ፅዕንቶ ፈጣርን መርኣያ ሓዱሽ ወለዶን -ቴዲ ኣፍሮ

ዓበይቲ ዓለምለኸ ሚዲያታት ኣፍሪካ፤ብፍላይ ድማ ምብራቕ ኣፍሪካ ንጉስ ሙዚቃ እናበሉ ካብ ዝፅውዕዎም ሓደ እዩ፡፡ኣብ ዙርያ ሙዚቃታቱ ስፍሕ ዝበሉ ፀብፃባት ተሰሪሖም እዮም፡፡ኣብ ስራሕቲ ሙዚቃታቱ ብፍላይ ኣብ ሰብኣውነትን ፍቕርን ትኹረት ገይሩ ብምስራሕ ፍሉይ ኽብረት ዝረኸበ እንትኸውን፤ በብዝሰርሖም ደርፍታት ብዝፅሕፎም ድርሰታት ዓብዪ ምርምርን ፅንዓትን ከምዝገብር ይዝረበሉ ኣርቲስት ቴዎድሮስ ካሳሁን (ቴዲ ኣፍሮ)፡፡

ኣብ ሕድሕድ ኣልበም ሙዚቃታቱ ታሪኽ ዘለዎምን መዘከርታ ዓበይቲ ሰባት ዝኾኑ ስራሕቲ ጥበብ ዝሰርሐ እዩ።ንሃፀይ ሃይለስላሴ፣ ነቲ ፍሉጥ ኮኾብ ሬጌ ቦብ ማርሌ፣ ንፍሉጣት ኣትሌታት ሃይለ ገብረስላሴን ቀነኒሳ በቀለን፣ ንሃፀይ ሚኒሊክ ብምሩፃት ግጥምን ዜማታትን ካብ ዘዚየመሎም ዝጥቀሱ እዮም፡፡

ኣርቲስት ቴዎድሮስ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዘውፀኦም ነፀላ ዜማታቱ እንትድመፁ ብልዑል ብርኪ እንትዝረበሉ ይስትውዓል።ከምበዓል ‹‹ሰብዓ ደረጃ፣ ኮርኩማ ኣፍሪካ›› ዝተብሃሉ ዝተዓወተሎም ነፀላ ዜማታት ብኣብነት ምጥቃስ ይከኣል እዩ፡፡

ኣቦጊዳ ካብ ዝብል ኣልበሙ ኣቦጊዳ፣ ልጅነት ኣላት፣ ለማን ልማሽ፣ሞናሊዛ፣ጃ ያስተሰርያል ካብ ዝብል ኣልበሙ ጃ ያስተሰርያል፣በል ስጠኝ፣ላምባዲና ዝዝከሩ እዮም።መንታ ወድጄ፣ያረጋል፣ላሜ ቦራ፣ስደት ዝተብሃሉ ኻልኦት ስራሕቱ ብዙሕ ተደማፅነት ብምርካብ ዝተሳኸዐሉ እንትኾን፤ ናይ መወዳእታ ኣልበሙ ‹‹ኢትዮጵያ›› ቕድሚ ምውፅኡ ሰላም፣ ፍዮሪና፣ልረሳሽ ኣልቻልኩም፣ ኣባይ፣ ውዴ፣ ኣይደነግጥም ልቤ፣ትዝታ ዝተብሃሉ ሙዚቃታት ብመፍቀርቲ ኪነ ጥበብ ኣድናቖት ዝረኸቡ እዮም፡፡

ቴዎድሮስ ኣብ 2003 ኣ.ፈ ብድርቂ ንዝተጎድኡ ወገናት መተኣኻኸቢ እቶት ኣብ መስቀል ኣደባባይ ናይ መጀመርታ ኮንሰርቱ ከምዘቕረበ ዝዝከር እዩ።ኣብ 2005 ኣ.ፈ ናይ ቦብ ማርሊ መበል 60 ዓመት መዘከርታ ውልደት ዓለምለኸ ብርኪ ዝሓለወ ኮንሰርት እንትገብር መኽፈቲ ሙዚቃ ናይቲ ኮንሰርት ከምዘቕረበ ኣይዝንጋዕን።ካብ ሃገር ወፃኢ ኣብ መላእ ዓለም ኣፍሪካ፣ ኣውሮፓ፣ ሰሜን ኣሜሪካ፣ ኣውስትራልያን ማእኸላይ ምብራቕን ብምዝውዋር ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ኮንሰርት ኣቕሪቡ እዩ።በዚ ድማ ብርክት ዝበሉ ኣድነቕቲ ብምርካብ ኸበሬታ ረኺቡ እዩ፡፡

እዚ ኣርቲስት ጎና ጎኒ ሙዚቃ ንዝተፀገሙ ምርዳእ፣ ሕሙማት ብምጥያቕ፣ ዝሓዘኑ ብምፅንናዕ ማሕበራዊ ሓላፍነቱ እናተዋፀአ ዘሎ እዩ።ኣብ ሓደ እዋን ሓደ ኢትዮጵያዊ ኣብ ሱማሌ ላንድ ብዘጥፈኦ ጥፍኣት ናይ ሞት ፍርዲ ወይ ድማ ካሕሳ ንኽኸፍል ተፈሪድዎ፤ ዝኸፍሎ ገንዘብ ስኢኑ ናይ ሞት ፍርዲ ክቐበል እንትብል ቴዲ ኣፍሮ ሰሚዑ ክፍሊት ካሕሳ ሙሉእ ወፃኢ ብምሽፋን ናብ ሃገሩ ክመፅእ ከምዝገበሮ ኣይዝንጋዕን፡፡

ድምፃዊ ቴዎድሮስ ካሳሁን ‹‹ኢትዮጵያ›› ኣብ ዝብል ናይ ቐረባ እዋን ኣልበሙ ዝገለፆ ፈላማይ ቁም ነገር ኢትዮጵያዊነትን ብሄራዊ ስምዒትን ኣብ ሓደጋ ወዲቑ እዩ።ብዓሌትን ሃይማኖትን ምፍልላይ ተፈጢሩ እዩ።እዚ ኣገላልፅኡ ድማ ወድዓዊ ሓቂ እዩ።እቲ ኣርቲስት ከምዘስመረሉ ሎሚ ኣብ ሃገርና ዝተስፋሕፈሐ ዓሌታዊ መንፈስ ዘርኣውነት ስዒርና ብዙሕነት ብዝቕበል ሓድነት ምንባር ከም እንኽእል እቲ ፀገም ብኣግባቡ እንትንግንዘብ እዩ።ሕማሙ ዘይፈለጠ ፈውሱ ክፈልጥ ኣይኽእልን ከምዝበሃል ናይዚ ግዘ ፀገም ቑልፊ መፍትሒኡ ኣብዚ እዩ ዘሎ፡፡

በዚ ዝሰርሖ ዘኽብር ናይ ኪነ ጥበብ ስራሕ ዩኒቨርሲቲ ጎንደር ኣብዚ ሰሙን እዚ ንኣርቲስት ቴዎድሮስ ካሳሁን (ቴዲ ኣፍሮ) ናይ ኽብሪ ዶክትሬት ሂብዎ እዩ፡፡

ነዚ ኣመልኪቱ ሊቅ ሙዚቃ ዝኾነ ሰርፀ ፍሬስብሓት ኣብ ማሕበራዊ ሚድይኡ ብዛዕባ ቴዲ ኣፍሮ ዘስፈሮ መልእኽቱ፤ ቴድሮስ ካሳሁን ሓዱሽ ሙዚቃዊ ልምምድ ንዘበንና ዘበርከተ፣ ልዕሊ ዒስራ ዓመታት ዝተሳገረ ፅዕንቶ ፈጣሪ ሙዚቃ፣ መርኣያ ወለዶ ክኸውን ዝኸኣለ፣ ናይ ታሪኽን ፍልስፍና ሙጉት ዝፈጠረ፣ብዛዕባ ብሄራዊ ክብሪ ሃገሩ ዝተሟገተ ብምዃኑ ናይ ክበሪ ዶክትሬቱ ይግበኦ እዩ።እዚ ድማ ነቲ ሓዱሽ ወለዶ ንምኽባር ከም ሓዱሽ ጅማሮ ዝቑፀር እዩ፤ በዚ ድማ ዩኒቨርሲቲ ጎንደር ክምስገን ይግባእ ኢሉ፡፡

ኣፍቲ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ጎንደር ዶክተር አስራት አፀደወይን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ጅግና ምኽባር ክብረት እዩ ብምባል እቲ ዩኒቨርሲቲ ንኣርቲስት ቴዎድሮስ ናይ ክብሪ ዶክትሬት ብምሃቡ ክኾርዕ ይግበኦ ኢሎም።ምምሕዳር ከተማ ጎንደር ‘ውን ብሽም እቲ ኣርቲስት ጎዳናታት ምስያሙ ገሊፁ፡፡

ኣርቲስት ቴዎድሮስ ካሳሁን ካብ ኪነ ጥበብ ብተወሳኺ ኣብ ሰብኣውን ማሕበራውን ስራሕቱ ከም ዝፍለጥ ብምዝኽኻር፤ ‹‹ከምዚ ዝበለ ክብርን ኣፍልጦን ኹሉ ሰብ ኣብ ዝተዋፈረሉ ስራሕ ብልቢ ብምስራሕ ውፅኢታዊ ምዃን፤ ዓርስኻን ሃገርኻን ዘኽብር ከምዝኾነ እቲ ሎሚ ንቴዲ ኣፍሮ እንህቦ ናይ ክብሪ ዶክትሬት መርኣያ እዩ›› ክብሉ ነቲ ኣርቲስት ናይ እንኳዕ ደስ በለካ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም፡፡

ትርሓስ ፍቃዱ

 ወጋሕታ 29 ሓምለ 2013 ዓ.ም

Recommended For You