
ወርሒ ጥሪ እዚ ኩነታት ንምሕላፍ ካብ ካልኦት ኣዋርሕ ንበይና ዝተውሃባ ይመስል ጥርን መርዓን ናይ ሓንቲ ሳንቲም ኽልተ ገፅ ‘የን። ቀዳምን ሰንበትን ብዝመፀ ቑፅሩ በቢቦትኡ ፃዕዳ ኽዳን ዝተኸደኑን ዝመልክዑን ሰባት ኣብ ወርሒ ጥሪ ምርኣይ ዝተለመደ ‘ዩ። እዚ ድማ ከም ባህሊ ተወሲዱ መውስቦ እንትሕሰብ ኣብዝሓ ሰብ ወርሒ ጥሪ ‘ዩ ዝመርፅ።
ዘለናዮ ወርሒ ጥሪ ብምዃኑ እዚ ወርሒ እንትመፅእ ድማ ኣብ ብዙሕ ሰብ ኣእምሮ ዝመፅእ መውስቦ ‘ዩ። መውስቦ ነቶም ቤተሰብ ኾነ ጎረቤት ሓጎስ ዝፈጥር ኣጋጣሚ ‘ዩ። እዚ ኣጋጣሚ ተኻፈልቲ ንምዃን ካብ ርሑቕ ዝባሃል ኸባቢ ቤተዘመድ ተሰብሲቡ ብደርፍን ፀወታን ዘሕልፎ ሰሙን ‘ዩ። እቶም መርዓውቲ ካብ ክልእ እዋን ዝተፈለየ ክዳን ተኸዲኖም ትርእዮም። ገፆም ድማ ብፍሽኽታን ሓጎስን መሊኡ ሕጉሳት ኾይኖም ምርኣይ ኣብ እዋን መውስቦ ዝተለመደ ‘ዩ ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ፍሉያት ከምዝኾኑ ይስመዖም።
ነቶም መርዓውቲ ርሑስ ጋማ ንኾነሎም ዝምነይ ሰብ ብዙሕ ‘ዩ ። ውለዱ ፍረዩ ኢሉ ድማ ይምርቕ። ካብ ዝተፈላለየ ብቤተሰብን ጎረቤትን ዝተዳለወሎም ውህብቶ ይቕበሉ። ኣብ ዘመን ህይወት ሓደ ግዜ ዝርከብ እዚ ኣጋጣሚ ነቶም ተመርዓወርቲ ዓብይን ቃሕ ዝብል ተዘክሮ ሒዙ ዝሓልፍ ‘ዩ። ፅቡቕ መውስቦ ቤተሰብ ይምስርት ፤ ቆልዑ የፍሪ ፤ ብስነምግባርን ፍቕርን ድማ ይንበር።
ኣብ ገጠራት ትግራይ መውስቦ ካብ ፈቃር ቤተሰብ ማለት ‘ውን ኣቦን ኦዶን ተረኺብሉ ዝፍጠር ጥምረት ‘ዩ። እዚ ጥምረት ዓብይ ሓላፍነት ዝሓዘ ‘ዩ ። ፅቡቕ መውስቦ ንስድራ ቤት ብሉፅ መሰረት ይኸውን ‘ዩ። ውሉዳት ካብ ወለዶም ፍቕርን ተግሳፅን መምርሕን እናተዋህቦም ንክዓብዩ ርጉእ ሃዋህው የድልዮም ፤ እዚ ድማ ካብ መውስቦ ይብገስ። መውስቦ ኣብ ሃገርና ዓብይ ተቐባልነት ኣለዎ። ወለድና እንትምስሉ ‘ውን ‹‹ካብ ሓደስ ክልተ ምዃን ይሐይሽ ›› እቲ በይኑ ዘሎ ግና እንተ ወደቐ ዘልዕሎ የብሉን ንምባል ‘ዩ።
መውስቦ ኻብ ኹሉ ዕርክነት ንላዕሊ ዝጠበቐ ‘ዩ። ሓያል ሕብረት ‘ዩ። እዚ ሕብረት እዚ ጥንካረ ፣ተስፋ ሒዙ ዝመፅእ ‘ዩ፣ ብቀሊሉ ዝፈርስ ፣ ዝግደፍ ኣይኮነን። መውስቦ ኣብ መንጎ ኽልተ ሰብ ካብ ዘሎ ምትእስሳር ንላዕሊ ሓላፍነት ዝተመልኦ ድልዱል መሰረት ‘ዩ ። ብኽልተ ዝኸረረ ገመድ ክብተኽ ይኽእል ‘ዩ ብሰለስተ ዝተፋሕሰ ገመድ ግን ብቐሊሉ ኣይብተኽን። መውስቦ ድማ ከም ብሰለስተ ዝኸረረ ገመድ ይኸውን። እቲ ሕብረት ኣዝዩ ድልዱል ‘ዩ።
እዚ ድልዱል መሰረት ንምፍጣር ብቀሊሉ ዝመፅእ ኣይኮነን። ኣብ መንጎ ተመርዓውቲ ስጡም ዝኾነ ምልላይ ኣገዳሲ ‘ዩ። ምኽንያቱም ናይ ቤተሰብ ትካል ‘ዮም ዝምስርቱ። ሎሚ ሎሚ እናተረፈ ኸይዱ እንበር ብባህሊ ወይ ድማ ኣብ ሃገርና ኸባብታት ገጠር ወለዲ ንደቆም መፃምዲ ይመርፁ ‘ዮም።
ኣብቲ ኸምዚ ዝግበረሉ ኸባቢ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣገዳሲ ምርጫ ንምግባር ወለዲ ዝያዳ ጥበብን ተመክሮን ከም ዘለዎም ጌርካ ‘ዩ ዝረአ ፤ ተቐባልነቱ ‘ውን ሰፊሕ ‘ዩ ። ወለዲ ብዘማፅእዎ ዝግበር መውስቦ ብዙሕ ግዜ ዕዉት ይኸውን ፤ እዚ ድማ ነቶም ሎሚ ብባዕሎም መገዲ ብምዃድ ወለዲ ዘምፅእሎም መፃምዲ ከም ድሑር ኣተሓሳስባ ገይሮም ዝወስዱ መናእሰይ ፅቡቕ ትምህርቲ ዝኸውን ‘ዩ።
መሰረት ገ/ዮሃንስ
ወጋሕታ 22 ጥሪ 2017 ዓ.ም