ካብ ዝኾነ ንላዕሊ ሕርያ ህዝቢ ሰላም ‘ዩ!

ኣብ ዕለታዊ ናብራና ካብ ዝወግሕ ክሳብ ዝመሺ ብዘይ ዝኾነ ገደብ ኣብ መልሓስናን ኣብ እዝንናን ካብ ዝመላላሱ ነገራት ብዋናነት “ሰላም” ዝብል ቃል ‘ዩ። ኣብ እዋን ፆሎት፣ ምስ ሰባት ኣብ እንገብሮ ርክብ ብቀዳምነት እንጥቀመሉ ቃልን ብዝተፈላለየ ኣጋጣሚን “ሰላም” ዝብል ቃል ምስማዕናን ምዝራብናን ዝተለመደ ‘ዩ።

እዚ ድማ ሰላም ዝብል ቃል ክንድምንታይ ኣድላይ ነገር ከምዝኾነን ምስ ሂወትናን ህላወናን ዝትኣሳሰር ከምዝኾነ ‘ዩ ዘመላኽት። ከም ውለቀ ሰብ ይኹን ከም ማሕበረ ሰብ ካብ ዘድልይዎ ብዙሓት ሕረያታት ሰላም ብቀዳምነት ዝስራዕ ከምዝኾነ ‘ውን ዘአንፍት ‘ዩ።

ትርጉም ሰላም እንታይ ከምዝኾነ ‘ውን ካብ ህዝቢ ሃገርና ብፍላይ ድማ ካብ ህዝቢ ትግራይ ብላዕሊ ዝፈልጦ የለን እንተተብሃለ ዝተጋነነ ኣይክኸውንን ‘ዩ። ሰላም ማለት ልዕሊ እቲ ንምንባር ኢልና እንምገቦ ምግቢ ልዕሊ እቲ ብዙሕ ለፊዕና እነጥርዮ ንብረትን ሃፍትን ‘ዩ።

ንዕኡ ‘ዩ ‘ውን ሰላም ኣብ ዘይህለወሉ እዋን ኩሉ ነገር ኣብ ሂወትና ዓብይ ትርጉም ዘለዎም ከይተረፉ ገዲፍና ዘሐሸ ሰላም ኣለዎ ናብ እንብሎን እግርና ናብ ዝመረሐና ‘ውን መረበትና ገዲፍና ንምኻድ እንግደድ፡፡ ብሓፈሻ ኣብ ላዕሊ ካብ ዝተገለፀ ብላዕሊ ሰላም ብዙሕ ረብሓ ዘለዋን ምስ ህላወና ምትእስሳር ዘለዋን ‘ያ ምባል ይክኣል።

ኣብ ዘሓለፈ ሰሙናት ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ወረዳ ደጉዓ ተምቤን ኣብ ካልኦት ከባብታት ኣብ ዝተገበረ ሰላማዊ ሰልፊ “ሰላም ሕረያና እዩ ” ብዝብል መናእሰይን ኣዴታትን ዓበይቲ ዓድን ካልኦት ክፋል ሕብረተሰብ ዘካተተ ምግላፆም ብሚድያታት ትግራይ ተፀብፂቡ ‘ዩ።

ብተወሳኺ ድሕሪ ሕዚ ንትግራይ ልምዓት ‘ምበር ካሊእ ኩናት ኣየድልያን፣ ሰላምን ሕውየትን ይረጋገፅ፣ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ይመለሱ፣ ውዕሊ ፕሪቶርያ ብሙልእነት ይተግበር ፣ ግዛኣታዊ ሓድነት ትግራይ ይረጋገፅ ብዝብል ንሰላም ዘለዎም መርገፂ ኣርእዮም ‘ዮም። እዚ ድማ ሓደ መርኣያ ድልየትን ባህግን ህዝቢ ‘ዩ።

እቲ ህዝቢ ሕርያና ሰላም ‘ዩ ክብል ከሎ ካብ ባዶ ተላዒሉ ዘይኮነስ ካብ መንገዲ ሰላም ወፃኢ ዘሎ ጉዕዞ ታሪኹ ካብ ዝበፅሖን ዝርኣዮን ‘ውን ብምብጋስ ‘ዩ። ኣብ ዝሓለፉ ቀረባ ዓመታት ‘ኳ እንተሪእና ብሰንኪ ዝተፈጠረ ኵናት ዘበፅሐ ዕንወትን ኪሳራን ብግቡእ ‘ኳ ተገምጊሙ እንተዘይተገለፀ፤ ግዳይ ናይዚ ኵናት ኮይኖም ኣካሎምን ህይወቶምን ዝስኣኑ ዜጋታት ግና ቑፅሮም ቀሊል ኣይኮነን።

ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ሰባት ካብ መንበሪኦም ምምዝባልን ምስዳድን ጥራሕ እንተይኮነስ ንዘመናት ፅዒሮምን ግዒሮም ዘጥረይዎ ሃፍትን ንብረትን ‘ውን ክስእንዎን ክሳብ ሐዚ ‘ውን ብኣሻሓት ዝቑፀሩ ናብ መረበቶም ከይተመለሱ ኣብ ከቢድ መከራን ስቓይን ዘለውሉ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ።

ከምዚ ዝበለ ሕማቕ ታሪኽ ከይድገም፤ ኣመራርሓ ውድባት ፖለቲካ ዕንወትን ሞትን መከራን ስቃይን ዘምፅኡ ድሑር መማረፂ መንገድታት ካብ ምምራፅ ተቆጢቦም ኣፍላላያቶም ነዚ ዘመን ብዝምጥን ኣብ ጠረጴዛ ኮፍ ኢሎም ብምዝታይን ብምድርዳርን በቲ ኣማራፂ ዘይብሉ መንገዲ ሰላም ብምኻድ እንተነኣሰ ንባዕሎም ካብ ናይ ህሊናን ታሪኽን ተሓታትነት ብምውፃእ ሰላም ንምስፋን ዝለዓለ ግደ ክፃወቱ ይግባእ። ከምኡ ‘ውን ሙሁራት፣ ሲቪክ ማሕበራት ብሓፈሻ እቲ ኢሊት ዝበሃል ዘሎ ኩሉ ናይ ሰላም ኣማራፂታት ብምጥቃም ዘሎ ኣንፃራዊ ሰላም ንክሰፍሕ ክረባረብ ይግባእ።

መንገዲ ሰላም ብምምራፅካ ጥራሕ ሰላም ብቀሊሉ ዘይክፅእ ይኸውን፤ ይኹን ‘ምበር “ናይ ኵናት ፅቡቕ ናይ ሰላም ሕማቕ የብሉን ከምዝብሃል” ንኵናት ካብ ዝኽፈል ዋጋ ንሰላም ዝኽፈል ዋጋ ዝሐሸን ዝቀለለን ከምዝኸውን ዘጠራጥር ኣይከውንን። ናብ ኩናት ተገዲድና እንተኣተና ‘ውን መዛዘሚኡ ኪሳራ ጥራሕ ‘ዩ። ተገዲድና እንኣተዎ ሰላም ግና እንተነኣሰ ድሕንነትን ህላወን ህዝብና እነረጋግፀሉ ዕድል ዝሰፍሓ ‘ዩ ዝኸውን። ስለ ዝኾነ ቅድሚ

ኩሉ ኣማራፂ ንዘይብሉ ሕርያና ኣብ ሰላምን ልምዓትን ዝተመርኮሰ ክኸውን ኣለዎ። ሕቶ ስልጣንን ካሊእን ድሕሪ ሰላም ዝመፅእ ነገር ድማ ይኸውን።ብፍላይ ከም ትግራይ ብተደጋጋሚ ኩናት ብዙሕ ዝተጎድአት ስለዝኾነት ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ሰላምን ልምዓትን ብሓፈሻ ሕውየት ‘ዩ ዘድልያ።

ከምቲ ኣብዝሓ ህዝበና ሕርያና ሰላምን ልምዓትን ‘ዩ ዝበሎ፤ ዝምልከቶ ኩሉ መንገዲ ሰላም ክሰፍሕ ትኹረት ሂቡ ብምስራሕ ህዝቢ ካብቲ ዘለዎ ስግኣት ወፂኡ ተረጋጊኡ ስርሑ ክሰርሕን ድሕንነት ክስምዖን ዘኽእል ኩነታት ንክፍጠር ኩሉ ብዝኽእሎ ክረባረብ ለይትን ቐትርን ብምትሕግጋዝ ክሰርሕ ኣለዎ። ሰላም ብናይ ሓደ ወገን ድልየት ፃዕርን ጥራሕ ዝሳኸዕ ስለዘይኮነ ዝምልከቶም ኩሎም ኣካላትን ብቀንዱ ድማ ወናኒ ሰላም ዝኾነ ህዝቢ ኣብ ጉዳይ ሰላም ክሓብር ኣለዎ። ሰላሙ ንዘናግዕ ኣካል ዕረፍ “የኣክል” ክብሎ ኣለዎ።

ትማሊ ዝተፈጠሩ ስሕተታት ካልኣይ ከይድገሙ ንምእራም፣ ግዳይ እቲ ኵናት ኮይኑ ዘሎ ህዝቢ ንክሓዊ፣ ናብ ፅባሕና ብዘሐሸ ተስፋ ንምጉዓዝ ኣመራርሓ ውድባት ፖለቲካታትና ኾፍ ኢሎም ክዘራረቡ ኣለዎም፤ ዘጋጥሙ ዘይምስምዕማዕ ብሰላማዊ መንገዲ ዘለዉ ኣማራፂታት መሊእኻ ብምጥቃም ነቲ ዘመን ዝጠልብ ፖለቲካዊ ኣካያይ ብምኻድ ድልየት ህዝቢ ዝሰምረሉ ታሪኽና እንቐየረሉ ኩነታት ክፍጠር ካብ ኩላትና ዝጥለብ ክነውፊ ኣለና።

እዚ ዓምዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ዜጋታት ናፃ ሓሳቦም ዝህብሉ እዩ። ኣብዚ ዓምዲ ዝወፅኡ ፅሑፋት ናይ ክፍሊ ምስንዳእ ቅዋም አይኮኑን።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 13 ለካቲት 2017 ዓ.ም

Recommended For You