‹‹ኢትዮጵያ ንምዕዋት ዕላማታትን መትከላትን እቲ ሕብረት ዘለዋ ቁርፀኝነት ኣብቲ ጉባኤ ምድላውን እንግዶትን ብተግባር ክተርእይ ክኢላ ‘ያ››  -ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን “ምምላስ ፍትሒ ንኣፍሪካውያንን ንዘርኣ ኣፍሪካውያንን” ብዝብል ቴማ ዝተኻየደ መበል 38 ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ብዕውት ከምዝተዛዘመ ይዝከር። ኣብቲ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካ፣ ከምኡ’ውን ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ሓዊሱ ሓለፍቲ ዝተፈላለዩ ዓለምለኻውያን ትካላት ተሳቲፎም ‘ዮም።

እቲ ዋዕላ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት ኣህጉር ዘትዩ ውሳኔታት ዘሕለፈ እንትኾን ኣብ ትካላዊ ፅገናታት ሕብረት ኣፍሪካ፣ ምሕዳስ ፍትሒ፣ ኣፍሪካ ኣብ ባይቶ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚ ውክልና ንምርካብ እትገብሮ ዘላ ቀፃሊ ፃዕሪ፣ ከምኡ’ውን ኣጀንዳታት ሰላምን ፀጥታን ኣህጉር ዘተኮረ ‘ዩ ነይሩ።

ኣብ’ቲ ዋዕላ ብተወሳኺ ኣብ ኣተገባብራ ከባቢ ናፃ ንግዲ ኣፍሪካን ኣህጉራዊ ንግድን ቁጠባዊ ውህደትን፡ ሕርሻን ለውጢ ከባቢ ኣየርን ፣ሰብኣዊ መሰላት፣ምብቃዕ ስርዓተ ፆታን መንእሰያትን ከምኡ’ውን ትካላዊ ምድላዋት ተዘትዩሉ ‘ዩ። ኣብቲ ዋዕላ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጅቡቲ ማሕሙድ ዩሱፍ ሓድሽ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ኾይኖም ዝተመረፁ እንትኾን ኣቦ መንበር እቲ ኮሚሽን ነበር ሙሳ ፋኪ ማሃማት ናይ ክብሪ ምፍናው ተገይርሎም ‘ዩ።

ኣብ መበል 38 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ንምስታፍ ፕረዝዳንትታት ቀዳማይ ሚኒስትርትን ቀዳማዊት እመቤትን አዲስ አበባ እንትኣትዉ ደማቕ ዝኾነ ኣቀባብላ ተጉይርሎም ‘ዩ፡፡ ካብዞም ዝኣተዉ ኣጋይሽ ፕሬዚዳንት ኮሞሮስ ኣዛሊ ኣሱማኒ፣ ፕሬዚዳንት ናይጄሪያ ቦላ ኣሕመድ ቲኑቡ ፣ ፕሬዚዳንት ኢኳቶሪያል ጊኒ ኦቢያንግ ኑጌሚያ ባሶንጎ ፣ ፕሬዚዳንት ቦትስዋና ዱማ ጌዲዮን ፣ፕሬዚዳንት ኣንጎላ ዣዎ ማኑኤል ጎንሳልቬስ ሎሬንስ፣ ፕሬዚዳንት ሴኔጋል ባሲሩ ዲዮማዬ ፋዬ ፣ፕሬዚዳንት ዛምቢያ ሃካይንዴ ሂቼሌማ ፣ ፕሬዚዳንት ላይቤሪያ ጆሴፍ ዩማ ቡይካይ ፣ፕሬዚዳንት ካሜሮን ጆሴፍ ጀን ጉቴ ፣ቀዳማይ ሚኒስትር ሌሴቶ ሳሙኤል ማቲቃኒ፣ ፕሬዚዳንት ሪፐብሊክ ኮንጎ ዴኒስ ሳሶ ንጉዌሶ ፣ፕሬዚዳንት ኣልጄሪያ ኣብድልማጂድ ተቡንን ፕሬዚዳንት ዚምባብዌ ኤመርሰን ምናንጋግዋን ኣብ መበል 38 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ንምስታፍ ኣዲስ ኣበባ ተረኺቦም ካብ ዝተሳተፉ መራሕቲ ኣፍሪካ ‘ዮም።

ከምኡ ድማ ኣብቲ ጉባኤ ፕሬዚደንት ኬንያ ዊሊያም ሩቶ፣ ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝ፣ አቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋኪ ማሃማት፣ ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ሕቡራት ኤሚሬታት ዓረብ ሼኽ ሻክቡት ቢን ናህያን ኣልናህያንን ዋና ፀሓፊ ኢጋድ ወርቅነህ ገበየሁ(ዶ/ር)ን ሓዊሱ ካልኦት ተወከልቲ ዓለም ለኸ ትካላት ተሳቲፎም። እቶም ፕሬዚዳንትታት ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ ብሚኒስትራትን ብላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕን ኢትዮጵያ ናይ ክብሪ ኣቀባብላ ተገይሩሎም ‘ዩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም ካብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ ፤ ኢትዮጵያ ንሰላምን ምርግጋዕን ህዝቢ ሱዳን ሓገዛ ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ፤ ኣብ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ሱዳን ዝዝቲ ጉባኤ መራሕቲ ብኣሰናዳእነት ኢትዮጵያ፣ ሕቡራት ዓረብ ኤሚሬታት ፣ ሕብረት ኣፍሪካን ኢጋድን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ከምዘሎ ገሊፆም ‘ዮም። እቲ ጉባኤ ቅልውላው ሱዳን ጠጠው ንምባል ብፍላይ ኣብ እዋን ፆም ረመዳን ምቁራፅ ተኹሲ ንኽግበርን ሰብኣዊ ሓገዝ ንሱዳናውያን ክበፅሕን ንምኽኣል ዝዓለመ ‘ዩ።

ኢትዮጵያን ሱዳንን ጎረባብቲ ሃገራት ጥራሕ ዘይኮናስ ጥንኩር ምትእስሳር ዘለወን ሃገራት ኢየን ኢሎም። ኢትዮጵያ ኣብዚ ኣፀጋሚ እዋን ኣብ ጎኒ ህዝቢ ሱዳን ክትከውን ‘ያ፤ ብዘለዋ ዓቕሚ እትገብሮ ሰብኣዊ ሓገዝ ‘ውን ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ኣረጋጊፆም። በዚ ድማ ኢትዮጵያ ንሱዳን ዝኸውን 15 ሚሊየን ዶላር ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝለገሰት እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጦም ‘ዮም።

ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ኣብ ሱዳን ዘላቒ ሰላም ንምዕሳል ከምኡ ‘ውን ተዋጋእቲ ሓይሊታት ሱዳን ንሰላማዊ መፍትሒ ንኽስለፉ ፃውዒት ኣቕሪቦም ‘ዮም። እዚ ስዒቡ ድማ ሕቡራት ኤሚሬታት ዓረብ ተወሳኺ 200 ሚሊየን ዶላር ሓገዝ ሂባ ‘ያ። ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ሱዳን ሰላምን ምርግጋዕን ንኽመፅእ እናገበሩዎ ንዝርከቡ ፃዕሪ ድማ ኣመስጊኖም።

ብተወሳኺ ድማ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ምስ ዝተፈላለዩ ተሳተፍቲ መራሕቲ ዘተ ኣካይዶም ‘ዮም፡፡ ንኢትዮጵያ ኣባል ትካል ንግዲ ዓለም ንምዃን ዝጀመረቶ ከይዲ ኣብ ሓፂር እዋን ንምዝዛም ብትኹረት እናተሰርሐ ከምዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝገለፁ ምስ ዋና ዳይሬክተር ትካል ንግዲ ዓለም ንጎዚ ኦኮንጆ ኢዌላ (ዶ/ር) ኣብ ዝተዛተይሉ እዋን ‘ዩ፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣባል ትካል ንግዲ ዓለም ንምዃን ፃዕሪ ክትገብር ምፅንሓ ኣዘኻኺረን ፡፡ ኣባል እቲ ትካል ንምዃን ዘድልዩ መዐቀንታት ንምፉካስ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ‘ውን ኣገንዚበን፡፡ ኢትዮጵያ ተግባራዊ እናገበረቶም ኣብ ዝርከቡ ሃገር በቆል መመሓየሺ ኢኮኖሚ ዝምልከት ነተን ዋና ዳይሬክተር ገለፃ ዝገበሩ እንትኾን፤ ኣብቲ እዋን ዘተ ኢትዮጵያ ብሄራዊ ረብሓኣ ብዝሓለወ መልክዑ ኣባል እቲ ትካል ንክትኾን ትፅቢት ይግበር ከምዘሎ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣመልኪቶም ‘ዮም፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት መፍትሒታት ዘላቒ ልምዓት ኔትዎርክ ሕቡራት መንግስታት ጄፍሪ ዲ ሳች (ፕ/ር) ‘ውን ተዛቲዮም ‘ዮም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ ፅሑፍ፤ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኮሎምቢያ ዳይሬክተር ማእኸል ዘላቒ ልምዓትን ፕሬዚዳንት መፍትሒታት ዘላቒ ልምዓት ኔትዎርክ ሕቡራት መንግስታት ጄፍሪ ዲ ሳች (ፕ/ር) ከምዝተዛተዩ ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ዘተኦም ድማ ምስ ዕቤት ኣብ ዝተተሓሓዙ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ከምዝተዛተዩ ብምግላፅ፣ ጄፍሪ ዲ ሳች (ፕ/ር) ሕዚ ‘ውን ናይ ኢትዮጵያ ፅቡቕ ፈታዊ ከምዝኾኑ ኣልዒሎም፡፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ዳይሬክተር ጄነራል ትካል ምግቢን ሕርሻን ሕቡራት መንግስታት (ዩኤንፋኦ) ኩ ዶንግዩን ‘ውን ዘተ ኣካይዶም ‘ዮም፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላፉዎ መልእኽቲ፤ ዳይሬክተር ጄነራል ኩ ዶንግዩን ዳግም ምርካቦም ኣብ ክልተኣዊ ጉዳያት ኣድሂቦም ውፅኢታዊ ዘተ ከምዝገበሩን ገሊፆም፡፡ ኣብ ዘተኦም ድማ “ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ፣ ዘላቕነትን ኣብቲ ዓውዲ ዘድሊ ፅንዓትን ተሓባቢርካ ናይ ምስራሕ ዘለዎ ኣድላይነት ብምዝኽኻር ናይ ኢትዮጵያ ቀፀልቲ ፃዕሪታት ስራሕቲ ሕርሻ ተመልኪትና” ኢሎም።

ከምኡ ድማ ምስ ፕሬዚዳንት ሴኔጋል ባሲሩ ዲዮማዬ ፋዬ ዝተዛተዩ እንትኾን ፤ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ክልቲኣዊ ርክብ ምጥንኻር ኣብ ዘኽእሉ ኩነታት ፅቡቕ ዘተ ከምዝተገበረ ገሊፆም ‘ዮም። ንዘጋጥሙና ፈተናታት አብ ምክልኻል ኣድሂብና ብጠንካራ ኣመራርሓ እናተመርሐት ኣህጉርና ሰፋሕቲ ዕድላት ሒዛ ክትስድር ከምትኸእል ተዛቲና ኢና። ኣብ ሓበራዊ ረብሓ ክልቲአን ሃገራት፣ ንረብሓ ኣፍሪካ እንትበሃል እቶም ዕድላት ንምጥቃም ሓቢርካ ንምስራሕ ከም ዝተስማዕምዑ ‘ውን ኣብ መልእኽቶም ኣስፊሮም ‘ዮም።

ምስ እዚ ተደሓሐዚ ድማ ቀዳማዊት እመቤት ሴራሊዮን ፋጢማ ማዳ ባዮ (ዶ/ር) ኣዶ መንበር ትካል ቀዳማዊት እመቤታት ኣፍሪካ ብምዃን ከምዝተመረፃ ይዝከር። ቀዳማዊት እመቤት ኣንጎላ ዲኣስ ላውሬንኮ ድማ ምክትል ኣዶ መንበር ብምዃን ተመሪፀን እየን። ቀደማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው ንዝተመረፃ ሓደሽቲ ቀዳማዊት እመቤታት መልእኽቲ ናይ እንኳዕ ደስ በለክን ምምሕልላፈን ካብ ቤት ፅሕፈተን ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት፡፡

ከምኡ ድማ ብ23 ጥቅምቲ 2015 ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲን ህወሓትን ዝተገብረ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ንኣፍሪካዊ ፀገም ኣፍሪካዊ መፍትሒ ብተግባር ዝተፈፀመሉን ትምህርቲ ዝተረኽበሉን ከምዝኾነ ተገሊፁ ‘ዩ። ብዛዕባ መስርሕ ስምምዕን ካብቲ ስምምዕ ባዕሉን እንታይ ክንመሃር ንኽእል? ዝብል ብሕብረት ኣፍሪካ ፀብፃብ ዝቐረበ እንትኸውን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) እቲ ስምምዕ ብኣፍሪካውያን ተግባራዊ ክኸውን ካብ ቀዳማይ መዓልቲ ጀሚሮም ብቆራፅነት ከምዝሰርሑን እቲ ስምምዕ ሰላም ብወረቐት ጥራሕ ዘይኮነስ ብተግባር ከምዝተራእየ ‘ውን ተገሊፁ ‘ዩ፡፡

እቲ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ተሰናባቲ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፉኪ ማሃማት፣ ነበር ፕረዚደንት ናይጀርያን ኣባል ድርድር ጉጅለ ሕብረት ኣፍሪካን ኡሊሲንጎን ኦባሳንጆን ላዕለዎት ኮሚሽነራትን ኣቕሪቦም ‘ዮም። ኣብቲ መደብ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጊዴዎን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር)ን ካልኦት ሰበስልጣን መንግስቲ ፌደራልን ከምኡ ‘ውን ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳን መራሕቲ ህወሓትን ከምዝተረኸቡ ይዝከር፡፡

ኣብ መወዳእታ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ መበል 38 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ብሰላም ምዝዛሙ ምኽንያት ብምግባር ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ብዓወት ንክዛዘም ዝካኣሎም ንዝገበሩ ኩሎም ምስጋና ኣቕሪቦም ‘ዮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ሃገርና ኢትዮጵያ ከም መጠን መንበር እቲ ሕብረት ትፅቢት ዝግበረላ ኩሉ ፈፂማ ‘ያ ። እቲ ዝተገበረ እንግዶትን መርሃ ግብሪታትን ነቶም ኣጋይሽ ዘገረመን እቶም ኣጋይሽ ዘይርሳዕ መዘከርታ፣ ዘይሃስስ ዝኽሪ ነክህልዎም ገይራ ‘ያ።

ብመሰረት እዚ እዋን ፃንሒቶም ዘናውሑ ኣጋይሽ ብርክት ዝበሉ እንትኾኑ ኢትዮጵያ ንምዕዋት ዕላማታትን መትከላትን እቲ ሕብረት ዘለዋ ቁርፀኝነት ኣብቲ ጉባኤ ምድላውን እንግዶትን ብተግባር ከምዘርኣየት ‘ወን ገሊፆም። ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ብዓወት ንክዛዘም ዝከኣሎም ንዝገበሩ ኩሎም ድማ አመስጊኖም። ህዝቢ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ነቶም ኣጋይሽ ግቡእ ክብሪን እንግዶትን ብምሃብ፣ መገዲታት እንትዕፀዉ ብትዕግስቲ ብምፅባይ፣ ነቲ ጉባኤ ዕዉትነት ትፅቢት ዝግበረሉ ኩሉ ምግባሩ ኣመስጊኖም። ብመሰረት እዚ ብሽም መንግስቲ ኢትዮጵያን ብባዕሎምን ምስጋና ኣቕሪቦም ‘ዮም።

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ 13 ለካቲት 2017 ዓ.ም

 

Recommended For You