ንሰላም ዝግበር ሰላማዊ ቃልሲ ክጠናኸር ይግባእ

ኣድላይነት ሰላም ክንደየናይ ምዃኑ ንኹሉ ግልፂ ‘ዩ። ንሰላም ዝተኸፈለ ዝኾነ ዋጋ ውፅኢቱ ኩልግዜ ምቁር ‘ዩ። ንመፃኢ ወለዶ ‘ውን ዘየሕፍር ውህብቶ ‘ዩ። መንእሰይ ኣብ ከባቢኡ ሰሪሑ ንክልወጥ ፣ መነባብሮ ህዝቢ ንምርግጋዕ ፣ ዕብየት ሃገር ንክረጋገፅ ኮታስ መሰረት ህይወትና ሰላም ‘ዩ፤ ነዚ ‘ውን ‘ዩ ብዛዕባ ሰላም እንትዝመር ኹሉ ብሓደ ድምፂ እንትቕበሎ እንርኢ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ትግራይ ዓሲሉ ዘሎ ደመና ምዝራግ ሰላም ናብ ዝተረጋገዐ ሰላም ንክመፅእ ናይ ብዙሓት ድልየት ‘ዩ። እዚ ሰላም ተግባራዊ ንክኾን ናይ ኹሉ ትፅቢት ‘ዩ ። ህዝቢ ትግራይ ካብ ዝነበሮ ፀበባ ንምውፃእ ካብ ናብራ ሰቐቐን ንምግልጋልን ዝነበሮ ድልየት ጉዳይ ሰላም ካብ ሓሳብ ሓሊፉ ናብ ተግባር ንክመፅእን ለውጢ ከምፅእን ዓብይ ተስፋ ‘ዩ ነይርዎ።

መንግስቲ ኾነ ህዝቢ እዚ ዝተረኸበ ሰላም ብምጥቃም ናብ ልምዓት ንምቕያር ትልሚ እንተሃለዎም ‘ውን ብሰንኪ ስልጣን ፈተዉቲ ዉሑዳት ኣካላት ኣብ ሓዚ ሰዓት ኣብ ፀገም እንትኣቲ እናረአና ኢና፡፡ እዚ ድማ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናጋደደ ህዝቢ ኣብ ስግኣት ንክወድቕ ካብዚ ሓሊፉ ድማ ኸባቢኡ ገዲፉ ናብ ካልእ ቦታታት እናዋሓዘ ይርከብ፡፡

እዚ ድማ ሓላፍነት ክወስድ ዘለዎ እቲ ኸባቢ ዘመሓድር ዘሎ ኣካል እንተኾነ ‘ውን ሕቶ ሕቶ ህዝቢ ንምምላስን ዘተኣማማን ሰላም ንምዕሳልን ብዝተፈላላዩ ምኽንያታት ዓቕሚ ኣይረኸበን፡፡ ኣብ ትግራይ ዘለው ፖለቲካዊ ኣመራርሓታት ኣብ እዋን ኹናት እዋን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጎኖም ከምዝነበረ ኸዚ ኣብ ዝተጎድኣሉን ሓገዝ ኣብ ዝደልየሉን እዋን ብግዴኦም ኣብ ጎንኻ ኣለና ክብልዎ ኣይኻኣሉን።የግዳስ ዝተረጋገዐ ሰላም ከየስተማቕር ይግርዎ ኣለው፡፡

ህዝቢ ትግራይ ኣብዚ ሒዘ እዋን ዝደልዮ እታ ተረኺባ ዘላ ሃዋህው ሰላም ሙሉእ ብሙሉእ ተግባራዊ ኾይና ህይወቱ ከም ሓድሽ ንምጅማር እንበር ዳግም ናብ ጎንፂ ኣትዩ ዝሓለፎ ስቓይ ክደግም ፍፁም ድልየት የብሉን ። ሰላም ካብ ኹሉ ንላዕሊ ኣድላይ ከምዝኾነ ኣብቲ ዝሓለፉ ዓመታት ሰላም ምስኣን ዘሕለፎ ፀገም ምስክር እናኾነ ዘሎ ባዕሉ እቲ ህዝቢ ‘ዩ።

ብሂወት ንኽትነብር ናይ ግድን ክትሰርሕ ዘለካ ‘ኳ እንተኾነ ኮይኑ ግና ሰላምን ድሕንነትን እንተዘይሃልዩ ክትሰርሕ ዘይሕሰብ ‘ዩ፡፡ ነዚ ‘ውን ‘ዩ መንእሰይ ኣብ ዝሰርሐሉ ዕድምኡ ሰኣን ዘረጋግዕ ኣካል ምጥፍኡ ፈቐደኡ እናተበተነ ዝርከብ፡፡ ሰላምን ፀጥታን ኣብ ዘይሰፈነሉ ከምድልየትካ ተንቐሳቒስካ ክትሰርሕ ኣይትኽእልን፡፡

ሰላም ኣብ ዘይሰፈነሉ ኩነታት ይትረፍ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ንጥፈታት ክተካይድ ንሂወትካ ‘ውን ኣስጋኢ ከምዝኾነ እቲ መንእሰይ ዝተረደአ ይመስል፡፡ብምዃኑ ኩነታት ሰላምን ምርግጋዕን ኣዝዩ ክሕሰበሉ ዝግበኦ ጉዳይ ‘ዩ፡፡መንግስቲ ፌዴራል ይኹን እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ነዚ ንምቕራፍ ብዙሕ ፃዕሪ ክገብር ይግባእ፡፡

እዚ ንፅባሕ ይሕደር ዝበሃል ጉዳይ ኣይኮነን፡፡ ብቕልጡፍ ፍታሕ ዘድልዮ ጉዳይ ‘ዩ፡ ፡ መንእሰይ ሰሪሑ መነባብርኡ ክመርሕ እንተኾይኑ ግዝያዊ ምምሕዳር ምስ ሕብረተሰብ ብምንባብ ሰላምን ፀጥታን ብምስፋን ኣብቲ ህዝቢ ሕማቕ ስግኣት ፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ብግልፂ ከፅርዮ ይግባእ፡፡

ኣብ ትግራይ ዝነበረ ኩናት ጠጠው ምባሉ ዓብይ ዕድል ‘ዩ። ትግራዋይ ሐዚ’ውን ንሰላም ጠጠው ምባሉ ኣጠንኪሩ ክቕፅለሉ ኣለዎ። ኩነታት ሰላም ዕሽሽ እናበልካ ንዝተወሰነ ጉጅለ ጠቒሙ ንኣብዝሓ ዝጎድእ እንተኾይኑ ዘይሩ ዘይሩ ናብ ፀገም ኢኻ ትኸይድ።

ሰላም ክንደየናይ ኣድላይ ከምዝኾነ ፍሉጥ ‘ዩ። ብኢኮኖሚ ንክትዓቢ ንክትማሃር ሰላማዊ ማሕበረሰብ ንክህልዉ ካብ ሕድ ሕድና ሰላም ዝኾነ ኣተሓሳስባ ክህልወና ይግባእ። ቀፂሉ ምስ ጎረባብትኻ ሰላም ትኾን ቀፂሉ ምስ ዓለም ‘ውን ስምምዕነት ትፈጥር። ንዉሑዳት ስልጣን ፈተውቲ ክባሃል ህዝቢ ዝብፅበፀሉ ኩነታት ክፍጠር ኣይግባእን፡፡

ብፍላይ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኣካይዳ ንስልጣን ወንበር እንበር ንረብሓ ህዝቢ ዘቐደመ ስለዘይኾነ ክቕየር ኣለዎ።ህዝቢ እንትህሊ ‘ዩ ስልጣን ትርጉም ዝህልዎ፡፡ እቲ መንእሰይ ኣብ ዳግመ ህንፀት ንምስታፍ ኩነታት ሰላምን ምርግጋዕን ክመቻቸው ይግባእ። ናይቲ መንእሰይ ሓሳብ ክድመፅ ኣለዎ።መሰሉን ግቡኡን ፈሊጡ ዝንቀሳቐሰሉ መገዲ ክፍጠረሉ ይግባእ፡፡ ቃልሱ ብረት ብምልዓል ጥራሕ እንተይኾነስ ሰላም ኣብ ምርግጋፅ ‘ውን ተሳትፍኡ ከዕቢ ይግባእ፡፡ ንሰላም ዝግበር ቃልሲ ድማ ውፅኢቱ ሰላማዊ ዝኾነ ወለዶ ንምፍጣር ዓብይ ግደ ኣለዎ።

ሃገር ኣብ ምልማዕ ድሕንነት ህዝቢ ንክረጋገፅ መሰረቱ ሰላም ‘ዩ። ካብ ሰላም ዝያዳ ተረባሒ ህዝቢ ትግራይ ብሓፈሻ መንእሰይ ትግራይ ድማ ብፉሉይ ተረባሒ ‘ዩ። ሐዚ ተረኺቡ ዘሎ ሰላም ኣብ ዳግመ ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ዓብይ እጃም ስለዘለዎ እዚ ሰላም ዘላቒን ዘተኣማምን ፅኑዕን ክኸውን ኩሉ ክሰርሕ ይግባእ።

እቲ መንእሰይ ድማ ብዞም ዉሑዳት ፖለቲካዊ ኣመራርሓ ብዝፈጥርዎ ዘይምርግጋዕ ብዘይምድንጋፅ ኣብ ዘለዎ ኾይኑ ድምፁ ከስምዕ ይግባእ፡፡ ስደት መፍትሒ ኣይኾንን፡፡ ብሰላማዊ መንገዲ ክቃለሶም ይግባእ፡፡ መሰሉ ‘ውን ‘ዩ፡፡ እቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ኣካላት ህዝቢ ንከገልግሉን ድምፂ ህዝቢ ንክኾኑ ግቡእ ዘለዎም ‘ዮም፡፡

ስለዚ ግቡኦም ህዝቢ ንምድሓን እንበር ሰላም ንምዝራግ ኣይኮነን፡፡ ህዝቢን መንእሰይን ክልል ትግራይ እዚ ብዝግባእ ፈሊጡ ይኣኽለኩም፣ሰላማይ ኣይትተንኩፉለይ ክብሎም ይግባእ፡፡ እንተዘይኾይኑ ዝመፅእ ሓደጋ ንምሽካም ከቢድ ‘ዩ ዝኸውን፡፡ ዝኾነ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ብሰላማዊ ቃልሲ ጥራሕ ብምክያድ ሰላም ምፅናዕ የድሊ፡፡

እዚ ዓምዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ዜጋታት ናፃ ሓሳቦም ዝህብሉ እዩ። ኣብዚ ዓምዲ ዝወፅኡ ፅሑፋት ናይ ክፍሊ ምስንዳእ ቅዋም አይኮኑን።

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ 29 ጥሪ 2017 ዓ.ም

Recommended For You