
ኩሉ ኣብ ሓንቲ ሃገር ዘሎ ውልቀ ሰብ ይኹን ትካል፣ ፓርቲ ይኹን ካሊእ ኣካል ሕገመንግስቲ ወይ ሕግን ትካላትን ናይታ ሃገር ኣኽቢርካ ምንቕስቓስ ግቡእ ኣለዎ::ነዚ ዝፃባእ ኩሉ ነገር ተፈፃምነት የብሉን። ሕገመንግስቲ ወይ ሕግን ደንብን እታ ሃገር ኣኽቢርካ ዘይምንቕስቓስ ዘይሩ ዘይሩ ናብ ዝተፈላለዩ ጎንፂታት ‘ዩ ዝወስደካ::
ከምዝፍለጥ ቕድሚ ሕዚ ሕገመንግስቲ ክኽበር ብዘይምኽኣሉ ‘ዩ ኣብ መንጎ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)ን መንግስቲ ፌዴራልን ፖለቲካዊ ፀገም ተፈጢሩ ናብ ጎንፂ ከምርሕ ክኢሉ ብዙሕ ክሳራታት ዝበፅሐ:: እቲ ኣጋጢሙ ዝነበረ ጎንፂ ድሕሪ ብዙሕ ክሳራታት ብስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ መዕለቢ ክረክብ ዝኸኣለሉ ‘ውን ሕገ መንግስቲ መሰረት ተገይሩ ብዝተበፅሐ ስምምዕ እምበር፣ ሕገ መንግስቲን ሕጋዊ ትካላትን ንጎኒ ገዲፍካ ኣይነበረን::
ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር መሰረት ገይርካ ምንቕስቓስ ተዘይሃልዩ ሕዚ ‘ውን ናብ ጎንፂ ዘይኽየደሉ ኩነታት ኣይህሉን:: ህወሓት ይኹን መንግስቲ ፌዴራል መተኣሳሰሪኦም ውዕል ፕሪቶርያ ጥራሕ ኣይኮነን። ናይታ ሃገር ሕገመንግስቲ ኣኽቢርካ ምኻድ ‘ውን ‘ዩ:: ምኽንያቱ እቲ ስምምዕ ሕገመንግስቲ ናይታ ሃገር መሰረት ተገይሩ ዝተፈፀመ ስለዝኾነ ብሕታዊ መራኸቢን መተኣሳሰሪን ውዕል ፕሪቶርያ ጥራሕ ‘ዩ ዝበሃል ነገር ትኽክል ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኣብ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ሕገ መንግስትን ህጋዊ ትካላትን ሃገር ምኽባር ግድን ከምዝኾነ ተገሊፁ ኣሎ፡
ህወሓት ብመንግስቲ ኣፍልጦ ረኺቡ ከም ፓርቲ ብቦርድ መረፃ ክሳብ ዝተመዝገበ ብመማሕደሪ ቦርድ መረፃ እታ ሃገር ክመሓደር ግድን ‘ዩ:: ዝኾነ ፓርቲ ብመሰረት ቦርድ መረፃ እታ ሃገር ‘ዩ ዝመሓደር፤ ኩሉ ፓርቲ ዝግዘአሉን ዘመሓደረሉን ሕጊ ክሳብ ዘሎ ነዚ ኣኽቢሩ ምንቕስቓስ ግቡኡ ‘ዩ:: ዝኾነ ፖርቲ ካብዚ ወፃኢ እንተኸይዱ ክስረዝ ዝኽእለሉ መስርሕ ከምዘሎ ግልፂ ‘ዩ::
ነዚ ‘ውን ‘ዩ ኣብ ዝሓለፉ መዓልቲታት ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ፣ ህወሓት ክኸዶም ዝግበኦም ክያዶታት ኣኽቢሩ ብዘይምኻዱ ዝኾነ ዓይነት ፖለቲካዊ ምንቕስቓሳት ከይገብር ዝኣገደ:: እዚ መሰርሕ እዚ ንኹሉ ፓርቲ ብማዕረ ዘተኣናግድ ሕግን ድንብን ስለዝኾነ ድማ ክኽበር ‘ዩ ዘለዎ:: ፖለቲካዊ ምንቕስቓሳት ሕግን ደንብን እታ ሃገር ኣኽቢርካ እምበር ንጎኒ ብምግዳፍ ኣይኮነን::
ይኹን እምበር ህወሓት እቲ ብሕጋዊ ትካል ዝተቐመጠ መስርሕ ኣኽቢሩ ክንቐሳቀስ ኣይከኣለን:: ናይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ግዜ ሓፈሻዊ ጉባኤ ከየካየደ፣ መተሓዳደሪ ደንቡ ከየፅደቐ፣ ብመሰረት ድንጋገታት እቲ ኣዋጅ፣ መምርሕታት፣ ውሳነታት ቦርድ መራሕቱ ክመርፅ ኣይከኣለን:: ሕዚ ‘ውን ዝተወሃቦ ናይ ሰለስተ ወርሒ መጠንቐቕታ ብኣግባቡ ክጥቐመሉ ተዘይክኢሉ ጠቕሊሉ ክስረዘሉ ዝኽእለሉ ኩነታት ከምዘሎ ቦርዲ መረፃ ገሊፁ ‘ዩ::
እዚ ድማ ክኽበር ‘ዩ ዘለዎ፤ ኮይኑ ግና ህወሓት ኣብ ክንዲ ነቲ ቦርድ መረፃ ዝሃቦ ውሳነ ተቐቢሉ ኣስተኻኺሉ ምኻድ ነዚ ኣመልኪቱ ዝሃቦ መልሲ ትኽክል ኣይነበረን:: ናብ ጎንፂ ዝወስድ ‘ዩ:: ብመሰረት ውዕል ፕሪቶሪያ ጥራሕ ‘የ ዝንቐሳቐስ ማለት ኣግባብነት የብሉን::
ብፍሉይ ኩነታት ተመዝጊቡ ሰርቲፈኬት ተቐቢሉ እናሃለወ ኣብ ክንዲ ሕግን ደምብን ተኸቲልካ ምንቕስቓስ ምስ ሕግን ደንብን ቦርዲ መረፃ ዘይቓዶ መልሲ ምሃብ ኣድላይ ኣይኮነን:: ምስ መንግስቲ ብሕታዊ መራኸብየ ውዕል ፕሪቶርያ ‘ዩ ምባሉ ኣግባብነት ዝጎደሎ ጥራሕ እንተይኮነስ ነቲ ዘሎ ሰላም ንድሕሪት ዝመልስ ‘ዩ:: ውዕል ፕሪቶርያ ነቲ ሰላም ዘፅንዕ እምበር ሕግን ደንብን ከየኽበርካ ተንቐሳቀስ ኣይብልን::
ሕግን ሕጋዊ ትካላትን ኣብ ክንዲ ኣኽቢርካ ምንቕስቓስ ንሰላም ዘተሓራርፉ መልሲ ምሃብ ኣድላይ ስለዘይኮነ ክእረም ‘ዩ ዘለዎ:: እቲ ዝጠቕም ናብ ጎንፂ ዝወስዱ መልስታት ካብ ምሃብ ተቖጢብካ ከም ማንም ፓርቲ ሕግን ደንብን ኣኽቢርካ ምንቕስቓስ ‘ዩ::
ካብዚ ወፃኢ ዝግበሩ ምንቕስቓሳት ንሰላም ዝዘርግ ስለዝኾነ ሕዚ ‘ውን ዝተወሃበ መልሲ ክእረም ‘ዩ ዝግባእ:: ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ልምዓትን እምበር ካሊእ ድሌት የብሉን:: ስለዚ ሕጊ፣ ሕጋዊ ትካላትን ድሌት ህዝቢን ኣኺቢርካ ምንቕስቓስ መማረፂ ዘይብሉ ‘ዩ::
ወጋሕታ 13 ለካቲት 2017 ዓ.ም