ፖለቲካ ኣፈላላይ ትሕቲ ረብሓ ህዝቢ’ዩ

ኣብ ትግራይ ንክልተ ዓመት ዝተኻየደ ኹናት ብስምምዕነት ፕሪቶሪያ ጠጠው ምባሉ ይዝከር::በዚ ድማ ህዝቢ ትግራይ ድምፂ ጥይት ካብ ምስማዕ ተናጊፉ፤ኣንፃራዊ ሰላም ዓሲሉ ናብ ንቡር መነባብሮ ምምላስ ጀሚሩ::

ብመሰረት እቲ ስምምዕነት መንግስቲ ፌደራል መሰረተ ልምዓት ናብ ዝነበሮ መሊሱ፤ማህበራዊ ግልጋሎት ተጀሚሩ::ነጋዳይ ናብ ንግዱ፤ተምሃራይ ናብ ምሁሮኡ …ምኻድ ጀሚሩ::ብዝተወሰነ መልክዑ ስራሕቲ ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ክውን ኮይኑ::ግዝያዊ ምምሕዳር ተጣይሹ መንግስታዊ ግልጋሎት ምሃብ ዝጀምሩሉ ኹነታት ተፈጢሩ::እዚኦም ካልኦትን ተግባራት ሰላም ስለዝተረኸበ ዝተተግበሩ ‘ዩም::

ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀመሩ ግና ኣብ መንጎ መሪሕነት ህወሓት ብዝተፈጠረ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ብቐንዱ ድማ ረብሓ ህዝቢ ዘይኮነስ ስልጣን ማእኸል ዝገበረ ብምዃኑ ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ኣእትይዎ ይርከብ::ህዝቢ ትግራይ ዳግማይ ሰላመይ ከይስእን ኢሉ ስግኣት ክፈጠረሉ ኣይምተገበአን::ኮይኑ ግና ሐዚ ብዘሎ ኹነታት ኣብ ክልተ ዝተኸፈለ መሪሕነት መወዳእታኡ እንታይ ይኾን? ኢሉ ኣብ ስግኣት ይርከብ::

ክንዲ ድላዩ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ይሃሉ መራሕቲ ህወሓት ክብሪን ረብሓን ህዝቢ ልዕሊ ኩሉ ምዃኑ ክግንዘቡ ይግባእ:: መራሕቲ ኣብዚ ሕዚ እዋን ነኒባዕሎም ዝዋጠጥሉን ዝራግሑሉን እዋን ዘይኮነስ ንህዝቢ ዝኽሕስሉ እዋን ‘ዩ ክኸውን ዝግብኦ:: ዝኾነ ህዝቢ ድሌቱ ሰላም፣ ልምዓትን ዲሞክራሲን’ዩ::ስለዝኾነ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ዝፈጠሩ ኣመራርሓታት ካብቲ ዝኽተልዎ ዘለዉ ንረብሓ ህዝቢ ቀዳምነት ዘይሃበ ፖለቲካዊ ኣካይዳ ወፂኦም ንህዝቢ ዝኽሕስሉ ስራሕ ክሰርሑ ይግባእ::

ረብሓን ክብርን ህዝቢ ትግራይ ንጎኒ ገዲፍካ ኣብ ናይ ውልቐ ረብሓ ዕንይንይ ምባል ግቡእ ኣይኮነን:: ህዝቢ ትግራይ ዘለዎ ከቢድ ኩነታት ይፍለጥ ‘ዩ:: እንተነኣሰ ፀገሙ ንምቕላል ክስራሕ ኣለዎ ‘ምበር ካሊእ ተወሳኺ ስግኣት ምፍጣር ሕሊና ንዘለዎ ሰብ ኣዝዩ ዘሕፍር ተግባር ‘ዩ ::

ፖለቲከኛታት ንህዝቢ ገዲፎም ንውልቖም ኣብዝሓስብሉ ኩነታት ህዝቢ ትግራይ ብፖለቲከኛታት ተደፋፊኡ ኣብዘይጠቕሞ ጎንፂ ክኣቱ የብሉን:: ኣብ ልምዓት፣ሰላምን መነባብርኡ ኣብ ምምሕያሽን ትኹረት ክገብር ኣለዎ:: ሓዱሽ ወለዶ’ውን ንህዝቢ ዝጎድእ ፖለቲካዊ ኣካይዳ ፈልዩ ክግንዘብ ኣለዎ፤ ተደፋፊኡ ናብ ዘየድሊ ኩነታት ክኣቱ የብሉን::

መራሕቲ ህወሓት ቐልጢፎም ናብ ቐልቦም ተመሊሶም ህዝቦም ክኽሕሱ ኣለዎም:: ሰላም ልምዓት ዝደሊ ህዝቢ ሒዝካ ኣብ ድኽነት ምንባር ናይ መራሕቲ ፀገም ‘ዩ:: ገፆም ናብ ሰላምን ልምዓትን ከዝሩ ኣለዎም:: እንተዘይኮይኑ ንህዝቢ ኢና ጠጠው ኢልና እናበልካ ንናይ ባዕልኻ ረብሓ እትጓየ እንተኾይንካ ትርጉም የብሉን::

ህዝቢ ዘይሓዝካ ስልጣን ድማ ንግዚኡ ‘ምበር ዘላቒ ረብሓ ክህልዎ ኣይኽእልን:: ስለዚ ኩሉ ነገር እናማዕበለ ኣብዝኸደሉ ዘሎ እዋን ኣብ ናይ ትማሊ ኣተሓሳስባ ተሸኺልካ ምቕራይ ትኽክል ኣይኮነን:: ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ዋላ እንተሃለወ ኮፍ ኢልካ ብዝሰልጠነ መንገዲ ብኢሂን ምሂን ክፍታሕ ግድን’ዩ ::

ህዝቢ ትግራይ ተደጋጋሚ ኹናት እናጋጠሞ ብምምፅኡ ንዝተፈላላዩ ከበድቲ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያውን ፀገማት ተቓሊዑ ‘ዩ:: ሕዚ ‘ውን ዝሓለፈ ፀገም ከይኣኽሎ ኣብ መንጎ መራሕቲ ህወሓት ብዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ስዒቡ ኣብ ከቢድ ስግኣትን ጭንቕን ኣሎ::እዚ ክኸውን ኣይግባእን::ንህዝቢ ትግራይ ዘይምጥን ተግባር’ዩ::

ህዝቢ ትግራይ ሕዚ ብልምዓትን ሰላምን ክከሓስ ይግብኦ::ተወሳኺ ፀገም ክፍጠረሉ ኣይግባእን:: ብህልኽ ፖለቲከኛታት ክጉዳእ የብሉን:: ንውልቓዊ ረብሓን ስልጣንን ክበሃል ኣብ ካሊእ ፀገም ክኣቲ የብሉን::ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ትሕቲ ረብሓ ህዝቢ ስለዝኾነ መራሕቲ ህወሓት ኣብ ጠረጴዛ ኮፍ ኢሎም ፀገሞም ብምፍታሕ ህዝቢ ዝደልዮ እንታይ ‘ዩ? ፍልፍል ፀገምን መከራን ህዝቢ ኸ መን ‘ዩ?፤ ብኸመይ ከ ክቓለል ወይ ክቕረፍ ይኽእል ብምባል ንህዝቦም ዝኽሕስሉ ኩነታት ክፈጥሩ ኣለዎም::

ወጋሕታ 27 ለካቲት 2017 ዓ.ም

Recommended For You