ኣብ ዓድዋ ዝተረኽበ ዓወት ኣብ ኢኮኖሚ ይደገም

ዓወት ኩናት ዓድዋ ቕድሚ 129 ዓመት ዝተፈፀመ ነይሩ፡፡ ኣብ ኩናት ዓድዋ ብዙሓት ኢትዮጵያ ካብ ተፈላላዩ ኩርናዓት ሃገርና ተጎዓይዞም ብምትእኽኻብ ድሙቕ ዓወት ኣመዝጊቦም ሓሊፎም ‘ዮም፡፡ ኣብ ኩናት ዓድዋ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ብሃይማኖት፣ ብሄር፣ ቋንቋን ፆታን ከይተደረተ ከከም ዓቕሙ ተሳቲፉ ክቡር ዋጋ ከፊሉ ‘ዩ፡፡ አዕፅምቱ ከስኪሱ ንመላእ ፀለምትታት ዓለም ዘኹርዕ ታሪኽ ኣስኒቑ ‘ዩ፡፡

ዓወት ኩናት ዓድዋ ካብ ዓወት ኢትዮጵያውያን ሓሊፉ ኩላይ ኩርዓትን ሓቦን መላእ ፀለምቲ ህዝቢታት ዓለም ‘ውን ኮይኑ ‘ዩ፡፡ እዚ ከንብል እንተለና ዓወት ኩናት ዓድዋ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪካ ንናፅነቶም ንኽለዓዓሉ መሰረት ኣንፂፉ ‘ዩ፡፡ ስለዚ ዓወት ዓድዋ ካብ ኢትዮጵያውያን ሓሊፉ ንብዙሓት ሃገራት ዓለም ትምህርቲ ዝሃበ ‘ዩ፡፡

በዚ ምኽንያት መንነትና ከይተበረዘ ከም ድላይና ናፅናትናን ባህልናን ነስተማቕሮ ኣለና፡ ፡ ሳላ እዚ ዓወት እዚ ‘ዩ እዚ ትውልዲ እዚ ኮሪዑ ዝነብር ዘሎ፡፡ ነዚ ኢና ድማ ዓወት ዓድዋ ናይ ኩላትና ናይ ዓወት ምልክት ‘ያ ኢልና ብሓባር በቢዓመቱ ብድሙቕ ነኽብሮ ዘለና። ዓወት ዓድዋ ወለድና ንኹላትና ዘውረሱና ክቡር ህያብ ‘ዩ፤ ከም ግድብ ኣባይ ዘተኣሳስረና ጠንካራ ገመድ ‘ዩ፤ ዝተፈላላየ ቋንቋ ከንዛረብ ንኽእል ኢና፤ ብብዙሕ መዳይ ሓደ ዘይከንኸውን ንኽእል ኢና፤ ኮይኑ ግና ብጉዳይ ሃገር ሓደ ኢና፡፡

ዓወት ኩናት ዓድዋ ካብፍቶም ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ናይ ደገ ወረርቲ ዝተኻየዱ ቓልስታት ሓደ እምበር እዚ ጥራሕ ኣይነበረን፡፡ ቕድሚ ዓወት ኩናት ዓድዋ ኣብ ተፈላላዩ ቦታታት ብዙሓት ኣንፃር ባዕዳውያን መግዛእቲ ኵናታት ተኻይዶም ብዓወት ኢትዮጵያውያን ተኸንቢቶም ‘ዮም፡፡

ካብ ዝተገበሩ ብዙሓት ውግኣት ኣብ ከም ጉንደት፣ ጉራዕን ዶግዓሊን ዝመሳሰሉ ምጥቓስ ይከኣል ‘ዩ፡፡ ኮይኑ ግና ኩናት ኣድዋ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ህዝቢታት ኢትዮጵያ ዝተሳተፍሉን ከቢድ ኩናትን ስለዝነበረ ብተደጋጋሚ ይለዓልን በቢ ዓመቱ ብድምቐት ይኽበርን ኣሎ፡፡ ሚስጢር ዓወት ኵናት ዓድዋ ፍቕሪ ሃገር፣ ሓድነትን ፅንዓትን ‘ዩ፡፡ ወለድና ንባዕዳዊ ወራሪ ኣይንግዛእን፣ ባርነት ኣይንቕበልን ብዝብል ዕላማን መትከልን ፀኒዖም ሳላ ዝተቓለሱ ባህሊ፣ ቋንቋ፣ ሃይማኖት ከይተበረዘ ንወለዶ ክመሓላለፍ ክኢሉ ‘ዩ፡፡

ንሕና ኢትዮጵያውያን ብፍላይ ድማ ናይ ሕዚወለዶ ካብዚ ዓብዪ ቑም ነገር ከንመሃር ይግባእ፡፡ ኣቦታትና ሓድነቶም ብምስጣም ንናፅነት ህዝብታትን ልኣላውነትን ሃገር ብዙሕ ዋጋ ከፊሎም ናፅነት ከጎናፅፉና ዝኸኣሉ ብሃገር ጉዳይ ሓደ ስለዝኾኑ ‘ዮም፡፡ እዚ ንኽብሪ ኢትዮጵያውነትን ልኡላውነትን ሃገር ዝተኸፍለ መስዋእቲ ሎሚ እንሕበነሉ ኣለና፡፡

በዓል ኩናት ዓወት ዓድዋ በቢ ዓመቱ ክኽበር እንተሎ ቒም ንምሓዝ እንተይኮነስ ሓድነት ኣስጢምካ ኣብ ኢኮኖሚን ልምዓትን ሃገርና ከም ኣባይ ዝበለ ልምዓት ንምምዝጋብ ትምህርቲ ንምውሳድ ‘ዩ፡፡ ንሕና ወለዶ ኣብ ሓድነት፣ ፅንዓት፣ ሰላም፣ ኢኮኖሚያዊ ዕቤትን ካልኦት ንሃገርና ንቕድሚት ኣብዘስጉሙ ነገራት ኣበርቲዕና ንምስራሕ ‘ዩ፡፡

ስለዚ ናይዚ በዓል ትርጉም ብምዕቓብ ናይ ዓወትና ዋናን ዓብይን ምሽጥር ዝኾነ ሕብረ ብሔራዊ ሓድነትና ኣፅንዒና ብምሓዝን ካባና ትፅቢት ዝግበር ኩሉ ክንዋፃእ ይግበኣና፡፡ ካብ ዓወት ዓድዋ እቲ ሕዚ ዘሎ ወለዶ ካብ ዝሓለፈ ታሪኽ ወለዱ ትምህርቲ ብምውሳድ ብፍላይ ሰላምን ሓድነትን ብምዕቓም ኣብ ኢኮኖሚ ታሪኽ ክሰርሕ ይግበኦ፡፡

ምኽንያቱ ወለድና ልኣላውነት ሃገር ዋላ እንተውረሱና ኣብ ዕቤት ኢኮኖሚ ግና ክሳብ ሕዚ ብዙሓት ክፍተታት ኣለዉና፡፡ ስለዚ ብኢኮኖሚ ዓርስኻ እንተዘይክኢልካ ናይ ኢኮኖሚ ልኣላውንትን ናፅነትን ስለዘይህልወካ ኣብዚ ጉዳይ እዚ በርቲዕና ብምስራሕ ካሊእ ዓወት ከም ወለድና ክነመዝግብ ይግበአና፡፡

ወጋሕታ 20 ለካቲት 2017 ዓ.ም

Recommended For You