ምድላው ኢትዮጵያ ንዋዕላ ሕብረት ኣፍሪካን

ሕብረት ኣፍሪካ ኣብታ ኣህጉር ኣብ ምክልኻል ግርጭታት፣ ምሕደራን መፍታሕ ጎንፂን ዝለዓለ ውሳነ ዝህብ ትካል ‘ዩ። ኣብታ ኣህጉር ንዝፍጠሩ ግጭታት እኹልን ምላሽን ይህብ፤ ከምኡ ‘ውን ኣቐዲሙ መጠንቀቕታ ይህብ። ቁልፊ ዓንዲ ሰላምን ፀጥታን ኣፍሪካ ‘ዩ።

ብኣቃውማ እቲ ቤት ምኽሪ ማዕረ ድምፂ ዘለወን 15 ኣባላት ሃገራት ‘የን። ኣባላቱ ድማ ብፈፃሚ ቤት ምኽሪ ናይቲ ማሕበር ይምረፁ። ኣባልነቶም ብቤት ምኽሪ መራሕቲ ይፀድቅ፡፡ ሓሙሽተ ኣባላታ ንሰለስተ ዓመት የገልግሉ፤ እቶም ዝተረፉ ድማ ናይ ክልተ ዓመት ዕድመ ስልጣን ኣለዎም። ብመሰረት ቅዋም ቤት ምኽሪ ኣባል ቤት ምኽሪ ንምዃን ቅድመ ኩነት ኣለዎ። እዚ ድማ ኣብ ምድንፋዕን ምርግጋፅን ሰላምን ድሕነትን ኣፍሪቃ ብደረጃ ዞባውን ኣህጉራውን ኣብ ምዕቃብ ሰላምን ህንፀት ሰላምን ዘለዎ ተራ ዓብዪ ‘ዩ፡፡

ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን ተበግሶታት ምፍታሕ ግርጭታት ንምስታፍ ዘለዎ ድልውነትን ተወፋይነትን ኣብ ፈንድ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ዝገብሮ ኣበርክቶ ኣብ ቅዋማዊ ምሕደራ ዘለዎ ተወፋይነት ልዕልና ሕግን ሰብኣዊ መሰላትን ከምኡ’ውን ንፋይናንሳዊ ምትእስሳርን ተወፋይነትን የጠቓልል፡፡ ገበናት ኲናት ምፅናት ዓሌትን ገበናት ኣንፃር ሰብኣውነትን ኣብ ዝፍፀመሉ እዋን ብስም ሕብረት ከመይ ጌርካ ጣልቃ ክትኣቱ ከም እትኽእል ንቤት ምኽሪ መራሕቲ ለበዋታት የቕርብ።

ግጭታት ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ብምምችቻው ኣብ ምህናፅ ሰላም ይሰርሕ ሕብረት ኣፍሪቃ ኩለመዳያዊ ናይ ሓባር ፖሊሲ ምክልኻል የተግብር። ናይ ዓቃብ ሰላም ተልእኾታት ፍቓድ ይህብን የዋፍርን፤ ዓቃቢ ሰላም ሓይሊ ተልእኾኡ ብዝምልከት መምርሒታት የውፅእ፡፡

ኣብ ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ ዘይሕገ መንግስታዊ ለውጢ መንግስቲ ምስ ዝህሉ እገዳ ይገብር። ብኣባላት ሃገራት ኣህጉራዊ ውዕላት ፀረ-ሽበራ ንምትግባር ይከታተል። ሰናይ ምምሕዳር፣ ልዕልና ሕጊ፣ ሰብኣዊ መሰላትን መሰረታዊ ናፅነትን ከምኡ’ውን ኣብ ምሕላው ሰብኣዊ መሰላት የሰርሕ፡፡ ከምኡ ውን ዞባውን ኣህጉራውን ብዝተዋደደ ኣገባብ ሰላምን ፀጥታን ምትግባር ‘ውን የጠቓልል።

ብምዃኑ ሎሚ ዘበን እናተኻየደ ዘሎ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪካ፣ ኢትዮጵያ ኣቐዲማ ፍሉይ ምድላዋት እናተገብረት መፂኣ ‘ያ፡፡ ሃገርና ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ዋዕላታት ናይ ምትእንጋድ ተመኩሮን ዓቕምን ከምዘለዋ ዝፍለጥ ‘ዩ፡፡ ብላዕለዎት ኣካላት ዝምራሕ ሃገራዊ ኮሚቴ ተጣይሹ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ዝተፈላለዩ ዕማማት እናተሰርሐ መፂኡ ‘ዩ፡፡

እዚ መበል 38 ዋዕላ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካን መበል 46 ስሩዕ ጉባኤ ኣፋፃሚ ኣካላት ሕብረት ኣፍሪካን ዝካየድ ሎሚ ዓመት ብፍሉይ መንገዲ ብዓወት ንምዝዛም ኢትዮጵያ ኩለመዳያዊ ምድላዋት እናገበረት ፀኒሓ ሕዚ እቲ ዋዕላ ብሰላማዊ ኩነታት እናተኻደ ይርከብ፡፡ “ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ንሃገሩ ዲፕሎማት ‘ዩ” ብዝብል መሪሕ ቃል 101 ወለንተኛታት ብምስልጣን ብዝተዋደደ መንገዲ ንምትእንጋድ እናተሰርሐሉ ‘ዩ መፂኡ፡፡ ነዚ ዋዕላ ሃገራዊ ፕሮቶኮል ማንዋል ተዳልዩ፣ ንሙሉእ ድሕንነት ሙሉእ ምድላዋት ተገይሩ ‘ዩ፡፡

ኣብቲ መደብ ንዝሳተፉ 305 መራሕቲ መካይን ስልጠና ከምዝተውሃበን፣ ን302 ሰብ ሞያ ሆቴላት ስልጠና ብምሃብ ምሉእ ምድላዋት ሆቴል ተገይሩ ‘ዩ፡፡ ከምኡ ‘ውን ካልኦት ብርክት ዝበሉ ኣገደስቲ ነገራት እናተሰርሑ መፂኦም ‘ዮም፡፡ ምኽንያቱ ሕብረት ኣፍሪካ ቁልፊ ትካል ‘ዩ፡፡ ኣብ ሰላምን ፀጥታን እታ ኣህጉር ወሳኒ ሚና ዝፃወት ትካል ‘ዩ፡፡

ወጋሕታ 6 ለካቲት 2017 ዓ.ም

Recommended For You