እናተኻየደ ኣብ ዘሎ ቶኪዮ 2020 ኦሎምፒክ ኢትዮጵያ ንዓብይ ውፅኢት እትፅበዮም ርሕቀት መዳልያ እናመዝገበት ትርከብ። ደቂ ተባዕትዮ ሰለስተ ሽሕ መሰናኽል ውድድር ለሜቻ ግርማ ብሩር እንተመዝግብ ደቂ ኣንስትዮ ሓሙሽተ ሜትር ሜትሮ ሜዳልያ ንሓስ ብኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ተመዝጊቡ እዩ።
ደቂ ተባዕትዮ ሰለስተ ሽሕ መሰናኽል ኢትዮጵያ ብታሪኽ ንመጀመርያ እዋን ሜዳልያ ወርቂ ንምርካብ ዓብይ ዕድል ዝነበራ እንተነበረ’ውን ከይተሳኸዐ ተሪፉ እዩ። እዚ ኾይኑ’ውን ኣትሌት ለሜቻ ግርማ ዘመዝገቦ ሜዳልያ ብሩር ንኢትዮጵያ በዚ ርሕቀት ናይ መጀመርያ ዓብይ ውፅኢት ኾይኑ እዩ።
እቲ ውድድር ንኢትዮጵያ ፈታኒ ብዘይምዃኑ ናይቲ ርሕቐት ኮኾባትን ባህሎምን ዝኾነ ኬንያታት ኣትሌታት ብዘይምንባሮም ስዒቡ ኢትዮጵያ ወርቂ ሜዳልያ ናይ ምርካብ ሰፊሕ ዕድል ነይርዋ እዩ። ኣብዚ ሻምፒዮና ለሜቻ ኬንያውያን ኣትሌታት ኣብዚ ኦሎምፒክ ብዘይምህላዎምን ካልኦት ኬንያውያን ድማ ኣብ ፅቡቕ ቅዋም ብዘይምዃኖም ከምኡ’ውን ኣብቲ ርሕቀት ኣትሌት ጌትነት ዋለ ኣብቲ ውድድር ምስታፉ ተደሚሩ ኢትዮጵያውያን እቲ ወርቂ ከምዝወስዱ ግምት ተዋሂቡ ነይሩ። ኣብቲ ውድድር ትፅቢት ከምዝተገበረ ኽልቲኦም ኣትሌታት ኢትዮጵያ ዝሓሸ ብቅዓት ዘርኣዩ እንትኾኑ ብኣንፃሩ ድማ ኬንያውያን ተዳኺሞም ተራእዮም እዮም። ፅቡቕ ብቅዓት እንተነበረ’ውን ኣብ ምዝዛም ተበሊፁ ናይ ሜዳልያ ብሩር ተሸላሚ ኾይኑ እዩ።
ለሜቻ እዚ ሜዳልያ ንኢትዮጵያ ኣብ ታሪኽ ናይ መጀመርያ ብምዃኑ ዓብይ ዓወትን ዝጥቀስን እንተኾነ’ውን ወርቂ ዝሳኣነሉ መገዲ ዘናስሕ እዩ ነይሩ። ካልእ ኢትጵያዊ ጌትነት ዋለ ኣብቲ ውድድር ዘርኣዮ ጠንካራ ንሕንሕ እንተናኣሰ ሜዳልያ ነሓስ ናይ ምውሳድ ዕድል እንተነበሮ’ውን እቲ ውድድር ክውዳእ ቅሩብ ሜትር እንትተርፎ ብምዕንቃፉ ካብ ሜዳልያ ወፃኢ ምዃኑ ዘናስሕ ኣጋጣሚ እዩ። እዚ ኾይኑ’ውን ኢትጵያውያን በዚ ርሕቀት ዓብይን ሓድሽን ታሪኽ ሰሪሖም እዮ።
ኣብ ሓሙሽተ ሽሕ ዝተገበረ ውድድር ድማ ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ሜዳልያ ንሓስ ክትረከብ ክኢላ እያ። እዚ ውድድር ትውልደ ኢትዮጵያዊት ኔዘርላንድ ኣትሌት ሲፋን ሃሰን ሰዓሪት ብምዃን ወርቂ ወሲዳ እያ። ኬንያዊት ሄለን ኦቢሪ ሜዳልያ ብሩር እንትወስድ ዓብይ ንሕንሕ ዝገበረት ጉዳፍ ፀጋይ ናይ ነሓስ ሰዓሪት ኾይና እያ። እጅጋየሁ ታዬን ሰንበሬ ተፈሪን ራብዓይን ሓምሻይን ኮይነን ብምዝዛም ብርኪ ዲፕሎም ረኺበን እየን። ኣብዚ ውድድር ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብፍላይ ድማ ጉዳፍን እጅጋየሁን ወርቂ ንምውሳድ ዓብይ ፃዕሪ እንተገበራ’ውን ከም ጉጅለ ስራሕ ዝሓሰብዎ ነገር ኣይተሳኸዐለንን።
‹‹ናይ ጉጅለ ኣዕርኹተይ ብዝናብ ዝተፀገማ ይምስለኒ። ዝተዳለውናሉ ምስራሕ ብዘይምኻኣልና ኣነ’ውን ድሕሪ ትሻዓንተ ዙር ዝተሓሰበ ታክቲክ ምትግባር ከይካኣልኩ ተሪፈ። ኣብ መፃረይ ኣብ ፅፍረይ ንእሽተይ ጉድኣት ነይራትኒ።ኾይኑ ግና ከም ሰበብ ክውሰደለይ ኣይደልን። ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብይ ወርቂ ተፀብዩ ነይሩ ግና ኣይካኣልኩን። ኣብ ቀፃሊ ግና ካብዚ ንላዕሊ ፃዕሪ ክገብር እየ›› ብምባል ድሕሪ እቲ ውድድር ንመራኸቢ ሓፋሽ ሪኢቶ ሂባ እያ።
ከምኡ’ውን ደቂ ተባዕትዮ ሓሙሽተ ሽሕ ሜትር ኣብ ዝተኻየደ መፃረይ ውድድር ኣትሌት ሚልኬሳ መንገሻ ንፍፃመ ሓሊፉ እዩ። ብኽልተ ምድብ ተኸፊሉ ኣብ ዝተኻየደ ሓሙሽተ ሽሕ ሜትሮ ዝተሳተፉ ኣትሌታት ሚልኬሳ መንገሻ እንትሓልፍ ፤ ኣትሌት ጌትነት ዋለን ንብረት መላክን ከይሓለፉ ተሪፎም እዮም። ኣትሌት ሚልኬሳ መንገሻ 13፡31.13 ሻድሻይ ብምውፃእ ናብቲ ፍፃመ ተሓዊሱ እዩ። ኣትሌት ጌትነት ዋለ ተሽዓይ፣ ኣትሌት ንብረት መላክ ዓሰር ኣርባዕተ ብርኪ ብምሓዝ ውድድሮም ዛዚሞም እዮም።
መሰረት ገ/ዮሃንስ
ወጋሕታ 29 ሓምለ 2013 ዓ.ም