ዓሿኽ ኢድ ምዕራባውያን

ትርሓስ ፍቃዱ

ዕንቍ ምስራቅ ኣፍሪካ፣ ናይ ምድሪ በረኸት ዝርከበላ፣ድሙቕ ሽም ፀለምቲ ህዝብታት-ኢትዮጵያ። ናይዛ ሃገር ናፅነትን ጅግንነትን እንትልዓል ሽማ ቐዲሙ ይፅዋዕ። ብናይ ባዕላ ቋንቋን ባህልን ንዘበናት ተሳጊራ እያ።ንብዙሕ ዓመታት ብናፅነት ፀኒሓ ዘደንቑ ህዝብታት ኣፍርያ እያ።እዛ ማህፀነ ለምለም ሃገር ኹሉ ግዘ ኣይትሓስስን።

ዓመት ሙሉእ ዝፈሱ ዓበይቲ ሩባታት ንመሬታ የርሕሱ፤ኣብ ውሽጢ ኸብዳ ዘለዉ ዘይተወለዱ መዓድናት የህርፉ፤ብርክት ዝበሉ ቋንቋን ብሄርን ተዓዲላ እያ። ኣይትስስዕን፤ ካብ ዘለዋ ኣማቒላ ንጎራብታ ንምሃብ ኣእዳዋ ሰፋሕቲ እዮም።

ዓለም ዝፈለጦ ብጋህዲ ዝተመስከረ ጅግንነታ ብወርቂ መዝገብ ተፃሒፉ ወለዶ እናኹረዐ ፀኒሑ እዩ። ኣብ ዝተፈላለዩ ዘበናት ሃፍትን ፅባቐኣን ሪኦም ክዘርፍዋ፣ ምንነታ ከዋርዱ ዝመፁ ፀላእታ ኣሕፊራቶም እያ።ብናይ ውሽጥን ደገን ሓይልታት ንዝፍነው መጥቃዕቲ ኢዳ ሂባ ኣይትፈልጥን። ሎሚ ‘ውን እንተኾነ መግለፂ ናይዛ ታሪካዊት ሃገር እዩ። ብርክት ዝበሉ ፀላእታ ብሰላም ክትሓድር ኣይምነዩን። መንነታ ዘስገኦም ብልፅግንኣ ቃሕ ዘይበሎም ምዕራባውያን ህልውናኣ ከፍርሱን ዓቕማ ክዳኸምን እናፀዓሩ እዮም።

ምልስ ኢልና ንድሕሪት እንትንርኢ ኲናት ኢትዮጵያን ጣልያንን እቲ መንቀሊ ምኽንያት ሓደ ሓቂ የረድአና፤ እቲ ሓቂ ድማ ውልቃዊ ጥቕሚ ምዕራባውያንን ስስዕናን የረድአና። እዚ ሕማም ስስዐ ታሪኽ ብርክት ዝበላ ሃገራት ቐይሩ እዩ። ታሪኽ መላእ ኣፍሪካውያን ‘ውን ኣዛኒፉ እዩ።

ኣፍቲ ዘበን ብርክት ዝበሉ ምዕራባውያን ብባዕዳዊ መግዛእቲ እንትገዝኡ ከም ኣፍራሶም፤ ‹‹ቸቸ›› እናበሉ ዝጋልቡሉ እዩ ነይሩ። ፀለምቲ ብዘይፍታሕ ሰንሰለት ተኣሲሮም ህይወቶምን ሓይሎምን ክግብሩ ዝተገደዱሉ፤ ወረርቲ ሓይልታት ተሓፊሱ ብዘይውዳእ ሃፍቲ ኣፍሪካ ከምድሌቶም ዝዓንደሩሉ ዘበነ መግዛእቲ እዩ ነይሩ።

ኣፍቲ እዋን ሃገር ኣቋሪፆም፤ሩባ ተሳጊሮም ንዝመፁ ፃዓዱ ብጅግንነት ዝምክት ፀሊም ህዝቢ ኣይነበረን። ሃገሩ ወሪሩ መሬቱ ወሪሱ፣ ሃገር መንጢሉ ወለዶ ብግፍዒ ዝመርሕ ሓይሊ ዝፍትን እንተሃልዩ ናይ ውርደት ሞት እዩ ዝርከብ።

እዛ ተሃራፊት ኢትዮጵያ ኣፍቲ ዘበን ምስ ዝነበሩ ወረርቲ ሓይልታት ኣይደሓነትን። ከም መዓር ጥዕምቲ ምዃና ዝፈለጡ እንግሊዝን ጣልያንን ኣብ ኢዶም ከእትውዋ እንትሓስቡ ሓበራዊ ጥቕሞም ንከኽብሩ ውዕል ተፈራሪሞምላ እዮም።

እዚ ውዕል ጥቕሚ ፈረንሳይ ከምዘኽብር ተገይሩ ዳግም፤ኣብ 1894 ኣ.ፈ ብሰለስታዊ ጥቕሚ ተመስሪቱ ተጠናኺሩ። ሰለስቲአን ሓያላት ዝበሃላ ሃገራት ምስ ኢትዮጵያ ወሰን ባዕዳዊ ኣገዛዝኣ ብምፍጣር ኣብ ጉዳይ ሓበራዊ ጥቕመን ከይጓነፁ ኣብ ስምምዕነት በፂሐን እየን።ኢትዮጵያ ዋና ፍረ ናይዚ ስምምዕነት ክትሳተፍ ይትረፍ ብቕጥዑ ክትፈልጥ ኣይተገበረን። ኣፍቲ ግዘ ንሱ ሰለስቲአን ሓያላት ሃገራት ኣትየን ጥቕመን ከኽብራሉ ውዕል ንምእሳር ዝዓገተን ኣይነበረን።

ኣፍቲ ሽዑ እዋን ዝተፈፀመ ዕላማ ናይቲ ውዕል እንትፅናዕ ካብ ፍልፍል ኣባይ እስካዕ ሱዳን ከምኡ’ውን ወሰን ኢትዮጵያ ዝምልከት ከምዝኾነ ይሕብር።

ኣፍቲ እዋን ፈረንሳይን ጣልያንን ብዝሃባኣ መረጋገፂ ግብፅን ሱዳንን ሕፅረት ማይ ስለዘጋጥመን፤ ብኣንፃሩ ድማ እንግሊዝን ጣልያንን ንፈረንሳይ ብዝሃብኣ መረጋገፂ ካብ ጅቡቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝተዘርገሐ ናይ ባቡር ሃዲድ ናይ ውልቂ ሃፍታን ጥሪታን ከምዝኾነ መስኪሮምላ።

ፈረንሳይ ድማ ኽልቲአን ሃገራት ኣቋሪፁ ዝሓልፍ ነዊሕ ሃዲድ ባቡር ናታ ጥራሕ ከምዝኾነ ብደሚቕ ፊርማ ኣረጋጊፃ ተቐቢላ እያ። እዚ ኹሉ እንትኸውን ኢትዮጵያ ሓንቲ ርኢቶ ክትህብ እኳ ዕድል ኣይረኸበትን። ብናይ ባዕላ ድንበርን ወሰንን ኽልቲአን ሃገራት ጥቕመን እናሓሰባ ብስምምዕነት ተዛትየን፤ ብሙሉእ ስልጣንን ይግበኣኒ በሃላይነትን ግዝኣት ንምስፍሕፋሕ ስምምዕነት ፈፂማ።

መንቀሊ ስምምዕነት ናይዘን ሃገራት ሓባራዊ ጥቕሚ ብምሕላው ‹‹ኢትዮጵያ››ዝተብሃለት ዓባይ ሃገር ንምእሳር ዝፍፅምዎ ናይ ወረቐት ጅግንነት ዓወት ኣይኾኖምን። ሉኣላዊት ሃገር ኢትዮጵያ እስካዕ ሎሚ ኣብ ፅኑዕ መንነት እናተመሰለት ፀኒሓ እያ። ታሪኻዊ ስምምዕነት ኣለና ንዝብሉ ታሪኻዊ ፀላእታ ‘ውን ወለዶ ዘይዝንግዖ ደሚቕ ዓሻራ ክተንብር መገዳ እናቐፀለት እያ።

እወ!ታሪኻውያን ፀላእትና ኣይደቀሱን። ሎሚ’ውን ሃገርና ኣስናኖም ብዝሰሓሉ ናይ ደገ ፀላእቲ ተኸቢባ እያ። እስካዕ ሐዚ ብዝገበርዎ በብመዓልቱ ውድቀታ፣ ሞታን ቐብራን እናመቻችዉን ኣብ መገዳ ተደንቂሮም ዕንቅፋት ኾይኖም እዮም።

ሰብ ነዋሕቲ ኣእዳው ምዕራባውያን ኣብ ኣፍሪካ ውዒሎም ካብ ምሕዳር ሓሊፎም ናይ ኻልኦት ኣህጉራት ምሽጥር ንምፍታሽ ዝኽእሎም የለን፤ ድርጊቶም ብቐሊሉ ዝሕለፍ ኣይኮነን፤ ዝሓሰብዎ እስካዕ ዝፍፅሙ ብረድኤትን ብሰብኣዊ ሓገዝን እናመኻነዩ ሃገር እስካዕ ምፍራስ፣ ህዝቢ እስካዕ ምብታን ይበፅሑ።

ብመዓር ዝተለወሰ ስሚ ዘለዎም ምዕራባውያን ናፍቲ ዝሓስብዎ ሃገር ንምእታው ፅልኢ ምፍጣር ወይ ድማ ኣፅዋር ምድላው ናይ መጀመርታ ስርሖም ዘይክኸውን ይኽእል። እሳቶም ኣብ መንጎ ፀገም ፍታሕ፣ ኣብ እዋን ጥምየት ምግቢ፣ ኣብ እዋን ኲናት ሰላም ምፍጣርን ዝብል ዝረቐቐ ሜላ ኣለዎም። እዚ ሓቂ ንምርግጋፅ ቕድም ክብል ዝነበረ ታሪኽ ሃገረ ሶርያን ሐዚ ዘለትሉ ኹነታትን ምጥቃስ እኹል እዩ።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ መጋቢት 2011 ዜጋታት ሶሪያ ዲሞክራሲ ይስፈን፣ ግዕዝይና ይኣክል ክብሉ ናብ ኣደባባይ ወፂኦም። ኣፍቲ እዋን ኣብ ልዕሊ ፕሬዚዳንት ናይታ ሃገር ዝነበሩ በሽር ኣላሳድ ዝተልዓለ ተቓውሞ ብዙሓት ተፀምቢሮም እዮም። ድሕሪ ዝተወሰነ እዋን እቲ ጎንፂ ተጋዲዱ እስካዕ ሐዚ መወዳእታ ዘይተረኸበሉ ጎንፂ ኣልዒሉ።

ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ሶርያ ኢዶም ዘእተዉ ሓያላት ሃገራት ኣካል ናይቲ ኲናት ብምዃን ነቲ ሓዊ ቆስቍሰንኦ እየን።በዓል ኣሜሪካ ወተሃደራዊ ታዕሊም ብምሃብ ደሓን ዝበሃሉ ጉጅለታት ብምሕጋዝ፣ነቲ ኲናት ሓጊዞም እዮም። ሩስያ መጥቃዕቲ ኣየር ብምሕጋዝ ቕልፅማ ኣርእያ እያ። ቱርክ፣ዮርዳኖስን ኢራን ቐረብ ወተሃደርን ፖለቲካዊ ድጋፍን ብምግባር ተሳቲፈን እየን። ዕጡቓት ሙስሊም ሄዝቦላህ ሼኣ ከይተረፉ ነታ ኣብ ማእኸላይ ምስራቕ ዝነበረት ታሪኻዊት ሃገር ንምዕናው ተላዒሎም እዮም።

እዚ ኹሉ ኣፍታ ሃገር ንዝተልዓለ ውሽጣዊ ጎንፂ ቕልጡፍ ምላሽ ንምሃብ ኣይነበረን። በሽር ኣላሳድ ኣወጊዱ ኻሊእ መራሒ ናይ ምትካእ ድሌት ኣይኮነን። ናይዚ ኹሉ ነገር ምሽጥር መንቀሊ ውልቃዊ ጥቕሚ ከምዝኾነ ዓለም ዝፈለጦ ጋህዲ እዩ።

ሶርያ ብሃፍቲ ነዳዲ ዝበልፀገት ሃገር እያ። ከም ሎሚ ዘይኮነስ ንባዕሎምን ንኻሊእን ከመሓድሩ ዝኽእሉ እዮም ነይሮም። ኣፍቲ እዋን መንግሰቶም ዝተቓወሙ ሓይልታት እቲ ጎንፂ ዘጉሃረቶ ብጎኒ ኾይና እናደገፈት ዝኣተወት ኣሜሪካ እያ። ኣፍቲ እዋን ዝሃበቶ ምኽንያት ድማ ድርጊት ጭካነ ኣልሳድ ክዕገስ ኣይከኣልኩን ዝብል እዩ ነይሩ።

እታ ኻልአይቲ ሓያል ሃገር ሩስያ ኣብ ባሕሪ ሜዲትራንያን ሰራዊት ሓይሊ ባሕሪ ሜዲትራንያን ብምእዛዝ ብወገን ሶርያ ናይ ምርካብ ዕድላ ሰፊሕ እዩ። ተንተንቲ ፖለቲካ ከምዝብልዎ ኣቲ ኲናት ቀንዲ ተዋሳእቲ ከምዝኾነት ኣብ ጉዳይ ዓለምለኸ ማእኸላይ ምብራቕ ፅዕንቶ ንምሕዳር ይሕግዝ። እዚ ውልቃዊ ድሌታ ድማ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ሶሪያ ተሳታፊት ኾይና ኢዳ ክትሓውስ ገይርዋ እዩ።

ሎሚ ‘ውን ኣብ ታሪኽ ህዝብታት ሶርያ ሞትን ስደትን ኾይኑ እዩ፤ ሐዚ ‘ውን እታ ናይ ትማሊ ደማቕ ከተማ ደማስቆ ብዝፈራሰ ቅሪት ተመሊኣ እያ፤ ‹‹ነበረ›› ኾይና ተሪፋ እያ። ናይታ ሃገር ነዳድን ጥረ ሃፍትን ንምዝራፍ፣ድቃስ ዝበሃል ኣይፈልጡን።

ኢድ ኣእታውነት ሃገራት እንትልዓል ጉዳይ ሊብያ ዘይሕለፍ እዩ። ሊብያ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ኽልተ ሓያላት ቐላፅም ዝተወጠረት ቖርበት እያ ትመስል። ብርክት ዝበሉ ተቓወምቲ፣ እዋናዊ ገዛእትን ኣብ ዙርይኣ ዝኸበብዋ ሓይልታት ወፃኢ እዛ ኣፍሪካዊት ሃገር ንዕንወት ዳሪጎማ እዮም።

ቕድሚ ዓመታት ብውርዴት ዝተቐተሉ ሙኣመር ጋዳፊ ድሕሪ ውድቀቶም ኣፍታ ሃገር ኸቢድ ውጥረት ነጊሱ እዩ። ኣብዚ ሐዚ እዋን ሕቡራት መንግስታት ኣፍልጦ ዝተውሃቦ መንግስቲ ጀነራል ካሊፍ ሃፍታር ዝምራሕ ጉጅለ ዓማፂ ንሊብያ ኣብ ኽልተ ወጢርዋ እዩ። እዚ ጋህዲ ድማ ብርክት ዝበሉ ዜጋታት ንሞት፣ ንዝኸፍአ ድኽነትን ስደትን ዳሪጎሞ እዮም።

ድሕሪ ምውዳቕ ኣምባገነን ስርዓት ጋዳፊ ዜጋታት ሊብያ ፅቡቕ ህይወት ናፊቖም ፀኒሖም እዮም። ቕድሚ ዓመታት መንግስቶም እንተወግዱ ብናይ ባዕሎም ድሌት ለውጥ እዩ ነይሩ። እዚ እንትገብሩ ናይ ኻልኦት ሃገራት ኢድ ኣእታውነት ‹‹ንፈልጠልኩም ኢና›› በሃልቲ ሓሲቦም ኣይኮኑን። ንዘጋጠሞም ፀገም ናይ ባዕሎም ፍታሕ ዝናደዩ ዜጋታት ግና ኢድ ኣእታውነት ወፃእተኛታት ግና ዋጋ ኣኽፊልዎም እዩ። ‹‹ብኣንደበትኹም ኣንሕና ንዛረብ ኣብ ማእድኹም ንቑረስ›› በሃልቲ ተደራጅዮም ዕላማ ትልሞም ገይሮማ እዮም።

ሎሚ ድማ ዙርያ ምላሽ ምድረ ሊብያ ምስ ዘለዋ ካብ ሃገራት ኣዕራብ ሓሊፉ ከም በዓል ሞስኮ ዝኣመሰላ ሃገራት ኢደን ከምዘእተዋ ይዝረብ እዩ፤ ጉዳይ ሊብያ ይግበኣኒ እዩ በሃሊት ፈረንሳይን ናይ ቐደም ገዛኢት ጣልያን ብጀነራል ዝምራሕ ሰራዊት ንምፅምባር ድሌት ኣርእዮም እዮም።

ንኹሉ ከምዝርድኦ እታ ሰሜን ኣፍሪካዊት ሃገር ሊብያ ልዑል ፃዕቒ ናይ ተፈጥሪ ጋዝ ዘለዋ ሃገር እያ። እዚ ድማ ዕዳጋ ዓለም ብፍስሓት ክትቆፃፀሮ እናገበራ ፀኒሑ እዩ። ናይዚ ወርቃዊ ጥቕሚ ክማቐሉ ዝደልዩ ምዕራባውያን ናይ ውሽጦም ውዲት ሸፊኖም ብረድኤትን ሰብኣውነትን ነታ ሃገር እናሓመስዋ ይርከቡ።

እቲ ዝገርም ጉዳይ ለዋህ ዝመስል ልቢ ምዕራባውያን እንትፍተሽ ግና ዝርከብ ብሩቡራይ መልክዕ እዩ። እዚ እንትገብሩ ሓይሎም ከም ዓብዪ መከላኸሊ ይጥቀሙሉ። እዚ ኹነታቶም ድማ ጭቃ ለዊሱ ሸኽላ ከምዝሰርሕ በዓል ሞያ እናኾኑ ፀኒሖም። እቲ ሰራሒ ሸኽላ ብኢዱ ዝሰርሖ መሊሱ ናይ ምፍራስን ኣፍሪሱ ምስራሕን ይከኣሎ እዩ። ምዕራባውያን ንኣፍሪካውያን እናሰርሑ ምፍራስ ከም ስራሒ ሸኽላ ኣቕሊሎም ዝሪእዎን እናገበርዎን እዮ።

ናብ ወድዓዊ ኹነታት ሃገርና ንመለስ። ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ኣዋርሕ ዘቑፀረ ኲናት እናተኻየደ እዩ። እዚ ብውዲትን ተንኮልን ዝተዋቐረ እቅድ መንቀሊኡ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራት እዚ ሰሜንን ማይካድራን ዝተጀመረ ሎሚ ‘ውን እናቐፀለ እዩ።

ሓድነትን ሰላምን ህዝብታት፤ ዘይደልይ ጉጅለ ህወሓት ‹‹ግፍዕን በደልን››ይኣኽለና ንዝበሉ ፈተውቲ ሃገሮም ስልጣኑ ድሕሪ ምምንጣሉ ኣብ ዝኣተዎ ጉድጓድ ኾይኑ ሃገር ናይ ምፍራስ ዕላማ እናተግበሮ ይርከብ። እዚ ሓቂ ካብ ፈለማ ጀሚሮም ዝፈልጥዎ ምዕራባውያን ልዕሊ ህልውና ሃገር ንጉጅለ ጥፍኣት ከምዝወገኑ ብጋህዲ እናርአዩና እዮም።

ቕድም ክብል ምዕራባውያን ምስ ህወሓት ዝነበሮም ሰንሰለታዊ ርክብ፤ ኣብዚ ሐዚ እዋን ዓይኖም ብጨው ሓፂቦም ነውርን ፅያፍን ሕጋዊ ንኽገብሩ ገይርዎም እዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሃገርን ንወገንን ኣይጠቅምን ክብል ብግብረ ራዕዲ ንዝተፈረጀን ንህዝቢ ጠንቂ ዝኾነ ጉጅለ ብዝለመድዎ ሰበብ ሰብኣዉነት ብምፍጣር ዜማ እናዜሙ ይርከቡ።

እሳቶም ኸበሮኦም ኣድሚቖም ዜምኦም እንተተደጋገሙ እኳ እቲ ነገር ግና ‹‹ከፍቲ ኣብ ዘይወዓላሉ ዓኾር ምእራይ›› ከም ዝኾነ ንፈልጦ ኢና። ንዘበናት ብጉዳይ ሩባ ኣባይ ኣስናኖም እናነኸሱልና ዝፀንሑ ሓይልታት እዚ እዋን ተጠቒሞም ከዳኽሙና ምፍታኖም ግልፂ እዩ።

ብልቓሕን ረድኤትን እናመኻነዩ ኢዶም ኣንዊሖም ቃሕ ዝበሎም ከምዝሓፍኑ ዝፍለጥ እዩ። ብዕቡይ ልቦም ውዲት እናፈሐሱ ብዓሿኽ ኣእዳዎም ንኣፍሪካ ዝብትንዎ ስንዳይ ረድኤት ከይተረፈ መፈራርሒ እናገበርዎ ፀኒሖም እዮም። ሐዚ ድማ ብዕሊ ሃገርን ህዝብን እናወግአ ንዝርከብ ራዕዳዊ ጉጅለ በዓል ኣሜሪካ ድጋፈን ብዘይ ሓንቲ ሕፍረት ኣርእየን እየን።

ሎሚ ኣንደበተን እቲ ዝተለመ ደርፊ እናስመዐ እዩ። እዚ ግብረ ሰናይ ዝመስል ግብረተ ኽፍኣተን ግና ንኻልኦት

ክገብርኦ ኣይርኣይን። ኣብ ልዕሊ ወተሃደራት እዚ ሰሜን ግፍዒ እንትፍፀም፣ ኣብ ነበርቲ ማይ ካድራ ጨፍጫፍ እንትካየድ እዞም ምዕራባውያን ብርግፅ ሰሚዖም እዮም። ስደተኛታት ኤርትራ እንትቕተሉን፣ ደቂ ኣንስትዮ እንትድፈራን ብሓቂ ይፈልጡ እዮም። ዜጋታት ንብረቶምን ገዝኦምን ተዘሪፉ ንመከራን ስደትን ከምዝተዳረጉ ሪኦምን ሰሚዖምን እዮም።

ለውጢ መንግስቲ ዝደገፉ ኣብ ኣደባባይ እንትቕተሉን፤ ኣካሎም ንኣራዊት እንትውሃብን ካብ ሓቂ ኣይርሓቑን። እስካዕ ሐዚ ንዝጠመዩ ወገናት ዝልኣኽ እኽሊ ረድኤት ኣብ መገዲ እናተዓገተ ከምዝተረፈ ሪኦም ኣረጋጊፆም እዮም።

ምዕራባውያን ስምዑ! ናታትኩም ዓይንን እዝንን ዝስሓል መንግስቲ ንዝገብሮ ፍትሓዊ ኲናት ጥራሕ ምዃኑ ብሓቂ ዘገርም እዩ። ሎሚ ብዛዕባ መሰል ህፃናት ዝዛረብ ኣንደበቶም ናበይ ኣተወ?ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ እንዳ ህወሓት ዝርከቡ ህፃናት ቖልዑ ኣብ ገዝኦም የለዉን። መብዛሕትኦም ብሱስ ፈዚዘም፣ ኣፅዋር ተዓጢቖም፣ኣብ ኲናት እናውዓሉ እዮም። ኣዴታት ትግራይ ደቀን ከይፈተዋ እናሃባ እየን፤እኽለንን ገንዘበንን ንዕጡቓት እናወደኣ እየን።

እዚ ኹሉ ግፍዒ እንትፍፀም ሱቕታ ዝመረፁሉ ምሽጥር ግልፂ እዩ። እስኻትኩም ንኣፍሪካ ሓደ ዝገብርን ናፅነት ዝሰብኽን ቖራፅ መራሒ ከይህልዋ፤ ድሕሪ ዓመታት እዚ ሓቂ ኣብ ኣደባባይ ዝርኣዩ በዓል ኩዋሜኑን ቶማስ ሳንካራን ብኣኻትኩም ናይ ጥፍኣት ኣስናን ተሓይኾም እዮም።ሃገርና ካብ ኻልኦት ሃገራት በሊፃ ቐዲማ ክትርኣይ ድሌትኩም ኣይኮነን።

ሎሚ ኣፍሪካዊት ሃገር ኢትዮጵያ ዝጀመረቶ ግስጋሰ ጋህዲ ንምግባር ነጋሪ ኣየድልያን። ቕልጡፍ ምዕባልኣ ክቕፅል እዩ፤ ልምዓታዊ ጉዕዙኣ ኣይቕንስን። ሐዚ’ውን ዓሿዃት ኣእዳውኹም ካብዛ ድንቂ ሃገር ኣልዕሉ። እቲ ኽፉእ ልብኹም ሓክሙ። (ፍልፍል፡-ጋዜጣ ኣዲስ ዘመን)

ወጋሕታ 29 ሓምለ 2013 ዓ.ም

Recommended For You