ሃፍቲ ቱሪዝም ብኣግባቡ ክንጥቀመሉ ይግባእ

ዝተፈላለዩ በዓላት ኣደባባይ ኣብ መንጎ ህዝቢታት ሓድነት ፣ ምትእስሳርን ፍቕርን ዘጠናኽርን በዓላት ከምዝኾኑ ዝፍለጥ ‘ዩ። ኣብቲ በዓል ብዙሓት ሃገራዊ ባህላዊ ክብሪታት ሃገር ዝረኣይሉ ስለዝኾነ ካብ ዝተፈላለየ ሃገራት ነዚ ባዓል ንምዕዳም ብዙሓት ኣጋይሽ ድማ ዝመፅሉን ዑደት ዝገብርሉ ኣጋጣሚ ‘ውን ‘ዩ። ነዚ ባዓል ካብ ዝተፈላላየ ክፋል ሃርናን ዓለማትን መፂኦም ዘኽብርዎ ዉሑዳት ኣይኾኑን። በዚ ምኽንያት ኣብዚ መፂኦም ዑደት ኣብ ዝገብርሉ እዋን ድማ ዘርክቦ ኣታዊ ቱሪዝም ቀሊል ከምዘይኾነ ይፍልጥ።

ኢትዮጵያ ብባህላውን ሃይማኖታውን በዓላት ዝተዓደለት ካብ ምዃና ሓሊፋ እዚኦም ህዝባዊ በዓላት ብምጥቃም ቱሪዝም ንምዕባይ ዘለዎም ግደ ‘ውን ልዑል ‘ዩ። ስለዝኾነ ድማ በዓላትና ካብ መንፈሳውን ባህላውን በዓላት ሒሊፉ ንማሕበረሰብ ዓለም ብኣግባቡ ብምፍላጥ ቀዋሚ ዝኾነ ኣብ መዳይ ቱሪዝም ፍልፍል እቶት ‘ውን ከንገብሮም ይግባእ። እዚ ንምግባር ድማ ትኹረት ተገይሩ ብኣግባቡ ክስረሓሉ ይግባእ።

ሃገርና ኢትዮጵያ ዝድህሰሱን ዘይድህሰሱን ቅርስታት ዝሓዘት ብሃፍቲ ቱሪዝም ሃፍታም ሃገር ክንገብራ እንኽእል ሃገር ‘ያ። ኢትዮጵያ ካብ ሀገራት ኣፍሪካ በዚ ዝሓዘቶም ዝድህሰሱን ዘይድህሰሱን ቅርስታት ኣብ ዓለም ብምምዝጋብ ኣብ ቅድሚት ካብ ዝስራዓ ሃገራት እታ ሓንቲ እንትትኾን ብዙሓት በፃሕቲ ዓዲ ድማ ዝመላለሱላ ‘ያ።

ምስ እዚ ተደሓሒዙ ካብ መስሕብ ቱሪዝም ዝኾኑ ባዓላት እቲ ቅድሚት ዝስራዕ ኣብዚ ሰሙን ዝተኸበረ በዓል ጥምቀት ‘ዩ። ኣብ ዝተፈላለየ ክፋል ሃገርና ብፍላይ ድማ ከተማ ማይጨው ፣ጎንደር ፣ኣዲስ ኣበባ፣ባቱን መላእ ሃገርን ብድምቀት ተኸቢሩ ‘ዩ። ኣብዚ በዓል እንትኽበር ድማ ሆቴላት፣ ባህላዊ መጋየፅታት፣ ባህላዊ ኣልባሳት ሃገር ቦቀል ዝኾኑ ናውቲ ዝፍልጠሉን ዝሽየጠሉን ነቲ ኣምራትን ግልጋሎት ወሃቢን ድማ ዓብይ ኣታዊ ዝረከበሉ ‘ዩ።

ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝመፁ ዑደኛታት እቲ ምርኢት ምርኣይ ጥራሕ እንተይኾነስ ናይቲ ማሕበረሰብ ባህልን ሃይማኖታውን እሴታት ዝምልከትሉ ዕደል ዘለዎ ‘ዩ። እዞም ኣጋይሽ ነዚ ኢሎም እንትመፁ ዝጥቐምሉ ገንዘብ ሒዞም ስለ ዝመፁ ፃኒሒቶም ምችው ኾይኑ ብተፈላለዩ ናይ መዛናግዒ ኩነታት ብምቕራብ ዝምለስሉ እዋን ክናዋሕ ብምግባር ብርክት ዝበለ ገንዘብ ከፍስሱ ምግባር ይከኣል ‘ዩ።

ኢትዮጵያ ብዘለዋ ነዊሕ ዕድመ ዘቑፀረ ታሪኽ፣ ሰሓብቲ ሃይማኖታውን ባህላውን ሓድግታት፣ ውቅብ ባህሊ፣ ዝስማማዕ ኩነታት ፀባይ ኣየር፣ መልክዓ- ምድራዊ ኣቀማምጣን ኣዝያ ሰሓቢትን ዋላ እንተኾነት ቱሪስት ካሊእ ዝደልዮ ኣቕርቦት ኾነ ግልጋሎት ብፍላይ ድማ ድሕንነቱ ዝሕለወሉ እንድሕር ዘይረኺቡ ቀልጢፉ ናብ ዓዱ ምምላስን ተመሊሱ ‘ውን ናይ ምምፅእ ዕድል ምዕፃው ስለዝኸውን ኣብዚ ትኹረት ብምግባር እቲ በፃሒ ዓዲ ዝተረጋገዐ ዑደት ንክገብር ኩነታት ፀጥታ ምጥንኻር የድሊ።

ኣብዚ ዓውዲ እዚ ከም መንግስትን ውልቀ ትካላትን ብዙሕ ስራሕ ምስራሕ የድሊ። ብሓፈሻ ሃገርና ዋላ ብዙሓት ሃፍቲ ቱሪዝም ይሃልውዋ ዘለዉ ክፍተታት ብምድፋን ንበፃሕቲ ቀሊል ምግባር እንተዘይተኻኢሉ ትርጉም የብሉን። ማለት ኣብ ኣተሓሕዛ በፃሕቲ ዓዲ ጉድለታት ንከይህሉ ካብ ውልቀ ጀሚሩ ክሳብ ላዕለዎት ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ትኹረት ዘድልዮ ‘ዩ። ስለዚ በፃሕቲ ዓዲ ንውሕ ዝበለ ግዜ ዝፀንሕሉ መዛናግዒ ምፍጣር የድሊ። ቱሪዝም ዳግም ብምትሳእ ኢትዮጵያ ካብ  ውሽጥን ደገን ከትረኽቦ ዝግባእ እቶት ክትረክብን ክትርባሕን ንምግባር ናይ ኹሉ ርብርብ ኣድላይ ‘ዩ።

በዓላት ኣዳባባይ ይኹኑ ካልኦት ሰብ ስራሕ ዝድህሰሱ ቕርስታት ኣብ ቱሪዝም ዘለዎም ግደ ብኣግባቡ እንተተጠቒምናሎም ቐንዲ ፍልፍል እቶት ብምዃን ከምዘገልግሉ ብፍላይ ድማ ኣብዚ ሎሚ እዋን ግልፂ እናኾነ መፂኡ ‘ዩ። ስለዚ ከም ኣብ ዕብየት ዘላ ሃገር እዚኦም ብኣግባቡ ክንጥቀመሎም እንተኺእልና ኢኮኖሚያዊ ፀገም ኣብ ምፍታሕ ዝህልዎም ግደ ቀሊል ኣይኸውንን።

እዞም ኣጋይሽ ነዚ ኢሎም እንትመፁ ዝጥቐምሉ ገንዘብ ሒዞም ስለ ዝመፁ ፃኒሒቶም ብተፈላለዩ ናይ መዛናግዒ ኩነታት ብምምችቻው ዝምለስሉ እዋን ክናዋሕ ብምግባር ሰራሕቲ ኢደ ጥበብ ብምቕራብ ብርክት ዝበለ ገንዘብ ከፍስሱን እቲ ሕብረተሰብ ተረባሒ ኣብ ምግባር ምስራሕ የድሊ።

ስለዝኾነ ድማ ኣብ ሃገርና ኢትዮጵያ ቱሪዝም ኢንዱስትሪ ብኣግባቡ ተጠቒምካ ቐንዲ ፍልፍል እቶት ንምግባር ሰፋሕቲ ስራሕቲ ክስርሑ ኣለዎም። ልዑል ስራሕቲ እንተተሰሪሑ እዞም ባዓላት ኣደባባይን ካልኦት ቅርስታት ሃገር ብምጥቃም ቱሪዝም ብምዕባይ ዓንዲ ሑቐ ኢኮኖሚ ምግባር ይከኣል ‘ዩ።ዓብይ እታዎት ቱሪዝም ካብ ዘለዎን ሃገራት ተመክሮን ልምድን ምውሳድ ድማ ኣብ ምምዕባል ቱሪዝም ሃገር ናይ ባዕሉ ዝኾነ ኣወንታዊ ፅልዋ ዘሕድር ‘ዩ።

እዚ ዓምዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ዜጋታት ናፃ ሓሳቦም ዝህብሉ እዩ። ኣብዚ ዓምዲ ዝወፅኡ ፅሑፋት ናይ ክፍሊ ምስንዳእ ቅዋም አይኮኑን።

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ 15 ጥሪ 2017 ዓ.ም

Recommended For You