ማእኸል ንግድን ሓሳብን

ብልዕሊ 28 ቢሊዮን ብር ወፃኢ ዝተገበረሉ ዓለም ለኸ ማእኸል ኮንቬንሽን ኣዲስ ንኣዲስ ኣበባ ኢሉ ‘ውን ንኢትዮጵያን ኣፍሪካን ሓደሽቲ ዕድላት ዝኸፍት ‘ዩ። ዘየቋርፅ ፍልፍል ሃፍቲ ዝፈጥር ‘ዩ፤ ንህንፀት ምስልን ንስሕበት ቱሪስትታትን ዓብዪ ተራ ዝፃወት ምዃኑ ‘ውን ይእመን።

ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ቐዳም ምሸት ተመሪቑ ስራሕ ዝጀመረ እቲ ማእኸል፤ ክሳብ ዓሰርተ ሽሕ ሰብ ብሓደ ግዘ ዝተኣናገደሎም ዓለምለኻዊ ኮንፈረንስታት፣ ንግዳዊ ምይይጣትን ስምምዕነታትን፣ ባህላዊ መድረኻትን ዝተፈላለዩ ኤግዚብሽናትን ንምስትእንጋድ ዘኽእል፤ ኸምኡ ‘ውን ሓደሽቲ ሓሳባት ዝንሸራሸሩሉ ንግዳውን ቑጠባውን ስምምዕነታት ዝጠናኸሩሉ ‘ዩ።

15 ሽሕ ካሬ ደጋዊ ፍፃመ ዝስተኣናገደሉ ቦታ ዘለዎ ዓለም ለኸ ማእኸል ኮንቬንሽን ኣዲስ፤ ሓደ ሽሕ ዓራት ዝህልዎም በዓል 5 ኮኾብ ዘመናዊ ሆቴል፣ ሬስቶራንትታት፣ ስፖርት መስርሒ፣ መዘናግዕን ዝተፈላለዩ ግልጋሎታት መውሃቢ ዘመናዊ ትካላትን ዘካተተ ዓብዪ ማእኸል ‘ዩ። ካብዚ ብተወሳኺ ‘ውን ብሓደ ግዜ ክሳብ 2 ሽሕ ተሽከርከርቲ ደው ከብል ዝኽእል ፓርኪንግን

ኣለዎ። ምስ ለሚ ፓርክን መንገዲ ኣየርን ብቐጥታ ዘራኽብ ሰፊሕ መሰረተ ልምዓት መንገዲ ‘ውን ምስቲ ማእኸል ተተሓሒዙ እናተዛዘመ ይርከብ። እዚ ‘ውን ኢኮኖሚ ዘነቓቕሕ፣ ሰፊሕ ዕድል ስራሕ ዝፈጥር ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ ‘ውን ኣጋይሽ እንትመፁ ብዘይዝኾነ ምንግልታዕ ኹሎም ግልጋሎታት ኣብ ሓደ ቦታ ንክረኽቡ ዘኽእል ‘ዩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ነቲ ማእኸል መሪቖም እንትኸፍቱ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ ዓለም ለኻዊ ማእኸል ኮንቬንሽን ኣዲስ ሃገርና ዓበይቲ ኮንፈረንስታትን ዓውደ ርእያትን ንኽተስተኣናግድ ዘኽእላ ‘ዩ። ብዓርሳ ሰሪሓ ተርእይ በዚ ‘ውን መርኣያ ክትኸውን ትኽእል ሃገር ምዃና ከምዘመላኽት ኣፍሊጦም።

ልምዓት ኮሪደር ኣዲስ ኣበባ ጨኪንና ብምጅማርና ዓብዪ ውፅኢት ኣምፂእና ኢና ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ሽም ኢትዮጵያ ብብርኪ ዓለምለኸ ልዕል ክብል ዝገበረ ምዃኑ ተዛሪቦም። ዓለም ለኻዊ ማእኸል ኮንቬንሽን ኣዲስ ናይዚ ውፅኢት ሓደ መርኣያ ምዃኑ ብምግላፅ፤ ልውውጣት ንግዲ ዝግበረሉ፣ ሓሳብ ዝለዋወጠሉን ዝምዕብለሉን ኸምኡ ‘ውን ኢትዮጵያ ዓለም ለኻዊ ዲፕሎማሲ ትሰርሐሉ ከምዝኸውን ኣመላኺቶም።

ኢትዮጵያ ንዘጋጥማ ፈተና ብዘደንቕ መልክዑ ብምሕላፍ ኣሰራ እናቐመጠት ትርከብ፤ እቲ ማእኸል ንኣፍሪካውያን ዘራኽቡ ኮንፈረንስታትን ንግዳዊ ምርኢታትን ዝካየደሉ ‘ዩ፤ ኣብ ቀረባ ዓለም ለኻዊ ኮንፈረንስን ኤግዚብሽንን ሰብ ሰራሕ ኣስተውዕሎት ከምዝካየደሉ ‘ውን ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዘሳኸዐቶም ስራሕቲ ልምዓት ብናይ ባዕላ ኣተሓሳስባን ብፃዕሪ ደቃን ናይ ኣፍሪካ ኣብነት ክትኸውን ከምትኽእል ዘርአዩ ምዃኖም ገሊፆም፤ ነዚ ‘ውን ኣብቲ መበል 38 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ዝተሳተፉ ናይ ኣፍሪካ መራሕቲ ‘ውን ከምዝመስከርዎ ሓቢሮም።

ኢትዮጵያ ልክዓ ገና ኣይገለፅናዮን ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር:: ኢትዮጵያ ዓብዪ ፀጋ ዘለዋ ሃገር ብምዃና በዚ ልክዕ ተጊህካ ምስራሕ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም። ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ኾነ ህዝቢ ምቕልጣፍ፣ ምስራሕን ምትጋህን ኸምኡ ‘ውን ኣብ ግዜ ልምዓት ንዝገጥሙ ፈተናታት ተፃዊርካ ምስራሕ ከምዝግባእ ኣፍሊጦም።

ጉዕዞ ብራኸ ኢትዮጵያ ኣብ ሽቶኡ ንምብፃሕን ንኢትዮጵያ ተምሳሌት ብልፅግና ኣፍሪካ ንምግባርን ብትሪ ምስራሕ ከምዝግባእ ‘ውን ኣመላኺቶም። እዚ ዘመን ጀሚርካ ናይ ምውዳእ ‘ዩ፤ ኢትዮጵያ ፈተናታት ብብቕዓት ብምሕላፍን ጀሚራ ብምውዳእን ንደቃ ኣሰራ ክተንብር ‘ያ ኢሎም። ኢትዮጵያውያን ንለውጢ እንተተላዒልና ከየሳኻዕና ዘይነቋርፅ ኢና ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ነዚ ‘ውን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብዝጀመርናዮም ዓውድታት ልምዓት ብተግባር ኣረጋጊፅና ኢና ኢሎም።

መላእ ህዝቢ ሕልምና ብልፅግናን ንኢትዮጵያ ምልዋጥን ምዃኑ ብምግንዛብ ድጋፉ ኣጠናኺሩ ንክቕፅል ፃውዒት ኣቕሪቦም። እቲ ማእኸል ንዝቕፅሉ ዓሰርተ ዓመታት ንህዝቢ ኽፍቲ ከምዝኸውን ብምጥቃስ፤ መናእሰይ ተምሃሮን ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብ ናብቲ ማእኸል ብምምፃእ ንኢትዮጵያ ሓሳብ ምውፃእን ሓሳብ ምዕዳግን ከምዝግብኦም ተዛሪቦም።

ዓለም ለኸ ማእኸል ኮንቬንሽን ኣዲስ ኣብ 40 ሄክታር መሬት ዝዓረፈ እንትኸውን ሕድሕዶም ካብ 3 ሽሕ ክሳብ 4 ሽሕ ሰባት ናይ ምሓዝ ዓቕሚ ዘለዎም ክልተ ዓበይቲ ኣዳራሻት፣ 8 ኣናእሽትን ማእኸለዎትን መአከቢ ኣዳራሻት ብሓፈሻ ክሳብ 10 ሽሕ ሰባት ዘስተኣናግዱ ኣዳራሻት ዝሓዘ ‘ዩ።

በሪሁ ኣረጋ

ወጋሕታ 27 ለካቲት 2017 ዓ.ም

Recommended For You