
ኣብ ዝሓዝናዮ ሰሙን ንመበል 46 እዋን ዝካየድ ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ኣፈፀምቲ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካን መበል 38 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካን ካበ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ብዙሓት ኣጋይሽ ዝርከብሉ ‘ዩ።
ኣብቲ ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት፣ ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢን ልኡኻት መራሕቲን፣ እንግዶት ዝተገበረሎም ኣባላት ኣጋይሽ ሓዊሱ ልዕሊ 15 ሺሕ ኣጋይሽ ንኽሳተፉ ‘ዩ ምድላዋት እናተገበረ መፂኡ፡፡ ንኸይዲ እቲ ጉባኤ ንምፅብፃብ ድማ ናብ ሓደ ሺሕ ዝፅግዑ ጋዜጠኛታት ፍቓድ ወሲዶም ኢዮም። ነዚ ጉባኤ ብዝተሳኸዐ መልክዑ ንምዝዛም እናተገብሩ ዝመፁ ምድላዋት እንታይ ይመስል ዝብልን ኣብቲ ጉባኤ ተሳትፎ ኢትዮጵያ እንታይ ክመስል ኣለዎ ዝብልን ዝተፈላለዩ ሓላፍቲ ዕዮታት ሚኒስቴራትን ሙሁራትን ሓሳብ ዝሓብሉ ከምዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፡፡
ንመበል 38 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ክግበር ዝፀንሐ ምድላው ምዝዛሙ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣብ ዘፍለጠሉ፤ ኣብቲ ጉባኤ ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ዘሕልው ኣጀንዳታትን ፈልያ ከምዝትሳተፍ ተሓቢሩ ‘ዩ። ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ሚኒስትር ዴኤታ ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖ ኣብቲ ዝጅምር መበል 38 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካን መበል 46 መደበኛ ኣኼባ ስራሕ ኣፈፀምቲ እቲ ሕብረት ኣመልኪተን ኣብ ዝሃብኦ ጋዜጣዊ መግለፂ ከምዘፍለጠኦ፤ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ብዝተፈለየ መልክዕ እቲ ጉባኤ ዕውት ብዝኾነ መንገዲ ንምዝዛም ኹሉ ዓይነት ምድላው ተገይሩ ‘ዩ።
ከም ገለፃ እተን ኣምባሳደር፤ እዛ ሃገር ዓለም ለኸ ጉባኤታት ናይ ምትእንጋድ ልምድን ዓቅምን ዝለዓለ ምዃኑን ንዓለም ንምርኣይ ብዘኽእል መልክዕ ብላዕለዎት ኣመራርሓታት ዝምራሕ፤ 35 ትካላት ዘካተተ ብሄራዊ ኮሚቴ ተመስሪቱ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ክስርሑ ፀኒሖም ‘ዮም። እቲ ምትእንጋድ ጉባኤ ካብ ዝሓለፉ ዓመታት ብዝተፈለየ መልክዕ “ኩሉ ዜጋ ንሃገሩ ዲፕሎማት ‘ዩ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ 101 ወለንታውያን ናይ ፕሮቶኮል ካዴታት ብምስልጣን ብዝተዋደደ መልክዕ ስራሕቲ ምድላው እናተኻየደ ፀኒሑ ‘ዩ፡፡
ብዕጀባ ንዝሳተፉ 305 ኣሽከርከርቲ ስልጠና ምውሃቡ፣ ን302 ሰብ ሞያ ሆቴል ስልጠና ብምሃብ ዝተማልአ ምድላዋት ሆቴል ምግባሩ ‘ውን ብምግላፅ፤ ነዚ ጋጣሚ ብምጥቃም ሓደሽቲ ኮሪደር ልማዓት ኣዲስ ኣበባ ፣ ኣብ ቀረባ ዝተሓዲሱ ብሄራዊ ቤተ መንግስቲ ፣ ማእኸል ኮንቬክሽን ኣዲስ ኣፍሪካ፣ ከምኡ ‘ውን ካብ ነባራት ዝኽሪ ሙዚየም ዓድዋ ፣ ሓድነትን ሕውነትን እንጦጦ ፓርክታትን ንዑደኛታት ድልዋት ካብ ዝኾኑ ተፀራሕቲ ምዃኖም ተገሊፁ ‘ዩ።
እቲ ጉባኤ ብዕዉት ኩነታት ንምውጋን ምውዳድን ምንባብን ትካላት ብዘረጋግፅ መልክዑ 35 ትካላት ፌደራልን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ዝርከቡሉ ዓብዪ ኮሚቴን ንኡሳን ኮሚቴታትን ተጣይሾም በቢእዋኑ ብምግምጋም ነቲ ስራሕ ብዕዉት ኩነታት ከምዝመርሑ፤ ብሰለስተ ዓለም ለኸ ቋንቋታት ብቑዓት ዝኾኑ ካዴታት ሰልጢኖም ምስ ነባር ዲፕሎማሰኛታት ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ተዋፊሮም ‘ዮም፡፡
ብተመሳሳሊ መበል 38 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ብዕዉት ኩነታት ንምትእንጋድ ዘኽእል ኩለ መዳያዊ ምድላው ከምዝተገበረ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኣብ ዘፍለጠሉ፤ መንግስቲ ሃገርና ኢትዮጵያ ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ዝሳለጥ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ብዝሓሸ መገዲ ብድምቀት ንምትእንጋድ ኣድላዪ ኩሉ ቅድመ ምድላው ብምዝዛም ኣጋይሻ ንምቕባል ተዳሊያ ኣላ ብምባል ነቲ ኣብ ላዕሊ ብምኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዘተገለፀ ኣረጋጊፅዎ ‘ዩ።
ከም ዝፍለጥ ኢትዮጵያ ንምስረታ ሕብረት ኣፍሪካ ይኹን ድሕሪ ምስረታ መስ ካልኣት ሃገራት ኣፍሪካ ብምዃን ልዑል ኣስተዋፅኦ ምግባራ ብምግላፅ፤ መንበር እቲ ሕብረት ከም ምዃንና መጠን በቢዓመቱ ዝሳለጥ ጉባኤ ኣፈፀምቲ ስራሕን መራሕቲን ብድምቀት እነተኣናገደ ምምፅኡ ብምዝኽኻር ኢትዮጵያ ኣብ ፓን ኣፍሪካኒዝም መበገስን ምዕባለን ዝነበራ ግደ ኩሉ ግዘ ዝዝከር ቀዋሚ ሓውልቲ ኢዩ ክብል ገሊፁ ገሊፁ ‘ዩ።
ኢትዮጵያ ማእኸል ኣፍሪካ ንክትከውን ካብ ዝዓደምዋ ብርክት ዝበሉ ምኽኒያታት እቲ ሓደ፣ መንበርን ሕብረት ኣፍሪካን ካልኦት ዓለም ለኸ ትካላትን ምዃና ኢዩ ዝበለ እቲ መግለፂ፤ ኣዲስ ኣበባ ‘ውን ካብ ኒውዮርክን ጄኔቫን ቀፂላ ናይ ብዙሓት ዲፕሎማሲያዊ ትካላት መንበሪት ኢያ። እዚ ማእኸል ዲፕሎማሲ ሰንደቕ ዓለም ሃገር ብኹርዓት ዝንበልበለሉ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እንትውሰኾ ከዓ ኣብዝሓ ኣፍሪካዊ ብውሑድ ሓደ ግዘ ኢትዮጵያ ናይ ምርኣይ ዕድል ንክረክብ ገይሩ ኢዩ ክበል ገሊፁ ‘ዩ፡፡
ምስ ቪዛ፣ ክሊራንስ ፍቓድ ሚዲያን ተተሓሒዙ ኣገልግሎታት ብዝተቐላጠፈን ዝተናበበን መልክዑ ንኽወሃቡ ብፍሉይ ትኹረት ተሰሪሑ ‘ዩ፡፡ ሆቴላት ካብ ዝህቡዎ ኣገልግሎት ብተወሳኺ ኣጋጣሚ ብምጥቃም መብፅሒታት ቱሪስት ሃርና ንኸፋልጡ ዘኽእል ደረጀኦም ዝሓለዉ ሓበሬታታት ብሰለስተ ዓለም ለኸ ቋንቋታት (እንግሊዘኛ፣ ፈረንሳይኛን ዓረብኛን) ቀሪቦም ‘ዮም፡፡
ኣገልግሎት ትራንስፖርት ዝህቡ ናይ ታክሲ ኣሽከርከርቲ ስልጠና ሰናይ መስተንግዶ ካብ ምውሳድ ብተወሳኺ ንኣጋይሽ ዘካፍሉዎ ሓበሬታ ንኽሰንቁ ተገይሩ ‘ዩ፡፡ ከም መብራህትን ቴሌኮሚኒኬሽንን ዝበሉ ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላት ብዝላዓለ ድሉውነት ኣገልግሎት ንከቕርቡ እናተሰርሐ መፂኡ ‘ዩ፡፡ብፍላይ ድማ እቲ ጉባኤ ብሰላም ንኽዛዘም ግብረ ሓይሊ ፀጥታን ድሕንነትን ብቴክኖሎጂ፣ ብኣሰራርሓን ሓይሊ ሰብን ምውፋር ብምግባር ካብ ካሊእ ግዘ ንላዕሊ ክዳሎ ፀኒሑ ‘ዩ፡፡
ኣጋይሽና ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት ካብቲ ኣኼባ ብተወሳኺ ኣብ ሃገርና ዝርከቡ መስሕባት ቱሪስት ንኽጉብንዩ፣ ፃዕሪታት ልምዓትን ውፅኢታትን ተዘዋዊሮም ንኽሪኡ፣ ፍርያታት ኢትዮጵያ ንኽቋደሱን ክሸማምቱ ንምግባር ካብ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ብዙሓት ፃዕሪታት ተገይሩ ‘ዩ፡፡
ከምዝፍለጥ ኣጋይሽ ናብ ሃገርና እንትመፅኡ ካብ ውሽጢ መተኣናገድቲ ኣውሮፕላን ጀሚሩ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ዝረኽቡዎም ዝተፈላለዩ ትካላት ኣተሓበበርቲ፣ ኣሽከርከርቲ ታክሲን ናይ ሆቴል መተኣናገድቲን ሓዊሱ ምስ ዝተወሰኑ ሰባት ኢዮም ምትእትታው ዝፈጥሩ፡፡ ምስ እዞም ውሱናት ሰባት ዝህልዎም ምትእስሳር ብዛዕባ ኢትዮጵያ ይኹን ብዛዕባ ኢትዮጵያውያን ንነዊሕ እዋን ዝፀንሕ ዝኽሪ ዝሕዙሉ ኢዩ፡፡ ብምዃኑ ድማ ኣጋይሽ ተቐቢልና ኣብ እነተኣናግደሉ እዋን ከም ሙያ ዓውዶም ጥራሕ እንተይኮነስ ከም ሓደ ተቐባሊ ኢትዮጵያዊ ንክኸውን ፃውዒት ሓደርኡ ኣመሓላሊፉ ‘ዩ።
ከምኡ ‘ውን ክሳብ መዛዘሚ እቲ ጉባኤ ኣብ ዝህልዉ መዓልታት ምስ ምዕፃው መገዲ ተዛሚዱ ዝህሉ ውሱን ምትእጉጓል ሃገርና ነዚ ልዑል ትርጉም ዘለዎ ኣህጉራዊ መድረኽ ብምትእንጋዳ ብመንፅር ዝርከብ ረብሓ ብምርኣይ ብዝተለመደ ኣቀባብላ ኣጋይሽ ንኽተኣናገዱ ፃውዒቱ ኣቕሪቡ ‘ዩ፡፡
ምስቲ ጉባኤ ምክያድ ተተሓሒዙ ዕለታዊ ውዕሎ እቲ ማሕበረሰብ ምስቲ መርሃ ግብሪ ብምጥዕዓም ካብ ብሐዚኡ ኣድላዪ ቅድመ ምድላው ንክገብሩ ብምትሕስሳብ፣ ነዚ ዝሕግዝ በዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ዝወሃቡ ሓበሬታታት ንኸትከታተል ኣተሓሳሲቡ ‘ዩ።
ካብዚ ኣጀንዳ ከይወፃእና ኢትዮጵያ ኣብዚ ጉባኤ ብሄራዊ ረብሓአ ዘሕልው ኣጀንዳታትን ፈልያ ከምዝትሳተፍ ዘፍለጣ ድማ ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ቋዋሚ መልእኽተኛ ኢትዮጵያ ኽብርቲ ኣምባሳደር ሂሩት ዘመነ ኢትዮጵያ ኣብቲ ጉባኤ ሓምላዋይ ልምዓት፣ ኣብ ግብርና፣ ሓለዋ ከባቢ፣ ምገባ ተምሃሮን ኣብ ስራሕቲ መሰረተ ልምዓት ዝተሰርሑ ዓበይቲ ስራሕቲ ከምዝተቀርብ እየን ሓቢረን።
እዚ ከምዘሎ ከይኑ ሕብረት ኣፍሪካ ይኹን ኣባልት ሃገራት እቲ ሕብረት ናይ ሓባር ሽቶ ንምስኻዕ ዝገበርኦ ፃዕሪ ክሰርሕኦ ዝደልያ ኣጀንዳን ኣፈፃፅማን ህዝቢ ፈሊጥዎ ተሓባባሪ ንከኸውን ብዛዕባ ኣጀንዳ 2063 እኹል ሓበሬታ ምሃብ ከምዘድሊ ምሁራት ገሊፆም ‘ዮም፡፡
ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዓለምለኸ ርክብ ዞባዊ ጉዳያት ተመራማሪ ጌታቸው ቶማ (ዶ/ር) ከምዝብልዎ፤ ሕብረት ኣፍሪካን ኣባላት ሃገራትን ዝኾነ ይኹን ናይቲ ሕብረት ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካዊን ኣጀንዳታት ዓላምኦምን ኣፈፃፅምኦምን ኣብ ምፍላጥ ክፍተት ኣለዎም፡፡
ኣብ ትግበራ ምዕራፍ ዝተረኸቡ ዓወታት ከምኡ ‘ውን ትኹረት ዝደልዩ ፀገማት ህዝቢ ክፈልጥን ኣካል መፍትሒ ንክኸውን ኣብ ምግባር ውስንነት ኣሎ ‘ዩ፡፡ ኣብዝሓ ህዝቢ እቲ ኣህጉር ‘ውን ብዛዕባ ሽቶታት ልምዓት እቲ ሕብረት ኢሉ ‘ውን ኣህጉራዊ ኢኮኖሚያዊ ናይ ምትሕብባር ማዕቀፋት ብቁዕ ሓበሬታ የብሉን፡፡ እዚ ድማ ክእረም ዘለዎ ዓበዪ ስሕተት ‘ዩ፣ ትካላዊ ግልፅነትን ተበፃሕነትን ክሳብ ዘይሃለወ ዝኾነ ይኹን ኣጀንዳ ዕውት ብዝኾነ መልክዕ ምፍፃም ኣይክኣልን፣ ንሓበራዊ ዓላማን ራእይን ዕውትነት ምትሕብባር ወሳኒ ‘ዩ ይብሉ።
ነዚ ድማ ራእይ ብግቡእ ምፍላጥን ናብ ህዝቢ ምስራፅን ናይ ግድን ‘ዩ፡፡ ሕብረት ኣፍሪካ ይኹን ኣባል ሃገራት ናይ ሓባር ራእይ ንምስኻዕ ብዝገብርዎ ፃዕሪ መስራሕን ከብፃሕ ዝድለይ ርሕቀት ህዝቢ ክፍልጦ ብምግባር ተሓባባሪ ንክኸውን ምግባር ከምዘለዎምን እዚ ድማ ካብ ኩሉ ብላዕሊ መራኸብቲ ሓፋሽ ዘለዎም ግደ ልዑል ከምዝኾነ የረድኡ፡፡ መራኸብቲ ሓፋሽ ‘ውን ጉዳያት ብንቅሓት ምክትታልን ንዕውት ኣፈፃፅምኦም ምስራሕ ከምዘለዎም ይገልፁ፡፡
ኣብ መበል 38 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምርካብ መሰል ከም ሓደ ኣጀንዳ ክልዓልን ስራሕቲ ዲፕሎማሲያዊ ክስርሓሉ ይግባእ ክብሉ ኣቦ ወንበር ትግራይ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲን (ትዴፓ) ኣረጋዊ በርሀ (ዶ/ር) ብግዲኦም ገሊፆም ‘ዮም፡፡
ኣረጋዊ በርሀ (ዶ/ር) ኣብ ዙርያ እቲ ጉዳይ ንትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ከምዝገልፅዎ፤ ኢትዮጵያ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ኣፍደገ ባሕሪ ዝነበራ ዓባይ ሃገር ‘ያ፤ ይኹን እምበር ዘሓለፉ ሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ክሳብ ሐዚ ከምዝፀንሐት ብምዝኽኻር፤ ሐዚ ግና ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ኣጀንዳ ኾይኑ ክቀርብ ከምዝገባእን እዚ ድማ “ንነፃነትን ሓድነትን ኣፍሪካ ዝተፃወትናዮ ግደን ሐዚ ‘ውን እናበረከትናዮ ንዘለና ሕቶ ህልውና ኢትዮጵያ ምዃኑ ኣሕዋትና ኣፍሪካውያን ክርድኡ ምግባር ይግባእ” ይብሉ።
ኣረጋዊ (ዶ/ር) ከምዝበልዎ፤ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ኣብ ዝኾነ እዋን ክልዓል ዘለዎ ሕቶ ‘ዩ። እቲ ሕቶ ጉዳይ ሃገር ብምዃኑ ኣብ ሕብረት ኣፍሪካን ኣብ ካልኦት መድረኻትን ብሰላማዊን ብሕጋዊን መንገዲ ክልዓል ይግባእ። እዚ ናይ ኹሉ ብፅሒት እነተኾነ ‘ውን ብፍላይ ኣብ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ መሰልን ዕብየትን ኢትዮጵያ ዘኽብር ጉዳይ ክልዓል ይግባእ። ነዚ ድማ ናይ ኩሉ መዳርግቲ ኣካልት ድጋፍ ከምዘድሊ ብምግላፅ፤ ፀገማትን ሃገራዊ ረብሓታትን በሰላማዊ መንገዲን ብቅንዕነትን ክፍትሑ ኣለዎም ክብሉ ገሊፆም ‘ዮም፡፡
ኣብርሃ ሓጎስ
ወጋሕታ 6 ለካቲት 2017 ዓ.ም