‹‹ዘይሕጋዊ ዕደና ወርቂ ንምክልኻል እናተሰርሐ ዘሎ ስራሕ ውፅኢት እናምፀአ ‘ዩ›› ኣይተ ፍስሃ ግርማይ

ክልል ትግራይ ብናይ ተፈጥሮ ማዕድናት ሃብታም ምዃና መፅናዕትታት ይሕብሩ። ቅድሚ ኹናት ብርክት ዝበላ ናይ ውሽጥን ናይ ወፃእን ኩባንያታት ኣብ ክልል ትግራይ ዳህሳስ የካይዳን ምፍራይ ዝጀመራን ከም ዝነበራ ሓበሬታታት ይገልፁ። ባህላዊ ምእራይ ወይ ዕደና ወርቂ ‘ውን ንዘመናት ዝፀንሐን ይቕፅል ዘሎን ኣገባብ ዕድና ‘ዩ። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ሃገርና ብፍላይ ድማ ኣብ ትግራይ ብዝነበረ ዘይተረጋገዐ ኩነታት እዚ ዘፈር ተዳኺሙ ፀኒሑ ‘ዩ። ኸዚ ድማ መንግስትን መዳርግቲ ኣካላትን ብዝገበርሉ ትኹረት እናተለዓዓለ ይርከብ።

ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ርክብ ህዝቢ ቢሮ መሬትን መዓድንን ትግራይ ኣይተ ፍስሃ ግርማይ ንትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃብዎ ሓሳብ ከምዝገለፅዎ፤ ‹‹ ኣብቲ ክልልን ከምኡ ድማ ብሓፈሻ ከም ሃገር ዝነበረ ኹናት ማሕበራውን ኢኮኖምያውን ቅልውላው ዝፈጠረሉ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ፤ ካብዚ ዝተልዓለ ብፍላይ ኣብ ትግራይ ዘይሕጋዊ ስራሕቲ ኣለዉ ፤ ብፍላይ ድማ ኣብ ምውፃእ መዓድን ጎሊሁ ዝረአ ዘሎ ዘይሕጋዊ ስራሕ ‘ዩ ›› ይብሉ።

እዚ ንምክልኻል ትልሚ ብምድሓዝ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ድማ የብርሁ ፤ ‹‹ ኸዚ ናብቲ ቁፅፅር ክንኣቱ ከለና መናእሰይ ናብ ስራሕ ምውፋር ፣ ኣብ መወዳታ ሕጋዊ ዘይኾነ ስራሕ ዝሰርሑ ናብ ሕጊ ከምዝቐርቡ እዚ ጥራሕ ኣይኮነን እዚ ናይ ማዕድን ኸባቢ ወረዳ ብሓፈሻ ነባሪ ሓላፍነት ወሲዱ በይኑ ዝዋፀኦ ኣይኮነን ዝብል ሓሳብ ብምምፅኡ ምስ ግዝያዊ ምምሕዳር ብጥምረት ስለዝተሰርሐ ዓበይቲ ለውጢ እናረእና ንርከብ ፤ ናይ ፀጥታ ጉዳይ ስጡም ዝኾነ ስጉምቲ ተወሲዱ ፤ ነዚ ‘ውን ‘ዩ እዚ ውፅኢት ክርከብ ዝኻኣለ ይብሉ።

ኣብ እዋን ዕደና ወርቂ ዝጥቀምሉ ኬሚካል ጉድኣት የብፅሕ ከምዘሎ ብዝምልከት ዝተሓተቱ ኣይተ ፍስሃ እንትምልሱ ‹‹ እዚኦም ዘይሕጋዊ ማዕድን መውፅእቲ ዝኾኑ ዝተዋፈሩ ሰባት ወርቂ ንምውፃእ ዝጥቀምሉ ‘ዩ፤ ግና ብጣዕሚ ዝተፈላለየ እንስሳ ብወራዲ ሩባ ምኽንያት እናጥቀዐ ይርከብ፤ እዚ ንምክልኻል ዝተፈላለዩ ሞያታት ሕጊ ዘካተተ ኮሚቴታት ተጣይሸን እዚ ፀገም ንምቕራፍ እናሰርሓ ይርከባ ›› ይብሉ ዳይሬክቶሬት ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ ቢሮ መሬትን መዓድንን ትግራይ ኣይተ ፍስሃ ግርማይ፣ ኣብዚ ጉዳይ ኣመልኪቶም ዝገበርዎ ቃለ መሕተት ሙሉእ ትሕዝትኡ ከምዝስዕብ ኣቕሪብናልኩም ኣለና ። ሰናይ ንባብ!

ሕቶ፡- ኣብቲ ክልል ብሓፈሻ ዘሎ ምንቅስቃስ መዓድን እንታይ ይመስል?

ኣይተ ፍስሃ ፡- ብብርኪ ክልል ማዕድን እቲ ዓብይ ዘይሕጋዊ ስራሕ ዝረኣየሉ ዘፈር ኾይኑ ፀኒሑ ‘ዩ። ናይዚ መልዓሊ ድማ ዝፍለጥ ‘ዩ፤ ኣብቲ ክልልን ከምኡ ድማ ብሓፈሻ ከም ሃገር ዝነበረ ኹናት ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ቅልውላው ዝፈጠረሉ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ። ካብዚ ዝተልዓለ ብፍላይ ኣብ ትግራይ ዘይሕጋዊ ስራሕቲ ኣለዉ ‘ዮም። ብፍላይ ድማ ኣብ ማዕድል ስራሕቲ ጎሊሁ ዝረአ ዘይሕጋዊ ስራሕ ‘ዩ እናተርኣየ ዘሎ።

ከም ቢሮ ነዚ ዘይሕጋዊ ስራሕ ስርዓት ምድሓዝ ዘኽእል ትልሚ ኣብ ምድላው ‘ዩ ነይሩ። በዚ ወገን ፅቡቕ ስራሕ ተሰሪሑ ‘ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ ትልምና ናብ 50 ኪሎ ግራም ወርቂ ክነእትው ኢና ዝብል ‘ዩ ነይሩ። ካብዚ ብምልዓል ድማ ናብ ብሄራዊ ባንክ ሸሞንተ ኩንታል ዝኸውን ወርቂ ኣታዊ ክንገብር ኢና ዝብል ዓመታዊ ትልሚ ‘ዩ ነይርና ።

ኸዚ ብተግባር ናብ ብሄራዊ ባንኪ ግና ቅድም እቲ ኣካይዳ ስርዓት ብዘለዎ ኣካይዳ ስለዝኸድናዮ ሓምሳን ሓደን ኩንታል ወርቂ ክሳብ ኸዚ ኣትዩ ‘ዩ። እዚ ድማ ልዕሊ ናብ ስልሳን ኽልተን ቢልዮን ብር ኣታዊ ገይርና ኢና ማለት ‘ዩ። እዚ ዓብይ ውፅኢት ‘ዩ ገና ድማ ክቕፅል ‘ዩ ።

ኣብ ከተማ ሽረ ኸዚ ዘሎ ዕዳጋ ሓደ ግራም ብር ዓሰርተ ኽልተ ሽሕን ሽድሽተ ሚኢቲ በዚ ሒሳብ ኢና ዝሰራሕናዮ ስለዚ ልዕሊ 62 ቢልየን ብር ኣታዊ ተገይሩ እዩ ማለት ‘ዩ። እዚ ድማ ቀደማይ ብርኪ ዝባሃል ወርቂ ‘ዩ ። ተሰብሲቡ ዕዳጋ ዝግበረሉ ኣብ ሽረ ‘ዩ፤ ተሰብሲቡ ናብ ኢዛና ይኣቱ ኢዛና ድማ ናብ ብሄራዊ ባንኪ የእትዉ። እዚ ዓብይ ለውጢ ‘ዩ።

እዚ ንክኾን ዝገበሮ እቲ ሓደ ቅድሚ ኸዚ ዝንገብሮ ዝነበርና ትኹረት ማለት ‘ውን ኣብ መዓድን ዝነበረና ክትትልን ቁፅፅርን ብጣዕሚ ዝላሕለሐን ብጣዕሚ ኣፀጋሚ ‘ዩ ነይሩ። ድሕሪ ግዜ ግና ኣብቲ ዘፈር ጥንክር ዝበለ ትኹረት ስለዝተገበረ እዚ ውፅኢት ክርከብ ክኢሉ ‘ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተለምናዮ ሓምሳ ኪሎ ነይሩ ግና ናብ ሰለስተ ኸባቢ ኪሎ ‘ዩ ዝኣተወ። እዚ ብጣዕሚ ውሕድ ‘ዩ። እዚ ዝኾነሉ ድማ በቲ ዝነበረ ዘይምርግጋዕን ዘይሕጋዊ ስራሕን ምኽንያት ‘ዩ ነይሩ። ሐዚ ብሓፈሻ ክንሪኦ ከለና እዚ ዘፈር ማዕድን ኣብ ፅቡቕ ምንቅስቃስ ‘ዩ ዝርከብ።

ሕቶ፡- እዚ ስራሕ መናእሰይ ብሕጋዊ ዝኾነ መገዲ ተወዲቦም ዓርሶምን ቤተሰቦምን ዝቕይርሉ ኩነታት ኣብ ምፍጣር ክሳብ ኸዚ ዝተሰርሑ ስራሕትን ከም ትልሚ ዝተድሓዙን ስራሕቲ እንታይ ይመስሉ?

ኣይተ ፍስሃ፡- ኣብዚ ዓመት ዘይሕጋዊ ስራሕ እናቕረፍና ኹሉ እዚ ስራሕ ዝሰርሕ ናብ ሕጋዊ ስራሕ ክነእትው ኢና ዝብል ትልሚ ሒዝና ኢና መፂና። እቲ ትልሚ ድማ መናእሰይ ብመሬትን መዓድንን ተወዲቦም ብሕጋዊ መገዲ ተረባሕቲ ዝኾንሉ ፣ ክልሉን ህዝቡን ዝረብሕሉ ብሓፈሻ ንሃገር ዝሓሸ ተረባሒነት ዘረጋግፀሉ ኩነታት ብዝተኽኣለና መጠን በቲ ክልል ዘሎ ዓቕሚ መሬት ሪእና በዚ ተወዲቦም ንክሰርሑ ንምግባር ናብ ስራሕ ተኣትዩ ‘ዩ።

ንግዚኡ ቁፅሪ ኣይሓዝክዎን እንበር ብዙሐት ማሕበራት ተወዲቦም ‘ዮም። በዚ ዓመት ልዕሊ ሰላሳ ማሕበራት ክነውድብ ኢና ኢልና ነይርና ፤ ተወዲቦም ድማ ናብ ስራሕ ኣትዮም ‘ዮም ። ዝሰርሕሉ መሬት ድማ ግዝያዊ ወይም ንሓሙሽተ ዓመት መስርሒ ተዋሂብዎም ብዙሓት መናእሰይ ናብ ስራሕ ንክኣትዉ ተገይሩ ‘ዩ። እዚ ሕጋዊ ብዝኾነ መገዲ ገና ክቕፅል ‘ዩ።

ሕቶ፡- እዚ ሰራሕ መዓድን ሕጋዊ ብዝኾነ መገዲ ንክስራሕ ከም ቢሮ ክትትልን ቁፅፅርን ኣብ ምግባር ዝተሰርሑ ስራሕቲ እንታይ ይመስል?

ኣይተ ፍስሃ ፡- እቲ ቢሮ ዓብይ ዝባሃል ፃዕሪ እናገበረ ‘ዩ። በቲ ቢሮ ጥራሕ እንተይኾነስ ብሓፈሻ መንግስቲ ዝሃቦ ትኹረት ‘ውን ዓብይ ‘ዩ። ኸዚ ሕጋዊ ዘይኾኑ ኣካላት ብመዓድን ዝተዋፈሩ ንምፅራይ ጠጠው ንክብል መንግስቲ ኣዊጁ ‘ዩ። ፍቃድ ንኹሉ ምሃብ ጠጠው ንክብል ባዕሎም እቶም ፕሬዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ኣዊጆም ‘ዮም።

ስለዚ ፍቓድ ምሃብ ጠጠው ክነብሎ ኢና። ቀፂሉ ሕጋዊ መን ‘ዩ ዘይሕጋዊስ መን ‘ዩ ዝብል ናይ ምፍላይ ስራሕ ዝስራሕ ‘ዩ ዝኾን። እዚ ድማ ናይ ምፅራይ ናይ ምፍላይ ኩነታት ቀፂሉ ናብ ሕጊ ናይ ምቕራብ ኩነታት ዝካየደሉ እናሰርሐ ‘ዩ። ስለዚ እዚ ዘፍር መዓድን ኣብ ፅቡቕ ብርኪ ዝርከብ ‘ዩ ፤ ግና ዘይሕጋውያን ስርዓት ናይ ምድሓዝ ተሓታትነት ንክህሉ ምግባር እዚኦም ምስተሰርሑ ብቀጥታ ናብ ሃገር ናብ ክልል ብህዝቢ በፂሑ ኣብ ረብሓ ዝወዕለሉ ኩነታት ዝፍጠር ‘ዩ ዝኸን።

ኸዚ ናብቲ ቁፅፅር ክንኣቱ ከለና መናእሰይ ናብ ስራሕ ምውፋር ፣ ኣብ መወዳታ ሕጋዊ ዘይኾነ ስራሕ ዝሰርሑ ናብ ሕጊ ከምዝቐርቡ እዚ ጥራሕ ኣይኮነን እዚ ናይ ማዕድን ኸባቢ ወረዳ ብሓፈሻ ነባሪ ሓላፍነት ወሲዱ በይኑ ዝዋፀኦ ኣይኮነን ዝብል ሓሳብ ብምምፅኡ ምስ ግዝያዊ ምምሕዳር ብጥምረት ስለዝተሰርሐ ‘ዩ እዚ ኹሉ ውፅኢት ዝመፀ።

ናይ ፀጥታ ጉዳይ ስጡም ዝኾነ ስጉምቲ ተወሲዱ ‘ዩ ፤ ነዚ ‘ውን ‘ዩ እዚ ውፅኢት ክርከብ ዝኻኣለ። ከምኡ ድማ ኣብዚ ጉዳይ ናይ ግንዛበ መጨበጢ መድረኻት ብስፍሓት ተኻይዶም ‘ዮም። ካብ ኹሉ ንላዕሊ ድማ ሕጊ ወፂኡ ‘ዩ። ኣብ ዙርያ ማዕድን ዝፀረየ ደንብ ምትግባር ክጅመር ‘ዩ። ቅድሚ ኸዚ እዚ ዝኣክል ቁፅፅርን ደንብን ኣይነበረን ፤እንተነበረ ‘ውን ስጡም ኣይኮነን።

ኸዚ እዚ እቲ ሓደን ዋና ቁልፊ ፀገማት ‘ዩ ተባሂሉ ደንብን ንክህልዎ መመርሒ ንክህልዎ እናተገበረ ‘ዩ። ኣብዚ ዝምልከቶም ኹሉ በዚ ጉዳይ ሓሳባም ንክህቡ ምስ ወሃቡ ድማ ንመወዳእታ ግዜ ዝፀድቕሉ ኩነታት እናሰርሐ ዩ። ናብ ምዝዛም ‘ዩ ዝርከብ። ስለዚ ካብ ክልል ክሳብ ጣቢያ ዘሎ ብሓፈሻ ኣብዚ ጉዳይ እኹል ዝባሃል መብራርሂ ወሲዱ ‘ዩ። ሓሳቡ ‘ውን ሂቡ ‘ዩ። እዚ በዚ መልክዑ ተዝማሓየሸ ዝብል ብመዳርግቲ ኣካላት ሓዊሱ ኹሉ ናይ ባዕሎም ሓሳብ ብምሃብ ኣብ መወዳእታ ዝሳኸዐሉ ኩነታት በፂሕና ኢና።

ሕቶ፡- ማዕድን እንተውፅኡ ዝጥቀምሉ ኬሚካል እቲ ማሕበረሰብ ዝጎድእ ‘ዩ ክባሃል ይስማዕ ‘ዩ፤ እዚ ኬሚካል እንታይ ‘ዩ ? እቲ ማሕበሰረብ ዝጎድእስ ብምንታይ መልክዑ ‘ዩ?

ኣይተ ፍስሃ፡– እዚ ኬሚካል ወይም ሜርኩሪ እንብሎ ወርቂ ንምውፃእ ንምፅራይ ትጥቀመሉ ኬሚካል ‘ዩ። እዚ ዝተኸልከለ ‘ዩ። እዚኦም ዘይሕጋዊ መዓድን መውፅእቲ ዝኾኑ ዝተዋፈሩ ሰባት ወርቂ ንምውፃእ ዝጥቀምሉ ‘ዩ። ግና ብጣዕሚ ዝተፈላለየ እንስሳ ብወራዲ ሩባ ምኽንያት እናጥቀዐ ይርከብ። እዚ ንምክልኻል ዝተፈላለዩ ኮሚቴታት ተጣይሸን ‘የን። ባዓል ሞያታት ሕጊ ዘካተተ ኮሚቴ ኣሎ። ሓለዋ ኸባቢ ዝባሃል ድማ እዚ ‘ውን ባዕሉ ዝኻኣለ ኮሚቴ ተጣይሹ ‘ዩ።

ብሓፈሻ እዚኦም ንምውጋድ ብዙሓት ኮሚቴታት ተጣይሸን ‘የን። እዚ ኮሚቴ ትልሚ ኣውፂኡ ናብ ስራሕ ዝወስድ ‘ዩ ዝኸውን። እዚ ከመይ ገይርና ክትትል ብምውሳድ ምውጋድ ንኽእል ፤ ናብ ሕጊ ንምቕራብ ብኸመይ መገዲ ክኾን ኣለዎ ዝብል ሕድሕድ ትልሚ ወፂኡ ‘ዩ። በዚ መሰረት ናብ ታሕቲ ወሪዱ ብሓፈሻ ኣብ ማዕድን ዘሎ ፀገም ኣብ ምፍታሕ እናሰርሐ ‘ዩ ዘሎ።

ስለዚ በዚ መገዲ እንድሕር እቲ ፀገም ዘይተቐሪፉ ብፍላይ ድማ ህይወት ወዲ ሰብ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ከምዝኾነ ስለዝተኣመነሉ ብብርኪ መንግስቲ ትኹረት ተዋሂብዎ ናብ ተግባር ዝኣተወን በዚ ድማ ዘሎ ፀገም ብሓፈሻ ክቕረፍ ‘ዩ ዝብል እምነት ‘ዩ ዘለኒ።

ንዝነበረና ፃንሒት የመስግን።

ኣይተ ፍስሃ ፡- ኣነ ‘ውን የመስግን።

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ 15 ጥሪ 2017 ዓ.ም

Recommended For You