ዓወት ኩናት ዓድዋ- ናፃነት ፀለምቲ ህዝቢታት

ዘለናሉ ወርሒ ለካቲት ኣብ ታሪኽ ሃገርና ብዓበይቲ ፍፃመታት ካብ ዝዝከራ ኣዋርሕ ሓንቲ ‘ያ እንተተብሃለ ካብ ሓቂ ዝረሓቀ ኣይከውንን። ዓወት ዓድዋ ኣብ23 ለካቲት 1888 ዓ.ም ዝተፈፀመ ድሙቕ ዓወት ‘ዩ፡፡ ወርሒ ለካቲት ኣብ ህዝብናን ሃገርናን ዓበይትን ደመቅትን ተዘክሮታትን ዘለዋን፤ ንናይ ኣይግዛእን ባሃላይነትን ዓወትን ተምሳሌት ‘ያ።

ኣብዛ ወርሒ ብዙሓት መበገሲ ሓርነት ዝኾኑ ፍፃመታትን ዝተጀመረላን ምእንተ ሉኣላዊ ሃገሮም ንኸየድፍሩ ፀረ ባዕዳውያን ወረርቲ ዝተዃሽሑላን ታሪኽ ዝቀየሩ ዓወታት ‘ውን ዝተዓተረላን በቢዓመቱ ዝዝከረላን ወርሒ ‘ያ፡፡ ብተሳትፎ መላእ ኢትዮጵያውያን ዝተረኽበ ዓወት ጥራሕ ዘይኮነስ ዓወት መላእ ፀለምቲ ‘ውን ከምዝኾነ ዝዝረበሉን ዝተፀሓፈሉን ዓወት ዓድዋ በቢ ዓመቱ እናተዘከረ ይርከብ፡፡

እዚ ድማ ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ ቀደም ካብ ጥንቲ ጀሚሩ መግዛእቲ ፍፁም ዘይቕበል፤ መሰል ናይ ህዝብታት ክርገፅን ክጭቆንን ዘይፈቅድ፣ ሉኣላውነትን ሓድነታዊ ግዝኣትን ንምዕቃብን ንምኽባርን ንድሕሪት ዘይብል፤ ብሓፈሻ ንብሄራዊ ኽብሩን መንነቱን ዘይደራደር ህዝቢ ምዃኑ ደጊሙ ደጋጊሙ ዘረጋገፀሉ ኣብ ወርሒ ለካቲት ዝተኻየደ ኹናት ዓድዋ ‘ዩ። ህዝቢ ኢትዮጵያ ንባርነትን መግዛእትን ኣሜን ኢሉ ክቕበል ፍፁም ዘይሕሰብ ምዃኑ ንፈታዊን ፀላእን ዘረጋገፀ ህዝቢ ‘ዩ ፡፡

እዚ ዓወት፣ ዓወት ሓደ ክፋል ማሕበረሰብ ወይ ብሄር ጥራሕ ዘይኮነስ ፆታ፣ ዕድመ፣ ብሄርን ሃይማኖትን ከይፈለየ ቆልዑትን ሽማግለታትን፣ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኩሉ ዜጋ በቢሞይኡ ብምስታፍ ዝረኸቦን፤ ንመላእ ኢትዮጵያውን ኣፍሪካውን ንናፅነት፣ ሉኣላዊነትን ጭቆናን ንምንጋፍ ዝቃለሱ ኩሎም ተምሳሌት ሓድነት፣ ምትሕብባርን ሰዓራይነትን ከምዝኾነ ብዙሓት ፀሓፍቲ ዝገልፅዎ ሓቂ ‘ዩ።

ኣብ ዓድዋ ጣልያን ተሳዒሩ እንትበሃል እቲ ዝተጎናፀፍናዮ ዓወትን ዝሰዓርናዮን ዘርኣውነት ‘ዩ። ብመን ‘ዩ ተወቒዑ ተሳዒሩ እንተይልና ድማ ናፅነት ብዝደልዩ፣ ማዕርነት ደቂ ሰባት ብዝኣምኑ፣ ንሃገሮም ክብርን መስዋእትነትን ንምኽፋል ብሓድነት ጠጠው ብዝበሉ ኢትዮጵያውያን ዩ፡፡ ኣንፀባራቒ ዓወት ድማ ኣምፂኦም ፡፡

በቲ ዝተኻየደ ውግእ ቡዙሓት ሰባት ከምዝሞቱ፣ ከምዝተጎድኡ፣ ይፈልጥ ’ዩ፤ ይኹን እምበር ኣብ ሓደ ሰሚሩ ኣንፃር ባዕዳውያን ወረርቲ ተሰሊፉ ዝተዋገአ ብምዃኑ፣ ፀላእቱ ከሕፍር ክኢሉ ‘ዩ፡፡ ኣብ ታሪኻዊ ቦታ ዓድዋ ጥራሕ እንተይኮነስ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያ ‘ውን ጀግንነቱን ኣርእዩ ‘ዩ፡፡ በዓል ዓወት ዓድዋ ቀዳሞት ኢትዮጵያዊያን ክብረት መንነቶም ዘሐለውሉ፣ ኣብ ብዝሑነቶም ውሽጢ ናይ ሓባር ሓቂ ዝተኸተብሉ፣ ንዓለም ፀለምቲ ሕዝብታት ቀዳሞት መርኣያ ኮይኖም ንነፃነቶም ክዋደቁ ሓቦ ዝሰነቁሉ ናይ ኩሉ መጀመሪያ ‘ዩ።

ዓወት ዓድዋ ውፅኢት ተሳትፎ ሕብረት ‘ዩ፤ ሕብረት ደሚቁ ዝተረኣየሉ፣ መራሕን ተመራሕን ዝተናበቡሉ ካብ ኣነ ዝብል ኣተሓሳስባ ብምውፃእ ኣንሕና ብዝብል ሓቢሮም ሓያል ኩርናዕ ዝፈጠሩሉ ዓውዲ ‘ዩ ነይሩ። ሕብረት፣ ምንባብን ሓድነትን እንትድመሩ ሓቦ፣ ሓይልን ጥበብን ይፈጥሩ፤ ናብ ዝተተለመ ዕላማ ንምብፃሕ ‘ውን ቅኑዕ መንገዲ ይፈጥሩ፤ ዓወት ዓድዋ እዚ ‘ዩ ዘምህረና፡፡

ኣያታትና ኣብ ውግኣት ጉንደት፣ ጉራዕ፣ ሰሓጢት፣ ደጉዓሊ፣ እምባ ኣላጀ፣ እንዳየሱስን መቐለን ካልኦትን ኣንፃር ብርክት ዝበሉ ባዕዳዊ ወረርቲ በይኖም ዘኹርዕ ጀግንነት ፈፂሞም ዓዶም ካብ ኣርዑት መግዛእቲ ከይትኣቲ ገይሮም ‘ዮም። ኢትዮጵያ ተሓፊራን ተኸቢራን ዝነበረት ሃገር ምዃና ዓለም ይፈልጥ ‘ዩ። ካብቶም መግለፅታት ጅግንነት እቲ ሓደ ድማ ዓወት ዓድዋ ‘ዩ።

ብርግፅ ንጅግንነት ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተቐባበሉ ካብ ዝመፁ ትውፊታት ምርዳእ ንኽእል ኢና። እዚ ቅድሚ ዓድዋ ኾነ ድሕሪ ዓድዋ ዝነበረን ዘሎን መግለፂ ኢትዮጵያዊነት ‘ዩ፡፡ በዚ መሰረት ድማ ኩሎም ፀለምቲ ህዝብታት በዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ብዘምፅእዎም ፍፃመታት ፍትሒ፣ ሰላምን ዲሞክራሲን ዝረኸቡ ህዝብታት ዓለም ክውሕዝሉ ዝግባእ ቃልሲ ናፃነት ጎቦታት ዓድዋ ተፅኒዖምን ለሚዖምን

ንተመራመርትን ንጎብነይትን ሰሕብቲ ዝኾኑ ነቲ ፍፃመ ዘቅፅሉ ብርክት ዝበሉ ንጥፈታት ክህልዉ ይግባእ። ርግፅ ንዓወት ዓድዋ ዝገልፁ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ስነ- ጥበብ ኣለዉ። ናይ መድረኽ ተዋስኦታት፣ ፊልምታት ኣለዉ። ብኣብዝሓ ግና ኣፋዊ ግጥምታትን ግጥምታት መድብልን ‘ዮም። እቶም ንዓድዋ ዝገልፁ ስራሕቲ ስነ- ጥበብ ኣብ እዋን ኵናት ዓድዋን ድሕሪ እቲ ኵናትን ኩርዓት ንምግላፅ ዝተደርደሩ ‘ዮም።

ሓደ ሓዲኦም ኣብ ግዜ እቲ ኵናት ዝተሳተፉ ዝገጠምዎም ‘ዮም፤ እቶም ሓደ ሓደ ድማ ኣብቲ እዋን ኵናት ህዝቢ ንሓርበኛታት ንምብርትታዕን ስምዒት ሓጎሱ ንምግላፅን ዝገጠሞም ‘ዮም። ኻልኦቶም ድማ ውሩያት ድምፃውያን ንዓወት ዓድዋ ንምውዳስ ዝደረፍዎም ‘ዮም። ኣብ ኵናት ዓድዋ ዝለዓለ ግደ ዝነበሮም ጀጋኑ ተወዲሶም ‘ዮም። ኸዚ ‘ውን እዚ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ፡፡ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እዚ ወርቃዊ ዝኾነ ታሪኽ ክሳገር ዝኽእል በዚ መንገዲ ጥራሕ ‘ዩ፡፡

ክብርታት በዓል ዓድዋ ንምርካብ ዝተኸፈለ መስዋትነት ቀሊል ስለዘይኾነ እዚ ታሪኽ ዓቂብና ሰላምና ዝበለፀ ንክሰፍን ሓድነትና ዝያዳ ክሰጥም ሞራልና ክብርኽ ህልው ፀገማትን ዓፀባታትን ህዝብና ብእዋኑ ብልዑል ትኹረት ክንፈትሕ ጥንኩር ሓድነት የድልየና። ናይ ማዕዶ ሙቁማት ገዲፍና ኣብ ናይ ባዕልና ዋኒን ትኹረት ገይርና ህልው ዓቅምታት ወዲብና ፈተናታትና ናብ ረብሓ ቀይርና ክንጓዓዝ ይግባእ።

ስለዚ ብፍላይ ኣብ ትግራይ ዘሎ ናይ ረብሓን ስልጣን ህርፈት ተወጊዱ ንረብሓ ህዝቢ ምስራሕ የድሊ፡፡ ኣብ ኩናት ዓድዋ ህዝቢታት ኢትዮጵያ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ተኣኻኺቦም ዘሚቶም ሂወቶም ክግብሩ እንተለዉ ንውልቀ ስልጣንን ረብሓን ኣይነበረን ክብሪ ህዝቢን ሃገርን ብምቕዳም ‘ዩ፡፡ ስለዚ ካብዚ ዓብዪ ትምህርቲ ወሲድና ሕዚ ‘ውን ኣይረፈደን ካብ ንሕንሕ ስልጣን ወፂና ንህዝቢ ከንኽሕስ ይግበአና፡፡

እዚ ዓምዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ዜጋታት ናፃ ሓሳቦም ዝህብሉ እዩ። ኣብዚ ዓምዲ ዝወፅኡ ፅሑፋት ናይ ክፍሊ ምስንዳእ ቅዋም አይኮኑን።

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ 20 ለካቲት 2017 ዓ.ም

Recommended For You