምዘድሊ ኣገንዚቦም። እቲ ዓወት ህዝቢታት ኢትዮጵያ ሓድነትን ምትሕብባርን ብዝለዓለ ደረጃ ዝፀንዐሉን ጥበብ ኣመራርሓ ጎሊሁ ዝተርኣየሉን ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ናይ ሕዚ ወለዶ ብሓባር ጠጠው ምባል፣ ሕብረት፣ ጥንካረ፣ ልምዓትን ዴሞክራሲን ካብቲ ዓወት ክመሃር ከምዘለዎ ኣመልኪቶም።

ንሉኣላዊነትን ክብሪን ሃገር ምውዳቅ ካብ ዓወት ዓድዋ ዝተረኸበ ከስቢ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ህዝብና ሎሚን ፅባሕን ብሓባር ሉኣላዊነት ንምርግጋፅን ካብ ፅግዕተኝነት ሓራ ንምውፃእ ኣብ ልምዓትን ሰላምን ምርብራብ ይግባእ። ብፍላይ ብምግቢ ርእስኻ ንምኽኣል ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ዜጋታት ብቖራፅነት ክስርሑ ከምዘለዎም ብምሕባር፤ ሰላምን ፀጥታን ዘረጋግፁ ተግባራት ‘ውን ክብሪታት ዓድዋ ብምዃኑ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ብፅሒቶም ንኽዋፅኡ ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡

ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር ከምዝበልዎ ድማ ዓወት ዓድዋ ብሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ዝተረኸበ ዓብይ ውፅኢት፣ ብወነ ኢትዮጵያውነት ዝረኸብዎ ኽቡር ኣክሊልን ንብሄራዊ ተረኽ ሰረት ዘንበረን መንፈስ ሕብረት ‘ዩ ክብሉ ገሊፆም ‘ዮም።

ዓወት ዓድዋ ውፅኢት ንሓደ ዓላማ ምፅናዕን ብሓድነትን ጠጠው ምባልን ‘ዩ። ኢትዮጵያውያን ብሃገራዊ ሓድነት ዘይደራደሩ፣ ንዝኣመንሉ ግምባሮም ዘይዓፅፉን ገፆም ዘይመልሱን ከምዝኾነ ብግልፂ ዘርኣየ ናይ ሓድነትና በዓል ‘ዩ። ዓወት ዓድዋ ምትሕስሳብ፣ ምክብባር፣ ምድምማፅን ብሄራዊ ስምዒትን ዘምህር ዓብይ ትካል ‘ዩ።

ኢትዮጵያውያን ብብሄር፣ ሃይማኖት ፣ቋንቋ፣ባህልን ኣመለኻኽታን ክፈላለዩ ይኽእሉ ‘ዮም፤ ይኹን እምበር ብሓደ ንክጎዓዙ ዘኽእሎም ብሄራዊ ፀጋ ሕብረት ኣለዎም። እዚ ብሄራዊ ፀጋ ሕብረት ትማሊ ኣብ ዘበነ ኣቦታትና ኣብ ርእሲ ጎቦታት ዓድዋ ገዚፉን ነብሲ ዘሪኡን ከም ኮኮብ ዝደመቐ ሰንደቕ ዓወት ሰቒሎም ‘ዮም።

ብባዕዳዊ መግዛእቲ ንዝሳቐዩን ንፀለምቲ ህዝብታት ዓለምን ‘ውን “እምቢ ንነፃነት” ዝብል ሓቦ ሰኒቑ፤ ሎሚ ኣብ ናትና ዘበን ድማ ንብዙሓት ድራርን መብራህትን ዝኸውን ዓብይ ኣሰር ታሪኽ ዝኾነ ግድብ ሃኒፁ፣ ነተን ሃገራት ተፋሰስ ‘ውን “መንፈስ ይከኣል ‘ዩ” ፈጢሩ ‘ዩ። ስለዝኾነ ኣብ ማእኸል ዘበናት ፈተናታት ብዓወት ዝተሻገረን ነቲ ዝተረፈ ዓለም ትምህርቲ እናሃበን ዝመፀ ሰናይ ፀጋ ሕብረትና ክንከናኸኖን ክንሕልዎን፣ ክንኾርዐሉን ክንነብረሉን፣ ናብ ቀፃሊ ወለዶ ‘ውን ከይሸራረፍና ምስ ኽብሩ ከየጉደልና ክነሸጋግሮ ኣለና።

ዓወት ዓድዋ ኣብቲ ዘበን ዝተዛብዐ ሚዛን ፖለቲካ ዓለም ንምዕራይ ንዝግበር ቃልሲ ደወል ፃውዒት ኮይኑ ቀልጢፉን ቀዲሙን ዘነቓቕሐ፣ ፀዓዱ ኣብ ልዕሊ ፀለምቲ ዝሃነፅዎ ተረኽ ሓያልነትን ልዕልናን ካብ መሰረቱ ዘፍረሰ ‘ዩ። ዓወት ዓድዋ እዚ ዓመት “ዓድዋ ዓወት ፀለምቲ ህዝብታት” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ እንትነኽብር ‘ውን ኣብ ቅድሜና ዘለዉ ከፋፈልቲ ነፀላ ተረኻት ብምኽክር ብምፍራስ፣ ሕብረ ብሄራዊ ሓድነትና ብምርድዳእ ንምህናፅ ልክዕ ከም ዓወት ዓድዋ ፀገማትና ብዘተ ንምፍታሕ ብይቅርታ ዘላቒ ሰላም ምምፃእ ከምዝኸኣልና ክነርኢ ትፅቢት ይግበረልና።

ብናይ ሎሚ ዓቕሚ ‘ምበር ብናይ ትማሊ ሽም ኣይንበርን። ናይ ቀደም ስልጣነናን ናይ ትማሊ ዓድዋናን ኣብ ድርሳናት ታሪኽ ህያው ኮይኖም ንክቕፅሉ ሎሚና ኣብ ኩሎም ዓውድታት ክነፅብቖ ይግባእ። ናይ ሎሚ ዓቕሚ ንናይ ፅባሕ ሽም፣ ናይ ሎሚ ፃዕሪ ንናይ ፅባሕ ጥሪት ስለዝኾነ።ንመላእ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ እንኳዕ ንመበል 129 በዓል ዓወት ዓድዋ ብሰላም ኣብፀሐኩም ኢሎም።

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ 27 ለካቲት 2017 ዓ.ም

 

Recommended For You