‹‹ዓወት ኩናት ዓድዋ›› ታሪኽ ዓለም ዝቀየረ ዓወት ኢትዮጵያውያን

ሎሚ ዘለናሉ ወርሒ ለካቲት ቕነ በዓል ዓወት ዓድዋ ‘ዩ። ምስዚ በዓል ተተሓሒዙ ኣብናይ ሎሚ እዋናዊ ዓምድና ስለዚ በዓል ኮይኑ ኣብዚ ዘለዎም ሓሳብን መልእኽትን ንከካፍሉና መምህር ተስፋይ ኣለማየሁ ኣቕሪብናዮም ኣለና:: መምህር ተስፋይ ኣብ ክልል ትግራይ ከባቢ መቐለ ኵሓ ከተማ ዝተወለዱ እንትኾኑ ዝዓበይሉን ካብ ቐዳማይ ክሳብ ካልኣይ ብርኪ ዝተማሃርሉን ኣብ ዞባ ምብራቅ ከተማ ዓዲ ግራት ‘ዩ።

ድሕሪ ካልኣይ ብርኪ ትምህርቲ ምውደኦም ኣብ ኮተቤ መምህራን ኮሌጅ ብሞያ መምህርነት ብታሪኽን ሕብረተሰብን ተመሪቖም ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኢሉባቦር ን11 ዓመታት ኣብ ካልኣይ ብርኪ ብመምህርነት ኣገልጊሎም እዮም። ከምኡ ‘ውን ድሕሪ 1986ዓ.ም ጀሚሮም ኣብ ዘፈር ቱሪዝም ቱርጋይድ ኮይኖም ዝሰርሑ ኮይኖም ብተወሳኺ ኣብ ናይ ትግራይ ዲሞክራስያዊ ፓርቲ (ትዴፓ) ነበር ምኽትል ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ኮይኖም ‘ውን ሰሪሖም ‘ዮም። ንሎሚ ኣብ በዓል ዓወት ዓድዋ ዘለዎም ሓሳብ ከኣ ከምዝስዕብ ይገልፁ::

ታሪኽ ዓወት ዓድዋ ታሪኽ ዓለም ዝቀየረ ‘ዩ:: ንምንታይ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ኣተሓሳስባ፤ ፀሊም ህዝቢ ከም ሰብ ዘይኮነስ ከም እንስሳ ጨካንን ድሑርን ተገይሩ ዝይቁፀረሉ ‘ዩ ነይሩ:: እቶም ፀዓዱ ድማ ብጣዕሚ ስሉጡናትን ኩሉ ዝደለይዎ ነገር ክገብሩ ከምዝኽእሉን ‘ዮም ዝቆፅሩ:: ፀለምቲ ህዝብታት ካብኦም ብታሕቲ ከምዝኾነን ናታቶም ላዕላውነት ንምርኣይ ‘ውን ብፍላይ ቕድሚ ጥልያን ናብ ኢትዮጵያ ምምፅኡ ኣብ ዝነበረ ኩነታት ከቢድ ‘ዩ ነይሩ::

ይኹን እምበር ዓወት ዓድዋ ብፍላይ ናይ እንግሊዝ፣ ኔዘርላንድ፣ ፕርቱጋልን ቱርክን ዓለም እናተቆፃፀራ ዝገብርኦ ዝነበራ ፀልዋታት ዘሕፈረ ናይ ዓለም ታሪኽ ዝቀየረ ‘ዩ:: ኣብ ልዕሊኡ ከዓ ዓወት ዓድዋ ንኢትዮጵያውያን ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ መግዛእቲ ዝነበሩ ፀዓዱ ህዝብታት ደቡብ ኣመሪካ እንበዓል ኮሎምብያ፣ ኣርጀንቲናን ብራዚልን ሓዊሱ ዘለዓዓለን ዘነቓቐሐን ‘ዩ::

ታሪኽ ዓድዋ ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝነበራ ሃገራት ኣፍሪካን ካልኦትን ለካ ይክኣል እዩ ንክብላ ዘለዓዓለን ታሪኽ ዓለም ‘ውን ዝቀየረን ‘ዩ:: ብፍላይ ብዓይኒ ፍትሒ ኣብ ትምህርቲ ጥዕናን ካልኦት ዘፈራትን፣ ኣብ ኢኮኖምያዊን ማዕርነትን ክርኣይ ከሎ ታሪኽ ዘቀየረ ‘ዩ ይብሉ መምህር ተስፋይ::

እዚ ከምዘሎ ኮይኑ ኣብዚ ሐዚ ዘለናሉ እዋን ኣንሕና ክንሰርሐሉን ክንነቕሓሉን ዘይከኣልና እንተሃለወ ብመራሕቲ ምዕራባውያን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝግበር ዘሎ ፅዕንቶ ‘ዩ:: እቲ ዝግበር ዘሎ ዝተፈላለየ ፅዕንቶ መበገሲኡ እቲ ኣብ ዓድዋ ዝበፅሖም ስዕረት ዝፈጠሮ ‘ዩ:: ብግድኦም ድማ ሐዚ ንሶም ፈተውቲ ብምምሳል ብዲፕሎማሲ፣ ብወሃብቲ ሓገዝ ኣምሲሎም እቲ ትማሊ ኣብ ዓድዋ ዘሕፈርናዮም ሎሚ ኣብታ ሃገር ዝፍጠር ዘሎ ዝተፈላላዩ ፀገማት ንክፍጠር ይገብሩ ኣለዉ:: ነዚ ዕድል ዝረኸቡ ድማ ኣንሕና ኣብ ታሪኽ ዓወት ዓደዋ ብግቡእ ስለ ዘይሰርሕና ‘ዩ ይብሉ::

ኣብ ኣከባበራ በዓል ብዝምልከት ካብቲ ሐዚ ዝኽበር ዘሎ ንለዓሊ ክኽበር ይግባእ:: ምኽንያቱ እቲ በዓል ዓብዪ በዓል ‘ዩ:: ቀደም ዓወት ዓድዋ እንትኽበር ብዝደመቀ ኩነታት ይኽበር ነይሩ:: ካብ ቤት ትምህርታት ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላላዩ ትካላት ዝግበር ሰልፍን ምድላዋት ስራሕቲ ኪነ ጥበብን ብሓፈሻ ነቲ በዓል ዝወሃቦ ክብርን ልዑል ነይሩ::

ሕዚ ግና ኣብ ኩሉ ከባቢታት ብዝለዓለ ደረጃ ኣብ ምኽባር ድኽመት ኣለና:: ክሳብ ታሕቲ ብደንቢ ክኽበር ኣለዎ:: ክድብዝዝ ከሎ ነቶም ዘሕፈርናዮም ፀዓዱ መሊስና እነሑጉሶም ዘለና ይመሰለኒ ይብሉ:: ነዚ ከም ምኽንያት ዘቕምጠዎ ድማ እኹል ትኹረት ተዋሂብዎ ካብቲ ዘሎ ንለዓ ክኽበርን ክዝከርን ኣለዎ:: ናብ ወለዶ ‘ውን ብግቡእ ክሰግር ኣለዎይብሉ::

ታሪኽ ዓወት ዓድዋ ዓለም ዝቐየረ እንተኾነ ‘ውን ብዝገባእ ደሚቑ ኣናተኸበረ ኣይኮነን:: ምኽንያቱ ካብ ቤት ትምህርትታት ጀሚሩ ዝግባእ ትኹረት ተዋሂብዎ ዝግባእ ምድላው ተገይርሉ ኣይስራሕን ዘሎ ክብል እንተለኹ ካብኡ ንለዓሊ ክኽበር ኣለዎ ማለት ‘የ:: ህፃናት ተምሃሮ ካብ ጀጋኑ ወለዶም ተምሳሌታዊ ትምህርቲ ክወስዱ ኣይግበርን::

ንኣብነት ፀዓዱ ኩዕሶ ንክፃወቱ ናብ ሜዳ ክዓትው ከለው ህፃናት ቆልዑ ብኢዶም ሒዞም ይኣትዉ ‘ዮም:: እዚ ድማ እንታይ ማለት ‘ዩ ተምሳሌታዊነቱ ፅባሕ ከምኡ ዝበሉ ንክፍጠሩ ‘ዩ:: ብተመሳሳሊ ህፃናትና ምስ ጀጋኑ ወለዲ ነቲ በዓል ብስነስርዓት ከኸብሩ ምግባር እቲ ታሪኽ ሒዞም ንክዓብዩ ዝገብር ‘ዩ:: እዚ ግና ኣይግበርን ዘሎ ክግበር ግና ኣለዎ::

ናይዚ እዋን ኣከባብራ በዓል ዓድዋ እንትርኣ ብኣፃብዕቲ ዝቁፀሩ ውሑዳት ተመሪፆም ኣብ እግሪ ሓወልቲ ሑቁፊ ዕምበባ ብምንባር በዓል ተኸቢሩ ‘ዩ ዝበሃል:: እዚ ግና ብምንፅር ግዘፈት እቲ በዓልን ዝህቦ ረብሓን እዚ ዘሎ ኣከባብራ በዓል እኹል ኣይኮነን ዝብሉ እቶም መምህር፤ እዚ በዓል ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ህዝቢ ንክሰርፅ ንስርሓሉ ዶ ኣለና እንተይልና ኣይንሰርሓሉን ዘለና:: ካብቲ ተሰሪሑ ዘሎ ሙዜም ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ብተወሳኺ ኣብ ርእሲ ሰብ ‘ውን ክስራሕ ኣለዎ:: ነዚ ናይ ቀደም ዓወትና ብግቡእ ዘይንዕቅቦ ዘለና ምዃና ‘ውን ፈሊጦም ፀዓዱ ብዝተፈላላየ መንገዲ እናመፅኡ የባልዑና ኣለው ይብሉ::

ከም ገለፃ መምህር ተስፋይ፤ ኢትዮጵያውያን ኣብ ኵናት ዓድዋ ኣፈላላይ ቋንቋ ከይደረቶም ብሓሳብ ሓደ ኾይኖም ዘይትካእ መስዋእቲ ዝኸፈሉ፤ ኣንሕና ለኣላዊነትና ኣኽቢርና ነፃነት ክንወርስ ኢሎም ‘ዮም:: ንሕና ግና ወረስቲ እቲ ጀግንነት ኮይንና ኣይንርከብን ዘለና:: እንዲያውም ምኽባር ዓወት ዓድዋ ዝረሳዕናዮ እዩ ዝመስል::

ስለዚ ካብ ዝተፈላላዩ ትካላት ኣመራራሓ ክሳብ ውልቀ ሰባት ንዓድዋ እኹል ክብሪ ሃልይዎም ንኹሉ ኣብ ትሕቲኦም ዘሎ ሰብ ኣተሓባቢሮም፣ ተምሃሮ ብስርዓት ወፂኦም ከኽብርዎ ‘ዩ ዘለዎ:: እቲ በዓል ብዝግባእ ሽቶ ክወቕዕ መላእ ህዝቢ ከብዕሎ ኣለዎ:: ዓወት ዓድዋ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ናይ መላእ ኢትዮጵያ ዓወት ‘ዩ። ዝለዚ እዚ በዓል ብቀሊሉ ክንሪኦ የብልናን:: ስለዚ መላእ ህዝቢ ተሳቲፉ ዘኽብረሉን ናብ ወለዶ ዝሰገረሉን በዓል ንክኸውን ካብዘሎ ንለዓሊ ምስራሕን ምብዓልን የድሊ::

ከምኡ ‘ውን ቦታት ታሪኽ ዓድዋ ኣብ ምዕቓብ እቲ ታሪኽ ልዑል ግደ ‘ዩ ዘለዎም:: ከም እምባ ዓረዶም፣ እምባ ጎቶቶም፣ እምባ ሰሓቦም፣ እምባ ሶሎዳን እንዳማርያም ሸዊቶምን ዝበሉ ዓብይቲ ታሪኽ ዝተሰርሐሎም ቦታታት ‘ዮም:: ነዚኦም ክንደይ ዛኣክል ሰብ ይፈልጦም እንተይልና ዘዕግብ መልሲ ኣይትረክብን::

ምኽንያቱ ኣብዚ ታሪኻዊ ቦታታት እዚ ዝብሃል ዝተሰርሐሎም ነገር የለን:: ኣብዚ እዋን ናብቲ ቦታ ከይድኻ ታሪኻዊ ቦታታት ምዃኖም ዝፍለጥሉ ምልክት የብሎምን:: ኣብ እምባ ሶለዳ ዓብይ ሓወልቲ ክስራሕ ‘ዩ ተባሂሉ ነይሩ ይኹን እምበር ከይተረሰርሐ ‘ዩ ተሪፉ::

ብፍላይ ከምተጋሩ እንፈጥሮም ኣፍላላይን ዘይምስምዕማዕን ኣብ ዓወት ዓድዋ እውን ከይተረፈ ሓደ ዓይነት ኣተሓሳስባ ዘይምህላው ይርኣይ ‘ዩ:: ኣብቲ ዓብዪ ዓወት ዝሰራሕናሉ ‘ውን ኣይንስማዕምዐሉን:: በዚ ምኽንያት ኣይኮነን ታሪኻዊ ቦታታት ነቶም ኣብኡ ታሪኽ ዝሰርሑ ጀጋኑ ‘ውን ዝገበርናሎም የለን::

ንእኒ ባሻይ ኣውዓሎም፣ ራእሲ ኣሉላ ዝበሉ ጀጋኑ ‘ውን ነቲ ታሪኾም ዝምጥን መዘከሪ ኣለዎምዶ እንተይልና የብሎምን:: እዞም ጀጋኑ ብታሪኻዊ ተግባሮም ኣብ ልቢ ዓለም እናተዘከሩ ዝነብሩ እነተኾኑ ‘ውን ኣብ ነሃትና ልቢ ግና የለውን:: ወለድና ዝሞትሉ ዕላማ ፈሊጥና ተንሰርሕ እኳ እቲ ስራሕ ባዕሉ ሓወልቲ ምኾነ ነይሩ::

ማለት ‘ውን ኣብ ሃገር ኢኮኖሚ፣ ዲሞክራሲን ፈትሒን ተነስፍን ሓደ ነገር ነይሩ:: ብሓፈሻ ታሪኽ ዓድዋ ብዝምልከት ንሰርሕዶ ኢልና ዓርስና ክንሓትትን ክንስርሕን ‘ዩ ዘለና:: ካሊእ ይትረፍ ኣብዚ ዘለና ግንዛበና ዘዕቢ ፓናልን ሰምፖዝምን እንተተኻይዱ ‘ውን ዓብይ ነገር ‘ዩ::

ካብ ዓወት ዓድዋ ብዙሕ ካብ እንመሃረሎም ነገራት እንተሃለዉ ሓደ ሓድነት ‘ዩ:: እዚ ብተግባር ኣብቲ ሓረስታይ ኢትየጵያዊ ዝግለፅ እንተኾነ ‘ውን ኣብቲ ሙሁር እየ ዝብል ነባሪ ከተማ ግና ብዝግባእ ኣይርኣይን ዝበሉ መምህር ተስፋይ፤ በበዝሒ እውን እቲ 85 ሚእታዊ ዝኾነ ሓረስታይ ግና እቲ ሓድነት ዝርኣይን ዝግለፅን ብምዃኑ ተመስገን ዘብል ‘ዩ:: ነታ ሃገር ብፀሎትን ብስራሕን ደው ዝበለላ ‘ውን እዚ ሓረስታይ ‘ዩ። ስለዝኾነ እቲ ምሁር ‘የ ዝብልን ከተመታይን ካብዚ ትምህርቲ ብምውሳድ ናብ ልቡ ክምለስ ኣለዎ ይብሉ::

ብስራሕ ምኽንያት ኣብ ዝተፈላላዩ ከባቢታት ቱሪስታት ኣብ ዘጎብነይሉ እዋን ከም ዝረኣይዎ (መምህር ተስፋይ)፤ እቲ ገባር ህዝቢ ኢትዮጵያ ዓሌት ከይፈለየ ምስኩሉ ብሓድነት ዝንቀሳቀስ ከምዝኾነ ‘ዩ:: ሰለ ዝኾነ እቲ ሙሑር እየ ዝብል ‘ውን ካብዚ ልቢ ውቕዒት ሓረስታይ ብምድማፅ እንተሰሪሑ ካብቲ ዘሎ ዝበለፀ ሓድነት ክዓስል ይኽእል::

ብዝተፈላላየ ኣንፈታት እዛ ሃገር ዝርአ ዘሎ ጎንፅታትን ዘይምስምዕማዓትን ደው ምበለ ነይሩ:: እቲ ሐዚ ዘሎ ኣንፃራዊ ሰላም እዛ ሃገር ‘ውን ሳላ እቲ ሓረስታይ ‘ዩ እሞ፤ እቲ ሓረስታይን ፀኒዑ ይንበር:: ኢትዮጵያ እውን ፀኒዓ ትንበር ብምባል፤ ፈጣሪ ኢትዮጵያን ህዝባን ክሕልው ትምኒቶም ብምግላፅ ሓሳቦም ይዛዝሙ::

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 20 ለካቲት 2017 ዓ.ም

Recommended For You