ህዝቢ ንሰላም ዘለዎ ድልየት ተቐባልነት ክህልዎ ግድን ‘ዩ

ኣብ ዝኾነ ሃገር መጀመርያ ሰላምን ሓድነትን ክረጋገፅ ኣለዎ፤ ብዘይ ሓድነትን ሰላምን ለውጢ ክመፅእ ዝኽእል ኣይኮነን፤ ስለዚ ልምዓትን ምዕባለን ዘቀላጥፍ ሰላም ስለ ዝኾነ ኣብ ሰላምን ሓድነትን ምትጋህ የድሊ:: መነባብሮ ህዝቢ ክቕየር እንተኾይኑ ህዝብን መንግስትን ሓቢሮም ጠጠው ክብሉ ይግባእ:: ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ኩናት ስዒቡ ብዙሕ ኪሳራ ከምዘጋጠመ ዝፍለጥ ኾይኑ እዚ ህዝቢ ኾነ መንግስቲ ብምንም ትኣምር ክድገም ኣይደልን::

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ፃውዒት ንህዝቢ ብፍላይ ድማ ንልሂቃን ትግራይ ብዝብል ብቋንቋ ትግርኛ ኣብ ዘስፈርዎ ሓሳብ ብቐንዱ ኣብ ትግራይ ሰፊኑ ዘሎ ወጥሪ ብሰላማዊ ኣገባብ ክፍታሕ ዝሓዘ መልእኽቲ ‘ዩ። እቲ ህዝቢ ካብ ተደጋጋሚ ኹናትን ጎንፅን ዝረኸቦ መኽሰብ ከም ዘየለ ፤ ሕዚ’ዉን ብዘሕዝን ኩነታት እቲ ህዝቢ እዚ ኹሉ መስዋትነት ኸፊሉ ግና ኸዚ ‘ውን ኣብ ፍርሒን ጭንቅን ተሓፂሩ ዝነብር ዘሎ ምዃኑ ‘ዩ::

ኣብ ውሽጢ ህወሓት ኣፈላላይ ብጐንፂ ናይ ምፍታሕ ድሌት ዘለዎም ውሑዳት መራሕቲ ምህላዎም ግልፂ ስለዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ናብ ጐንፂ ዝደፋፍኡዎ ዘለዉ ዓገብ ክብሎም ኣለዎ፤ ብኣንፃሩ ነቶም ልዝብን ሰላምን ዝደልዩ መራሕቲ ክድግፎም ይግባእ። እቲ ሐዚ ብተመሳሳሊ መገዲ ዝቐረበ ለበዋ ሰላም ህዝቢ ይኹን ዝኾነ ደላይ ሰላም ክድግፎ ግድን ‘ዩ። ጠንቂ ናይቲ ወጥሪ እቲ ኣብ መንጐ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ዝተፈጥረ ዘይምስምዕማ ብምህላዉ ውግእ-ሓድሕድ ከይፍጠር ኣብ ህዝቢ ዓብይ ሻቕሎት ፈጢሩ ይርከብ።

እዚ ቅልውላው ካብ ዝፍጠር ዳርጋ ድሕሪ ሓደ ዓመት ንፈለማ እዋን ርእይቶ ዝሃቡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ፤ ኣብ ውሽጥኹም ዘሎ ኣፈላላይ ኢሂን ምሂን ኢልኩም ጕዳይኩም ብሰላምን ብምርድዳእን ክትውድኡ ይሓትት ብምባል ንህዝቢ ትግራይ ‘ውን እዚ ከምዘይግበኦ ከምዝገለፁ ይዝከር:: ካብዚ ብዝሓለፈ መራሕቲ እቲ ክልል ምስ መንግስቲ ፈደራል ኾነ ካልኦት ሓይልታት ዘለዎም ኣፈላላይ ብሕገ መንግስቲ ሃገርናን ዲሞክራሲያዊ መገድን ብምርድዳእ ንምፍታሕ ድልዋት ንክኾኑ ፃውዒት ኣቕሪቦም ‘ዮም ።

ኣብቲ ክልተ ዓመታት ዝወሰደ ደማዊ ኲናት ሓድሕድ ብዙሓት ሰባት ሞይቶም፤ ብዙሓት ድማ ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎምን ግዳያት ጥምየትን ስደትን ኾይኖም፤ ብፍላይ ደቂ ኣንስተዮ ብዙሕ ፀገም በፂሕዎን ‘ዩ:: ብርክት ዝበሉ ህፃናት ብዘይ ወለዲ ቐርዮም ዮም::

ህዝቢ ትግራይ ይኹን መንግስቲ እዚ ክድገም ዝደሊ ኣይኮነን። እዚ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዘጋጥም እንተኾነ ‘ውን ድሕሪ ጐንፂን ኹናትን ናብ ዝሓሸ መገዲ ክኣትዋ እንከለዋ ብዙሓት ሃገራት ድማ ብውሽጣዊ ሕምስምስን ዘይምቅድዳውን ከጋጥመን ተራእየን ‘የን። ኣብ ትግራይ ድማ ድሕሪ እዚ ደማዊ ኹናትን ውሽጣዊ ሕምስምስ ከጋጥም ዝደሊ ኣካል እንተልዩ ሰላም ህዝቢ ትግራይ ዘይደሊ ጥራሕ ‘ዩ:: ኣለዉ ዝበሃሉ ፀገማት ብዝርርብ ክፍትሑ ምግባር መማረፂ ዘይብሉ መፍትሒ ‘ዩ። ብኹናት ዝፍታሕ ፀገም ክህሉ የብሉን፤ ኹናት ናይ ጭካነ መገዲ ‘ዩ መጨረሽኡ ‘ውን ኣዝዩ ዝሓቐን በሰላ ዝገድፍን ‘ዩ::

ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየዱ ዝተፈላለዩ ውግኣት ስዒቡ ዕፃ እቲ ህዝቢ ስደት፣ ምምዝባልን ፖለቲካዊ ሕምስምስን ክኸውን ፀኒሑ ‘ዩ። ክሳብ ሕዚ ብዙሕ ናይ ኹናት ታሪኽ ኣሕሊፍና ኢና፤ ሕዚ ዓብዪ ተበግሶ ሰላም እንወስደሉ ግዜ ኢና በፂሕና ዘለና፤ ዝኾነ ኣካል ንሓሳብ ዘይኾነስ ንኹናት’ዩ ክፈርሕ ዘለዎ :: ዝተፈላላዩ ኣካላት እቲ ዝሓለፈ በሰላ ንከይድገም ፃዕርታት እናገበሩ ይርከቡ:: ብፍላይ ድማ ትግራዎት እዚ ኹናት መሊሶም ክሪእዎ ኣይደልዩን:: ብዝተፈላለዩ መንገዲ ድማ ተቃውመኦም እናስምዑ ይርከቡ፤ እዚ ቀፃልነት ክህልዎ ዝግባእ ኣካይዳ ‘ዩ ፤ ምኽንያቱ ንሰላም ዝኽፈል ስጉምቲ ዘናስሕ ኣይኮነን::

ተጋሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ “ሕርያና ሰላም ‘ዩ” ብዝብል ቴማ ሰላማዊ ሰልፊ እንተካይዱ ዝተመሓላለፉ ቀንዲ መልእኽትታት ድማ ነዚ መንገዲ ሰላም ዘራጉድ ‘ዩ:: ፖለቲከኛታት ትግራይ ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ ፀገማትኹም ፈቲሕኩም ንህዝቢ ሰላም ኣምፅኡ፤ ንትግራይ ልምዓት እምበር ካሊእ ኩናት ኣየድልያን፤ ኣብቲ ክልል ዝካየድ ዘሎ ሰላማዊ ምንቅስቓስን ንጥፈታትን ብምዝራግ ዝረከብ ረብሓ የለን፤ ቀዳማይ ሕርያ ህዝቢ ትግራይ ሰላም ‘ዩ፣ ሰላም ብዝኾነ ነገር ክትካእ ኣይኽእልን፤ ኣቦ ትግራይ ሰላም ርሕቕዎ ኣሎ፣ ሰላም ይምለስ፤ ፖለቲከኛታት ትግራይ ፀገማትኩም ተዘራሪብኩም ብምፍታሕ ህዝቢ ካብ ኹናት ኣድሕንዎ፤ መንእሰይ ትግራይ ንልምዓት እምበር ንኲናት ኣይተፈጠረን ፤ ኣዶ ትግራይ ኩናት ይኣኽላ፤ ህዝቢ ትግራይ ናብ ኲናት ዳግም ንምምላስ ዝውሰድ ዝኾነ ይኹን ስጉምቲ ኣትሪሪና ንቃወሞ፤ ኣብ ትግራይ ሕጊ ኣልቦነት ንምስፋን ዝውሰድ ዘሎ ስጉምትታት ኣጥቢቕና ንቃወም፤ ዝብልን ካልኦትን መፈክር ብምድሓዝ ኣብ ሰላም ዘለዎም ዝጠንከረ ቅዋም ገሊፆም ‘ዮም:: ኣብ መቐለ ‘ውን እዚ ጉዳይ ሰላም ንድሕሪት ክባሃል ከምዘይግባእ እቲ ነባራይ ብሰልፍን ብዝተፈላለዩ መራኸቢ ሓፋሽን ብምጥቃም ሓሳቡ እናገለፀ ይርከብ::

እዚ ድማ ማንም ይኹን ክቕበሎ ዝኽእል ብፍላይ ድማ ህዝቢ ትግራይ ብዉሕዳት ፃምእ ስልጣን ዘለዎም ኣካላት ዳግም ናብ ዘይረብሕ ጎንፂ ንከይኣቱ ከምዚኦም ዝበሉ ኣብ ሰላም ዘተደረኹ ጎስጓሳት ዘድልዮ ‘ዩ:: መራሕቲ ኣብ ስልጣን ኮፍ ዝብሉ ድሕንነት ህዝቢ ንምሕላው ‘ዩ፤ እዚ ድማ ተግባራዊ ክገብርዎ ግድን ‘ዩ::

እዚ ዓምዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ዜጋታት ናፃ ሓሳቦም ዝህብሉ እዩ። ኣብዚ ዓምዲ ዝወፅኡ ፅሑፋት ናይ ክፍሊ ምስንዳእ ቅዋም አይኮኑን።

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ 6 ለካቲት 2017 ዓ.ም

Recommended For You