‹‹ፀላእቲ ኢትዮጵያ ኸዚ ዘሎ መንግስቲ ከም ሽምዓ ቐሊጡ ዝውዳእን እንትነኽእዎ ዝፈርስ መሲልዎም እንተኾይኑ ተጋግዮም እዮም›› ፕሮፌሰር ብሩክ ሃይሉ በሻህ

ፕሮፌሰር ብሩክ ሃይሉ በሻህ ናብሮኦም ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ ኣብ ሰሜን ካሮላይና እዩ። ሞየኦም ፖለቲካ ሳይንስ ዓለምለኸ ርክብን ኢንተርናሽናል ጆርናሊዝም እንትኾን ፣ ኣብ ሰሜን ካሮላይና ብኤ ኤንድ ቲ ዩኒቨርሲቲ ውሽጢ ፖለቲካ ሳይንስን ጋዜጠኝነትን መምህር እዮም። ኣብ ኣሜሪካ ዝፈላለዩ ሲቪክ ትካላት ውሽጢ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ብንቅሓት ይሳተፉ እዮም። ኣብ ብዙሓት ትካላት ኤክስኪዩቲቭ ኮሚኒቲ ኣባልን ኣማኻርን እዮም። ቅድም ክብል’ውን ዲፕሎማት ብምዃን ብምኽትል ኣምባሳደር ኣብ ኣውሮፓ ፣ ዩናይትድ ኔሽንን ኣሜሪካ ኤምባሲ ውሽጢ ሰሪሖም እዮም። እዞም ፕሮፌሰር ኣብ ኣሜሪካ ናይ ዳያስፖራ ሰላም መሓዙት(ጓድ) ኣካቢ እዮም።ካብ ኣሜሪካ ትሽዓተ ኣባላት ዝሓዘ ልኡኻት ብምምራሕ ናብ ትውልዲ ሃገሮም መፂኦም እዮም። ጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ናይቲ ሰላም መሓዙት ናብ ኢትዮጵያ ምምፅኡ ኢትጵያን ኣሜሪካን ወድዓዊ ኩነታት ኣመልኪቱ ዝገበሮ ፃንሒት ከም ዝስዕብ ቐሪቡ ኣሎ።

 ሕቶ፡- ኣሜሪካ ካብ ዝተፈላለየ ስቴት ተወፃፂኹም ዝመፃኹም ናይ ሰላም ማሓዙት ናብ ኢትዮጵያ ምምፃኹም ዋና ዕላምኡ እንታይ እዩ።

ፕሮፌሰር ብሩክ፡- ሓቂ እዩ ካብ ዝተፈላለየ ስቴት ተወፃፂእና ዝመፃና ኢና። ኣብ ዝተፈላለየ ዘፈር ሙያ ዘለና ሰባት ኢና። ኣብ ኣሜሪካ እንርከብ ኢትዮጵያውያን እንትንኾን ዘምፀአና ዕላማ ድማ ምስ ህዝብና ንምርኻብ እዩ። ብተወሳኺ’ውን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ንምርኣይ’ውን እዩ። ኣብ ዙርያ ሰላም እናተሰርሐ ዘሎ ስራሕቲ ንምክትታል’ውን እዩ።

ብተወሳኺ’ውን ኣብ ሃገር ዝተፈጠረ ጎንፂ ስዒቡ ኣብ ዝተፈላላዩ ኸባቢታት ዘለዉ ተመዛበልቲ ብኣካል ብምኻድ ኣይዞኹም ክንብል ስለዝፎተና እዩ። ንሕና ኢትጵያዉያን ኣብ ወፃኢ እንነበር’ውን ከምዘይረሳዕናዮም ዝነበረና ቃልኪደን ንምሕዳስ’ውን እዩ እቲ ዘምፀአና ሚስጥር።

ከም ባህልና ናብ ሓደ ገዛ ክኸውን ጥራሕ ኢድኻ ኣይኸይድን እሞ ዓቅምና ዝፈቐዶ ኹላትና ለፊዕና እንሓድር ስለዝኾና ካብ እንረኽቦ ቆጢብና ዝተፈላላዩ ናውቲ ሓገዝ’ውን ሒዝና መፂኢና ኢና። ኣብዚ ምስ መፃና ድማ ብር ሒዝና ገዚእና ናብኡ ብምኻድ ኣረኪብና ኢና። ከምኡ’ውን ናይ ደቂ ኣንስትዮ ንፅህና መሐለዊ ብዝሕ ዝበለ ብምምፃእ ንኣሓትና ኣረኪብና ኢና።

ሕቶ፡- ናብ ህዝቢ ትግራይ ክበፅሕ ዝግበኦ እኽሊ ዝፃዓና መኻይን ኣብ ኸባቢ ዓፋር በቲ ጁንታ ኣይሓልፋን ብምባል ጠጠው ከምዝበሉ ዝፍለጥ እዩ። ኾይኑ ግና እዚ ኣግባብ ዘይብሉ ኣካይዳ እዩ ብምባል ሓደ ተሟጋቲ ሰብኣዊ መሰል እዩ ዝብል ኣካል ምንም ዘይምባሉ ከመይ ይሪእዎ ?

ፕሮፌሰር ብሩክ፡– እዚ ጉዳይ ንዓና ብጣዕሚ ዘሕዘነና እዩ ። ብፍላይ ዝሓዘናሉ ነገር ንሕና ኢትጵያውያን ብዝተፈላለየ ኩነታት ካብ ሃገርና ወፂና እንነበር ኢና ፤ብተወሳኺ ንሕና ንኣሜሪካ መንግስት ግብሪ ኸፈልቲ ኢና። ኣብ መረፃ ኣሜሪካ ድማ ንሳተፍ እና። ኣብ ጉዳይ ሃገርና ድማ ሕብረት ፈጢርና ኹሉ ጊዜ ንራኸብ ኢና።

ዝተልዓለ ጉዳይ ልቢ ሰባሪ ኾይኑ እየ ረኺበዮ። ምኽንያቱ መንግስቲ ወርቃማ ዝኾነ ዕድል ሂቡ ካብዚ እንትሕልፍ ከምኡ ድማ ኹናት ተጀሚሩ እናሃለወ እኽሊ ግና ምኻዱ ዘይተቋረፀ እናሃለወ ኣይነሕልፍን ማለት ዘሕዝን ጉዳይ እዩ። እቲ እኽሊ ከምዘይበፅሐ እናተፈለጠ እኳ ምንም ምንቅስቓስ ዘይምባሩ ዘሕዝን እዩ። ሓደ ምዕራብያውያን ሚድያ ኾነ ሕቡራት መንግስታት ሓላፍነት ብዝተመልኦ ኣካይዳ ዘይምጥያቖም ዘግርም እዩ። እዚ ዓመፀኛ ጉጅለ እኽሊ ኣብኡ ቀሪብሉ እንታይ ሓሲቡ ንከይሓልፍ ከምዝገበሮ ግልጽ ኣይኮነን ። ንባዕሉ ድዩ ወይስ ዝጠመዩ ትግራይ ወገናትና ክብል እዩ እዚ ዝገብር ዘሎ ኢልና ንክንጥይቕ ገይርና እዩ።ንሕና ንህዝቢ ትግራይ ንሓዝን ኢና። ናይዚ ጎንፂ ተጠቃዒ ህዝቢ እዩ። ስለዚ በዚ ጉዳይ ግልፂ ዝኾነ ሪፖርት ዘይምግባሮም ሓዚና ኢና። ከምኡ’ውን ንሕናን ካልኦትን ኣብ ጥርጣረ ንክንኣቱ ገይርና እዩ።

ድሕሪ 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ትኹረት ዝገበሩ ኣብ መንግስቲ እዩ ነይሩ። እዚ እናገበሩ ዝነበሩ ሓቂ ተዳሒዙ እንተይኾንስ ክሳብ ፀጉሪ ምስንጣቕ ዝበፅሐ ትኹረት ብምግባር እዮም ተፀሚዶም። ሕድ ሕድ ኩንታል ናበይ ኣትያ ክሳብ ምባል ክሳብ ምቁፅፃር የድሊ። ንምንታይ ኸዚ ዘይገብርዎ፣ ኸዚ ኸ ኣብቲ ህዝቢ እቲ ሓገዝ ኣብ ህዝቢ ምብፅሑ ዘይምብፅሑ እንታይ መረጋገፂ ኣለና።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ጋዜጠኛ ጋቢዙ ኸይዶም ንክርኢዎ ክገብር ኣለዎ። ጋዜጠኛታት ምዕራባውያን ድማ ዘሎ ሓቂ ቖፊሮም ከውፅኡ ኣለዎም። እዚ ብዘይምግባሮም ሓዚና ኢና። መንግስቲ ኣሜሪካ እናገበረ ዘሎ ምንቅስቃስ ናይ ኽልቲአን ሃገራት ርክብ ዘለሕልሕን ዘየፋቱን ፤ዘየጠናኽር እዩ። ኾይኑ ግና ተስፋ ከይቆረፅና እናሰራሕና ንርከብ። ንግዚኡ ኣብኡ ዘለዉ ዝፀንሐ ስርዓት ኣቀንቀንቲ ብዘለዎም ሃፍትን ገንዘብን ብብዙሕ መገዲ እናተቓለሱ ይርከቡ። ንሕና’ውን ብርክት ዝበልና ኢትዮጵያውያን ስለዝኾና እናቓለስናዮም ንርከብ። ንሕና ድልየትና እዚ ዝተሰሓሓተ ፖሊሲ ኣሜሪካ ንክእረም እዩ።

ሕቶ፡- ነባር ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ብዛዕባ ግድብ ህዳሴ ብደንቢ ብዘይምርደኦም ዝተልዓለ ኣብ ሓደ እዋን እቲ ግድብ ግብፂ ክተፈንድኦ እያ ክሳብ ምባል በፂሖም ነይሮም፤ ናቶም ምምሕዳር ኣብቂዑ ብጆባይዳን ንኽትካእ ኣብ ኣሜሪካ ዘለኹም ኢትዮጵያውያን ፃዕሪ ገይርኹም ኢኹም፤ኾይኑ ግና እቲ ፃዕርኹም ኣብ ግምት ብዘይምእታው ኣብ ኢትዮጵያ ፅዕንቶ እናሕደሩ ይርከቡ። እዚ ንምስትኽኻል እናፃዓርኽም ዘለኹም ብምንታይ ኣግባብ እዩ?

ፕሮፌሰር ብሩክ፡– እዚ ንምስትኽኻል እናተንቀሳቐስና ዘለና ብዝተፈላለየ መገዲ እዩ። ሓደ ዜጋታት ኣሜሪካ ብምዃና ድምፂ ንህብ ኢና። ሕድሕድ ድምፂ ድማ ዋጋ ተኽፍል እያ። ንሕና ኣብ ዝሓለፈ 2016 ኣውሮፓ ኣቆፃፅራ ትራምፕ ኣይመረፅናዮምን። ስለዚ ንሕና ኣርባዕተ ዓመት ዝተፀበና ብትዕግስት እዩ ነይሩ። ንሶም ከይምረፁ ዓብይ ምቅስቓስ ገይርና ባይደንን ዴሞክራትታት ዓብይ ግደ ተፃዊትና ኢና። ኾይኑ ግና ፕሬዚዳንት ባይደን ኣብ ጥሪ ስልጣን ምስተረከቡ ሒዞምዎ ዝመፁ ናይ ወፃኢ ርክባትን ፖሊሲ ሰባት ዝነበሩ ነባር ፕሬዝዳንት ኦባማ ምምሕዳር ውሽጢ ዝነበሩ ዝሓለፈ ስርዓት ፈተውትን ኣቀንቀንትን ዝኾኑ 27ን30ን ዓመት ከም መሓዙት ገይሮም ዝሰርሑ ሰባት እዮም። በእዚ ጠንቂቕና ንፈልጥ ኢና። ንዓኣቶም እዩ ስልጣን ዝተውሃቦም። ስልጣን ምስ ረኸቡ ድማ ኣብ ፈረስ እዮም ዝወፁ። ብቀጥታ ፀረ ኢትዮጵያ ፖሊሲ ምርማድ እዩ ዝተድሓሓዝዎ። በዚ ብጣዕሚ ኢና ሓዚና። ግና ሓደ ግዜ ስለዝተመረፀ ንድሕሪት ምምላስ ኣይካኣልን። ስለዚ ኣርባዕተ ዓመት ምፅባይ እዩ።

ግና ዝሰርሕዎ ስራሕ ርክብ ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ከምዝጎድእ ክረድኡ ኣለዎም። ኢትዮጵያ ብሰላምን ፀጥታን ዘለዋ ኣስተዋፅኦ ልዑል እዩ። ኣብ ቀንድ ኣፍሪካ ሰላም ምሕላው ዓብይ ግደ ኣለዋ። ኢትዮጵያ ኣልሻባብ ኾነ ካልእ መፍረሲ ሰላም ብምውጋእ ዝገበረቶ ኣስተዋጽኦ ልዑል እዩ። ግብረ ራዕዳዊ ምግፋጥ ዓብይ ስራሕ እንሰርሕ ኢና።

ኢትዮጵያ ማለት ተራ ናይ ኣፍሪካ ሃገር ኣይኮነትን። ከምዚ እንብል ግና ካልኦት ሃገራ ኣፍሪካ ትሕት ብምግባር ኣይኮነን። ኢትዮጵያ ልዕሊ 115ሚልየን ህዝቢ ዘለዋ ሃገር እያ። ጂኦፖለቲካል ኣንፈትና እንኳዕ ንኣፍሪካ ቀንድ ይትረፍ ክሳብ ቀይሕ ባሕሪ ኢሉ’ውን ክሳብ የመንን ኦማንን ፅዕንቶ ምምሕዳር ዘኽእል እዩ። እዚ ኾይኑ ግና ኣብ ቀውሲ ውሽጢ እንተኣትያ እዚ ኹሉ ስግኣት ክወስዱ ስለዘለዎም ቃልስና ክቕፅል እዩ።

ሕድ ሕድ ኮንግረንስ ኣባልና ሴናተር ብተኸታታሊ ብስልኪ ንራኸብ ኢና። ኢ-ሜይል ብምልኣኽ’ውን ንከታተል ኢና። ሕድ ሕድና በቢስቴቱ ሕብረት ፈጢርና ተወከልቲ ኣባላት ብምውካል ጠንኪርና እናተኸራኸርና ንርከብ። እዚ መልእኽቲ እንታይ እዩ እንተይልና ባይደን ጉዳይ ወፃኢ እንትኾኑ ንልዕሎም ፣ ተዘይኾይኑ ግና ስርዓት ንክሕዙ ወይም ካብ ዝተሳሳሓትዎ መገዲ ንክለሱ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ዓብይ ፅዕንቶ እናሕደርኹም ኢኹም፣ እናገበርኽምዎ ዘለኹም ትኽክል ኣይኮነን፣ እናተጠቕዐ ዘሎ ህዝቢ ኢትዮጵያ እዩ፣ ብዘይ ሕጋዊ ብዝኾነ መልክዑ ናብ ስልጣን ምምላስ ዝደሊ ኣካል ኣሎ። ኣብ ህዝብና ኹናት ዝእውጅ ዘሎ ኣካል ኣሎ። ምስዚ ኣካል ምኻድ ርክብ ኢትዮጵያ ዝጎድእ ከምኡ’ውን ፅቡቕ ነገር ዘየምፅእ ከምዝኾነ ኢና እንነግሮም። እዚ ንክርድኡን ትኽክለኛ መንግስቲ ንክፈልጡ ኢና እንገብር ዘለና።

ሕቶ፡-መንግስቲ ኣሜሪካ እዚ ዝኣክል ኣብ ኢትዮጵያ ዘምረርሉ ምኽንያት እንታይ ይኾን?

ፕሮፌሰር ብሩክ፡-ብቀሊሉ ንምምላስ ተኣዛዚ መንግስቲ ምድላዮም እዮ። ኣብዚ ክስምር ዘለዎ ነገር ብምኽንያት ዝዕፀፍ፤ኹርዓት ዘይብሉ ፤ብነፃነቱ ዝኾርዕን ጠንካራ መንግስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ንክህሉ ኣይደልዩን። ኣብ ዝሓለፈ 27 ዓመት ዝነበረ መንግስቲ ብደንቢ እዩ ዝእዘዝ ነይሩ።

ኣብዚ ኸዚ ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተኣዛዚ ምዃን ዓብይ ጥርጣረ ኣለዎም። ኸዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ መንግስቲ ኹሉ ነገር ብማዕረ ዓይኒ ዝርኢ ፤ናይ ባዕሉ ዝኾነ ኹርዓት ዘለዎ ፤ሓቢረ ምስ ኣሜሪካ ክሰርሕ እየ ዝብል ፤ግልፂ ዝኾነ ቅዋም ዘለዎ ፤ኾይኑ ግና ኣብ ኢትዮጵያ ጥቕም ክብርን ዝነክእ ነገር እንተመፂኡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክሓስበሉ ምባል ስለዝጀመረ እዚ ነገር ድማ ኣይተመቸዮምን። እዚ ኩነታት ንዓኣቶም ቅር ዘበሎምን ዘየሐጎሶምን ኣካይዳ እዩ። ክፅውዕዎ ኣቤት ዝብል መንግስቲ እዮም ንሶም ዝደልዩ። ድልየቶም ዘየሳኽዕ ኣካል ብዘይምንባሩ እዩ እዚ ኹሉ ፅዕንቶ እናበፅሐ ዘሎ። ኾይኑ ግና ንሕና ኣብ ኣሜሪካ ዘለና ኣሜሪካውያን ኣሜሪካውያን ኢትዮጵያውያን መንግስቲ ኣሜሪካ ከምዝነኽብር ኹሉ ንሳቶም’ውን ህዝብና ከኽብሩ ኣለዎም ባህልቲ ኢና።

ሕቶ፡-ኣብ ቀረባ ከምዝፍለጥ ኢትዮጵያ ፣ ሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት ተረኺቦም ብግብፅ ከሳስነት ንዘቕረቦ ሕቶ መብራህርሂ ብምሃቦም ጉዳይ ህዳሴ ግድብ ናብ ሕብረት ኣፍሪካ ንክምለስ ተገይሩ እዩ፤ ኢትዮጵያ ጌጋ ብዘይምፍፃማ ብዙሓት ንምንታይ ክናደዱ ክኢሎም?

ፕሮፌሰር ብሩክ ፡-ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት ኣጀንዳ ኢትዮጵያ ብምግባር ግብፃውያን ኸሲሶምን ሃገራት ዓረብ ኣተሓባቢሮም እዮም መፂኦም። ኾይኑ ግና ምንም እኳ ሕብረት እንተሃለወ ኣብ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘቕረብናዮ መብራህርሂ ሰዓርቲ ኾይና ክንወፅእ ኽኢልና ኢና። ንዓና እዚ ተፈጥሮ ዝሃበና ፈጣሪ እዩ። ሩባ ኣባይ ካብ ተፈጥሮ ዝረኸብናዮ እንትኾነ’ውን ቅድሚ ኸዚ ግና ስለ ኣባይ ንከይንሓስብን ንከይንጥቀምን ተገይርና ኢና። ኣስተዋፅኦ ዘይገበሩ ከም ግብፂ ዝበሉ ሃገራት እዮም ብትዕቢት ተላዓዒሎም ናተይ እዩ ዝበልና ዋ! እናተብሃና እናተፎከረልና ዝነበረና ኢና። መንግስቲ ኸዚ እንተጀመሮ’ውን ዝሓለፉ መንግስታት ሓሳብ ኾነ ፕላን ከምዝነበረ ዝፍለጥ እዩ። ኾይኑ ግና ብሃፀይ ሃይለስላሴ ኾነ ብደርጊ ድልየት እንተሃለወ’ውን ጉዳይ ዓቕሚ ብምዃኑ ምጅማር ኣይተኽኣለን ነይረ። ዝሓለፈ መንግስቲ ዝጀመሮ ግድብ ህዳሴ ኸዚ ናብ ምዝዛሙ ይርከብ። ምዝዛሙ እናቐረበ እንኸይድ ድማ ተቃውሞ ድማ ብኡኡ ልክዕ እናወሰኸ እዩ ዝኸይድ። ብምዃኑ ግብፂ እቲ ጉዳይ ናብ ኣሜሪካ ፣ናብ ሕቡራት መንግስታት ፣ ናብ ኣውሮፓውያን ኢሉ’ውን ሃገራት ዓረብ ንምውሳድ ሙከራ እንተገበሩ’ውን ብሕብረት ኣፍሪካ ጥራሕ ንክዛዘም ብዝብል እዩ እቲ ኣኼባ ንዓና ዓብይ ዓወት እዩ።

ቤት ምኽሪ ፀጥታ ብኣባልነት ካብ ዘለዉ ሃገራት ምሳና ጠጠው ዝበሉ ቻይና ፣ራሽያ፣ ካልኦት’ውን ኣሎ። ስለዚ ዝተሓሰበልና ተንኮል ኸሺፉ እዩ። ግብፃውያን ዝተኣማመንሉ ምዕራባውያን ዓለም ብፍላይ እንግሊዝን ኣሜሪካን ሒዘን ኢትዮጵያ ፅዕንቶ ብምፍጣር ስራሕ ምትእጉጓል ጥራሕ እንተይኾነስ ኣብቲ ማይ ምድርዳር ክንመርሕ ኢና ብዝብል እዩ ነይሩ።

ከም ኣውሮፓ ኣቆፃፅራ 2015 መርሕ ስምምዕነት ዝብል ኣብ ሱዳን ዝተፈራረምናዮ ኣሎ። ንሕና ማይ እናመላእና ዘለና በዚ ስምምዕነት መሰረት እዩ። በዚ መሰረት ኢትዮጵያ ሕጊ ዓለም ዝጥይቑ ኹሉ ዘማለአት እያ። ዝተፀንዐ ፅንዓት ንኽልተ ሃገራት ኾነ ንተዓዘብቲ ብምቕራብ ንክባሃል ብግልፂ እናቕረበት ፀኒሓ እያ። በዚ መሰረት እዩ ኻልኣይ ምምላእ ማይ መሊኣ ዝዛዘመት።

 ኣብዚ ኹሉ ድማ ናይ ኢትዮጵያ ኣምላኽ ኣይተፈለየናን። ስለዚ ናብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ኸይዱ ዝነበረ ክሲ ኣይተሳኸዐን። ኣብዝሓ ሃገራት ኣፍሪካ’ውን ምሳና ኾይኖም እዮም። ንሕና እንጥቀም መስኖ የብልናን። ግብፃውያን ናትና እዩ ኢሎም እንተደኸሙ’ውን ሎሚ’ውን እንተኾነ መሰል ናይ ሰብ ሃገር ኣነኻእናን። ኣብ ቐፃሊ’ውን ክነኽበር ኢና። ብነፃነትና ዝመፅእ ሃገር ግና ኣይንቕበልን።

ሕቶ፡-ኣብ ኢትዮጵያ ኸዚ ዘሎ ኩነታት እቲ ጎንፂ ሓይሉ እዩ፣ እዚ ጉዳይ ንክርጋጋዕ ኣብ ቐፃሊ ኢትዮጵያውያን ኾኑ ዳያስፖራ እንታይ ክገብሩ ትፅቢት ይግበር?

ፕሮፌሰር ብሩክ፡– ጎንፂ ሕድሕድና ጥራሕ እንተይኾነስ ናይ ወፃኢ ፀላእቲ ንኢትዮጵያ ተላዒሎምላ እዮም። ዓብይ ግድብ ህዳሰ ተግባራዊ ንከይኸውን ለይትን ቀትርን ዝፅዕሩ ኣለዉ። ናትና ናይ ውሽጢ ምስ ግብፂ ናይ ምሕባር ኩነታት’ውን ይረኣይ እዩ። ተቃዋሚ ውደብ ንክዕጠቑ ናይ ምግባር ኩነታት ኣሎ። ብሚድያ’ውን ፕሮፖጋንዳ ዝበለፀ ናይ ምስፍሕፋሕ ሽፋን እውን ኣሎ እዩ።

ስለዚ ካብ ዲያስፖራ እንታይ ትፅቢት ይግብር። መጀመርያ ሕብረት ምፍጣርን ሓደ ምዃን ፤ንሕና ኣብ ኣሜሪካ ዘለና ኢትዮጵያውያን ኢትዮጵያውነትና ኹልግዜ ኣብ ልብና ኣንጠልጢልና ኢና እንነብር። ስለዚ ሕብረትና ኣጠናኺርና ንኢትዮጵያ ጠበቓን ኣምባሳደርን ኾይና ኣብ ኹሉ መድረኽ ኣብ ኢትዮጵያ ዝንዛሕ ዘሎ ዝተጋገየ ሓበሬታ ንክስተኻኸል ፃዕሪ ክንገብር ኢና። ንሃገራት ዓረብ ህዳሰ ግድብ ጎዳኢ ከምዘይኾነ ዝበለፀ ክነርድእ ይግበኣና። ቋንቋ ዓረብኛ ብዘይምምሃርና ይጎድአና ነይሩ። ዓረብኛ ትምህርቲ ብምጥያሽን ዓረብኛ ተናገርቲ ኣኪብና እቲ ሓቂ ንምግላፅ ኢና ንሰርሕ። ግብፃውያን ብዙሕ ሚድያ ኣለዎም። ናትና ሚድያ ዝፅብፀብ ስራሕ እናተተርጎመ ብፍጥነት ናብ ዓረብኛ ተቐይሩ ንኽቀርብ ክንቃለስ ኣለና። እቲ ቋንቋ ዝኽእሉ ቅኑዓት ዝኾኑ ከምኡ’ውን ኢትዮጵያ ዘቐድሙ ልክዕ ከም መሓመድ ኣላ ኣሩሲ ክሳብ ሰላሳ ኣርብዓ ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን ጉዳዩ ኣጠንኪሮም ሒዞም ንክሟገቱ እዩ ትልምና።

ብፍላይ ንህዝቢ ግብፂ ኢትዮጵያ ልክዕ ከም ፀላኢ ክተጥፍኦም ከምዝኾነት ዝተነገሮም እቲ ሓቂ ንምውፃእ ክስራሕ ኣለዎ። ኢትዮጵያውያን’ውን ክለምዑ ኣለዎም። ነዚ ድማ ንኹሉ ዓለም ክፍልታት ዘሎ ዲያስፖራ ሕብረት ፈጢርና መንግስትን ህዝብናን ክንሕግዝ ኣለና።

ሕቶ፡- ኸዚ ኢትዮጵያ ካብ ድኽነት ብምውፃእ ናብ ብልፅግና ንምእታው ኣብ እትገብሮ ናይ መጀመርያ ጉዕዞ ካልኦት ሃገራት ፅዕንቶ እናሕደሩ ይርከቡ፤ እቲ ሓቂ ኣብ መሬት እናሃለወ ዝወረ ግና ኻሊእ እዩ እሞ ንምዕራባውያን ዘመሓላልፍዎ መልእኽቲ እንታይ እዩ?

ፕሮፌሰር ብሩክ፡-ንምዕራቡ ዓለም ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ኢትዮጵያ ብደንቢ ተዝፈልጥዋ ፅቡቕ እዩ። ንሕና ዝፈልጥዋ ይመስለና ነይሩ። ምዕራብ ሃገራት ዘሸነፈት ፤ነፃነታ ኣኺቢራ ንሽሕ ዓመታት ዝነበረት ሃገር ብደንቢ ክፈልጥዋ ይግባእ። ኢትዮጵያውነት ፈሪሃ እግዝኣብሄር ዘለዎን ነፃነቱ ዝፈቱ እዩ። ሚዛናዊ እዩ። ስለዚ ንሕና ከምነኽብሮም ንሳቶም’ውን ከኽብሩና ኣለዎም። ምዕራባውያን ንሕና ብዝተገፋዕና ቁፅሪ ከም ብረት ጠንካራታት ህዝብታት ከምዝኾና ክርድኡ ይግባእ። ኢትዮጵያ ደፊኡ ዘሸነፋ ሃገር ከምዘየለ ምዕራባውያን ተዝፈልጡ ፅቡቕ እዩ። ብኻልእ ወገን ድማ ኢትዮጵያ ምስኣን እንታይ ማለት ከምዝኾነ ክፈልጡ ኣለዎም። ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ እናኸፈለቶ ዘሎ መስዋእትነትን ንቐፃሊ’ውን እንተኾነ ናታ ኢድ ኣእታውነት ወሳኒ ከምዝኾነ ከስታውስዎ ይግባእ። ኢትዮጵያ ምንካእ ማለት ናይ ባዕሎም ጥቕሚ ምስኣን እዩ። ንሕና ድማ እንትደፍኡና’ውን ኣይንብርከኽን ኣይሳኸዐሎምን’ውን። ስለዚ ምሳና ምክብባር ንዓናን ንዓኣቶምን ዝጠቕም እዩ። እቲ ኣረጊት ስርዓት ንከይምለስ ሓሊፉ እዩ። ውድቀት ኢትዮጵያ ዝምነዩ ኣካላት ኸዚ ዘሎ መንግስቲ ከም ሽምዓ ቀሊጡ ዝውዳእን ብዝነኽእዎ እዋን ዝፈርስ መሲልዎም እንተኾይኑ ተጋግዮም እዮም።

ሕቶ፡-ንራዕዳዊ ህወሓት ዘመሓላልፍዎ መልእኽቲ ይህሉ ይኾውን ዶ?

ፕሮፌሰር ብሩክ፡-ንዓኣቶም ዘለኒ መልእኽቲ መንገድኹም ስሒትኹም ኢኹም እዩ። ካብ መጀመርያ ጀሚሩ ዝመፅዎ ዕላማ ሃገርና ኣብ ፀገም ኣትያ እያ እሞ ጠጠው ኢሎም እንትሓስቡ እየ ዝብል። ንኹሉ ድማ እዋን ከምዘለዎ ክዝንግዑ የብሎምን። ኣብ ኢትዮጵያ ኣመራርሓ ብምዃን ን 27 ዓመት ኣይተጠቐሙሉን ፤ዴሞክራሲ ብሰፊሑ ኣይኸዱልን፤ ብኢኮኖሚ ኩነታት እንትረአ ድማ ንሳቶም ናብ ምዝራፍን መሰል ጉዳያትን ብምእታውም እቲ ህዝቢ ንምሓዝን ገይርምዎ እዮም። ህዝቢ ኢትዮጵያ ፅቡቕ ግንዛበ ኣለዎ። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት እንታይ ከምዝሰርሑን ድኽመቶም እንተኾነ’ውን ብኣግባቡ ተረዲኡ እዩ።

ኸዚ ድማ ብሓድሽ ጉልበት ኣዲስ ኣበባ ክንኣቱ ኢና እናበሉ እዮም። ሓረስታይ ትግራይ ኣብ ኲናት ይሞቱ ኣለው። ናታቶም ደቂ ድማ ኣብ ኣሜሪካ ገዛ ተገዚእሎም ኣብ ምምሃር ከምዝኾኑ እነስተውዕሎ ጉዳይ እዩ። እዚ ድማ ናይ ግፍዒ ግፍዒ እዩ። እስኪ ሓቂ እንዛረብ እንይልና ዝኸድዎ ኣካይዳ ንህዝቢ እንተኾይኑ ደቆም ካብ ዝማዕበሉ ሃገራት ኣምፂኦም ማዕረ ምስቲ ድኻ ወዲ ህዝቢ ትግራይ ናብ ኹናት የሰልፉ።

ስለዚ ንዝተጋገየ ኣካይዳ ፖለቲካ እናሞተ ዘሎ ናይቲ ህዝቢ ደቁን ባዕሉ እቲ ድኻ ህዝቢ እዩ። ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ካብ ደርጊ ኣይገድድን ብዝብል ስለዘይተሞከሩ ኣትዮም ኣዲስ ኣበባ እንትቖፃፀሩ ጠጠው ኢሉ ኣስተውዒሉ እዩ። ኸዚ ግና እሱ ዕድል ኻልኣይ ኣይመፅእን፤ ተፋሊጥና ኢና። እቲ ህዝቢ ብደንቢ ፈሊጥዎም እዩ። ስለዚ ህዝቢ ትግራይ እቲ ድኻ ህዝቢ ናብ ኹናት ተዘይየእትውዎ ፅቡቕ እዩ።

ዝተውሃቦም ናይ ይቅርታን ፅሞናን እዋን ብግብረ ራዕዲ ብምፍራጆም ተሓታቲ ዝኾንሉ እዋን እዩ እናመፀ ዘሎ፤ ግዘ ምዝርራብን ምዝታይን ዝሓለፈ ይመስለኒ። እናገበርዎ ዘሎ ጥፍኣት’ውን ብዙሕ ስለዝኾነ ዋጋ ዘኽፍሎም እዩ። ንሕና ድማ ብጥንቃቐ ራዕዳዊ ህወሓት እናፈለና ናይቲ ህዝቢ ሕሊና ከይንጎድእ ክጥንቀቕ ኣለና።

ሕቶ፡-ንዝሃቡና መብራህርሂ ካብ ልቢ የመስግን።

ፕሮፌሰር ብሩክ፡-ኣነ’ውን ንዝተውሃበኒ ዕድል የመስግን።

 መሰረት ገ/ዮሃንስ

 ወጋሕታ 29 ሓምለ 2013 ዓ.ም

Recommended For You