‹‹ ድልየት እዚ ጉጅለ ብደም ሰብ እናተረማማደ ኣብ ስልጣን ንክቕመጥ እዩ ››ኣይተ ሓጎስ ግደይ

ትውልዱ ኣብ ክልል ትግራይ ወረዳ ሕንጣሎ ፍሉይ ስሙ ዓዲ ጉዶም ኣብ ዝባሃል ኸባቢ እዩ።ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዲላ ብምእታው ብህዝቢ ምምሕዳርን ዲቨሎፕመንት ማኔጅመንት ብዝተብሃለ ዘፈር ትምህርቲ ናይ መጀመርያ ዲግሪ ረኺቡ ኣሎ። ናብ ፖለቲካ እንትኣቱ ድማ ትግራይ ዲሞክራሲ ፓርቲ(ትዴፓ) ተሓዊሱ። ህወሓት ካብ ስልጣን ካብ ዝለዓል ናብዚ ብፍላይ ኣብ ህዝቢ ትግራይ እናፈፀሞ ዘሎ ዓፈናን ጭቆናን ብግልፂ እናተቃወመን እናተቓለሰን ዝፀንሐ እዚ መንእሰይ ኣብ ዝተወለደሉ ኸባቢ ብምኻድ ነቲ ሕብረተሰብ ኣስተምሮ ብምሃብን ብምሕጋዝን ምስቲ ጁንታ ተቓሊሱ እዩ።ቐፂሉ ድማ እቲ ጁንታ ኣብ ልዕሊ መከላከያ ሰራዊት ብዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ስዒቡ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብምስታፍ ኣብቲ ዝዓበየሉ ቦታ እናገልገለ ፀኒሑ እዩ። ሰራዊት ምክልኻል ንቲ ክልል ገዲፉ ክሳብ ዝወፅእ ኣብቲ ክልል ዞባ ደቡብ ምብራቕ ኣመሓዳሪ ናይ ወረዳ ሕንጣሎ እናገልገለ ፀኒሑ እዩ። ኣይተ ሓጎስ ግደይ ናይ ሎሚ ጋሻ ወጋሕታ እዩ። እዋናዊ ናይቲ ክልል ኩነታትን ፖለቲካ ኣድሂቡ ፃንሒት ገይርና ኢና ፤ከምዝስዕብ ድማ ቀሪቡ ኣኮ ፡፡

ወጋሕታ፡-ናብ ተቃውሞ ፖለቲካ ብኸመይ ክትኣቱ ክኢልካ ?

ኣይተ ሓጎስ፡- ኣብ ዩኒቨርሲቲ እናሃለና ካብ ዝተፈላላየ ኸባቢታት ዝመፃና ብምዃና ኹላትና በቢብሄርና ንክንውደብን ኣባላት ፖለቲካ ንክንኸውንን ፅዕንቶ እናሕደሩልና ነይሮም እዮም፣ ኣነ ግና ናይ ዘይ ምንም ፖለቲካ ኣባል ንዘይምዃን ብፍላይ ድማ ኣባል ህወሓት ንዘይምዃን ካብ ኦሮሞ እየ ዝመፃኹ እናበልኩ ሰበብ የብዝሕ ነይረ፡፡ ኣብ ዩኒቨርስቲ ድማ ኣባላት ዝኾኑ ተምሃሮ ብዙሕ ግዚኦም ዘሕለፍዎ ኣብ ኣኸባ እዩ ነይሩ።ኣነ ድማ ዕለማይ ምምሃር ስለ ዝነበረ ብዝተኽለኣኒ መጠን እናራሓኩ እየ ነይረ። ኣብ መወዳእታ ዓመት ግና ኣባል ዘይኾነ ስራሕ ከምዘይረክብ ስለዝፈለጥኹ ከይፎተኹ ኣባል ልምዃን ፎርሚ መሊአ እየ።ኾይና ግና ከም ኣጋጣሚ ኾይኑ ኣይተጠቀምኩሉን ፣ምኽንያቱ ፅቡቕ ርክብ ስለዝነበረኒ ክምረቕ ኽልተ ወርሒ ክተርፈኒ ከሎ እየ ስራሕ ዝሓዝኩ። እዚ ዕድል ዝረኸብዎ ከም ካልኦት ዜጋታት ተወዳዲረ እየ። ድሕሪ ኸዚ ግና ፖለቲካ ኣየድልየንን ብዝብል ምሉእ ብሙሉእ ትኹረተይ ኣብ ስራሕ እየ ገይረ፡፡

ምንቅስቃስ ለውጢ ክመፅእ ኸሎ ባዕለይ ምጥያቕን ናይዛ ሃገር ኩነታት ብዙሕ ምሕሳብ ጀሚረ። ብመሰረቱ ኣብ ዩኒቨርስቲ እናሃለኹ ንምንታይ ሓደ ቐዳማይ ሚኒስትር ወይ ከዓ ሓደ ፓርቲ ጥራሕ ዝመርሕ ዝብል ሕቶ ነይርኒ እዩ፡፡

ወጋሕታ፡- ራዕዳዊ ህወሓት ካብ ዝምሰረት ጀሚሩ ዲሞክራሲያዊ እየ እንተበለ’ውን ዝወፀሉ ማሕበረሰብ እንተይቀረየ ኣብ ፀገም ንክነብር ዝገበሮ ከምዝኾነ ዝፍለጥ እዩ።ካብዚ መንፃር ኣብ ህዝቢ ዝበፅሐ ፅዕንቶ ከመይ ይገልፅዎ?

ኣይተ ሓጎስ፡– ሓቂ እዩ፤ ህወሓት ከምዝብሎ ካብ ምስረታ ጀሚሩ ዲሞክራሲያዊ ኣይነበረን።ናብ ህወሓት ዲሞክራሲ ኣብ ወረቐት ጥራሕ እዩ፤ እቲ ሓደ ባዕሉ ህወሓት ኽልተ ፀገማት ኣለዉዎ፤ እቲ ሓደ ናይቲ ቃልሲ ካብቲ መጀመረያ ዝተደሓሓዘ እዩ።ንሳቶም ከምዝብልዎ ሓድነት ኢትዮጵያ ኣይደልዩን ነይሮም።ኣብ ሓደ ቃልሲ ሓደ ኣሸናፊ ጉጅለ እንተሃልዩ እቲ ጉጅለ ዝደለዮ እዩ ዝግበር። ህወሓት ክላዓል ከሎ ዲሞክራሲ እንተዝኸን ነይሩ እቲ ሕርያ ንህዝቢ እዩ ዝዋሃብ ፣ኣብ ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ኽልተ ዓመታት ፕሮግራም ሴፍቲኔት ኣብ መላእ ትግራይ ዝሰራሕኹ ኣነ እየ።ስለዚ ኹሉ ወረዳ ብደንቢ እየ ዝፈልጦ።እዚኦም ሰባት ሓቢርዎም ዝነበረ ንህዝቢ ትግራይ ጥራሕ እንተይኾነስ ንመላእ ኢትዮጵያ ክጠቕሙ ዝነበሩ ሰባት እዮም እናቐተሉም መፂኦም። ኣብቲ ሰዓት እዩ ዲሞክራሲ ዝጠፍአ፡፡

ቐፂሉ ናብ ጭካነ እናተቐየሩ መፂኦም እዮም። ጨካናት ካብ ምዃኖም ንላዕሊ ሃይማኖት የብሎምን። ኹሎም ኣብ መጀመርያ ዝነበሩ ኣመራርሓ ህወሓት ሃይማኖት የብሎምን።እዚ ድማ ኩነታት ብጣዕሚ ንክኸፍኡ ገይርዎም እዩ። ምኽንያቱም ሓደ ሰብ ሃይማኖት ተዘይብሉ ንኻልእ ሰብ ምሕላይ እንታይ ከምዝኾነ ኣይፈልጥን።ፀገም ሰብ ኣይርደኦን። እዚ ድማ ኣብቲ ህዝቢ ዓብይ ፅዕንቶ ፈጢሩ እዩ። እቲ ህዝቢ ካልእ ነገር ዝሓስበሉ ዕድል ኣይነበሮን። ስለዚ ኣየናይ እዩ እቲ ዕድል። ካልእ ድማ ሓደ ንሓሙሽተ ዝባሃል ኣሰራርሓ ነይርዎም። ንኣብነት ናብ ኣዲስ በባ ዝመፅእ ሰብ ፎርም መሊኡ እዩ ዝመፅእ።እዚ ንምንታይ እዩ ዝኾን ኢል ምጥያቕ ኣይካኣልን። ካብ ቦታ ናብ ቦታ ንምዝውዋር መሰል እናሃለወኒ ናበይ ኢኻ ትኸይድ ተባሂሉ ኣይጥየቕን። ብዚ ኣወዳድባ ንቲ ህዝቢ ኣብ ትሕቲ ቑፅፅሮም ገይረምዎ እዩም ፀኒሖም፡፡

ከምዝፍለጥ ድማ ኣብዝሓ ህዝቢ ትግራይ ብሴፍቲኔት እዩ ዝመሓደር። ኣነ ኣብቲ ሴፍትኔት እንትሰርሕ እቲ ህዝቢ ህወሓት ዝህቦ እንበር ባንኪ ዓለም ከምዝረድኦ ኣይፈልጥን።ኣነ ዘጋጠመኒ ኣሎ፤ ኣብቲ ፕሮግራም እንትሰርሕ ኣብ ሓደ ወረዳ ንየካቲት 11 ሕድሕድ ሰብ 250 ቅርሺ ንከውፅእ ተሓቲቱ ኣይነዋፅእን ዝበለ ሴፍትኔት ተኸልኪሉ እዩ። ንሕና ድማ ካብ ባንኪ ዓለም ተላኢኽና እንትንኸይድ ኣጋጣሚ ሴፍቲኔት ዝወስደዎ ካርድ ክንጥይቖም ከለና ንለካቲት 11ባዓል ቅርሺ ብዘይምውፃእና እቲ ካርዲ ተመንጢልና ኢና ኢሎምና።እዚ ዝኣክል እዩ ኣብቲ ህዝቢ ፅዕንቶ ዘሕድሩ ዝነበሩ፤ እታ ረድኤት ከም መፈራርሒ እዮም ዝጥቀሙላ ነይሮም።ካልእ ዓይነት ፖለቲካ ነክኣቱ ተሪፉ ዝደልዮ ሓሳብ ምግላፅ ዘይኽእል ማህበረሰብ እዩ፡፡

እቲ ህዝቢ ናታቶም ባርያ ኾይኑ ንክነበር ብተፈላለዩ ፕሮፖጋንዳ እዩ ዝሰርሕ። እቲ ሓደ ንምእማን ዝጥቀመሉ ፕሮፖጋንዳ ዝሞተ ኣይሓውካን ድዩ መስዋእቲ ዝኸፈል ሓውካን ኣቦኻን እዩ ከመይ ኢልካ ህወሓት ትቃዎም እናተብሃለ እዩ። ናተይ ኣቦይ ግና ዝተሰወአ ንዓይ ነፃነት ንክረክብ እንበር ንዘላኣለም ህወሓት እናመረፅኹ ንክነብር ኣይኮነን። ኣቦይ ዝተሰወአ ንዓይ ነፃነት እንተኾይኑ ንምንታይ እየ ዘይቃዎም፤ ንሳቶም እዚ ኣይድልይዎን። በዚ ኣተሓሳስባ መፂኦም ኣብ ኣኼባ እንትዛረብ ናይ ሰማእታት ኣዕፅምቲ ረጊፅኻ ተባሂሉ ኣብኡ እቲ ህዝቢ እዩ ዘግልለካ። እዚ ዝኣክል እዩ ኣብቲ ህዝቢ ሕማቕ ምስሊ ዝፈጠረ። በዚ ምኽንያት እዮ ኣብ ዝደለዮ ኢትዮጵያ ከይነብር ገይረምዎ። ስለዚ ኣብ ትግራይ ውሽጢ ዲሞክራሲ ዝባሃል ከመይ ይሐሰብ ፡፡

ኣብ መቐለ እኮ ኣብ በረንዳ ቡና ዝሸጣ ኣደታት ሽድሽተን ሸውዓተን ሽሕ ኽፈሉ እናተብሃሉ ተማሪረን ናብ ዓረብ ሃገር ዝስደዳሉ እዋን እዩ ነይሩ። ናይ ህወሓት እቲ ሓደ መትከል እቲ ህዝቢ ድኻ ምግባር እዩ።ድኻ እንተኾይንኺ ዝወሃኪ ሓገዝ እናተቐበልኪ ዘላኣለም ናታቶም ባርያ ኾይንኺ ትነበሪ። ካብዚ ንላዕሊ ቅፅዓት ድማ የለን።ድኻ ኾይነ ተትፈሪደኒ ድማ ካብ ብጥይት ዝቐትለኒ ንላዕሊ ፀላእየይ እዩ። ምኽንያቱ ሞት ሓደ ግዘ እዩ ድኽነት ግና ክሳብ ሞት ዘሳቕይ ሓደገኛ እዩ። ተስፋ ዘስእን እዩ። እንቕፅል ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ዘይነበረ ዴሞክራሲ ኣብ ትግራይ ክህሉ ኣይኽእልን፡፡

ወጋሕታ፡- ግብረ ራዕዳዊ ህወሓት ኸዚ ‘ውን ህፃናትን ኣደታትን ናብ ኹናት እናእተወ ይርከብ፤ ካብዚ መንፃር ህዝቢ ትግራይን ማሕበረሰብ ዓለምን ብምንታይ መልክዑ እዩ ጠጠው ክብሎ ዝኽእል?

ኣይተ ሓጎስ፡- ኸፍአን ፀበቐን እቲ ፀገም ንህዝቢ ትግራይ እዩ ዝተረፈ። ዘይምዕዳል ኾይኑ ኹናት ንህዝቢ ትግራይ ከም ምርቓት ዕድል በፂሕዎ ኹሉ ግዝ ኹናት ዝፍጠር ኣብ ትግራይ ውሽጢ እዩ፤ ዝጠፍእ ብናታቱ ሰባት እዩ። ዝውዳእ ብደቁ እዩ። ካብ እዋን ደርጊ ዝነበረ እውን ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ምሁራን ነይሮም እዮም፣ ምትዕራቕ ይካኣል ነይሩ እዩ። እዚ ኹሉ ህዝቢ ክመውት ኣይነበሮን።ካልእ ካብ ወፃኢ ዝመፀ ፀላኢ ኣይኮነን።ምዝርራብ ይካኣል ነይሩ እዩ።ኣብቲ እዋን’ውን ዝተልዓሉ ከጥፈአካ እዩ ኢሎም እዮም።ግና ዝጠፍአ ህዝቢ ትግራይ እዩ ፤ብመሰረቱ ንደርጊ’ውን ዝሃብዎ ግዘ የለን። ኣብቲ እዋን ተዘይረዲእኒ’ውን ታሪኽ እንትርኢ ግና ንደርጊ ‘ውን ናይ ፅሞና እዋን ኣይሃብዎን፤ ደርጊ ስልጣን ምስ ሓዘ እዩ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝወፁ። ካብ ኣዲስ ኣበባ ወፂኦም ቃልሲ ጀሚሮም፡፡

ካብኡ ቐፂሉ ኹናት ኢትዮ-ኤርትራ ዝፍለጥ እዩ። ብኽልተ ውልቀ ሰባት እዩ እቲ ኹሉ ሰብ ዝተወደአ። እንታይ ክተምፅእ ኢኻ ተባሂሎም እዚ ኹሉ ህዝቢ ትግራይ ረጊፉ። ካብኡ ሓሊፉ ድማ ኣብ ካልእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘሕድሮ ሓደጋ ዝዝከር እዩ። ዝገርም ግና ንሳቶም ኽልቲኦም ደቆም ናብ ወፃኢ ሊኢኾም ዝተዋለደ ህዝቢ እንታይ ከምዝገበርዎ ታሪኽ ባዕሉ ኣቕሚጥዎ እዩ። ምዝርራብ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። ኸዚ’ውን ምዝርራብ እናተኽኣለ ንሳቶም ዝደልይዎ ኹሉ ጥራሕ ገይሮም ካብ ባዕሎም ሓሊፉ ንፈተውቶም ናብ ወፃኢ ሊኢኾም ናብዚ ኩነታት ምእታዎም ብጣዕሚ እዩ ዘሕዝን።

ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ኣደባባይ ወፂኡ ስራሕ ሰሪሕኹም ኢኹም ዝበሎም ህዝቢ እኮ እዩ እዚ ዕዳ ዝመለሱ። ትማሊ ንዓኣቶም ናብ ስልጣን ንምምፃእ መስዋእትነት ዝኸፈለ መከላከያ ሰራዊት ከምዚ ዓይነት ዕዳ ዝተመለሰሉ ፤ ምቕራይ ይካኣል ነይሩ እዩ። ከምኣቶም ኻልኣይ ዕድል ዝረኸበ የለን። ዶክተር አብይ ምዃኑ ንባዕሉ ንዓኣቶም እድል እዩ ነይሩ። ኣይተጠቐምሉን’ምበር ፅቡቕ ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ። ዝሓዝዎ ገንዘብ ኣብ ኢዶም እዩ። ከምዝደለይዎ እዮም ዝነብሩ። ህዝቢ ኢትዮጵያ እንተበዲልናካ ይቕርታ ኢሎም ተዝነብሩ ማንም ኣይነኽኦም ነይሩ። ብጣዕሚ ቀሊል እዩ ነይሩ። ምኽንያቱ ምሳኣቶም ብሓደ ኾይኖም እናሰረቑ ዝነበሩ ሰባት እኮ ብነፃነት እናነበሩ እዮም። ይቕርታ ጠይቖም ተዝነበሩ ነይሮም ህዝቢ ኢትዮጵያ ምንም ኣይምበሎምን። ህዝቢ ኢትዮጵያ ናይ ይቕርታ ህዝቢ እዩ። ንሳቶም ግና እዚ ኣይደለዩን።

ቅድሚ ኸዚ ከምዝበልዎ ሚኢቲ ዓመት ናብ ምንጋስ  ትልሚ ሒዞም ሃንደበት ካብ ድቃሶም እንትነቕሑ ኣብ ጫካ ባዕሎም ረኺቦምዎ። ኣብ ዱባይ ከም ደስተኡ እናዘሩ ዝነበሩ ሃንደበት ካብ ምድቃሱ እንትነቅሕ ባዕሉ ኣብ ጫካ እንትረኽቦ ከምይ ዘይድንግፅ ? ከም ሰብ የደንግፅ እዩ።መሳርሒ ኣብ ኢዶም እዩ፤ ኹሉ ነገር ኣብ ኢዶም እዩ።እዚ ኹሉ እንትኾን ሃንደበት ከይተሓሰበ በቃኹም እንትብሎም ባዕሎም ኣሲሮም ኣብ ጫካ ተረኺቦም። ናይ ህዝቢ ኢትዮጵያ ግፍዕን መከራ’ውን ኣለዎ እዩ። ድሕሪ ኸዚ እንተፈራገጡ’ውን ምንም ኣየምፅኡን። ከምዝለመድዎ ንፁሃት ከጥፍኡ እዮም፤ መስዋእት የኽፍሉ። ዝፈረደሉ ህዝቢ ትግራይ ክንደይ ዝኣክል በደል ከምዝበፅሖ ዝፍለጥ እዩ፡፡ኸዚ’ውን መናእሰይ ተወዲኦም ትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ ልዕሊ ኪሎኦም መሳርሒ እናተሸከሙ ናብ ኹናት እናእተውዎ እዮም።ዘይሩ ዘይሩ ፀላኢ ህዝቢ ትግራይ ህወሓት እዩ።ህዝቢ ትግራይ ምስ ካልኦት ማሕበረሰብ ተስማዕሚዑ ክነብር ኣይኽእልን።እዚ ጉጅለ ኹሉግዜ ብሰብ ደም እናተረማመደ ኣብ ስልጣን ኮፍ ምባል እዩ ዝደሊ።ኣብ ደርጊ ኾነ ኣብ ሻዕብያ ንሳቶም ኣይሞቱን። ኣነ ዝገርመኒ እዚኦም ሰባት ክሳብ ኸዚ ብሂወት ምንባሮም እዩ።ኣብ እዋን ደርጊ 17 ዓመት እንትቃለሱ ካብኣቶም ውሽጢ ሓደ ሰብ ኣይሞተን።ባዕሎም ከምዝፈትዉ ዝፍለጥ እኮ ስብሓት ነጋ ‹‹ከይትቐትሉኒ››ኢሉኮ ኦዩ ኢዱ ዝሃበ። ካብዚ ንላዕሊ ንባዓልካ ምፍታይ እንታይ ኣሎ፤ ንህዝቢ ነፃነት እንድሕር እትቃለስ ኾይንካ ባዓልካ’ውን እናሞትኻ እዩ።ህዝቢ ዝባሃል ንዓዓቶም ግዶኦም አይኮነን። ህዝቢ ተጠመየ ‘ውን ተፀምአ ግዶም ኣይኮነን።ንሳቶም ዝበልዎ ኣሜን እናበለ እናተቐበለ ነቢሩ እዩ።እቲ ህዝቢ ግና ሱቕ ዝብል ካብ ስሕተቶም ክመሃሩ እዮም ብምባል እዩ።ንሳቶም ግን ከምዝለመድዎ ብሰብ ደም እናተረማመዱ ምንባር እዮም ለሚዶም፡፡

ኣብዝሓ ዕድመ ሰባት ህወሓት ልዕሊ 60 እዮም።እዚ ኾይኑ ግና ዝተምሃረ መንእሰይ ኣብ ጎኖም ኮፍ ክብል ኣይደልዩን።ዝተምሃረ ብኣኣቶም ኣይድለንምኽንያቱ ፍልጠትን ገንዘብን ዘለዎ ኣይፈትዉን። ንሳቶም ኹሉጊዜ ህዝቢ ድኻ ገይሮም እዮም ክገዝኡ ዝደልዩ። ሎሚ’ውን ከምዝራኣዩ ካብ ድኽነት ከይወፅእ ደቁ እናነጠቐ መስዋእት ክትኾን ኣለካ ፣ኣምሓራ ክገዘኣካ እዩ ፣ኣምሓራ መፂኡ እናበሉ ህፃናት እናሰለፈ እዩ ዘሎ።ናበይ ከምዝኸዱ ዘይፈልጡ ህፃናት እዮም። ግፍዒ ህወሓት ኣብዚ ብርኪ በፂሑ እዩ። ርግፅ እዩ እንተፀንሐ’ውን እዞም ሰባት ምጥፍኦም ኣይቀርን።

ኸዚ ዝወልዖ ሓዊ መጥፊኦኦም እዮም።ኣብዚ ሰዓት ህዝቢ ትግራይ ዝበልዖ ሲኢኑ ስለ መሬት እንጭነቐሉ ኣይነበረን።ድማ ናይዚ ሃገር ሃይማኖት ኣሎ፤ ሽማግለታት ኣለዉ ፤ብቐሊሉ ዝስተኻኸል ነገር ኣብዚ ኸዚ እዋን ህዝቢ ትግራይ ማይን እኽልን ኣብ ዝሳኣነሉ እዋን ከምዚ ክግበር ኣይምተገበኦን። ምድርዳር ይካኣል ነይሩ እዩ። ካብ ሞት ሰብ እንታይ ይርከብ። እቲ ህዝቢ ኣምሓራ መፂኡ መሬት ክውሰደላ እዩ ተባሂሉ እቲ ህዝቢ ድማ መሬት ንምንታይ እዩ ዝውሰድ ኢሉ ናብ ኹናት ከይተረደኦ ኣትዩ። እዚ ህዝቢ ዘይተምሃረ ሓስታይን ካልእ ዘማርፀሉ ፖለቲካዊ ውድብ የብሉን።እቲ ሓቂ ዘርድኦ ፖለቲካ ዝፈልጥ ኣይረኸበን። በዚ ኩነታት ህይወቱ ንምድሓን ናብ ኹናት እንተኣተወ’ውን ኣይፍረደሉን። ዘዳምፅ ናታቶም ሚድያ ጥራሕ እዩ። ካልእ ሚድያ ኸፊቱ ዝተረኸበ ከም ፀላኢ እዩ ዝውሰድ። ህዝቢ ትግራይ ምንም ምሕሳብ ከምዘይኽእል ገይሮም እዮም ሰሪሖምዎ፡፡

ወጋሕታ፡-መንግስቲ በይናዊ ተኹሲ ጠጠው ምባል ብምግባር ግዘ ጥሞና ብዘይምቕባል እናተገበረ ዘሎ ምንቅስቃስ ናበይ የምርሕ ኢልካ ትሓስብ?

ኣይተ ሓጎስ፡– ፅሞና እዋን ዝተለመደ እዩ።እዚ ማለት ኣብ ዓለም ዘይምርድዳእ እንትፍጠር ብውሕድ እዋናት ጠጠው ምባል ይግበር እዩ።እታ ሓንቲ ኾነት ኽልተ መዓልቲ መድሓኒት ትኾን እያ ተባሂሉ እዩ ዝሕሰብ። ንናተይ እምነት መንግስቲ ዝገበሮ ነገር ትኽክል እዩ።ንምንታይ ክባሃል ህዝቢ ትግራይ ኣበይ ኩነታት ከምዘሎ ክርዳእ ይጠቕሞ እዩ። ኣብቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ኾይና ብዙሕ ስራሕ ሰሪሕና ኢና።እቲ ህዝቢ ህወሓት ከምዝብሎ ምስ ኣምሓራ ኾነ ምስ ካልኦት ህዝብታት ፀገም የብሉን። ደቅና ኣብ ኣምሓራ እንድዮም ዘለዉ እዮም ዝብሉ፡ ፡ኸዚ ኣብ ብዙሕ ዩኒቨርሲቲ ተወለድቲ ትግራይ ኣለዉ እዮም።ምንም ኣይኾኑን።ስለዚ እቲ ህዝቢ እዚ ሓቂ ይፈልጥ እዩ። እዚ ዘሪአካ ኣብ ሕብረተሰብ ፀገም ዘይምህላዉ እዩ። ቅድም ኢለ ከምዝበልክዎ ሓደ ንሓሙሽተ ናይቲ ቀበሌ ካድረ ናይቲ ህዝቢ ኣመለኻኽታ በሪዝዎ እዩ። ሓደ ናይ ቀበሌ ካድረ ናይቲ ቀበሌ ሰብ ብሙሉኡ ክኣስር ይኽእል እዩ። እዚ ኣሰራርሓ ህወሓት እዩ። ብጣዕሚ ብዘሕዝን ኩነታት ናይቲ ህዝቢ ኣእምሮ ኣበላሽየምዎ እዮም።እቲ ህዝቢ ሰላም ናፋቒ እዩ። ዝወለድናዮ ንኹናት ምሃብ ኾይኑ እዩ ዝብል። ክጅመር ኸሎ ሕቶ ህዝቢ ትግራይ እዚ ኣይኮነን። ክሳብ ኸዚ ሪኦምና ዘይፈልጡ ድሕሪ እዚ ኹሉ ዓመት መሐብኢ ገይሮምና ዝብል እዩ። ምኽንያቱ ትግራይ ኣይፈልጥዋን። 1983 ዓ.ም መፂኦም ንለካቲት በዓል እዮም ዝኸዱ። ኣብ መቐለ ገዛ የብሎምን። ህዝቢ ትግራይ ኣይፈልጥዎን። ስለዚ እዚ ኹላ ገዲፎምና ፀኒሖም ንምንታይ እዮም ናብ ኹናት ዘእትውና እዮም ዝብሉ።

ወጋሕታ፡-እቲ ግብረ ራዕዳዊ ሓይሊ እቲ ህዝቢ እኽሊ ንከይረክብ ኽልከላ እናገበረ ከምዝኾነ ንህዝቢ ዘይሓስብ ሓይሊ ከምዝኾነ መረጋጋፂ ዶ ይኸውን?

ኣይተ ሓጎስ፡– ኣብ ፕሮፖጋንዳ ህወሓት ፀገም የብሉን። ንሳቶም ዝደልዩ ሓደ ግዘ ትግራይ ሃገር ክንገብር ኢና ይብሉ ፤ ትግራይ ሃገር ከምዘይትኾን ብደንቢ ይፈልጡ እዮም። ብኻልእ ወገን ድማ ኢትዮጵያ ናይ ምሕማስ ስትራቴጂ እዮም እናተኸተሉ ዘለዉ። ህዝቢ ትግራይ ጠምዩ ይብሉ ብቀጥታ በረራ ናብ ትግራይ ንምግበር ዓለምለኸ ሕብረተሰብ እናጭበረበሩ እዮም። ከምዝፍለጥ እዚ ዝገብሩ መሳርሒ ንምእታው እዩ። አብዚ ድማ መንግስት ኣነ’ውን ከም ውልቀ ኣይቅበሎን።ናብ ኢትዮጵያ ካብ ዝኾነ ዓለም ርዳእታ ክመፅእ ይኽእል እዩ። ኾይኑ ግና ብፌደራል መንግስቲ ኣፍልጦ ረኺቡ ፍተሻ ተገይርሉ እዩ፡፡እዚ ድማ ንሳቶም’ውን ይፈልጡ እዮም። ዘሕዝን ነገር ህዝቢ ትግራይ ብጥምየት ኾነ ብጥይት ምሟቱ ግዲ ኣይህቦምን። ስለዚ እቲ ህዝቢ ብባዕሉ ማዕበል ተለዓዒሉ ኣይደልን ክብል ኣለዎ። ህዝቢ ትግራይ ዕለማ ንዘይብሉን ምኽንያት ንዘይብሉ ክመውት የብሉን።

ብፍላይ መንእሰይ ፅባሕ ንዝሓልፍ ንኻልእ ሞት ብፍፁም ባዕሉ ኣሕሊፉ ክህብ የብሉን። ሓቂ ንምዝራብ ንዓይ ካብ ማንም ንላዕሊ ዝኾነለይ ህወሓት እንተይኾነስ ህዝቢ ኢትዮጵያ እዩ።ኣብ ኹሉ ክልል ዘሎ ናይቲ ክልል ተወላዲ ሰሪሑ ምንባር ጥራሕ እዩ ዘለዎ። ታሪኻዊ ዝኾነ ስሕተት ክሰርሕ ከምዘይግባእ’ውን ክዛረብ ይፎቲ፡፡ትግራይ ኣብ ኢትጵዮያ ውሽጢ እያ ዘላ፡፡ህልውና ህዝቢ ትግራይ ዝረጋገፅ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ከምዝኾነ ጥርጥር የብሉን። ትማሊ ከምዝነበረናዮ ክንነብር ኣለና ተወለድቲ ትግራይ ኣብዛ ሃገር ካብ ቕድም ጀሚሩ ከም ማንም ኢትዮጵያዊ ባዓል ቤት ስልጣን ኾይኑ እዩ ነቢሩ። ዝኾነ ትግራዋይ ብኢትዮጵያውነቱ ኾሪዑ ክነበር ኣለዎ። እዚኦም ሓደጋኛታት ዘርእና ከጥፍኡ ዝመኽሩ ኣብ ኣደባባይ ክንቃዎም ኣለና። ብፍላይ ኣብዚ ዘሎ ትግራዋይ ንዓለም ማሕበረሰብ እቲ ሓቂ ንክፈለጥ ምግባር ኣለዎ፡፡

ወጋሕታ፡-ምስ እዚ ተዳሓሒዙ ኣብ ወፃኢ ዝነበሩ ተወለድቲ ትግራይ እተመሓላልፎ መልእኽቲ እንተሃልዩ?

ኣይተ ሓጎስ፡-ኸዚ ኹላትና ኢትዮጵያውያን ብሰነ ኣእምሮና እንተኾይኑ ብዛዕባ ሃገርና እናሓስበሉ እዋን እዩ። ከምዝፍለጥ ለውጢ እንትመፅእ ዝምቸዎ ኣካል ከምዘሎ ኹሉ ዘይምቸዎ ኣካል’ውን ኣሎ። ሃገራትን መንግስታት’ውን ኣሎ ።ንዓና እንድሕር ተመችይና እቲ ኻልእ ትርፊ እዩ። ግና ህወሓት ዝሰርሖ ፕሮፖጋንዳ ግና ንሕና ኣይሰራሕናን። ሕሶት ክደጋገም ኸሎ ሓቂ እዩ ዝመስል። ስለዚ ናይ ህወሓት ሓሶት እናተኸታተልና ክነፍርስ ይግባእ።ስለዚ ኹሉ ኢትጵያዊ ንዓለም ከፈልጥ ኣለዎ። ፖለቲካ ካልእ እዩ ሃገር ካልእ እዩ። ኸዚ ጎንፂ ፌደራል መንግስትን ህወሓትን ጉዳይ ፖለቲካ ኣይኮነን። ዓርስኻ ምፉታይ እዩ። ፖለቲካ ማለት ማዕረ ቦታ ኾይኖም ፖለቲካ ከፈላልዮም ኸሎ እዩ። ህወሓት ብምኽንያት ፖለቲካ ኣይኮነን ካብ ስልጣን ዝተልዓለ። ህዝቢ ኢትዮጵያ ይኣክል ዝበሎ። በዚ ኣጋጣሚ ኣብ ዝተፈላዩ ሃገራት ዘለዉ ተወለድቲ ትግራይ ብዘይ ምንም ጥርጣረ ከውግዝዎ ኣለዎ።ምኽንያቱ ዘርእና እናጠፍአ እዩ ዘሎ። ብኹናት ምኽንያት እቲ መንእሰይ ዝጠፍእ እንተኾይኑ ሽማግለ ጥራሕ ሒዝና ክንተርፍ ኢና። መላእ ዲያስፖራ ንዓለም ማሕበረሰብ ፅዕንቶ ብምፍጣር ህዝቢ ከንቅሕ ይግባእ። ንሕና ዝተፃላእና ሓደ ተራን ህዝቢ ኣይደልየካን ዝበሎ ግብረ ራዕዲ ‘ምበር ሕድሕድና ኣይኮናን። እዚ ክንፈልጥ ኣለና። ፖለቲካ ካልእ ጉዳይ እዩ። ውልቃዊ ጉዳይና ናብ ጎኒ ብምግዳፍ ምስ መንግስቲ ጎኒ ጠጠው ክብል ይግባእ። ኣብ ወፃኢ ዘለዉ ዳያስፖራ’ውን ናብ ልቦነኦም ንክምለሱ ፃውዒት የቕርብ።

ወጋሕታ። ንዝነበረና ፃንሒት የመስግን፡፤

ኣይተ ሓጎስ፡- ኣነ እውን የመስግን፡፡

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ 23 መጋቢት 2013 ዓ.ም

Recommended For You