ክብርን ረብሓን ህዝቢ ልዕሊ ኩሉ ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ

ኣዲስ ኣበባ፡- መራሕቲ ህወሓት ክብሪን ረብሓን ህዝቢ ልዕሊ ኩሉ ምዃኑ ክግንዘቡ ይግባእ ክብላ ኣብ ሚኒስቴር መስኖን ቆላማ ከባቢታትን ፈፃሚት ስራሕ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳያትን ለምለም ተስፋይ ገሊፀን፡፡

ወይዘሮ ለምለም ነዚ ዝበላ ኣብ ወድዓዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ትግራይ ኣድሂበን ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብ ዝነበረን ፃኒሕት ኮይኑ መራሕቲ ህወሓት ኣብዚ ሕዚ እዋን ነኒበዓሎም ዝዋጠጥሉ እንተይኮነስ ንህዝቢ ዝኽሕስሉ እዋን ‘ዩ ኢለን፡፡ ህዝቢ ድሌቱ ሰላም፣ ልምዓትን ዲሞክራሲን ምዃኑ ዝገለፃ እተን ፈፃሚት ስራሕ፤ ፖለቲከኛታት ህወሓት ካብቲ ዝኽተልዎ ዘለዉ ዘይምዕሩይ ፖለቲካዊ ኣካይዳ ወፂኦም ንህዝቢ ዝኽሕስሉ ስራሕ ክሰርሑ ኣለዎም ኢለን::

ረብሓን ክብርን ትግራይ ንጎኒ ገዲፍካ ኣብ ናይ ውልቐ ረብሓ ዕንይንይ ምባል ዘሕፍር ተግባር ‘ዩ ዝበላ ወይዘሮ ለምለም፤ ህዝቢ ትግራይ ዘለዎ ከቢድ ኩነታት ይፍለጥ ‘ዩ:: እንተነኣሰ ፀገሙ ንምቕላል ክስራሕ ኣለዎ ‘ምበር ካሊእ ተወሳኺ ስግኣት ምፍጣርን ብህዝቢ ምቕላድን ሕሊና ንዘለዎ ሰብ ኣዝዩ ዘሕፍር ተግባር ‘ዩ ኢለን::

እቲ ካሊእ ፀገም ከምዘለዎ ኮይኑ ብፍላይ ኣካቢ ዘይብሎም ወለዲ፣ሓብሓቢን መዕበይን ዘይብሎም ህፃናት ኣለዉ፤ ኣብ ከምዚኦምን ካልኦት ኣካል ጉድኣትን ዘሎ ፀገም ተረዲእኻ ኣብ ክንዲ ምስራሕ ንውልቐን ጉጅለን ረብሓ ምጉያይ ናብ ትዕዝብቲ ዘውድቕ ‘ዩ ክብላ ገሊፀን:: ፖለቲከኛታት ንህዝቢ ገዲፎም ንውልቖም ኣብዝሓስብሉ ኩነታት ህዝቢ ትግራይ ብፖለቲከኛታት ተደፋፊኡ ኣብዘይጠቕሞ ኵናት ክኣቱ የብሉን:: ኣብ ልምዓት፣ሰላምን መነባብርኡ ኣብ ምምሕያሽን ትኹረት ክገብር ኣለዎ::

ብፍላይ እዚ ሓዱሽ ወለዶ እዚ ንህዝቢ ዝጎድእ ፖለቲካዊ ኣካይዳ ፈልዩ ክግንዘብ ኣለዎ፤ ተደፋፊኡ ናብ ዘየድሊ ኩነታት ክኣቱ የብሉን:: ቕድሚ ሕዚ ኣካሉ ጎዲሉ ግቡእ ሕክምና ዘይግበረሉ ከምዘሎ ዝፍለጥ ‘ዩ፤ ሳዕቤን ኵናት ብዙሕ ‘ዩ፤ ካብቲ ኵናት ዝተረፈ ‘ውን ብሰንኪ ሕፅረት መድሓኒት ገሊኡ ዝመውት፣ ገሊኡ ብሕማም ዝሳቐ ከምዘሎ ኩሉ ዝፈልጦ ‘ዩ:: ስለዚ እዚ ኩሉ ፀገም እናሃለወ ኣብ ክንዲ እዞም ፀገማት ንምቕላል እንተተኻኢሉ ‘ውን ንምቕራፍ ምስራሕ ካሊእ ተወሳኺ ፀገም ምድራብ ግቡእ ስለዘይኮነ ደጊሞም ክሓስቡ ይግባእ::

ሕዚ ‘ውን መራሕቲ ህወሓት ቐልጢፎም ናብ ቐልቦም ተመሊሶም ህዝቦም ክኽሕሱ ኣለዎም:: ሰላም ልምዓት ዝደሊ ህዝቢ ሒዝካ ኣብ ድኽነት ምንባር ናይ መራሕቲ ፀገም ‘ዩ:: ገፆም ናብ ሰላምን ልምዓትን ከዝሩ ኣለዎም:: እንተዘይኮይኑ ንህዝቢ ኢና ጠጠው ኢልና እናበልካ ንናይ በዓልኻ ረብሓ እትጓየ እንተኾይንካ ትርጉም የብሉን:: ህዝቢ ዘይሓዝካ ስልጣን ድማ ንግዚኡ ‘ምበር ዘላቒ ረብሓ ክህልዎ ኣይኽእልን::

ሰላም ኣብዘይብሉ ብፍላይ ደቒ ኣንስትዮ፣ ህፃናት፣ ኣረጋውያን ብቀዳምነት ተጠቓዕቲ ከምዝኾኑ ብምግላፅ፤ እዚ ድማ ከይዱ ከይዱ ወለዶ ኣልቦ ‘ዩ ዝገብረካ:: ስለዚ ኩሉ ነገር እናማዕበለ ኣብዝኸደሉ ዘሎ እዋን ኣብ ናይ ትማሊ ኣተሓሳስባ ተሸኺልካ ምቕራይ ትኽክል ኣይኮነን:: ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ዋላ እንተሃለወ ኮፍ ኢልካ ብዝሰልጠነ መንገዲ ብኢሂን ምሂን ክፍታሕ ኣለዎ ‘ምበር ናብ ዘይተደለየ ክሳራ ምእታው ኣድላይ ኣይኮነን ኢለን::

ኣብ ዓዱ ኣልሚዑ ክነብር ዝኽእል ማእለያ ዘይብሉ መንእሰይ ናብ ስደት ብምምራሕ ኣደዳ ሞትን ስቓይን ዝኸውን ዘሎ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ሕመቕ መራሕቲ ህወሓት ‘ዩ፤ ልምዓት፣ ሰላምን ዲሞክራስን ስለዘየለ ‘ዩ:: ህዝቢ ትግራይ ተደጋጋሚ ኹናት እናጋጠሞ ብምምፅኡ ንዝተፈላላዩ ከበድቲ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያውን ፀገማት ተቓሊዑ ‘ዩ:: ሕዚ ‘ውን ዝሓለፈ ፀገም ከይኣኽሎ ኣብ መንጎ መራሕቲ ህወሓት ብዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ዘይምስምዕማዕ ስዒቡ ኣብ ከቢድ ስግኣትን ጭንቕን ኣሎ ኢለን::

ህዝቢ ትግራይ ሕዚ ብልምዓትን ሰላምን ክከሓስ እናተገበኦ ካሊእ ተወሳኺ ፀገም ክፍጠረሉ ኣይግባእን:: ብፖለቲካዊ ህልኽ ክጉዳእ የብሉን:: ንውልቓዊ ረብሓን ስልጣንን ክበሃል ካሊእ ፀገም ክትድርበሉ ዘይኮንካስ ተጓይኻ ከትኽሕሶ ‘ዩ ዝግባእ ክትብል ገሊፀን::

ስለዚ መራሕቲ ህወሓት ኣብ ጠረጴዛ ከፍ ኢሎም ፀገሞም ብምፍታሕ ህዝቢ ዝደልዮ እንታይ ‘ዩ? ፍልፍል ፀገምን መከራን ህዝቢ ኸ መን ‘ዩ?፤ ብኸመይ ከ ክቓለል ወይ ክቕረፍ ይኽእል ብምባል ንህዝቦም ዝኽሕስሉ ኩነታት ክፈጥሩ ኣለዎም ክብላ መልእኽተን ኣሕሊፈን

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 27 ለካቲት 2017 ዓ.ም

Recommended For You