‹‹ቀዳሞት ወለድና ኣብ ዓድዋ ዝፈፀምዎ ጅግንነት ንመላእ ፀለምቲ ህዝቢታት ዓብዪ ትምህርቲ ‘ዩ››  – ልጅ ዳንኤል ጆቴ መስፍን ስለሺ

በዓል መዓልቲ ዓወት ዓድዋ በቢ ዓመቱ ብድምቐት ካብ ዝኽበሩ ዓበይቲ ሃገራዊ በዓላት ሓደ ‘ዩ። ነዚ ኣመልኪትና ጋሻ ሒዝናልኩም ቐሪብና ኣለና። እዞም ጋሻ ልጅ ዳንኤል ጆቴ መስፍን ስለሺ ይባሃሉ። ብ1936ዓ.ም ኣብ ጎሬ ኢሉባቡር ተወሊዶም። ሐዚ ፕሬዚደንት ማሕበር ሓርበኛታት ጥንታዊት ኢትዮጵያ ‘ዮም። ልጅ ዳንኤል ካብ ራእሲ መስፍን ስለሺ ዝተወልዱ እንትኾኑ፣ ራእሲ መስፍን ስለሺ ምእንተ ሃገሮም ሓርበኛታት እናመርሑ ዝዋግኡን ዘዋግኡን ዝነበሩ ‘ዮም። ራእሲ መስፍን ምእንተሃገሮም ዝሰርሑ ዝነበሩን ንሃገሮም ዝተሰውኡን ግኑን ሽም ዝነበሮም ‘ዮም። ራእሲ መስፍን ስለሺ ኣብ ከባቢታት ሽዋ፣ ወሎ፣ትግራይ፣ ወለጋ ሆሮ ጉድሩ፣ጎንደርን ጎጃምን ምስ ጣልያን ተዋጊኦም ‘ዮም።ብሓፂሩ ኣብ ዝተዋግእዎ ኩሉ ተዓዋቲ ምንባሮም ታሪኾም ይሕብር። እምባኣርከስ መንበብቲ ጋዜጣ ወጋሕታ ሎሚ ዘበን ንመበል 129 ዝኽበር መዓልቲ ዓወት ዓድዋ ኣድሂብና ምስ ልጅ ዳንኤል ጆቴ ዝገበርናዮ ቃለ መሕትት ከም ዝስዕብ ኣቕሪብናልኩም ኣለና። ሰናይ ንባብ።

ወጋሕታ፡- በዓል ዓወት ዓድዋ ንህዝቢታት ኢትዮጵያን ኣፍሪካን ዘለዎ ትርጉም ከመይ ይገልፅዎ?

ልጅ ዳንኤል ጆቴ፡- ከምዝፍለጥ ሎሚዘበን እነኽብሮ በዓል ዓወት ዓድዋ ንመበል129 እዩ፤ ቕድሚ ሕዚ ጀሚርና በቢዓመቱ እናኽበርናዮ መፂእና ኢና፤ በቢ ዓመቱ ክነኽብሮ እንተለና ብዝተኸኣለ መጠን ናይ ቀዳሞት ወለድና ጅግንነት ንምርኣይ ጥራሕ እንተይኮናስ ንሃገርን ንሕበረተሰብን ጠጠው ምባል፣ ንሕጊ ተገዛኢ ምዃን፣ ኣብ ሕድሕድና በብግዚኡ ዝለዓሉ ግጭታት ይኹን ዘይምስምዕማዕ ንምፍታሕ እዚ በዓል እዚ ይጠቕም ‘ዩ ኢልና ስለንሓስብ ‘ዩ እምበር ቕድሚ ሕዚ ምስ መንግስቲ ጣልያን ዘጋጠመ ኩናት ቒም ንምሓዝ ተሓሲቡ ከምዘይኮነ ክስመረሉ ይግባእ:: እንደገና ምስ ጣልያን ንምፅላእን ንምቕያምን ኣይኮነን::

ኣብቲ ኩናት ብዙሓት ነገራት ተኸሲቶም ‘ዮም:: ኣብቲ እዋን ንጉስ ሚኒሊክ ሃገር ኣብዝመርሕሉ ዝነበረ እዋን ዝተኸሰተ ኩናት ምዃኑ ይፍለጥ ‘ዩ:: ኣብቲ እዋን መንግስታዊ ስልጣን ዘይነበሮም ሰባት ‘ውን ‘ዮም ንጉስ ሚኒሊክ ናብቲ ኩናት ሒዞሞም ዘሚቶም:: እዚ ኩናት ኣብዝተኻየደሉ እዋን ክርሳዕ ዘይግበኦ ነገር እንታይ እዩ እንተይልና ንጉስ ሚኒሊክ እዚ ኩናት እዚ ከምዝመፅእ ይፈልጡ ነይሮም ‘ዮም::

እዚ ኩናት ከምዝመፅእ ብምፍለጦም ዓቕሚ የብለይን ኢሎም እንተይኮነስ ናይ ኩናት ሕማቕ ነገር፣ ማለት ኣብ ኩናት ብዙሕ ሰብኣዊን ቑሳዊን ክሳራታት ዘጋጥም ከምዝኾ ብምርዳእ ምስ መንግስቲ ጣልያን ብዝተኸኣለ መጠን ኩናት ከይካየድ ብዙሕ ዓይነት ድርድርን ዘተን ከምዝፈተኑ ካብ ዝተፈላላዩ መፃሕፍቲ ተረዲእና ኢና::

እዚ ኣብ 1888 ዓ.ም ዝተኻየደ ኩናት ቕድሚ ምክያዱ ረኣሲ ኣሉላ ኣባነጋ ኣብ ደጉዓሊ ምስ ጣልያን ኩናት ገጢሞም ስዒሮም ‘ዮም:: ክብኡ መንግስቲ ጣልያን በቲ ዘጋጠሞ ስዕረቱ ተናዲዱ ካሊእ ኩናት ንምኽፋት ልዑል ሰራዊት ከምፅእ ክኢሉ ራእሲ መኮነን እና ራእሲ መንገሻ ኣብ ከባቢ መቐለ እንደገና ብዝገበርዎ ልዑል ተጋድሎ እናተደፍአ ‘ዩ ናብ ዓድዋ ከይዱ ዝዓረደ::

ካብኡ ንጉስ ሚኒሊክ ኣብ ሽዋ ኮይኖም ኩነታት ፀላኢ ተገንዚቦም ኣብ ወረዒሉ መኺሮም፤ ፀላኢ ሃገር እናወረረ ‘ዩ ዘሎ፤ ደቕኻን ሰበይትኻን ዝደፍር ፀላኢ ‘ዩ መፂኡ ዘሎ ኩልኻ ተኸተለኒ ኢሎም መሪሖም ናብ ዓድዋ ዘሚቶም ዓወት ክሓፍሱ ክኢሎም ‘ዮም::

እዚ እንትኾን እንተሎ ኣምሓራይ ኦሮምኛ ኣብዘይኽእለሉ፣ ኦሮሞ ኣምሓርኛ ኣብዘይኽእለሉ፣ ካልኦት ‘ውን ብተመሳሳሊ ኣብዝነበረሉ እዋን ‘ዮም ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ተኣኻኺቦም ፍቕሪ ሃገር ሰኒቖም፣ ሓድነቶም ኣስጢሞም ዓወት ክሓፍሱ ዝኸኣሉ:: ብቋንቋ ክረዳድኡ ኣብዘይኽእልሉ እዋን ‘ዮም ሓደ ልቢ ኮይኖም ዘሚቶም ዓወት ተጎናፂፎም:: ከምዚ ዝገበሮም ሃገር ማለት ልዕሊ ኩሉ ምዃኑ ብምርዳእ ‘ዩ::

ብሓፈሻ ቀዳሞት ወለድና ኣብ ዓድዋ ዝፈፀምዎ ጅግንነት ንናይ ዝሕዚ ወለዶ ጥራሕ እንተይኮነስ ንኣፍሪውያን ‘ውን ዓብዪ ትምህርቲ ኣለዎ:: ህዝቢ ኢትዮጵያ ንነፃነቱ ንደሓር ከምዘይብል፤ ብሃይማኖቱ፣ ብኽብሩ ንዝመፆ ፀላኢ ኢዱ ምሃብ ዘይምኽኣል ጥራሕ እንተይኮነስ ንፀላኢ አሕፊሩ ዝምልስ ከምዝኾነ::

ጅግንነት ወለድና ዘምህረካ ሓደ ዓይነት ኮይኖም ዓወት ሓፊሶም ክብሪ ኢትዮጵያ ንወለዶ ምርካቦምን ሓድነት፣ ፅንዓትን ፍቕሪ ሃገርን እንተሃልዩ ከትሽነፍ ዘይትኽእል ምኻንካ ‘ዩ ዘርእየካን ዘምህርን:: ለዚ ናይሕዚ ሓዱሽ ወለዶ ከም ናይ ቀደም ኣቦታትና መሳርሒ ኩናት ሒዙ ጥራሕ ሃገር ክሕሉ ኣይኮነን ትፅቢት ዝግበረሉ ኩላይ ኣብ ኢኮኖሚ ዓብዪ ዓወት ከመዝግብ ‘ዩ::

ቐዳሞት ወለዲ አዕፅምቶም ከስኪሶም፣ ደሞም ኣፍሲሶም፣ ዘረከቡና ሃገር እዚ ሓዱሽ ትውልዲ ድማ ብትምህርቲ፣ ቴክኖሎጂ ንበዓሉ ኣዳቢሩ ኣብ ሰላም፣ ልምዓት፣ ኢኮኖሚ ብሓፈሻ እታ ሃገር እትደልዮ ኩሉ ነገር ማለት በቢዘፈራት ተሳማርዩ ውፅኢታዊ ውፅኢታዊ ስራሕ ምስራሕ:: እዚ ወለዶ እዚ ካብ ዓወት ኩናት ዓድዋ ተማሂሩ ኣብ ልምዓትን ኢኮኖሚን ሃገርና ዓብዪ ዓወት ከምዝግብ ኣለዎ:: ሃገርና ብኢኮኖሚ ዓርሳ ከትኽእል ዝከኣሎ ኩሉ ምስራሕ፤ በርቲዑ ሰሪሑ ንበዓሉን ሃገሩን ምጥቓም ትፅቢት ይግበረሉ::

ወጋሕታ፡- ምስ ናይ ኢትዮጵያ ነባራዊ ኩነታት ብምትሕሕሓዝ ናይ ሕዚ ወለዶ ካብ ታሪኽ ዓወት ዓድዋ እንታይ ክመሃር ኣለዎ?

ልጅ ዳንኤል ጆቴ፡- ከብዚ ከንምሃር ንኽእል ምክፍፋል ኣየድልን፤ወለድና ተዝከፋፈሉ ነይሮም ዓወት ኣይምተጎናፀፉን ነይሮም:: ስለዚ ኩልና ንሃገርና ሓደ ዓይነት ከንኸውን ኣለና:: ሓደ ዓይነት ከንኸውን ኣለና ክብል እንተለኹ ብሃገር ጉዳይ ከንከፋፈል የብልናን:: እዚ ሓዱሽ ትውልዲ እዚ ነንበዓርሱ ክጠራጠር የብሉን:: ሓደ ሓደ ኣካላት ንስልጣኖም ክብሉ ደካማ መንግስቲ ክህሉ ዝሰርሑ ኣለዉ:: እዚ ትኽክል ኣይኮነን:: ደካማ መንግስቲ እንተልዩ ዝኾነ ናይ ደገ ፀላኢ ክወረካ ይኽእል ‘ዩ:: ግን እዚ ዝሳኻዕ ኣይኮነን:: ትውልዲ ነቒሑ ‘ዩ::

ንኣብነት ምስ ልምዓት ኮሪደር ብምትሕሓዝ ዘይጠቕም ፖለቲካ ዘራምዱ ኣለዉ:: እዚ ትኽክል ኣይኮነን:: ከም ዓብይ ነገር እናተወሰደ ኣብ ኸባቢኡ በቢቦትኡ እናተዘረበ ስለዝኽየድ ህዝቢ ዝርብሽ ‘ዩ:: ሓደ ሃገር ቅድም ኢሉ እንትምስረት ብትልሚ ‘ዩ ዝምስረት:: ንሕና ድማ ኢትዮጵያ እንትንምስረት በዚ ልምዲ ዘለዎም ብዙሕ ኢትዮጵያውያን ኣይነበሩን:: ከም ኣመፃፅእኡ ከም ኣካያይድኡ እናተሰርሐ ዝነበረ ‘ዩ::

በዚ ድማ መንግስቲ ብዝተቐያየረ ቁፅሪ ኣብ ውሽጢ ሃገር ፀገም ስለዝህሉ ሕጊ እናጠሓሱ ሰብ ምቕታል ፣ስርቆት ስለዝነበረ ካብ ገጠር ናብ ማእኸል ከተማ ብዙሕ ሰብ ምምፃእ ጀሚሩ:: እዚ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ድማ መንግስቲ ኣይትምፅኡ ምባል ኣይኽእልን:: ኸዚ ‘ውን ንቕድሚት ‘ውን ክኾን ዘለዎ ሓደ ኢትዮጵያዊ ኣብ ኹሉ ክፍለ ሃገር ናይ ምንባር መሰሉ ዝተሓለወ ‘ዩ:: እዚ ናይዚ ብሄር ‘ዩ ዝብል ነገር ኣይነበረን:: ሓደ ላዕሊ ሓደ ታሕቲ ዝባሃል ነገር የለን::

ኣብ ዘመነ ሃይለስለሴ ዘመን ከምዚ ዝበለ ነገር ይቃወሙ ነይሮም:: እቲ ህዝቢ ናብ ከተማ ኣብ ዝመፀሉ እዋን ኣዲስ ኣበባ ተፃቢባ:: ኣብ መንገዲ ቆርቆሮን ላስቲክን ሰሪሖም እናነበሩ ‘ዮም:: እዚ ዘሪአና ናብ ወንበር ዝመፁ ባዓል ስልጣን ኾኑ ሃገር ዘማሓድሩ ሓደ ዘይተገንዘብዎ ነገር እንተሃልዩ ንክምረፁ ክብሉ ወይም ካብ ፍርሒ ይኹን ከምዚ ዝበሉ ካብ ሕጊ ወፃኢ እንተጋጥሙ ብግዚኡ ጠጠው ስለዘየብልዎ ተስፋሕፊሑ ኣዲስ ኣበባ ዘጨንቕ ኾይኑ ‘ዩ::

እዚ ኸዚ ንዘሎ መንግስቲ ‘ውን ኣፀገሚ ‘ዩ:: እዚ ምስትኽኻል እንትደሊ ብዙሕ ሰብ ይንካእ ‘ዩ:: ግን ከምንርደኦን ከምንከታተሎን ብወገን መንግስቲ እናተገበረ ዘሎ በተለይ ናይ መንግስቲ ቀበሌ ገዛ ዘለዎ ፣ ናይ ባዕሉ ገዛ ዘለዎ ብሕግን ስርዓቱን ካርታን ቀበሌ መለለይ መንነት ዘለዎ ምምሕዳር ከተማ ገዛ እናሃበ ከምዝኾነ እናረእና ኢና::  ሚኢቲ ብሚኢቲ ይህብ ዶ? ኣይፈልጥን ግና ካብ ምንም ሓደ ዳቦ ይሓይሽ::

እናተገበረ ዘሎ ነገር ኣብ ሚድያ ከምንሪኦን ሓደ ሓደ ሰባት ክብሉ ከምንሰምዖን ከምዝተገበረ ዘረጋግፀልና ‘ዩ:: ሙሉእ ብሙሉእ ከባፃሕ ኣይኽእልን:: ብሓደ ግዜ ተሰሪሑ ኣይባፃሕን:: ስለዚ ልምዓት ዘኽብር ወለዶ ክኾን ይግባእ:: ፅባሕ ድሕሪ ፅባሕ ዝሓሸ ክመፅእ ‘ዩ ኢሉ ዝኣምን ክኾን ይግባእ:: ከምዚ ዓይነት ወለዶ ‘ዩ ትፅቢት ዝግበር:: ሎሚ እቲ መንእሰይ ከምንሪኦ ዘለና እናተሳተፈ ‘ዩ:: ሎሚ ዝፈረሰ ሰፈር ድሕሪ ሓደ ወርሒ እንታይ ከምዝመስል እናረእና ኢና:: መንግስቲ ‘ውን ስርሑ ብተግባር ብምርኣይ እናእመነ ‘ዩ::

ከምዚ ዝበለ ነገር ንክቕፅልን እቲ ወለዶ ከምዚ ዝበለ ዓይነት ብምኽሪ ዘተ ብምግባር ‘ዩ ክኾን ዝግባእ:: ኢትዮጵያ ንምጥፋእ በቢግዚኡ ዘይኾን ነገር እናተዘረበ መንግስቲ ምድኻም ኣነ ኣይቕበሎን:: ጎርጎራ ተሰሪሑ እዚ እንትስራሕ ናይ ሃገር ቀዳማይ ሚኒስትር የኾነይ ዝሰርሖ::

ካሊእ ድማ ናይ ሃፀይ ፋሲል ህንፃ ፣ወንጪ ዝኣመሰሉ ከምዚኦም ዝበሉ እንትርኢ መሰረተ ልምዓት ‘ዮም:: ናይ ውልቀ ኣይኮኑን:: ናይ ሚኒሊክ መንግስቲ ኣሐዲስካ ንህዝቢ ክፍቲ ምግባር፣ ብሄራዊ መንግስቲ ‘ውን ንህዝቢ ክፍቲ ንመግባር ኣብ መድላው ይርከብ እዚ ኣብ እንሪአሉ ግዜ ምምስጋን ክንኽእል ኣለና:: ምኽንያቱ ናይ ትማሊ እናጥፍኡ ዝነበሩ ኸዚ የለዉን:: ኸዚ ድማ ከመይ ገይርና ታሪኽና እናረእናሉ ንጥቀሙ ኣታዊ እናረኽብና ንቕድሚት ንኽደሉ ‘ዩ::

ሃርበኛ ማሕበር ካብ ፖለቲካ ወፃኢ ኢና:: ናይ ዝኾነ ኣባላት ፓርቲ ኣይኾናን:: ግን ጉዳይ ኢትዮጵያ ጉዳይና ‘ዩ:: እዚ ካብ ኣቦታትና ዝወረስናዮ ‘ዩ:: ምንም እኳ ዕድመና ልዕል ኢሉ ጉልበትና ተደኸመ ልብና ብጉዳይ ሃገር ኣይሞተን:: ንሕና ኸዚ ነቲ ወለዶ እንመኽሮ ትማሊ ብደንቢ ፍለጥዎ ‘ዩ:: ኻልኣይ ድማ ዓብይ ኣጥፋእቲ ዘለዉ እቶም ዓበይቲ ‘ዮም::  ትማሊ ዝነበሮም ፀገም ኣብ ዝተፈላለየ ፖለቲካ ፓርቲ ንክሳፈፍ ‘ዮም ዝገብሩ:: እዚ ትኽክል ኣይኮነን:: ጣልያን እኮ ሓደ ግዜ የኾነይ ዝወግኡና ኽልተ ግዜ ‘ዩ::

ኸዚ ዓወት ዓድዋ ንምንታይ ‘ዩ ዝኽበር? ንምጀመርያ እዋን ዝተሞከረና እንተይኾነስ እንግሊዛውያን ኣብ እዋን ቴድሮስ ሞኪሮምና ‘ዮም፤ እንግሊዛውያን ብሱዳን ወገን ማህንዲስ ኣልዒሎም ሃፀይ ዮሃንስ ህይወቶም ንክስእኑ ገይሮም ‘ዮም፤ ንሳልሳይ እዋን ብኣፄ ሚኒሊክ እንትመፁ ድማ ቅድሚ ኸዚ ትምህርቲ ዝወሰደ ሕብረተሰብ ብውሽጡ ሓልዩ ብሓድነት ዝተልዓለሉ ስለዝነበረ እዚ ዓብይ ትምህርቲ ‘ዩ:: ፓን ኣፍሪካኒዝም ከመይ እዩ ተጀሚሩ? ድሕሪ እቲ ኹናት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ መንግስቲ ጣልያን ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተዋዓዒሎም ‘ዮም:: ኣብዚ ግዜ ‘ዩ ብዙሕ ናይ ኣሜሪካን ኣውሮፓን ካውንስሎም ብብርኪ ኢምባሲ ዝኸፈቱ::

ወጋሕታ፡- ኣብዚ እዋን ኣብ ዝተፈላላዩ ከባቢታት ጎንፅታት ይርኣይ ‘ዩ:: እቲ ምኽንያት እንታይ ‘ዩ? ፍቕሪ ሃገር ካብ ዘይምህላው ድዩ ወይስ ካሊእ ምኽንያት ኣለዎ?

ልጅ ዳንኤል ጆቴ፡- ሕጂ ዘሎ ወለዶ ናብ ቤት ተምህርቲ ከይከደ ናብ ቻይና ኸይዱ ቋንቋ ቻይና ተማሂሩ ዝነግደዩ ትውልዲ ‘ዩ ዘሎ። ከምዚ ንክኸውን ዝገበሮ ድማ ኢትዮጵያዊነቱ ዘለዎ ባህሉን ታሪኹን ‘ዩ። ከምኡ ‘ውን ብዝኾነ ናይ ወፃኢ ዓዲ መንግስቲ ዘይተገዝእና ሃገር ብምዃና ‘ዩ።

ብናይ ወፃኢ ዓዲ መንግስቲ ዘይተገዝእና ብምዃና ዝፍትውናን ዘኽብሩናን ከምዘለው ነሃትና ብንፃነት ምንባር ዝቀንኡልናን ዝፀልኡናን ኣለው ‘ዮም። ጎንፂ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ኣሎ ‘ዩ። ተፈጥሮኣዊ ‘ዩ፤ ብዙሕ ምስ ሃገር ዘይፍታው ኣይተሓሓዝን:: ኣብ ሞንጎ መንታ ኣሕዋት ‘ውን ኣሎ ‘ዩ:: ጎንፂ ኩሉ ግዘ ኣሎ ክህልው ‘ዩ። ዓይን ሓንጎልን ዘለዎ ይትረፍ እግርና ‘ውን እነተኾነ ነኒባዕሉ ይጋጨው ‘ዩ።

ኣብ ኣውሮፓ እንተርኢና ኣብ መንጎ ኣይረሽን እንግሊዝን ጎንፂ ኣሎ። ኣብ ኣመሪካ እንተኸይድና ‘ውን ኣብ መንጎ ፀዓዳን ፀሊምን ኣብ መንጎ ቀያሕቲ ህንዲን ኣሎ ‘ዩ:: ሃፍቲ ኣብ ዘለዎን ኣብ ዘይብሉን ኣሎ:: ኣብ ራሽያ እውን ምስ ዩክሬን ኣሎ:: ጎንፂ ዘይብሉ ዓዲ የለን:: ከከም ሃገሩ ናይቲ ጎንፂ መበገሲ ዝተፈላለየ ክኸውን ይኽእል ‘ዩ::

ኣብ ሃገርና ብተመሳሳሊ ጎንፂ ኣሎ ‘ዩ:: ኣብዚ እቲ ሕቶ እቲ ጎንፂ ከመይ ተፈጢሩ? ንምንታይ ተፈ ጢሩ? መን ‘ዩ እዚ ጎንፂ ንክህልው ዝደሊ? ኣብዚኸ መንግስቲ እንታይ ይገብር ኣሎ ኣብ ዝብል ተንርኢ ደስ ይብለኒ:: ንኣብነት ኣብዚ ኣርባዕተ ሓሙሽተ ዓመት ምስ ኣሕዋትና ተጋሩ ናብ ዘየድሊ ጎንፂ ኣቲና ኢና::

ቅድሚኡ ‘ውን ምስ ኤርትራውያን ናብ ጎንፂ ኣቲና ነይረና ኢና:: እዚ ኣንሕና ኣይኮንናን ፍጢርናዮ ተፈጢሩና እምበር:: መንግስቲ ከም መንግስትነቱ ናይ ሃገር ህልውናን ሰላምን ንምሕላው ናይ ባዕሉ መከላኸሊ ሃገር ኣለዎ:: ብዝተኽኣለ መጠን ከም ካልኦት ሃገራት ካልኦት ንምጥፋእ ዘይኮነስ ባዕልና ንምክልኻል ይግባእ ‘ዩ:: እዚ ‘ውን ‘ዩ ገይሩ::

ምስ ኤርትራ ኣብ ዝተዋጋእናሉ እዋን ኣብ ላዕሊ ብዘለው ሰበ ስልጣናትን ፖሊሲ ምስ ዘወፅኡ ‘ዩ እቲ ጎነፂ እምበር ምስ ተራ ሓረስታይ ኣይኮነን:: እቲ ሓረስታይ ስርሑ ‘ዩ ዝርኢ ፅባሕ ዝበልዖ ዝኽደኖ ‘ዩ ዝሓስብ:: ናይቲ እዋን ብዘለው ሰበስልጣናት ብዘይምርድዳእ ምኽንያት ግና ናብ ጎንፂን ኲናትን የእትውዎ::

ሐዚ ኣብ ኤርትራ እቲ ኲናት እንትግበር፤ መጀመርያ ባሕሪ በሪ ነሃትና ምዃኑ እናፈለጠ ሰላም ዝደሊ ተዝኸውን ነይሩ ዓሰብ እኮ ነሃትና ኣይኮነትን ኢሉ ከሓድግ እናተገበአ ኣይገበሮን:: ኣብ ውሽጢ ‘ውን ብህውሓት እዋን እኒ ካርተር ‘ውን ከምዝተዛረብዎ ኢትዮጵያ ብዙሕ ዘለዋ ‘ያ ቀደም ‘ውን ነሃታ ‘ዩ ነይሩ እዚ ጉዳይ ኣይኮነን እንትብሃል ኣብቲ እዋን ዝነበሩ ኣይተ መለስ ኣይፈቀዱን:: ብምፍላጥ ይኹን ብዘይምፍላጥ ከምዚ ዝበሉ ስሕተታት ወይ ብውሽጢ ብዘሎ ሕማቕ ኣተሓሳስባ ዝተፈጠረ ነገር ‘ዩ ኲናት ዝተፈጠረ::

ኣብ ካልኣይ እዋን ድማ እንታይ ተፈጢሩ፤ ኣብ ትግራይ ስተወሰኑ ሰብ ስልጣናት ንበሎ፣ ናይ ሓደ ቤተሰብ በሎ ዘይተሓሰበ ከይኮነስ ከኽውን ዝኽእል መልክዕ ምስ መንግስቲ ኲናት ተፈጢሩ:: ኣብዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘኽብሮ ከተማ መቐለ ከዕንዋ ይኽእል ነይሩ ግን ኣይገበሮን::ንምንታይ ምኽንያቱ ናይ ባዕሉ ‘ዩ:: ኣብኡ ዘለው ወለዲ ናይ ኢትዮጵያ ቋንቋ ሃይማኖት ዘምፅኡን ዓቂቦም ዘፅንሑን ‘ዮም። ፀላኢ ንምክልኻል በሪ ኮይኖም ‘ዮም::

ዝኾነ ኾይኑ ካብዚ ናይ ቀደም ሓረበኛታት ወለዲ እንምሃሮ ድማ ሓበራዊነት፣ ሓድነት፣ ብሰላም ሃገር ምሕላው፣ ፀገማት እነተሃለው ‘ውን ብበረት ዘይኮነስ ኮፍ ኢልካ ብምዝርራብ ምፍታሕ ሰላም ምፍጣርን ‘ዩ። እዚ ድማ ምስ ፍልጠት፣ ፍቕሪን ሰብኣዊነትን ዝተተሓሓዘ ‘ዩ:: ዓቕሚ ዝለዘለካ ጥራሕ ሱቕ ኢልካ መን ይኽአለኒ ምባል ዋጋ የብሉን:: ዘይሩ ዘይሩ ተሸናፊ ኢኻ:: ዋና ነገር ካብ ዓድዋ ዝተመሃርናዮን ክንመሃር ዘለና እዚ ‘ዩ::

ሐዚ ‘ውን ኣብ ትግራይ ዘሎ ይኹን ኣብ ጎንድርን ጎጃምን ዘሎ ናብ ሰላም ንምምፃእ ብብረት ዘይኮንስ ብሽምግልና ብምኽክር ኮምሽን ‘ዩ:: ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢ ብብረት ክህልው ይኽእል ‘ዩ:: እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ብዝበለፀ ኣብቲ ቦታ ዘሎ መንግስቲ ‘ዩ ዝፈልጥ:: ይኹን እምበር ፃዕሪ ክግበር ይርኢ ይሰምዕን ይከታተልን ‘የ:: እና ሰላም ንምርካብ በትሪ ብምልዓል ብምፅራፍ ዘይከነስ ኣብ ሓደ ጠረጴዛ ኮፍ ኢልካ ዋላ ግዘ እንተወሰደ ዘቲና መሰመር ምትሓዝ ‘ዩ::

እዚ እነተዘይገይርና ግና ናይ ታሪኽ ፀላእትና ገንዘብ እናኸፈሉ፤ ብዝበለፀ ነኒባዕልና ክንፃላእ ‘ዮም ዝገብሩ:: ኣብ ግድብ ህዳሰ ረኢኻ ኢኻ ብዙሕ ዘተ ተገይረዎ ‘ዩ:: ይኹን እምበር ዓቅሚ ከምዘይብልካ ኣናተሓሰብካ ክተኸይድ ከለኻ ዓቕምኻ ብኻሊእ መንገዲ ከተርኢ ትኽእል ኢኻ:: መንግስቲ ኢትዮጵያ ዓቕሙ ዘርአየ እናተዛተየ ስርሑ ኣየቆረፀን::

ወጋሕታ፡- ዘሕልፍዎ መልእኽቲ እነተዘይሃልዩ ሕቶታተይ ኣብዚ ወዲኣ ኣለኹ፤

ልጅ ዳንኤል ጆቴ፡- ዕድል እንተሂበካኒ ብዙሕ ግዘ ትኹረት ዝገብር ኣብቲ ሕብረተሰብ ‘የ። ኣብቲ ሕብረተሰብ ትኹረት ክገብር ከለኹ ከዓ ኣብ ህፃናት ‘የ ትኹረት ዝገብር:: ኣብዚ ዕደመ ዘለና ቅድም ብዝነበረ ሕማቕ ኣተሓሳስባ ተመሪዝና ኢና::

በቲ ዝነበረ ሕማቕ ኣተሓሳስባ ምኽንያት ዝኾነ ነገር ኳሕ ብዘበለ ቁፅሪ እቲ ፅቡቕ ነገር ሓዲግና ብዘበለፀ ኣብቲ ሕማቕ ኣተሓሳስባ ትኹረት ብምግባር ነቲ መንእሰይ እናመረዝናዮ ኢና መፂእና:: ንሱ ብምዃኑ ነቲ ሕብረተሰብ ሰላሙ ኣስኢናዮ ኢና:: ቅድም ክብል ብሕማቕ ኣተሓሳሰባ ዝወረስናዮ ነገር ከነውፅኦ ክንኽእል ኣለና:: ብነሃትና ዕድመ ዘሎ ሰብ መፍትሒ ምድላይ እምበር ዝሓለፈ ነገር ቁስሊ እናነኻኸአ ነቲ ሕብረተሰብ ምጉዳእ ግቡእ ኣይኮነን ሃገር መጥፍኢ ‘ዩ ‘ውን:: ካብዚ ድማ ክንቁጠብ ኣለና ይብል::

እቲ መንሰይ ‘ውን ካብ ዝሰምዖ ፅቡቕ ፅቡቑ ነገር ንቀፃሊ ኢትዮጵያ ናብ ዝሐሸ ዘሰጋግር ሒዙ ካብ ምኻድ ከይዕገት ሓደራ ይብል:: እቲ በዓል ከዓ ናይ ሰላምን ናይ ፍቕርን ክኸውን ትምኒተይ የሕልፍ:: በዓል ዓድዋ ብሃገር መከላኺሊ ካብ ዝኽበር ንሳልሳይ እዋን ኮይንዎ ኣሎ::

እዚ ድማ ልዑል ክብሪ ረኺቡ ‘ዩ:: መከላኸሊ ሃገር ወፂኡ ናይ ጄትን ሮኬትን ምርኢት ኣካይዱ፤ ሐዚ ዘላ ሃገር ነዚአ ትመስል ኢሉ ዘርእየሉን እቲ ምረኢት ዘቕርብ ‘ውን ንምውጋእ ዘይኮነስ ሰላም ኣብ ምኽባር ኣብ ንገብረሉ እዋን ኢትዮጵያ ዘለዋ ክእለት ኣብ ምርኣይ ዘሓለፈ ንዓለም ሰላምን ናፅነትን ቀዋሚት ምዃና ንምርኣይ ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- ንዝሃቡና ስፍሕ ዝበለ መብርሂ የቕንየልና::

ልጅ ዳንኤል ጆቴ፡– ኣነ ‘ውን የቕንየለይ::

መኣርግ ገ/ሄር፣ ኣብርሃ ሓጎስን መሰረት ገ/ዮንስን

ወጋሕታ 20 ለካቲት 2017 ዓ.ም

Recommended For You