ተግባራዊ መልሲ ዝደሊ ለበዋ

ትግራይ ሐዚ ዘላቶ ኹነታት ፅቡቕ ኣይኾነን፡፡ካብ ድምፂ ጥይት ዋላ ዕረፍቲ እንተረኸበት ካብ ፖለቲካዊ ቕልውላው ኣይወፅአትን፡፡ኣብ ሞንጎ ኣመራርሓ ህወሓት ዝተፈጠረ ኣፈላላይ ከምኡ ‘ውን ኣብ መንጎ ሊሂቅ ትግራይ ዘሎ መፍትሒ ምቕማጥ ናይ ዘይምኽኣል ደውታን ካልኦትን ተወሲኺዎ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጭንቅን ፍርሓትን ንክነብር ተገዲዱ ኣሎ፡፡

ኣብቲ ክልል ብዝተፈጠረ ደውታ ሊሂቅን ኣብ ኣመራርሓ ህወሓት ካብ ግዘ ናብ ግዜ እናሰፍሐን እናኸፍአን ዝኸይድ ዘሎ ኣፈላላይን እቲ ፀገም ናብ ህዝብን መሓውር ፀጥታ ተላቢዱ ህዝቢ ››ኹናት ዶ ዳግም ይጅመር ይኾን›› ብዝብል ናብራኡ ንከይረጋጋዕ ገይርዎ ኣሎ፡፡

ኣብ ቀረባ ሰሙናት ብዝተፈጠረ ኹነታት’ኳ ህዝቢ ገንዘብ ከውፅእ ኣብ ባንክታት ተሰልፉ ይውዕል ኣሎ፡፡ዋጋ ሸቐጥ ወሲኹ ኣሎ፡፡እቲ ዝዓበየ ግና ህዝቢ ብፍላይ መንእሰይ እግሩ ናብ ስደት ነቒሎ ኣሎ፡፡እዚ ኹሉ እናኾነ ግና ሊሂቅ ትግራይ ንቲ ፀገም ንምፍታሕ ዓቕሚን ተበግሶን ድሌትን ሲኢኑ ኣብ ደውታን ድቃስን ኣሎ፡፡

ኣብ ትግራይ ዘሎ ፖለቲካዊነ ቕልውላው ካብቲ ክልል ሓሊፉ ጎረባብቲ ክልላት ኮነ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዝህልዎ ፅልዋ ከምዘሎ ኾይኑ ብቀንዲ ግና መነባብሮ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሰንፈለለልን ጭንቅን ክጥሕል ዝገበረ ብምዃኑን እቲ ፀገም ንምፍታሕ ዘሎ ተስፋ ‘ውን ንምእማቱ ኣፀጋሚ ብምዃኑ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣብይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ንህዝብን ሊሂቅን ትግራይ ‹‹ሰላም ፍጠሩ›› ኢሎም ለበዋ ከቕርቡ ተገዲዶም ኣለው፡፡

እቲ ለበዋ ፣ህዝቢ ትግራይ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ እንታይነት መንግስቲ ብግቡእ ዝፈልጥን ምስ ካልኦት ኣሕዋቱ ኰይኑ ሃገረ መንግስቲ ዝመስረተን ፤ ሃገረ መንግስቲ ኣብ ሓደጋ ኣብ ዝወደቐሉ ጊዜ’ውን እንተዀነ ረዚን ዋጋ እናኸፈለ ሃገረ መንግስቱ ዝዓቀበ ፤ ንዴሞክራሲ፣ ሰላምን ልምዓትን ምስ ካልኦት ኣሕዋት ህዝብታት ብምዃን ኣብ ዝተፈላለየ ዘበንን እዋንን እቲ ጊዜ ዝጠልቦ ዋጋ ብምኻፋል ኣብ ምዝባንን ምምዕባልን ኢትዮጵያ ዓቢይ ግደ ዝተፃወተ፤ልቢ ህዝቢ ትግራይ ብፍቕሪ ሃገሩ ዝተመለአ… ምዃኑ ኣፍልጦ ብምሃብ ሐዚ ገጢምዎ ዘሎ ፀገም ዘይግብኦ ከምዝኾነ ዘመልክት’ዩ፡፡

ኣብ ዝሓለፉ ሚኢቲ ዓመታት ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣምን ብዝተፈላለየ ምኸንያትን፣ ብፍላይ ድማ ምስ ማእኸላይ መንግስቲ ብዘጋጠመ ቅርሕንቲ መሬት ትግራይ ዓውዲ ኲናት ፣ ህዝቢ ትግራይ ድማ መጋሪያ ኲናት ምዃኖም፤እቲ ምኽንያት ብዘየገድስ ክለዓል ዘለዎ ሕቶ ኣብ ዝሓለፉ ሚኢቲ ዓመታት ዝተገብሩ ውግኣት ህዝቢ ትግራይ እንታይ ማሕበራዊ፣ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባውን ፀጥታውን መኽሰብ ረኺቡ እንታይከ ከሲሩ? ኢልካ ምሕታትን ምግባጥን ከምዝግባእ ዘዘኻኸረ፣ ከምኡ’ውን ኩሉ ዝተገበረ ኲናት ብሕታዊ መማረፂ ድዩ ነይሩ? ካልእ መፍትሒ’ዶ ኣይነበሮን? ፤ካብ ሕዚ ንድሓርከ ኲናት ንኸይለዓል እንታይ ምግባር ይሓይሽ? ዝብል ሕቶ ኣልዒልካ መልሲ ምርካብ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ዘተሓሳሰበ’ውን’ዩ፡፡

ኣብ መጠቓለሊኡ ድማ ‹‹ኣብ ፖለቲካ፣ ንግዲ፣ ፀጥታ፣ ኣካዳምን ሚዲያን ካልኦት ፅላታት እትነጥፉ ዘሎኹም ሊሂቃት ተጋሩ ወገናትንመላእ ህዝቢ ትግራይን ክሳብ ሕዚ ዝኸፈሎ ዋጋ ይኣኽሎ ፣ ካብ ኲናት ዝርከብ ከስቢ የለን ኢልኩም ፈለማ ፣ ኣብ ውሽጥኹም ዘሎ አፈላላይ ኢህን ሚሂን ኢልኩም ጉዳይኩም ብሰላምን ብምርድዳእን ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ብዘረጋግፅ መንገድን ክትውድኡ ይሓትት ።

ካብኡ ቀፂሉ ድማ ምስ መንግስቲ ፈዴራል ኰነ ካልኦት ሓይልታት ዘለኩም አፈላላያት ብሕገ መንግስቲ ሃገርናን ብዴሞክራሲያዊ መገድን ብምርድዳእ ንምፍታሕ ድልዋት ክትኰኑ እላቦ። ብወገን መንግስቲ ፌደራል ኣብ ኩሉ ጉዳያት ንምዝርራብ ፣ ኣፈላላያት ሓሳብ ድማ ከም ኣፈላላይ ሓሳብ ብምውሳድ ኮይኑ ግና፣ ኣብ ዘረዳድኡና ሃገራዊ ጉዳያት ብስኒት ክንሰርሕ ዘኽእለና ኩነታት ምህላዉ ብምግንዛብ ህዝቢ ካብ ስግኣት፣ ኣዴታት ድቃስ ካብ ምስኣን፣ መናእሰይ ድማ ካብ ስደት ኣብ ምድሓን ክትሰርሑ ልዕሊ ኩሉ ግን ህዝቢ ናብ ልምዓቱን ሕውየቱን ክምለስ ሓቢርና ክንሰርሕ እላቦ›› ዝብል ለበዋ ሒዙ ኣሎ።

እዚ ለበዋ እዋናውን ተግባራዊ ምላሽ ዝደሊ፤ብፍላይ ንህዝቢ ትግራይ ሰላምን ምርግጋዕን ዝፈጥር፤ሐዚ ኣብ ትግራይ ተፈጥሩ ዘሎ ወረ ኹናት ዘትርፍ፤ኣዴታት ካብ ጭንቀትን ራዕድን ኣላቒቑ ራህዋ ዘስፍን ለበዋ ‘ዩ፡፡ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ቅሳነትን ስለዝግብኦ ተግባራዊ ምላሽ የድሊ፤ ይግባእ’ውን፡፡

ወጋሕታ 29 ጥሪ 2017 ዓ.ም

 

Recommended For You