ፖለቲካዊ ወጥሪ ብምፍጣር ነቲ ስምምዕነት ምድንጓይ ግቡእ ኣይኮነን

ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ዝፀንሐ ናይ ክልተ ዓመት ኲናት ብመሰረት ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ተፈቲሑ ኣሎ። ብፍላይ ድማ ህዝቢ ትግራይ ናብ ሰላምን ምርግጋዕን ክምለስ ዘኽኣሎ ኹነታት ተፈጢሩ። ንቲ ስምምዕነት ንምፍፃም ፌደራል መንግስቲ ክሰርሖ ዝግባእ ይሰርሕ ከምዘሎ እውን ግልፂ እዩ።

ቀንዲ ጉዳያት ናይቲ ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ፣ ምምላስ ማሕበራዊ ኣገልግሎት፣ ፅገና መሰረተ ልምዓት፣ ምምላስ ተመዛበልቲ ፣ ምፍታሕ ኣፅዋርን ዕጡቓት ብተሃድሶን ስልጠናን ናብ ሕብረተሰብ ምፅምባር…ዝብሉ እዮም።እዞም ስራሕቲ ብመሰረት ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ብክልቲኦም ወገናት ክፍፀሙ ዝግብኦም እዮም።

ነዚ ስምምዕነት ስዒቡ መንግስቲ ፌደራል ከም ባንኪ፣ ቴሌኮም፣ ትራንስፖርት፣ ኤሌክትሪክ፣ ትምህርቲ፣ ጥዕና..ስራሕቲ ብምስራሕ ህይወት ህዝቢ ትግራይ ናብቲ ቅድሚ ኲናት ዝነበረሉ ኩነታት ክምለስ ክኢሉ እዩ ። ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ምምላስ፣ ምፍታሕ ኣፅዋርን ዳግመ-ውህደትን (DDR) ዝኣመሰሉ ስራሕቲ ዝተጀመሩ እንትኾኑ’ውን በቲ ዝድለ ቅልጣፈ ግና ኣይኮኑን። እዚ ድማ ኣብ ሞንጎ መራሕቲ ህወሓት ዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ኣብ ነፍሲ ወከፍ እዋን ሓደሽቲ ኣጀንዳታት ስለዝፍጠር እዩ። እዚ ድማ እቲ ስራሕ ብእዋኑ ከይዛዘም ዕንቅፋት ኮይኑ ኣሎ።

ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ምምላስ ብዝምልከት ኣብ ራያናን ፀለምቲን ዝተጀመረ ስራሕ ናብ ካልኦት ከባቢታት ንምስፋሕ ዝተገበረ ፃዕሪ ብሓደሽቲ ኣጀንዳታት ኣመራርሓ ህወሓት ፈሺሉ እዩ። ዲዲአር ዋላ’ኳ መጀመርያ ምዕራፍ መስርሕ ምውህሃድ 75 ሽሕ ዕጡቓት ናብ ሕብረተሰብ ንምፅንባር ተጀሚሩ እንተነበረ ሐዚ’ውን ብመሪሕነት ህወሓት ብዝተላዕለ ዝተፈላለየ ኣጀንዳታት ብናይ ዳግመ ምውህሃድ ስልጠና ወሲዶም ናብ ሕብረተሰብ ክወሃሃዱ ዝኸኣሉ ሸውዓተ ሽሕ ዕጡቓት ጥራይ እዮም።

ስለዚ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ምትግባር ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ክገብሮ ዝግብኦ ይገብር ኣሎ። ብወገን ኣመራርሓ ህወሓት ግና ነቲ መስርሕ ንምዝራግን ዘደናጉዩን ሓደሽቲ ኣጀንዳታት ብምፍጣር ናይ ምድንጓይ ተግባራት ኣሎ። መሊሶም ድማ ባዕሎም ኣብ ዘደናጎይዎ ስራሕ ንፌደራል መንግስቲ ይኸሱ። እዚ መንገዲ ጥፍኣት ‘ምበር ንህዝቢ ዝጠቅም ኣይኮነን። ስለዚ ክእረምን ክስተኻኸልን ኣለዎ።

ኣብ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ዝተቐመጡ ዕማማት ከይዕወት ዘዐንቅፉ ዘለዉ ኣካላት ህዝቢ ትግራይን መዳርግቲ ኣካላት እቲ ስምምዕነት ደው ከብልዎ ይግባእ። ኣብ ቀረባ እዋን ምስ መንግስታዊ መራኸቢ ሓፋሽ ፃንሒት ዝገበሩ ሚኒስትር መስኖን ከባብታት ቆላታትን ዶክተር ኣብርሃም በላይ ከምዝገለፅዎ ህዝቢ ትግራይ ሰላም ክሕለዎሉ ዝደሊ ህዝቢ ‘ዩ ። ካብ ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ወፃኢ ናይ ገዛእ ርእሶም ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ብምስጓም ዝተረኽበ ሰላም ከጥፍኡ ዝደልዩ ክኹነኑ ይግባእ ኢሎም ‘ዮም። እዚ ሓሳብ ምስ ድሌት ሰላም ህዝቢ ትግራይ ዝሰማማዕ ምዃኑ እሙን እዩ።

ስምምዕነት ፕሪቶርያ ኣብቲ ክልል ኣንፃራዊ ሰላም ክህሉን ሰላማዊ መድረኽ ዘተ ክፍጠርን ምቹው ኹነታት ፈጢሩ ‘ዩ። ብፍላይ ንህዝቢ ትግራይን ዝኾነ ደላይ ሰላም ሕብረተሰብ ክሕጎሰሉ ዝኽእል ዓብዪ ምዕራፍ ሰላም ኣምፂኡ ‘ዩ።

ኣብቲ ክልል ሰላም ብምስፋኑ ኣብ እዋን ኲናት ዝተቛረፁ ንጥፈታት መሰረተ ልምዓት ዳግማይ ክጅመር ተኻኢሉ ‘ዩ። ሰራሕተኛታት መንግስቲ ናብ ስርሖም ክምለሱ፣ ተማሃሮ ትምህርቶም ክቕፅሉ፣ካልኦት መሰረታዊ ኣገልግሎታት ድማ ክቕፅሉ ኣኽኢልዎም ‘ዩ። ስለዚ ዝተፈላለየ ኣጀንዳታት እናኣምፀኣኻ ትግበራ ስምምዕነት ናይ ምድንጓይን ምጉታትን ስራሕ ምስራሕ ጌጋ ‘ዩ። ክእረም ድማ ኣለዎ።

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብመሰረት ስምምዕነት ፕሪቶርያ ዝተፈጠረ ሕጋዊ ትካል ‘ዩ። እዚ ትካል ንጠለባት ህዝቢ ትግራይ ምላሽ ዝህብን ነቲ ክልል ምስ መንግስቲ ፌደራል ዘራኽብን ‘ዩ። ስለዚ ነዚ ትካል ንምድኻምን ንምዕንቃፍን ምስራሕ ነቲ ስምምዕነት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ‘ዩ። ዘይግቡእ ‘ውን ‘ዩ። ንግዝያዊ ምምሕዳር ዝተዋህበ ቀንዲ ተልእኾ ሕቶ ህዝቢ ንምምላስ ዋላ’ኳ እንተኾነ እዚ ምምሕዳር ዝሰርሖ ዘሎ ስራሕ ከይዕወትን ወጥሪ ዝፈጥር ኣጀንዳ ንምፍጣርን ዝሰርሑ ኣካላት ኣለው። እዞም ኣካላት ካብዚ ተግባራቶም ክቑጠቡ ይግባእ።

ዝኾነ ኣብቲ ክልል ዘሎ ሓይሊ፣ ኣብ ፖለቲካዊ ወጥሪ ዘይኮነስ ፀገማት ህዝቢ ኣብ ምፍታሕን ክልል ትግራይ ናብ ናይ ቀደም ንጥፈታቱ ኣብ ምምላስን ትኹረት ብምግባር ኣብ ጎኒ ህዝቢ ደው ከምዝብል ብተግባር ከርኢ ይግባእ።

ወጋሕታ  22 ጥሪ 2017 ዓ.ም

Recommended For You