
ናይ ሃገርና ዓበይቲ ምድላዋት ዘተኣናግድ መስቀል ኣደባባይ ብደመና ዝተሸፈነ ወጋሕታ ኣብቲ ቦታ ፀሊም ካናቲራ ዝተኸደኑ፣ ኣብ ገፆም ሓዘን ዝንበብ፣ ዓይኖም ንብዓት ዝመልአ፣ ሰባት ፀሊም ካባ ዝተኸደኑ ተኣኪቦም ይራኣዩ።ብግፍዒ ህይወቶም ዝሰኣኑ ንሃገርን ንህዝብን ህይወቶም ዝኸፈሉ ሰባት ንምሕሳብ ብሓባር ጠጠው ዝበሉ እዮም፡፡
ቤተሰቦም ብግፍዐኛታት ብዘሰቅቕ መገዲ ዝሳኣኑ ተበደልቲ ስለዝተቐተልዎ ብጣዕሳ ተዛሪቦም እዮም። ዝሞቱ ሰባት ሰናይ ተግባርን ናይቶም ቐተልቲ ግፍዒ ሓዘን ብዝኸበቦ ድምፂ ገሊፆም እዮም። ቤተሰብን ፈተውትን ዝተሰውኡ ንፁሃን ናይ ምስክር ቃል ይህቡ እዮም።24ሓምለ 2013 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣደባባይ መስቀል ብግብረ ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ዝተቐተሉ ኣባላት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሽምዓ ብምብራህ ናይ ምዝካር ስነ ስርዓት ተኻይዱ እዩ፡፡
ብግፍዒ ዝተቐተሉ ኣባላት ህዝቢ ብምትሕብባር ሓገዝ ንክበፅሕን መሰረተ ልምዓት ተመሊሱ ንክህነፅ፣ ግልጋሎት መንግስቲ ተመሊሱ ንክጅመርን ህዝቦም ብምርግጋዕ ናብ ሰላሙ ንክምለስ ብምግባሮም ብህወሓት ብግፍዒ ብምቕታሎም ስነ ስርዓት ሽምዓ ምብራህ ብኣተሓባበሪ ጋዜጠኛ ኣርኣያ ተስፋማርያም ገለፃ ተገይሩ እዩ፡፡
እዚኦም ንፁሃን ዝቐተሉን ዘቕተሉን ግብረ ራዕዳዊ ህወሓት ፀላኢ ህዝቢ ኢትዮጵያ ከምዝኾነ ኹሉ ማሕበረሰብ ኣፀቢቑ ክፈልጥ ኣለዎ ክብሉ ጋዜጠኛ ኣርኣያ ተስፋ ማርያም ገሊፆም እዮም። መንግስቲ በዚ ‘ውን ግብረ ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ግቡእ ዝኾነ ስጉምቲ ክውሰድ ኣለዎ፡፡
ዋና ስራሕ ፈፃሚ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ኣብርሃም በላይ ኣብቲ ስነ ስርዓት ምብራህ ሽምዓ ዝተረኸቡ እንትኾኑ ሃገሮምን ህዝቦም ንምግልጋል ክብሉ ብግፍዓውያን ህወሓት ዝተቐተሉ እዞም ሓለፍቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንሃገሮም ክብሉ ዝተሰውኡ ጀጋኑ ከምዝኾኑ ገሊፆም እዮም። ኣብቲ ኣመራርሓ ዝተፈፀመ ቅትለት ግብረ ራዕዳዊ ህወሓት ዝውሰድ ስጉምቲ ፈፂሙ ጠጠው ከምዘይብልን ኹሉ ሕብረተሰብ ብህልኽ ከምዘለዓዕልን በዚ ዝተጀመሩ ፃዕርታት ኹሉ ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ኣመልኪቶም እዮም፡፡
ኣቦ ወንበር ትዴፓን ዋና ዳይሬክተር መተሓባባሪ ህዝባዊ ተሳትፎ ዓብይ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ዶክተር ኣረጋዊ በርሀ፣ ኣብቲ ስነ ስርዓት ኣብ ዝገበርዎ መደረ፣ እዚኦም ህዝቢ ንምልጋል ዝቖረፁ ሰላማዊ ሰባት ቅትለት ህወሓት ፀላኢ ህዝቢ ትግራይ ከምዝኾነ ኣመልካቲ ከምዝኾነ ገሊፆም።እዚ ጉጅለ ራዕዳዊ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ስቓይ ንምብዛሕ እናሰርሐ ከምዝኾነን ህዝቢ ብሓድነት ጠጠው ኢሉ ክቃለሶን ነዚ ተግባር ክኹንኖ ይግባእ ኢሎም፡፡
ኣባል ስራሕ ፈፃሚን ዋና ፀሓፊ ትዴፓ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ምክትል ሓለፊ ቢሮ ማይ ዝነበሩ ኣይተ ጊደና መድህን ብወገኖም፣ ፀላኢ ህዝቢ ትግራይ ዝኾነ ራዕዳዊ ህወሓት ነቐርሳ ሃገር ብምዃኑ ተፈልዩ ክድብረ ኣለዎ።ራዕዳዊ ህወሓት ፀላኢ ህዝቢ ትግራይ ከምዝኾነ እናገበሮ ብዘሎ እናገለፀ እዩ ፤ ህዝቢ ትግራይ ራዕዳዊ ህወሓት ክቃለሶ ይግባእ ኢሎም እዮም፡፡
ህዝቢ ትግራይ ብኢትዮጵያውነቱ ኣይደራደርን ፤ ህወሓት ዝባሃል ጉጅለ ጥፍኣት ነቲ ህዝቢ ካብ ኢትዮጵያውነት ንምንፃል ዝገብሮ ርኩስ ተግባር ጠጠው ክብል ክግበር ከምዘለዎ ተገሊፁ እዩ።ኣብ ክልል ትግራይ ብህወሓት ምኽንያት ብዝተፈጠረ ዘይምርግጋዕ ምኽንያት ህዝቢ ንከይጉዳእን መሰረታዊ ግልጋሎት ንክረክብ ኣብቲ ክልል ዝገጠመ ፈተና ንምርግጋዕ ዘኽእሉ በቲ ክልል ግዝያዊ ምምሕዳር ብሓላፍነት ተመዲቦም እናሰርሑ ዝነበሩን ናይቲ ህዝቢን ባህልን ሃይማኖትን ብዝተቓረነ መልክዑ ብኣሰቃቒ ኩነታት ብምቕታሎም ናይቲ ስነ ስርዓት ኣተሓባባሪ ጋዜጠኛ ኣርኣያ ተስፋማርያም ገሊፆም እዮም፡፡
ግብረ ራዕዳዊ ህወሓት ቅድሚ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ካብ ትግራይ ምውፅኡ ምስ ግዝያዊ ምምሕዳር ሰርሒኹም ኢኹም ፤ ተሓባቢርኩም ኢኹም ብምባል እናተቐተሉ ነፍሰፁር ኣመራርሓታት ሓዊሱ ልዕሊ 50 ሰባት ኣብ ኣደባባይ ብግፍዒ ከምዝተቐተሉ ኣብቲ ስነስርዓት ተገሊፁ እዩ።
ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ግዝያዊ ምምሕዳር ኣይተ ሚሊዮን ኣብርሃ ሓዊሱ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣመራርሓታት ፣ዝተፈላለዩ ኣመራርሓ ፓርቲን ተወለድቲ ትግራይን ተረኺቦም እዮም፡፡
ኣብ ወርሒ ሰነ 2013 ዓ.ም ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ቅትለት ኣርቲስት ኢንጅነር እምበዛ ታደሰ ስዒቡ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣብ ትግራይ ዝተፈጠረ ዘይምርግጋዕ ናብ ቦትኡ ንምምላስ ኣባላት ግዝያዊ ምምሕዳርን ህዝቢ ንከረጋግዑ ዝተመደቡ ብጉጅለ ህወሓት መጥቃዕቲ እናበፀሖም ምዃኑ ጠቒሱ እዩ፡፡
ኣብቲ መግለፂ ኣብ ልዕሊ መናእሰይ ትግራይ ዘነፃፀረን መናእሰይ ኣብ ጉዳይ ሃገሮም ዝገብርዎ እወንታዊ ተሳትፎ ንምሽቑራር ዝተዘርግሑን በትሪታት ጥፍኣት ምስ ኣካላት ፀጥታን ደሕንነትን ብዝተዋደደ ስጉምቲ ክነኽሽሞም ክብል ኣፍሊጡ እዩ፡፡
ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ትግራይ ዝበፅሕ ግፍዒ ደው ንምባል፣ ተወሳኺ ጥፍኣት ህይወት ንከየጋጥም ኣጥቢቕካ ናይ ምስራሕ ጉዳይ፣ ብዙሓት ፈተናታት ዘለውሉ ናይ ዝተፈላለዩ ተዋሳእቲ ተግባራት’ውን እንተነኣሰ ብሰብኣዊነትን ህይወት ኣብ ምድሓንን ጉዳይ ዘረዳድእ ክኸውን ይገባእ ነይሩ ኢሉ። ይኹን’ምበር በቢዕለቱ ዘጋጥሙ ፀገማት እንትረኣዩ ካብ ሰብኣዊነትን ዝተለመደ ኩነታትን ዝወፅኡ ከምዝኾኑ ንዕዘብ ኣለና ኢሉ እዩ ።
እቶም ናይ ፅልኢን ምፍርራሕን ፃውዒታት ህይወት በዓል ሞያን ነብሲ ኣድሕንን መንእሰይ ትግራይ ጭካነ ብዝተመልኦ መገዲ ምቕንፃል ምጅማሮም ከምዝሕዘኖ ብምግላፅ፣ ናይዚ ምላሽ ኣዝዩ ቅልጡፍ፣ ዝተሰለሐን ኣምሃሪን ከምዝኾን ንኣጥፋእቲ ካብ ብሐዚኡ ብፅኑዕ ነገንዝብ ኢሉ ነይሩ።
ኣብ ከተማ መቐለ በግምት ደሕሪ ሸውዓተ ሰዓት ካብ ቢሮ ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ ንምጉዓዝ ኣብ ምድላው ዝነበረ ንግዚኡ መንነቶም ዘይተፈለጡ ዓፈንቲ ሓይሊታት ብሓይሊ ተወሲዲ ከምዝተሰወረ እንትንገረሉ ዝነበረ መንእሰይ ኢንጅነር እምብዛ ታደሰ፣ ጭካነ ብዝተመልኦ ኣፈፀምቲ ልኡኽ ግብረ ራዕዲ ከተማ ገበነኛታት ተቐቲሉ ብሓይሊታት ፖሊስ ፌዴራል ብዝተገበረ ዳህሳስ በዕለት 17ሰነ2013 ዓ.ም ኣስታት ሓሙሽተ ሰዓት ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ዓይደር ፍሉይ ስሙ ቤት ህንፀት ኣብ ዝበሃል ከባቢ ተቐቲሉ ጥራሕ ዘይኮነስ ንኣዛብእ ኣብ ዝተውሃበሉ ከባቢ ዝተቖራረፀ ኣካላት ሰውነቱ ብምፍላይ ብተወሳኺ ብምርመራ ብኣረመኒያዊ ኣፈፃፅማ ብጭካነ ከምዝተቐተለ ምርግጋፅ ከምዝተኽኣለ እቲ መግለፂ ሓቢሩ ኣሎ።
እዚ ተግባር ካብ ሰብኣዊ ፍጡር ትፅቢት ዘይግበረሉን ዝውገዝን እዩ።እቲ ኣረመኒያዊ ገበን ቅትለት ዝፍፀም ዘሎ ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ህዝቢ ኣጋጢሙዎ ካብ ዘሎ ፀገም ንምውፃእ ዓሊሙ ብመልክዕ ወፍሪ ሓገዛት ምግቢን ሕክምናን ተበፃሕቲ ንምግባር ኣብ ዝንቀሳቐሰሉ ዘሎ እዋን ከምዝኾ እዩ ፡፡
ብተወሳኺ ሓረስቶት እዋን ማሕረስ ንከይሓልፎም ማሕረስ ንክጅምሩ፣ መሰረተ ልምዓታትን ፋብሪካታትን ናብ ስራሕ ንምእታው፣ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ዳግም ንምጅማር፣ ተበፃሕነት ጥዕና ንምምሕያሽ፣ ፋብሪካታት ትእምት ናይ ህዝቢ ምዃኖም ንምርግጋፅ ርብርብ ኣብ ዝግበረሉ ዘሎ እዋን ንብዓት ትግራይ ዘጋድድን ተወሳኺ መስዋእትነት ዘስዕብን ናይ ጭካነ ተግባር ምፍፃሙ አውጊዙ እዩ።
ስለዝኾነ ክሳብ ሐዚ ብዝተፈፀመ ኣረመኒያዊ ተግባር ልኡኽ ህዝቢ ብምሽካም ንህዝቢ ዝሕግዙ ዝነበሩን ካብ ፖለቲካ ወገንተኝነት ይኹን ወተሃደራዊ ተሳትፎ ፍፁም ነፃ ዝነበሩ ልዕሊ 50 ንፁሃን መናእሰይ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናትን ቦታታትን ብኸንቱ ህይወቶም ምስኣኖም ከምዘሕዘኖ ገሊፁ። መላእ ሕብረተሰብ ብንቕሓት ክከታተሎ ዝግባእ ጉዳይ ከምዝኾነ’ወን ሓቢሩ።
ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ህዝባዊ ሓላፍነትን ወገንተኝነትን ብምቕዳም ዝተፈላለዩ ሰብኣዊ ተግባራት ኣብ ዝፍፅመሉ ዘሎ እዋን እዚ ተግባር ምፍሙ ድማ እኩይ ዕላማ እቲ ጉጅለ ሓይሊ ጥፍኣት ልዕሊ ህልውና ህዝቢ ከምዝሰርዐ ብግልፂ ዘርእይ ኢዩ ኢሉ ገሊፁ ምንባሩ ይዝከር።
መሰረት ገ/ዮሃንስ