
ኢትዮጵያ ብዙሓት ብሄር ብሄረሰባት ዝረከቡላን ብኡ ልክዕ ዝተፈላለዩ ባህልታት፣ ልምድን ክብርታትን ዝተዓደለት ሃገር ‘ያ፡፡ ኢትዮጵያ በዓልቲ ብዙሕ ባህልታት፣ ክብርታትን እምነታትን ከምኡ ‘ውን ወናኒት ማሕበራዊ ስርዓታትን ምዃናን እዚ ድማ ሓደ ዓብይ መግልፂ ፅባቀ ካብ ምዃኖም ሓሊፎም ናይ ሓድነትን ምክብባርን መሰረት ከምዝኾኑን ከም ሃገር ‘ውን ክጠናኸሩ ዝግቡኡ ሃፍትታት ከምዝኾኑ ገለ ሙሁራት ይግልፁ።
ከምሃገር ካብ ዘለውና ብዙሓት ባህልታትን ክብርታትን መለወጢ ዘመን ዝተፈላለዩ ብሄራትን ብሄረሰባትን ኮይኖም፤ ንሎሚ እንሪኦ መለወጢ ዘመን ብሄረሰብ ጌድኦ በዓል “ዳራሮ” ‘ዩ፡፡
ትኹል ኣእማን ሓዊሱ ዝተፈላላዩ ተፈጥሯዊን ታሪኻዊን ሓድግታት ዝርከበሉ፣ በዓል ፍሉይ ጣዕሚ ቡና ይርጋጨፌ ዘብቕለሉ፣ ፍሉይ ባህሊ ዕቀባ ተፈጥሮ ዝወነነ፣ ብሄረሰብ ጌድኦ ዘመን መለወጢኡ ድሕሪ ፅባሕ ለካቲት ሓደ ብፍላይ ኣብ ከተማ ዲላ በድምቀት ክኽበር ‘ዩ። ነዚ መሰረት ብምግባር ‘ውን ካብ ዕላዊ ገፅ ማሕበራዊ ሚድያ ሚኒስቴር ባህልን ቱሪዝምን ኢትዮጵያን ካብ ካልኦትን ብዝረኸብናዮ ሓበሬታ መሰረት ብዛዕባ በዓል “ዳራሮ” ብሓፂሩ ከምዝስዕብ ነቕርብ፡፡
ካብ ዕላዊ ገፅ ማሕበራዊ ሚድያ ሚኒስቴር ባህልን ቱሪዝምን ኢትዮጵያ ከምዝረኸብናዮ ሓበሬታ “ዳራሮ” በዓል መቀየሪ ዘመን ብሄረሰብ ጌድኦ ኮይኑ ትርጉም ዳራሮ (Daraaro) ብጌዴኦ ቋንቋ ዕምበባ ማለት ‘ዩ። ዕምበባ ብኹሉ ቦታ ተፈታውነት ከምዘለዎ ኹሉ ብብሄረሰብ ጌዴኦ ‘ውን ዳራሮ ዓብይ ትርጉም ዝህብ ‘ዩ። ዳራሮ መግለፂ ሓዱሽ ሓሳብ፣ ሓዱሽ መንፈስን ሓዱሽ ስምዒትን ተገይሩ ይውሰድ።
ብሓፈሻ ማሕበረሰብ ጌዴኦ ሰለስተ ስርዓታት ምምሕደር ዘሕለፈን ወናኒ ጥንታዊ ታሪኽ ከምዝኾነ ይሕበር። እዚኦም ድማ “ኣኮማኖዬ”፣ “ጎሳሎ”ን ክሳብ ሐዚ እናተመሓደረሉ ዘሎን “ባሌ”ን ‘ዮም። ስርዓት ምምሐዳሩ ድማ ዴሞክራሲያዊነት ዘኸዕበተ፣ ልምምዱ ዘዕበየን በቢ ሸሞንተ ዓመት ስግግር ስርዓት ባሌ በቢልባና(Bilbana)ን ብዓሌት ዳላና (Dhallana) ምቕብባል ዝግበረሉ ሰናይ ምምሕዳር ዘለዎ ካብ ጎንፂ፣ ንትርኽን ሕቶ ይግበኣኒን ሻራዊን ነፃን ዝኾነ ስርዓት ምምሕዳር ባሌ ‘ዩ ይብሃል።
ማሕበረሰብ ጌዴኦ ኣብ ባህላዊ ስርዓት ምምሕዳር ባሌ ውሽጢ ናይ ባዕሉ መቁፀሪ ዘመን ዘለዎ ብምዃኑ ኣብ ዓመት ሓደ ግዘ ዝኽበር ዘመን መለወጢ እቲ ማሕበረሰብ በዓል ዳራሮ የኽብር። ዳራሮ ማለት ኣብ ላዕሊ ከምዝተገለፀ ዕምበባ ማለት ኮይኑ። እዚ ወቅቲ መሰረት ብምግባር ዝኽበር በዓል ‘ዩ፡፡ እዚ በዓል መዛዘሚ ምእካብ ምህርቲን ዝተፈላለዩ ኣዝርእቲ ኣብ ዝዕንብበሉ እዋን ዝኽበርን ‘ዩ። ካብዚ ብተወሳኺ ዳራሮ ዝበሃል ካብ ክልተ ዓይነት ምህርቲ እኽሊን ካብ ምርባሕ ንህቢ ዝተረኸበ ውፅኢትን ዝዳለው ዓይነት ምግቢ ‘ዩ።
ምግቢ ዳራሮ ካብ ስገም፣ ቡናን መዓርን ዝዳለው ሓድነት ዘፅንዕን ምልከት ምትእኽኻብ ኮይኑ ናይዚ ምግቢ ዋና ትርጉም ድማ ሓድነት ዝገልፅ ‘ዩ ይብሉ። “ቡና ምህርትና፣ ስገም ንጥንካሬና መዓር ድማ ጣዕሚ ሓድንተና ዝብል ትርጉም ከምዝብ ይሕበር። ከምኡ ‘ውን ዳራሮ በዓል ምምስጋን ‘ዩ። “ዝሓለፈ ምህርቲ ኣዝርእቲ ባሪኹ ዝሃበና ኣምላኽ ምምስጋንን ዝዓምበቡ ኣትክልታትና ብፍረ ምልኣልና” ኢሎም ንፈጣሪኦም ምስጋና ዘቕርብሉ በዓል ‘ዩ።
ኣብዚ በዓል ዳራሮ ሓሙሽተ ዋና ዋና ኩነት ብምፍፃም ዝኽበር በዓል ኮይኑ፤ ፋጬ ወይ ምንፃህ፣ ሁሉቃ ወይ መሽሎኺ፣ ጉማታ ወይ ውህብቶ ፣ላላባ ወይ ኣዋጅ ዝብሉ ኣብ መዛዛሚ ድማ ዳራሮ ናይ ሓድነት ምግቢ ዝቐርብን ምርቃት ዝወሃበሉን ‘ዩ ይብሉ። ብሓፈሻ ስርዓት ኣከባበሩ ኣብ ጌዴኦ ወረዳ ቡሌ መናገሻ ኣባ ገዳታት ተበሃላ ዝፍለጥ ከባቢ ኦዳ ያኦ ሶንጎ ዝጅምር በዓል ዳራሮ፤ መዛዛሚ ኣብ ከተማ ዲላ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ደሚቁ ዝኽበር ‘ዩ ዝኸውን።
ካብዚ ብተወሳኺ ንዳራሮ ፍሉይ ድምቀት ካብ ዝኾኑ ቅርስታት ሓደ ባህላዊ ዕቁብ ገፅ ምድሪ ጌዲኦ (cultural landscape) ብናይ ዓለም ትካል ሳይንስ፣ ትምህርትን ባህልን (UNSECO) ሓድጊ ወካሊ ደቂ ሰባት ኾይኑ ምምዝጋቡ ተኸቲሉ እቲ ሚኒስቴር ሓባሪ ሰሌዳ እቲ ቦታ (land Mark) እቲ በዓል ኣብ ዝኽበረሉ ለካቲት ሓደ ከምዘመርቕ ‘ውን እቲ ሚኒስቴር ሓቢሩ ኣሎ።
እዚ ብዓልን ካልኦት መሰል ብዝሓ ባህልታት ብምዕቃብ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ብምስግጋር ተወሳኺ መስሕብ ቱሪዝም ንክኸውን ብምግባር ፍልፍል ኣታዊ ንክኾኑ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ምስራሕ ኣድለይ ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን።
ኣብረሃ ሓጎስ
ወጋሕታ 29 ጥሪ 2017 ዓ.ም