ዓለምለኸን ኣህጉራዊን ኮንፈረንሳትን ምንቕቓሕ ቱሪዝምን

ቱሪዝም ኢንዱስትሪ ዓለም ብምኽንያት ተርእዮ ፀገም ለበዳ ኮቪድ ተጎዲኡ ፀኒሑ ‘ዩ። ብብርኪ ኢትዮጵያ ድማ እቲ ለበዳ ከመዘሎ ኮይኑ ተወሰኽቲ ብዝተፈጠሩ ዝተፈላለዩ ጎንፅታትን ኵናትን እቲ ዓውዲ ተጎዲኡ ከምዝነበረ ዝፍለጥ ‘ዩ።

እዚ ከምዘሎ ኮይኑ ትካል ሕቡራት መንግስታት ዝሓለፈ ዓመት ብዝዘርግሖ ሓበሬታ ባሮሜትር ቱሪዝም ግና ቱሪዝም ካብዚ ሰዓቤን ለበዳ ኮቪድ እናተመሓየሸ ይመፅእ ከምዘሎ የመላኽት። ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ውሽጢ ቁፅሪ ጎብነይቲ ብልዑል ኩነታት ዝወሰኸለን ቀዳሞት ሃገራት ዝርዝር ኣቅሪቡ ‘ዩ፡፡ ኣብቲ ዝርዝር ካብ ዝተቀመጣ ሃገራት ድማ ኢትዮጵያ ሓንቲ ‘ያ።

ኣብዚ ዝርዝር ኢትዮጵያ ካብ ኣፍሪካ ንሞሮኮን ግብፅን ብምኽታል ካብ ዝነበርዋ መጠን ቁፅሪ ጎብነይቲ ብ40 ሚእታዊ ዕብየት ብምርኣይ ብብርኪ ኣፍሪካ ኣብ ቀዳምነት ተሰሪዓ ዝትርከብ ኮይና፤ ብብርኪ ዓለም ድማ ኳታርን፣ ኤል ሳልቫዶርን፣ ኣልቤንያን፣ ሳዑዲዓረቢያንና ኩራካዎን ብምኽታል ኣብ ሻድሻይ ብርኪ ተሰሪዓ ‘ያ።

እዚ ኣደናቂ ዕብየት ብታሪክ፣ ብባህልን ኣደነቕቲ ተፈጥሮኣዊ መስሕባት ዝበለፀገት ብምዃና ተፈታውነት እታ ሃገር ብጎብነይቲ እናወሰኸ ምምፅኡ ዘርኢ ምዃኑ ገለ ምሁራት እቲ ዓውዲ ይሕብሩ። ኣብ ዝሓፈ ዓመት ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ጎብነይቲ ዝተጎብነየት ኢትዮጵያ፣ ኣብ 2030 ድማ እቲ ዓውዲ ኣብ ኢኮኖሚ እታ ሃገር ዝበለፀ ግደ ክፃወት ከምዝኽእል ትፅቢት ይግበር።

እዚ ከምዘሎ ኮይኑ ኣብዚ ወርሒ ለካቲት ኣዲስ ኣበባ ብዙሓት ዓለም ለኸን ኣህጉራዊ ኮንፈረንሳትን ዝተተኣናግድ እንትኾን ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ መጀመሪያው ዝኾነ ማእኸል ኤግዚቢሽንን ዓለም ለኸ ኮንቬንሽንን ኣዲስ ኣፍሪካ (AAICEC) ብዕላዊ ክኽፈት ‘ዩ። ናይቲ ማእኸል ምምራቕ ድማ ነቲ ቱሪዝም ኮንፈረንስ (MICE) ዝበለፀ ምልዕዓል ከምዝፈጥር እናተገለፀ ይርከብ።

ብፍላይ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብዚ ሰሙን ዝካይድ ብምዃኑ፤ ናብዛ ከተማ ንዝምፅኡ ዕዱማት እቲ ጉባኤ ፅቡቕን ዝሕጎስሉን ፃንሒት ንክህልዎም ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናተኸወነ ይርከብ። ካብ ዝስርሑ ብዝሓት ምድላዋት ድማ ንዕዱማት ኣገልግሎት ዝህቡ ሆቴላት ግንዛቤ መጨበጢ ስልጠና ምውሃቡ ሓደ ኣብነት ‘ዩ።

ሚኒስቴር ቱሪዝም ምስ ቢሮ ባህሊ፤ ኪነ ጥበብን ቱሪዝምን ኣዲስ ኣበባ ብምትሕብባር ካብ 8 ክሳብ 9 ለካቲት 2017 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝካየድ መበል 38 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ተዓዲሞም ንዝመፅኡ ኣጋይሽ ዝሰመረ ፃንሒት ንክህልዎም ኣገልግሎት ወሃብቲ ትካላት ዘለዎም ግደ ልዑል ብምዃኑ ኣጋይሽ ዝዓርፍሎም ሆቴላት ካብ ምቕባል ጀሚሩ ዘሎ ኣወሃህባ ግልጋሎት ብዝተሓሓዘ ግንዛቤ መጨበጢ ስልጠና ምውሃቡ ካብቲ ቤት ዕዮ ሚኒስቴር ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።

ኣብዚ መርሃ ግብሪ ምጅማር ስልጠና ተረኺቦም ዘጀመርዎ ኣብ ሚኒስቴር ቱሪዝም ስራሕ ኣፈፃፅማ ምርግጋፅ ብቕዓት ትካላት ኣገልግሎት ወሃብቲ ቱሪስት ኣይተ ታሪኩ ደምሴ ከምዝገልፅዎ ንጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ናብ ሃገርና ዝመፅኡ ኣጋይሽ ፃንሒቶም ዝተሳኽዐን ዝወቀበን ንክኸውንን ኢሉ ‘ውን ካልኣይ ደጊሞም ናብ ሃገርና መፂኦም ንክጉብንዩ ንምግባር ምስ ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት ብምውዳድ መስራሕ ኣድላይ ብምዃኑ እቲ ስልጠና ከምዝተዳለወ ይሕብሩ።

ኣብቲ ስልጠና ዝተሳተፉ ሰብ ሞያ ኣጋይሽ ብኢትዮጵያዊ ኣቀባብላ ክብሪ ብምትእንጋድ ተቀበልቲ ኣጋይሽ ምዃና ብዘርኢ ከምኡ ‘ውን መባፅሒ ቱሪዝም እነፋልጠሉ ንክኸውን ፃውዒት ኣሕሊፎም ‘ዮም። ዝሓለፈ ሰሙን ንመበል ኻልኣይ ዙር ዓለምለኸ ውድድር ቁርኣንና ኣዛንን ንምስታፍ ካብ 60 ሃገራት ተወኪሎም ዝመፅኡ ተወዳደርትን ኣጋይሽን ኣብ ከባቢ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካብ ከተማ ወፃእን ዝተፈላለዩ መስሕብ ቱሪስትን ምጉብዮም ዝዝከር ‘ዩ።

እዞም ካብ ኣፍሪካ፣ ማእኸላይ ምብራቅ፣ ኤስያ፣ ካብ ኣውሮፓን ኣሜሪካን ዝተወፃፅኡ እንትኾኑ ኣብ ከተማ ኣዲኣበባ ሙዚየም ዓድዋን ብሔራዊ ሙዚየም ኢትዮጵያን ካብ ምጉብናዮም ብተወሳኺ ኣብ ከተማ ጂማ ዝርከብ መስሕብ ቱሪዝም ‘ውን ጎብነዮም ‘ዮም።

ብሓፈሻ ኣብ ዝቕፅሉ ዓሰርተ ዓመታት ቱሪዝም ኣብ ኢኮኖሚ ዓለም ናብ 16 ትሪሊዮን ዶላር ዝኸውን ከምዘበርክትን ከምኡ ‘ውን ናብ 450 ሚሊዮን ዝኾኑ ሰባት ዕድል ስራሕ ዝፈጥር ከምዝኸውን እናተተንበየሉ ዘሎ ዘፈር ‘ዩ። ኣብዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዘፈር ዝስራሕ ዘሎ ፅቡቃት ስራሕትን ዝወሃቦ ዘሎ ቆላሕታን በዚ ተጠናኺሩ ዝቕፅል እንተኾይኑ እታ ሃገር

ምስ ዘለዎ ባህሊ፣ ታሪኽን ምቕብ ተፈጥሮ ካልኦት መስሕባትን ከምኡ ‘ውን ኣብ ምውሓስ ሰላምን ፀጥታን ብዝድለ ልክዕ እንተተሰሪሑ ኣብ ዕብየት ዓውዲ ቱሪዝም ዓብይ ስዳሮ ከምዘርኣ ዘጠራጥር ኣይከውንን።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 6 ለካቲት 2017 ዓ.ም

Recommended For You